Monday, March 19, 2012

ዜና ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቦና ፖፕ ሼኑዳ ሣልሳይን መልእኽትናን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ - መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር። (መዝ ፻፲፩፥፮/111፥6)


ሞት ጻድቅሲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡር እዩ ከምዝተባህለ ሎሚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይን ክቡርን ዓንዲ ተፈልዪዋ ኣሎ። ኣቦን ፈታውን ሕዝበ ኤርትራ ዝነበሩ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ አቡነ ሺኖዳ ሣልሳይ፤ ኣብ ዝኃለፉ ውሑዳት ዓመታት ብዝተፈላለየ ሥጋዊ ሕማማት ክሳቐዩን ቀጻሊ ሕክምናዊ ምክትታል ክግብረሎምን ድኅሪ ምጽናሕ ኣብ መበል ፹፰ ዓመት ዕድሜኦም ብዕለት ፰ መጋቢት ፳፻ወ፬ ዓ.ም. ካብዚ ድኻምን ጻዕርን ዝበዝኆ ዓለም ኣዕሪፎም። ዜና ዕረፍቶም ብዝተፈላለዩ ማእከናት ዜና ዓለምን ብመንገዲ መራኸቢታትን ኣብ ዝተቓልሓሉ እዋን፤ ኣብ ኵሉ ዓለም ዝርከብ ሕዝቢ ስንባደ ዝፈጠረ እኳ እንተኾነ ምናዳ ኣብ ኵሉ ኵርናዕ ዓለም ንዝርከብ እሞ ኣዕዚዙ ንዘኽብሮምን ንዝፈትዎምን ኣማኒ ሕዝቢ ኤርትራ ግና ዘይጽወር ከቢድ ሓዘን ኮይንዎ ከምዘሎ ግሁድ ነገር እዩ።


“ዘእምንእሱ ውስተ ቤተ እግዚአሔር” ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምሉእ ታሪኽ ሕይወቶም ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝሓለፉ ፵ ዓመታት መዋዕል ሲመቶም ከኣ ብፍላይ፡ ብሰፊሑ ይግለጽ ከምዝነበረን ከምዘሎን፤ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ሥራሕ ተጋድሎን ካብ ናብ ተባሂሉ ተጸብጺቡ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ኣሰር እቶም ዝቐደሙ ኣቦታቶም ዘጽንዑ፡ ንትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ዝተቓለሱ ሓርበኛ፡ ብታሪኽ ንእንፈልጦም ቅዱሳን አበው ዘዘካኽሩ ኦርቶዶክሳዊ ሓዋርያን ሥዕሊ ኦርቶዶክሳዊነትን ነይሮም ክንብል ዝከኣል እዩ። ክርስትናን ጕስነትን ዝዛረቡሉ እምበር ዝነብረሉ ኣብ ዝተሰኣነሉ እዚ ዘመን’ዚ ከምኦም ዝኣመሰለ ህያው አቦ ምርካብን ምርኣይን መግለጺ’ውን ዘይርከቦ ዕጹብ ነገር እዩ።

መበል ፻፲፯ ፖፕ ዘመንበረ ማርቆስ ዝነበሩ ቅዱስ ኣቦና፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከም ዓቢይ ሓዋርያ ዘመንና እትጥምቶም ኣቦ እዮም ነይሮም። ብሓቂ ድማ ነቲ ሕይወት ዝህብ ቅዱስ መጽሓፍ ምንባብን ምስትንታንን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብዚ ዘመን’ዚ ንቅዱስ ወንጌል ተላቢሶም ብግብሪ ዘርኣዩና፡ ህያው ምስሊ ሓቀይናን ትጉህን ጓሳ እዮም ነይሮም። ብዝጽሕፍዎም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነሲ፤ ንሶም ባዕሎም ተነባቢ መጻሕፍ እዮም ነይሮም። ዳግማይ ጳውሎስ ሓዋርያ ዘመንና እንተበልናዮም’ውን ዝተጋገና ኣይመስልናን። ሓደ ኤርትራዊ ሊቅ ዝበሎ ቅኔኣዊ ግጥሚ (ጕት) ከኣ ብሓቂ ንእኦም ዘዘኻኽር እዩ።

“ብዙኅ የዓጽብ ተጋድሎቶሙ ለሐዋርያት
ለጴጥሮስ ኰኵሐ ሃይማኖት ወለዮሐንስ ጸያሔ ፍኖት
በዘመንነሂ ርኢነ ከመ ዘዚአሆሙ ስብከት”

ንሕና’ውን ይደልዎ ንብል። ከምዚ ኪብሃሉን ከምሰለሎምን ይግብኦም በሃልቲ ኢና።

ኣቦታትና ኣስተውዕሉ!

