Thursday, March 15, 2012

ገዳም ደብረ መስቀል ጕና ጕናን ጥንተ በዓል መስቀልን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

1.     ጥንተ በዓለ መስቀል
መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምድኃን ሥራሑ ዝፈጸመሉ ሥፍራ ኣብ ማእከለ ምድር ቀራንዮ ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሰቒሉ ብዝኸፈሎ መሥዋዕትነት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ መስቀለ ክርስቶስ ንኵሎም ክርስቲያናት ናይ ምድኃን፡ ናይ ዕርቂ፡ ናይ ሰላም፡ ናይ ሓድነት፡ ናይ ተስፋ፡ ናይ ኃይሊ ወዘይመስሎ ምልክት እዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ቅዱስ መስቀል ናይ እግዚአብሔር ናይ ፍቕሩ መግለጺ እዩ።  ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሐ ፫፥፲፮/3፥16)።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከኣ ነቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ መግለጺ ዘይርከቦ ፍቕሪ ኣምላኽ፤ ከተኽብሮን ከተመስግኖን ትነብር። ዓንዲ ማእከል እምነታን ኣምልኾታን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝፈጸሞ ድንቂ ግብሪ ብምግባር፡ ነቲ ክቡር መስቀሉ ኣብ ዝኾነ ኣገልግሎታን ንዋያታን ትጥቀመሉ ኣላ። ብዘይ መስቀል ዝፍጸም ኣገልግሎትን ምሥጢርን የብላን። ንዋያተ ቅዱሳታ ብመስቀል ዝኸበሩን ብመስቀል ዝወቀቡን እዮም። ካህናታ መስቀል ካብ ኢዶም ኣይፈልዩን፤ በቲ ዝተዋህቦም ሥልጣን ከኣ ይባርኽሉን ይቕድሱሉን። ወትሩ ከኣ “ለመስቀልከ ንሰግድ…” “አድኀነ ሕዝቦ በመስቀሉ” እናበለት ትዝምር። ነቲ ቅዱስ መስቀል ልዕል ኣቢላ ናብ ኵሉ መኣዝን ሕዝባ ትባርኸሉ። ንሕዝባ ኣብ ዓውደ መስቀል ኣኪባ ነገረ መስቀሉ ትምህርን ተኽብሮን። ንደቃ ብስም መስቀል ትሰምዮም። ምእመና’ውን ‘መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ” ብምባል ምልክት እምነቶም ምዃኑ ንምግላጽ ኣብ ክሳዶም ምስ ማዕተብ ይኣስርዎን ብኢዶም ኣመሳቒሎም ከኣ ስም እግዚአብሔር ይጽውዑሉን። ኮታስ ብዘይ መስቀል ዝግበር ክርስቲያናዊ እምነት ቤተ ክርስቲያን የብላን።  

ቅዱስ ሥጋኡ ዝቖረሰሉ፤ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉ ቅዱስ መስቀል ጐይታ ብዝገብሮ ዝነበረ ዕፁብ ተኣምራት ኣይሁድ ተመቕንዮም፡ ኣብ ጎልጎታ ተቐቢሩ ብጐሓፍ ተደብዩ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ሕዝቢ ተኸዊሉ ነበረ። ናይ ኣምላኽ ሥራሕ ግና ተሓቢኡ ዝሕባእ ስለዘይኮነ፤ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ንቅድስት እሌኒ ኣተንሢኡ ከምእትረኽቦ ገበረ። መስቀሉ ዝተረኽበሉ ኣብ ዓውደ መስቀል (ቅርዓት) መስከረም ፲፯ ዝኽበር እኳ እንተኾነ፤ ጥንተ በዓሉን ዕለተ ምርካቡን ፲ መጋቢት ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ከኣ ሕዝባ ኣኪባ ኣብ መስከረም እተኽብሮ እኳ እንተኾነት፤ ብቅዳሴን ብምስጋናን ብመዝሙርን ፲ መጋቢት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብድምቐት ይኽበር እዩ። ብፉልይ ኣገባብን ብድምቐትን ፲ መጋቢት በዓለ መስቀል ካብ ዝኽበረሉ እቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም ጕና ጕና እዩ።

