Tuesday, March 13, 2012

ቅዱስ ማትያስ ሓዋርያን ዝህበና ትምህርትን


ትርጉም ስም ማትያስ ፀሐይ ከም ማለት ዘስምዕ እዩ። ብጻውዒቱ ከኣ መተካእታ ዝብል ስያመ ትርጉም ተዋሂብዎ። ማትያስ ኣቐዲሙ ንሓዋርያነት (ካብቶም ፲፪ተ) ኣይተጸውዐን። ድኅሪ ዕርገት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኣብ ክንዲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ናብ ሓዋርያት ዝተጸንበረ ሓዋርያ እዩ። ድኅሪ ጸሎት ሓዋርያት ከኣ ብዕጭ ውድቕ እዩ ድማ ተመሪጹ።

ምስክርነት ቅዱስ መጽሓፍ

ስም እዚ ቅዱስ ሐዋርያ ኣብ ግብረ ሓዋርያት (፩፥፲፭-፳፮/1፥15-26) ብዘይካ ምጥቓሱ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ካብ ካልእ ስፍራ ኣይተጠቕሰን። ጐይታ ካብ ምውታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ንሓዋርያት ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን ንማትያስ ተገሊጹሉ ከምዝነበረ ዝኾነ ምስክር ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣይንረክብን ኢና። ኣብ መወዳእታ’ውን “ሑሩ መሐሩ” ዝብል ትእዛዝ ንደቀ መዛሙርቱ ክእዝዝ ከሎ ማትያስ ኣብ ሞንጎ ሓዋርያት ምንባሩ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍሉይ ዝተጠቕሰ ነገር የልቦን። ይኹን ደኣ እምበር ቅዱስ ማትያስ ካብ ሞንጎ ሓዋርያት ከይተፈልየ ግብሪ ኣምላኽና ዝረኣየ ምዃኑ ካብ ዘረባ ቅዱስ ጴጥሮስ ክንርዳእ ንኽእል። ንሓዋርያነት ንክምረጽ’ውን ዮስጦስ በርስያ ምስ ዝተባህለ ዮሴፍ ዕንጨይቲ ከውድቐሉ ሓሳብ ዘቕረበ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ሓዋርያት ነበረ። ሱታፌኡ ክገልጽ ኣብ ሞንጎ ሚእትን ዕስራን ቤተሰብ ተንሢኡ ብዛዕብኡ ክዛረብ ከሎ ከኣ፡ ካብ ጥምቀት ዮሐንስ ጀሚሩ ክሳዕ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ኣብ ሞንጎ ሓዋርያት ኣብ ኵሉ ምእታዉን ምውጽኡን ካብ ሓዋርያት ዘይተፈለየ ምዃኑ መስኪሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ነቲ ንሳቶም ዝተላእኹሉ ምስክርነት ትንሣኤ ጐይታ ከምቲ ትንቢት ዝተነግረሉ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብድሌቱ ንዝሓደጋ ሓዋርያነት ተኪኡን ተቐቢሉን ምስክር ክኸውን ከምዝግባእ እተዛረበ። (ግብ ሐዋ ፩፥፳፩-፳፪/1፥21-22)

ምስክርነት ታሪኽን ትውፊትን ተጋድሎኡን

ኣቦ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ዝፍለጥ አውሳብዮስ፡ ቅዱስ ማትያስ ካብቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእት ሓደ ከምዝነበረ ጠቒሱ ጽሒፉ ኣሎ። (Eusebius: 1:13:3) በዚ መሠረት እዚ ከኣ ማትያስ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንክርስቶስ ዝሰዓበን ትእዛዝ ጐይታ ዝተቐበለን ምንባሩን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንምቕባል ከኣ ኣብ ሞንጎ ሓዋርያት ከምዝነበረ ክንርዳእ ንኽእል።

ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ስራሕ ኣብ ዝዝርዝር ገድለ ሓዋርያት ዝተባህለ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ቅዱስ ማትያስ ካብ ዝተባህለ ቍሩብ ክንጠቕስ። “ሓዋርያት ዕጭ ኣውዲቖም ናብ ሃሃገረ ስብከቶ ክኸዱ ከለዉ፡ ማትያስ ናብ ሃገረ በላዕተ ሰብእ ክኸይድ ዕንጨይቲ በጽሖ።” ይብል። ብበላዕተ ሰብእ ዝፍለጡ ሰባት ኣበየናይ ሃገር ይነብሩ ከምዝነበሩ ብርግጸኝነት ንምዝራብ ዝኸብድ እኳ እንተኾነ፤ እስኩቴስ (በርባሮስ) ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ሩሲያ ከምዝነበረ ይእመን። ንቃል ጐይታ ዘኪሩ ድማ ከይተጠራጠረን ከይፈርሀን ናብቲ ዓዲ ከደ። እዞም በዚ ክፉእ ግብሮም ዝፍለጡ ሕዝቢ እዚኣቶም፡ ንኣጋይሾም ቅድሚ ምብልዖም ዓይኑ የዕውርዎን (የጥፍእዎን) እሞ ክሳዕ ፵ መዓልቲ ከኣ ሣዕሪ እንስሳ እናብልዑ ኣብ ማሕዩር የጽንሕዎ ነበሩ። ንማትያስ’ውን ስብከተ ወንጌል ጅምር ኣብ ዘበለሉ እዚ ነገር’ዚ በጽሖ። ኣዕዊሮም ከኣ ሣዕሪ ክበልዕ ምስ ኣገደድዎ፡ ካብቲ ሣዕሪ ክበልዕ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ዝኾነ ነገር ድማ ኣይኮነን። ብጸሎቱ ከኣ ኣዕይንቱ ጥዑያት ኮና።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ክጽሊ ምስ ቀነየ፤ እታ ፵ መዓልቲ ቅድሚ ምእካሉ ሠለስተ መዓልቲ ምስ ተረፎ፡ ጐይታ ንቅዱስ እንድርያስ ለኣኸሉ። እንድርያስ’ውን ብመንፈሰ እግዚአብሔር ተመሪሑ ናብቲ ቅዱስ ማትያስ ዝተሓየረሉ ስፍራ በጽሐ። ንማትያስ ከኣ ክዝምር ረኸቦ። ነንሕድሕዶም ከኣ ብዙኅ ኣዕለሉ። ኣብ ሞንጎ ምዝራቦም ከኣ ክልቲኦም “እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ።” (ማቴ 10:16) ዝብል ቃል ጐይታ ኣብ ልዕሊኦም ከምዝበጸሐ ተረድኡ። ብኃይሊ ኣምላኽ ከኣ ብተኣምራት፡ ቅዱስ ማትያስ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወጽአ። ምስኡ ድማ ክብልዑ ዝተቐረቡ ፻፳፫ ሰባት ስዒቦም ካብቲ ማሕዩር ናጻ ክወጹ ክኢሎም። ድኂሩ ዝሰዓበ ተኸታታሊ ተኣምራት እቶም ደቂ ሃገር ከኣ ኃይሊ ኣምላኽ ብዝረኣዩ ብክርስቶስ ኣመኑ። ሓዋርያ ማትያስ ከኣ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኣጥምቖም። ባዕድ ኣምልኾ ይፍጽሙሎም ንዝነበሩ ኣባይቲ ኣፍሪሱ ከኣ ኣብያተ ክርስቲያናት ክሃንጹሉ መኸሮም።