ቅዱስ ኣቦና ብዙኅ ዝዓይነቱ ሓዋርያዊን መንፈሳዊን ኣበርክቶኦምን፤ ካብ ግብጺ ሓሊፉ ኣብ ኵሉ ክፋል ዓለም ምስክርን መስካርን ዘለዎ እኳ እንተኾነ፤ ንኤርትራ ሃገርናን ሕዝባን ብዝነበሮም ፍሉይ ፍቕርን፡ ብዘበርከትዎ ሓዋርያዊ ሥራሕን ፈጺሙ ዘይርሳዕ ህያው ሓወልቲ ተኺሎም እዮም እሞ ንሕና ደቂ እዛ ሓላል ምድሪ ዝኾንና ደቆም ወትሩ ብፍቕሪ ክንዝክሮም ክንነብር ኢና። እቲ ኣብ ሃገርና ዝወጠንዎን ዝጀመርዎን ኵሉ ሓዋርያዊ ሥራሕ ከምቲ ሓሳቦምን ድሌቶምን ኣብ ዘመኖም ኣብ መፈጸምትኡ በጺሑ ክርእዩ እንተዘይኸኣሉ’ውን፤ ነቲ ቅዱስ ሓሳባቶምን ራእያቶም ኣብ ልቡ ዝሠዓሉሉን ብዘይ ቃል ብሕይወቶም ጥራይ ዘለዓዕልዎ ናይ ሕጂን ዝቕጽልን ወለዶ ግና ኣብ ግብሪ ከምዘውዕሎ እምነትና ዱልዱል እዩ። ሽዑ ከኣ ዳግማይ ብኽብሪን ብግብርን ከምዝዝከሩን ከምዝጽውዑን እምነትና ልዑል እዩ።

“አንሰ ሰባሕኩከ በዲበ ምድር ፈጺምየ ግብረ ዘወሀብከኒ ወነገርኩ ስመከ ለሰብእ ለእለ ወሀብከኒ” እናበሉ ቅዱስ ኣቦና ካብዚ ዓለም’ዚ ኣዕሪፎም ናብቲ ዘለዓለማዊ ርስቶም ከይዶም እዮም፤ እቲ ዘተሓሳስብ ግና እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተፈጥረ ባህ ዘየብል ኵነታት ንሶም ብሕይወቱ ከለዉ መዕለቢ ከይተረኽበሉ ገዲፎምና ምኻዶም እዩ። ልዑለ ቃል ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ “ውሉድ ወለድኩ ወአልኃቁ ወእሙንቱሰ ዓለዉኒ” (ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዓለው።”) ዝበሎ ትንቢት ኣብ ሞንጎ ከም ወላድን ውሉድን ዝቝጸሩ ቅዱስ ኣቦናን ኣቦታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ምፍጻሙ ንኽሕዶ ኣይመስለንን። (ኢሳ ፩፥፪/1፥2) ቅዱስ ኣቦና ፖፕ ሼኑዳ’ውን ብሕይወት እንከለዉ እዚ ነገር’ዚ ኣዝዩ የተሓሳስቦምን ወትሩ ይጽልዩሉን ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። ተራሓሒቖም ከይተርፉን፡ ዳግማይ ከኣ ክትሓቛቖፉን ኣዝዮም ሃረር ይብልዎ ከምዝነበሩ ካብ ኣፎም ክስማዕ ዝጸንሐ እሙን ነገር እዩ። ስለቲ ዝተፈጥረ ሽግር ንሓደ ወገን ማለት ንኣቦታትና ምውቃስና ዘይኮነስ፡ እቲ ድሌትና ናይ ክልቲአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ዳግማይ ምሥማርን ሓድነትን ንቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። 