2. ደብረ መስቀል ዘጕና ጕና
2.1 መእተዊ

ሃገርና ኤርትራ ጥንታዊ ታሪኽ ክርስትናን ቅርስን ዓቂባ እትርከብ ከም ምዃና መጠን መስቀለ ክርስቶስ ናብ ኵሉ መኣዝናተ ዓለም ድኅሪ ርኽበቱ በቶም ዝቐደሙ ኣበው ንበረኸት ኣብ ዝተኻፈሉሉ እዋን፤ እግዚአብሔር ስለዝፈቐደ ከኣ ርእሱ ብዝኸኣለ ታሪኻዊ መስርሕ ብግብጺ ኣቢሉ ናብ ሃገርና ኣትዩ ምንባሩ ታሪኻውያን መጻሕፍትን ትውፊት ሃገርናን ዝገልጽዎ እዩ። እምበኣር ጥንታዊ ገዳም ጕና ጕና ዘደብረ መስቀል ሓደ ካብቲ ቅዱስ መስቀል ጐይታ ኣዕሪፉ ዝነበረሉን ፍንጫሉ ዝተሰወረሉን ቅዱስ መካን ሃገርና ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። እምበኣር እዚ ቅዱስ መካን’ዚ ሓደ ካብቶም ኣዝዩ ብዙኅ ቅዱስን ክቡርን ታሪኽ ሓቝፎም ዝርከቡ ክነሶም ብዝግባእ ዘይተጸንዑን ዘይተዳህሰሱን ጥንታውያን ገዳማትና ሓደን ብቀዳምነትን ዝጥቐስ እዩ። ንሕና’ውን ንጊዜኡ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ገዳምነቱ ዳርጋ ፈጺሙ ሃሲሱ ዘሎ (ብዘይ ሓደ ቀዋሚ መነኮስ ተሪፉ ዘሎ) እዚ ገዳም’ዚ እኹል ታሪኻዊ ሓበሬታ ክንረክብ እንተዘይከኣልና’ውን ንገለ ጽሑፋት ተወኪስና ንዘዳለናዮ ንእሽቶይ ጽሑፍቶ ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። ብዛዕባ’ዚ ገዳም ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘሎኩም ከኣ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ክትውስኽሉን ከተህብትምዎን ዕድመና እዩ። ንተዛማዲ ታሪኽን ናይ ቅዱስ አቦና ሊባኖስ ገድሎምን ገዳሞምን ብዝምልከት ከኣ ኣዳሊናዮ ንዝነበርና ጽሑፍ ክንምልከት ዕድመና እዩ።

2.2 ስያመን ከባቢን ገዳም

እዚ ገዳም’ዚ ጕና ጕና ደብረ መስቀል ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ደቡብ ካብ ሰንዓፈ ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ይርከብ። ቅዱስ ኣቦና አቡነ ሊባኖስ እዮም መካነ መነኮሳት ክኸውን ብምባል ኣብ ሺመጃና ዝመሥረትዎ። ብታሪኽ ከምዝንገር ጒና ጒና ዝብል ቅጽላዊ ስም ክረክብ ዝኸኣለ ድኂሩ ኣብቲ ገዳም አቡነ ተክለሃይማኖት ዝተባህሉ ጻድቕ ኣቦ ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግመት። እዚ ከኣ ገድሊ አቡነ ሊባኖስ “ወበውእቱ መዋዕል ደቂቁ ለሊባኖስ መጣዕ በዘመኑ ለአቡነ ተክለሃይማኖት ጕና ጕና ወላዴ አእላፍ ኮኑ ዘኢያገምሮሙ መካን” ከምዝብል አቡነ ተክለ ሃይማኖት ጕና ጕና ዝብሃሉ ንገዳም ባረክንሃ ደብረ መስቀል ብዘመን ሃጸይ ሰይፈ አርእድ አበምኔት ነበሩ እሞ ብስሞም ጒና ጒና ተባሂላ ተጸውዐት ይብሉ። ገሊኣቶም ከኣ ጕና ጕና ካብ ዝብል ጥንታዊ ዓዲ ናይ ትግራይ ዝተወርሰ እዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ኣብ ከባቢ’ዚ ገዳም ዝርከቡ ኣዝዮም ብዙኃት ዘይተዳህሰሱ ቅዱሳን ዝዖዱሉ መካናተ ቅዱሳን ከምዝነበሩ ይእመን። ንኣብነት ጻድቃን ባረክናሃ መጠራ ወዘይመስሎ ምጥቓስ ይከኣል እዩ። ብሓፈሻ እዚ ከባቢ’ዚ ግቡእ ቤተ ክርስቲያናዊ መጽናዕቲ እንተዝግበረሉ፤ ታሪኽን ተጋድሎን ቀዳሞት ቅዱሳን ሃገርና ብዝያዳ ምፈለጥና ነይርና።

2.3 ኣመሠራርታ ገዳም

መሥራቲ እዚ ቅዱስ ገዳም’ዚ ከኣ ብቀንዱ እቶም ኣብ ታሪኽን ወለዶን ምንኵስና ሃገርና ከም ርእሲ ዝፍለጡ ቅዱስ ኣቦና አቡነ ሊባኖስ እዮም። ምስኦም ከኣ ብቀዳምነት ዝተሓጋገዝዎም፡ ረድኦምን ምኽትሎምን ዝነበሩ ብዝፈጸምዎ ናይ ምትዕራቕ ተግባር ብብእሴ ሰላም ዝተጸውዑ አባ ኣድኃኒ ነበሩ። ኣብቲ ዘመን እቲ መፍቀሬ ሃይማኖት ዝነበረ ንጉሥ ገብረ መስቀል’ውን እውን በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ አቦና ኣዝዩ ይደሊ ብምንባሩ ይተሓጋገዞም ምንባሩ ይፍለጥ።    

ገድሊ አቡነ ሊባኖስ’ውን ከምዝገልጾ፡ ኣቡነ ሊባኖስ ነቶም ኣብ ኣክሱም ዝነበሩ ጳጳሳት ኣብ ጊዜ ሲመተ ክህነትን ዲቁናን ካብቶም ዝሾምዎም ሰባት ሕልያን (ጉቦ) ይቕበሉ ብምንባሮም ኣትሪሮም ወቒሶሞም ነበሩ። ንሳቶም ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ተግሣፅ ዝቕበሉ፡ ብኸመይ ንንቐፍ ብዝብል ዕቡይ መንፈስ ብአቡነ ኤልያስ ኣቢሎም ንኣቡነ ሊባኖስ ሰጐግዎም። ቅዱስ ኣቦና’ውን ብትሕትና ርእሶም ኣድኒኖም ካብ ገጾም ርሓቑ፤ ኣብ በዓቶም ከኣ ብጸሎት ጸንዑ። ጸኒሑ ግና እግዚአብሔር ተቖጢዑ ከምቲ ኣብ ዘመን ነቢይ ኤልያስ ዝኾኖ ንልዕሊ ሠለስተ ዓመት ማይ ብዘይምዝናቡ ነቲ ዓዲ ድርቂ ገበሮ። እቶም ጳጳሳትን ነገሥታትን ከኣ እቲ ዝመጾም ሽግራት ብሰንኪ በደሎም ምዃኑ ተረዲኦም፡ ነንሕድሕዶም ብምምኽኻር ንኣባ ኣድኃኒ ምስ አቡነ ሊባኖስ ክዓርቕዎም ለመንዎም። አቦና እቲ መልእኽቲ ምስ በጽሖም ክዕረቑ እንተኾይኖም፡ እቶም ኣብ ክፉእ ግብሪ ዝነበሩ መራሕቲ ካብ ግብሮም ክምለሱን ክንስሑን ኣጠንቀቕዎም። ንሳቶም ድማ በቲ ግብሮም ድኅሪ ምጥዓሶምን ምምላሶምን ኣቦና ነቲ ዕርቂ ተቐበልዎን፤ ከም ኤልያስ ከኣ ሰማያት ተኸፊቱ ማይ ከምዝዘንብ ገበሩ።