ዝሓለፉ ሓሊፉ እዩ፤ ሕጂ’ውን ናብ ቦትኡ ንምምላሱ ማይ ኣይሓለፎን። ካብ ምፍልላይ ዝኸስብ ሓድነት ዘይሰማምዖ ጸላኢ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ እዩ። ብምፍልላይ ግና ቤተ ክርስቲያን ኣዝያ ትጕዳእ። ልዕሊ ኵሉ ከኣ ምእመናን ግዳያት ይኾኑ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ናይ ፍቕሪን ስምምዕን ኣብነት ነይሮም’ሞ ካልእ ይትረፍ ብሕይወት እንከለዉ ዘይተረኽበ ዕርቂ ኣብ ዕረፍቶም ንምርካቡ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክትጽዕት ይግብኣ እዩ። ኣይኮነን ግና እቶም ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ንዝተፈጥረ ነቓዕ መዝሚዞም፡ ብስም ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ተጐዝጒዞም ቤተ ክርስቲያን ንምኽፍፋልን ጸኒሕን ድርብን ዕላማታቶምን ንምስላጥ ንዝወናጨፉ ዘለዉ ናይ ዘመንና መሠርያን ዝያዳ ዕድል ምኽፋት እዩ ዝኸውን እሞ ኣቦታትና ስለ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ክትብሉ ኣዕሚቝኹም ክትሓስቡሉ ሓደራ ንብል። 

ቅዱስ ኣቦና ነመስግነኩም!

ቅዱስ ኣቦና አቡነ ሼኑዳ ሣልሳይ ስለ ዕብየትን ምስፋሕን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ ዓቕማቶም ዚጽዕሩ ዝነበሩ እዮም ነይሮም። እግዚአብሔር ኣምላኽ’ውን ንኤርትራ ሓዋርያ ክኾኑ፤ መሬታ መላሊሶም ክረግጹን ክባርኽዋን፤ መንበራ ክተኽሉን ዳግማይ ኣትናቴዎስ ገይርዎም እዩ። ብዕረፍቶም ዝመጸ እዚ ከቢድ ኃዘንን ክሳራን’ዚ ናይ ምሉእ ኦርቶዶክሳዊ ሕዝቢ ጥራይ ዘይኮነሲ ናይ ምሉእ ዓለም ወጽዓ’ውን እዩ’ሞ ማዕዶት ካብ ዕመቀ ልብ ዝወጸ ብርቱዕ ጓሂኣ ምስ ኣኃዋት ግብጻውያን እናሓወሰት ንእተፍቅሮም ቅዱስ ኣቦኣ ትገልጽ። እምበኣር መንግሥተ ሰማይ ንዝኸምኦም ዝኣመሰሉ ከምዝኾነት ዝተፈልጠ እንተኾነ’ኳ፡ መንግሥተ ሰማይ የዋርስ፡ ነፍሲ ኣቦና ውስተ ኅፅነ አቡነ አብርሃም የዕርፈልና ማለት ልሙዱን ግቡእን እዩ እሞ ንቅዱስ ኣቦና ፖፕ አቡነ ሼኑዳ መንግሥተ ሰማያት የዋርሶም፤ ንኵሎም መንፈሳዊ ቤተ ሰቦምን ደቆምን ድማ ጽንዓት የሃቦም እናበልና ናይ ኃዘን ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ። ከምቲ ንሶም ባዕሎም ብቃሎምውን ዝብልዎ ዝነበረ፡ ንእኦም ዝሃበን ዘተንሠአን ልዑል እግዚአብሔር ዝሰኣኖ ስለዘየልቦ፡ ሕጂ’ውን ንዓለም ዝኸውን ቅዱስ ኣቦ ንቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከተንሥኣላ ጸሎትና ነቕርብ። 

“ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጒያ ወዲኤ፡ ሃይማኖተይ ሓልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ።” (ቀዳማይ ጢሞ ፬፥፯/4፥7) ኢሉ ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንዝገለጾ ብሕይወቶም ዝደገሙ ቅዱስ ኣቦ እዮም እሞ ክብሪ ይግብኦም። እምበኣር ቅዱስ ኣቦና ድሮ ናብቲ ንሶም ዝናፍቕዋን ዝተጋደሉላን ሰማያዊ ርስቶም ሰጊሮም ኣለዉ። ካብ ልቦም ዘፍቀርዎን፡ ትእዛዙ ኣኽቢሮም፤ ሓደራኡ ብትግሃት ዝፈጸሙሉን ዝዓየዪሉን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኽብሪ ተቐቢልዎም እዩ። ምስቶም ወትሩ ዝዝክርዎምን፡ ዝተማህሩሎምን ዝመሃሩሎምን ዝቐደምዎም ምድራውያን ይኹኑ ሰማያውያን ቅዱሳን ተጸንቢሮም እዮም። ኣብ ምድሪ ኮይኖም ንዝጀመርዎ ምኡዝ ምስጋና፡ ደጊም ብዘይባተኽ ዘለዓለማዊ ምስጋና ምስቶም ሰማያውያን ብምዃን ምምስጋን ጀሚሮም እዮም። ቅዱስ ኣቦና ንካልኦት ኣቦታት ብዘጸናንዑሉ ቃላት ሎሚ ንርእስና ብቃላቶምን ትምህርቶም ከነጸናናዕ ዝግባእ እዩ። 