እምበኣር እዚ ታሪኽ ኣብ ዝፈጸሙሉን ንሓዋርያዊ ሥራሕ ኣብ ዝተዓጥቑሉን ዘመን እዩ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ገዳም እዚ ዝመሥረትዎ። ቅዱስ ገድሎም’ውን ነዚ እዩ ዘረጋግጽ። “እምህየ ሖረ ገዳመ ቡር ዘትሰመይ ጕና ጕና ወዓርገ መልዕልተ ፀድፍ ወወቀረ ውስቴታ ማኅደሮ ወአውፅአ ማየ ብዙኃ እስከ ፲ወ፪ ውቅሮ ዘዕብን”። ነዚ ገዳም’ዚ ክምሥርቱ ከለዉ ከኣ ነቲ ኣኻውሕ እናጸረቡ በዓትታት ከምዝገበሩን፡ ነታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከምዝኃነጹን ይፍለጥ። ቅዱስ ኣቦና ሓደ ካብቲ ዝተዋህቦም ፍሉይ ጸጋ ብብዙኅ ጻማን ጻዕርን ኣጻድፍን ኣኻውሕን እናጨደዱ ንዝተፈላለየ ኣገልግሎት የውዕልዎ ምንባሮም እዩ። ኣብቲ ንሶም ዝተኸልዎም ገዳምትውን ክሳዕ ሕጂ ኣሰር ጥበብ ኢዶም ዝኾኑ ነገራት ምርኣይ ዝከኣል እዩ። ካብ ካልእ ብራናዊ ጽሑፍ ዝተረኽበ’ውን ከምዚ ይብል።  “ወእምድኅረዝ አቡነ ሊባኖስ ሖረ ውስተ ደርቃ ገዳሙ፡ ወሖረ ካዕበ ወተመይጠ ውስተ ሀገረ ቡር ምስለ ረድኡ አባ አድኃኒ … ወገብረ በሀገረ ቡር ገዳሙ ዘትሰመይ ጒና ጒና ወዐርገ መልዕልተ ጸድፍ ወወቀረ ውስቴታ ማኅደሮ ወአውጽአ ማየ ውስቴታ፤ በውስቴታ ኮነ አበ ምኔት አባ አድኃኒ ዓቢይ ወበዝኁ መነኮሳት እስከ ኢያገምሮሙ መካን እም አባ ኣድኃኒ እስከ አቡነ ተክለሃይማኖት ጒና ጒና ወላዴ አእላፍ …”

2.4 ዘመን ምምሥራት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ሓዋርያዊ ዑደት እናዖዱ ስብከተ ወንጌል የስፍሑሉ ኣብ ዝነበሩሉ ብዙኃት ገዳማት መሥሪቶም ምንባሮም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝምስክሮ እዩ። በይኖም ከኣ ዘይኮነስ ደቂ መዛሙርቶም እናዋፈሩ ኣብ ኵሉ መኣዝናት ሃይማኖት ንምስፋሕ ይጋደሉ ነበሩ እሞ ከም መዋፈሪን መሰልጠኒ ማእከል’ውን ከገልግሎም ነዚ ገዳም’ዚ ቅድሚ ካልኦት ገዳማት ብቀዳምነት ከምዝገደምዎ ይግለጽ። እቲ ዘመን ከኣ ኣብ ፭ይ ክፍለ ዘመን ኣብ ጊዜ ንግሥነት ሃጸይ ገብረ መስቀል ነበረ። ኣብዚ ገዳም’ዚ ከኣ ማዕዶ ማዕዶ ዝጠማመቱ ኣብ ክልተ ጎቦታት ናይ መነኮሳትን መነኮሳይያትን (ተባዕትዮ ፈለስትን ደናግል ኢታያትን) ገዳማት እዮም መሥሪቶም። ኣብዚ ገዳም’ዚ ዝርከብ ጥንታዊን ፍሉይ ክብሪ ዝወሃቦ ብወንጌለ ወርቅ ዝፍለጥ ብራና’ውን ነዚ ኣበሃህላ የብርሆ እዩ። “ጕናጕናሰ ቀዳሚት ደብሩ ለቅዱስ መጣዕ ወመካነ ደቂቁ” “ጕና ጕና ቀዳማዊ ጕልቱ ለአባ መጣዕ በሕይወቱ…” ከኣ ይብል።