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጊዜ ንእስነቶም ዓበይቲ ትምህርትን መዘክርን ካብ ዝገደፉሎምን፡ ኣብ ትንሣኤ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ መምህራን ሓደ ንዝኾነ ሊቀ ዲያቆናት ሃቢብ ጊዮርጊስ፡ ኣብ ጊዜ ዕረፍቱ ልክዕ ቅድሚ 60 ዓመትን 6 ወርኅን ደው ኢሎም በቲ ጥዑም ዝኾነ ግጥሞም ከምዝተፋነውዎ፤ ንሕና’ውን ነቲ ባዕሎም ደሪሶም ዘቕረብዎ ግጥሞም ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም ንእኦም ዝግባእ እዩ እሞ ክንደግሎም መሪጽናዮ ኣሎና። 


                                                          “Such was your piety
Your faith and your love
Here is your world
All thorns and crucifixion
But who are you?
Are you a messenger?
For you are brighter than a messenger
You are the throbbing heart
The heart embracing a whole nation
A deep spring of compassion and charitable elation
O great saint!
What a strength without violence
Meekness without weakness
Nobility of temperament
Ever ready to forgive offenses
A father on whose chest we all crawled”

ኦ ቅዱስ ኣቦና ናይ መፋነዊ ሰላምታና ተቐበሉ - ካብ ማዕዶት!
ኣዚና እንፈትወኩም ኦ ቅዱስ ኣቦና!
ብዝተረፈ ቅዱስ ኣቦና ናይ መፋነዊ ሰላምታና ከነቕርብልኩም ኣፍቕዱልና። ኦ ቅዱስ ኣቦና ብዙኅ ሓዋርያዊ ተጋድሎ ፈጺምኩም ሎሚ ኣዕሪፍኩም ኣሎኹም። ከምቲ ትጠቕስዎ ዝነበርኩም ንዓና እምበር ንንዓኹም ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ። ንሃገርና ኤርትራ ብብዓል አባ ገብረ ክርስቶስ ጻድቕ (ዓብዱል መሲሕ ኣል ሓበሽ) ኣቢልኩም ሃገረ ቅዱሳን ምዃና ኣጸቢቕኹም ከምእትፈልጥዋ ነጊርኩምና። መምህረ ቅድስና ምንባሮም’ው መስኪርኩሙሎም። ኣብ ክንዲ እቲ ዝገበርኩሞ ኵሉ ጽቡቕ ነገር ሰናይ ፍረ እናተጸበኹም፤ እቲ በለስ ቖጽሊ ጥራይ ብምጽንሑ፤ ሳሕቲ’ውን ኣብ ክንዲ ዘቢብ መጺጽ ብምፍራዩ ሓዚንኩም ነይርኩም። ግብሪን ድኻምን ደቂ ሰባት ብዘየግድስ፡ ስለቶም እትፈትዎም ቅዱሳን ሃገርናን ራእይኩምን ኢልኩም ንቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሰናይ ነገር ካብ ምግባር ከምዘይትድኅሩ ጠቒስኩምልና ነይርኩም። ኣብ ሃገርና ዘሎኩም ዘይንቕነቕ ፍቕሪ ጽኑዕ ከም እምባ፡ ዓሚቕ ከም ባሕሪ ምዃኑ ንሕና’ውን ካብ ገጽኩም ኣንቢብናዮ ካብ ቃልኩም’ውን ሰሚዕና መስኪርናልኩም። ኦ ቅዱስ ኣቦና! ተዛሪብኩም ከተስምዑ፡ ወጢንኩም ክትፍጽሙ እግዚአብሔር ጸጋ ሂብኩም ነይሩ። ኣባና ምስ በጸሐ ምዅላፉሲ ካብ ምንታይ እዩ? ወይሲ በቲ ብርሃን ዝፍኑ ፍሹኽ ገጽኩም እናጸናናዕኩም ብጥበብ እናኸወልኩም ፈቲኹም ዘይኮነሲ “ጊዜኡ ዘይምኣኸለን” ዝበልኩሞ ዶ ይኸውን። ልባዊ ስክፍታና ክንገልጽ፡ ሕቶታትና ከነቕርበሉ እንኽእል ፍሽኽ እናበለ ዝሰምዕ፤ ርግእ ኢሉ ዘረድእ ከምዚ ከማኹም ቅዱስ ኣቦ ዳግማይ ኣምላኽ ይህብና ዶ ይኸውን!  