2.5 ርስተ ጕልቲ

ነዚ ገዳም’ዚ ካብ ምምሥራቱ ኣትሒዙ በረኸቶም እናደለዩ ንቅዱስ ኣቦና ዘይፍለዪዎም ዝነበሩ ሃጸይ ገብረ መስቀል፤ ነዚ ገዳም’ዚ ዝኸውን ርስተ ጕልቲ ሂቦሞ ከምዝነበሩ ይንገር። እዞም ንጉሥ እዚኦም ድኅሪ ዕረፍቲ ኣቦና’ውን እንተኾነ ነቲ ገዳም ዝጐደሎ ኣብ ምምላእን ኣብ ምዕባይን ምስቶም ኣብቲ ገዳም ድኅሪ ኣቦና ቀዳማይ ኣበምኔት ዝነበሩ አባ አድኃኒ ይተሓጋገዙ ነበሩ። ብድኅሪ ዕረፍቲ ኣቦና’ውን ሃጸይ ገብረ መስቀል ምስ ኣባ ኣድኃኒ ብምዃን ታቦተ መስቀል ከምዘእተወሉ ገድሎም ይገልጽ። ትውልዲ መነኮሳት ዘደብረ ሊባኖስ ኣብ ዝዝርዝር ብራናዊ መጽሓፍ ጠቒሱ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ከምዚ ኢሉ ንዝረኸቦ ይጠቕስ። “ወሶበ ነግሠ ንጉሥ ገብረ መስቀል ወሖረ ኀበ አቡነ ሊባኖስ ወይቤሎ ኦ አቡየ ተማኅፀንኩ በጸሎትከ ጸሊ ሊተ ኀበ እግዚአብሔር ከመ ያርእየኒ ኅቡዓትየ ወገብረ ሎቱ ቀኖና እስከ ፵ ዕለት ወይቤሎ ተውህበ ለከ እምኀበ እግዚአብሔር …. ይነሥኡ ማኅፄ ወምሳረ ወሕንጹ አብያተ ክርስቲያናት ወሐነጽዋ ለቤተ ክርስቲያን ዘቤተ መስቀል ዘጕና ጕና አቡነ ሊባኖስ ወአባ አድኃኒ ምስለ ንጉሥ ገብረ መስቀል ወአምጽኡ ጳጳሰ ወቀደስዋ ወወሀብዋ ጕልተ እምአግዓ እስከ ደጕዓ ወእስከ ክሣድ እንባ ወእስከ ቀርነ ዖም ወእስከ ደልካም ወኮነ አበ ምኔት አባ አድኃኒ ወበዝኁ መነኮሳት ወተለዓለ ውእቱ ደብር እስከ አቡነ ተክለ ሃይማኖት…” 

ብመሠረት እዚ ጽሑፍ’ዚ ገዳም ደብረ መስቀል ጕና ጕና ዓቢይ ገዳም ምንባሩን፤ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን ይኹን ብድኅሪኦም ክሳዕ እቲ ስፍራ ምጻር ክሳብ ዝስእኖም ኣዝዮም ብዙኃን መነኮሳት ነቲ ስፍራ ኣዕለቕሊቖሞ ምንባሮም ይግለጽ።


                                                                                                            ይቕጽል....

No comments:

Post a Comment