ኦ ቅዱስ ኣቦና! ካብ እግዚአብሔር ንዝተቐበልኩሞ ድሩት ዓቕምና ዝጾሮ ብዙኅ ነገር ሂብኩምናን ኣርኢኹምናን ኢኹም እሞ ነመስግነኩም። ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ከም ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ከውሕና ገይርኩም እዩ’ሞ ንፈትውኩም፤ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዓል ብዙኅ መልእኽትታት ገይርኩም እዩ እሞ ወትሩ ከነንብበኩም ኢና። ከም ቅዱስ ማትያስ፡ ዕረፍትኹም ምስ ዕረፍቲ እቲ ሓዋርያ ገይርዎ ኣሎ እሞ ናይቶም ዝገደፉና መተካእታ ሓዋርያና ኢኹም። ከም ቅዱስ አትናቴዎስ ሓዋርያትና ሸይምኩምልና ኢኹም እሞ ንቕነየልኩም። ካብ ክቡር መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ኣሳቲፍኩምና ኢኹም እሞ ንውድሰኩም። ከም ቅዱስ ማርቆስ ቤት ትምህርቲ ባሪኽኩም ሠሪትኩምልና ኢኹም እሞ ክንሃንጾን ክንህነጸሉን እሙን ተስፋና እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ከምቲ እትዝክርዎ፡ ጀሚርና ዘይወዳእናዮ ብዙኅ ቍም ነገርን ዘረባን ነይሩና። ንሕና ወትሩ እናደለናኩምን እናብሃግናኩምን፡ እግዚአብሔር ግና ዝያዳ ፈትዩ ይኣክለኩም ኢሉ ናብኡ ወሲድኩም። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምናዳ’ኳ ኣብ ናይ መወዳእታ እዋናት መዋዕልኩም ዝተባህሃልናዮን ዝመኸርኩምናን ዝተላበኹምናን ኣብ ልብና ውቑር ምዃኑ ሕጂ ኣብቲ ዘዕረፍኩሙሉ ሰዓትን መካንን ደው ኢልና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ብሓዋርያነትኩም ዝተመሰጡ፡ ነቲ ራእይኩም ክውን ዝገብሩ ደቕኹም ድማ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ክትንሥኡን ክበራበሩን ምዃኖም ከምቲ ሽዑ ዝበልናኩም፤ ሕጂ’ውን ደጊምና ብኣምላኽ ዘሎና ተስፋና ጽኑዕ ምዃኑ ንምስክረልኩም ኣሎና። ቃልኩምን ተስፋናን ከየነዕብር፡ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኃይሉን ጥበቡን ክዕድለና ከኣ ኣብ ዘሎኹሞ ኣብቲ ሰማያዊ ስፍራ ምስ ቅዱሳን ኮይንኩም ብጸሎትኩም ክትዝክሩና ብንብዓት ተሰኒና ንልምነኩም ኣሎና። ብርግጽ ከማኹም ዝኣመሰሉ ክንርኢን፤ ግብርን ኣበርኽቶኦምን ክንምርምርን ከሎና ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ዝብሎ ዝኽርኹም ዘይሃስስ ዘለዓለማዊ ምዃኑ ይስወጣና። ዝገደፍኩሞ ነገር ዘለዓለማዊ ስለዝኾነ!   

ዝፈትውኹም ደቅኹም!

2 comments:

  1. Kale Hiwet Yesmialina Ahiwatina. Abona Abi Abo Eyom Neyrom gina sirhihom kulisha misana selezelewo ni zelealem ab libina kineberu eyom. Mengiste Semayat yewarisom Amen. Nisikum Dima Bertieuu ajokum bi Egziabher Tesfa Giberu Amen!

    ReplyDelete
  2. nefes abona ab mengeste semayt mes kudusan yenberelena, neanewen kemom zemeslu abotat yefeternla

    ReplyDelete