ቅዱስ ማትያስ ነቶም ብትምህርቱ ዘእመኖም ጽሑፍ ጽሒፉሎም ከምዝነበረ ከም እኒ ቀሌምጦስ ዝኣመሰሉ ኣቦታት ጠቒሶም ነበሩ። ሓደ ካብቲ ጽሑፉ ጠቒሶም ካብ እተዛረብዎ ከኣ “ቅድሜኻ ንዝነበሩ ነገራት ኣድንቕ። ተወሳኺ ፍልጠት ንምርካብ ከኣ ነዚ መሠረት ግበሮ ብማለት ማትያስ ብትውፊት ከምዝመኸረና መጀመርታ ሓቂ፡ ምድናቕ እዩ”። ብዘይካ’ዚውን ናይ “ማትያስ ትውፊታዊ ወንጌል” እናተባህለ ዝጥቐስ መጽሐፈ ኣዋልድ ከምዝነበረ’ውን ይዝንቶ።

ዕረፍቲ

ኣብ ስብከተ ወንጌል ንነዊሕ ጊዜ ተጋድሎኡ ድኅሪ ምፍጻም ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ። ቅዱስ ማትያስ ኣብ መወዳእታ ናብ ደማስቆ ከይዱ ወንጌል እናስተምሃረ እንከሎ፤ ኣረሜን ዝኾኑ ናይ ደማስቆ ዝኣተዉ ሰባት ትምህርቱ ብምቅዋም ሒዞም ኣብ ናይ ሓጺን ዓራት ኣደቂሶም ብትሕቲኡ ሓዊ ኣጒዶም ከሳቕይዎ ይፍትኑ ነበሩ። ብኸምዚ ኸኣ ፯ መዓልቲ ጽኑዕ መከራ ኣጽንዑሉ። ሕጅስ ሓሪሩ ይኸውን ኢሎም እንተተመልሱ’ውን ንሱስ ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን። ገለ እኳ ዘይምዃኑ ርእዮም እንደገና ተመሊሶም ነቲ ሓዊ እናወሰኹ ከንድድዎ ይፍትኑ ነበሩ። ንሱ ግና ዝኾነ ጉድኣት ክወርዶ ኣይከኣለን። እቶም ሳቀይቱ በዚ ነገር’ዚ ተገሪሞም ብክርስቶስ ኣሚኖም ተጠምቁ። ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ ኣብ ኣውራጃ ይሁዳ እናተዘዋወረ ብምምሃርን፡ ምእመናን ብምጒስያ ድኅሪ ምጽናሕን ፊላዎን (ፍልእዋን) ኣብ ዝተባህለት ቦታ ብእርጋን ዕድመ ጸጊቡ ዓረፈ።   

ቅዱስ ማትያስ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ፰ መጋቢት ይዝከር። ዝተጸውዑ ብዙኃት ዝተኃርዩ ግና ውሑዳት ከምዝተባህለ፤ ይሁዳ ንሓዋርያነት ተጸዊዑ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ክፉእ ግብሩ፡ ኽብሩ ክዕቅብ ጻውዒቱ ከጽንዕ ነታ ናይ መጨረሻ ኣኽሊል ሓዋርያነቱ ክጭብጥ ኣይከኣለን። ኣብ ክንዲኡ ግና ነታ ጽዋዕ ማትያስ ኣልዓላ። ክሳዕ መወዳእታ ሕይወቱ ድማ ምስክር ብምዃን ኣጽንዓ። ነታ ክብሪ ድማ ረኸባ።

ትምህርቲ ካብ ታሪኽ ማትያስ

ካብ ታሪኽ ቅዱስ ማትያስ እንመሃሮ ኣዝዩ ብዙኅ ነገር እኳ እንተሎ ንሎሚ ግና ምስቲ ዘሎናዮ ጊዜ ብምትሕሓዝ ክልተ ነጥብታት ጥራይ ክንጠቕስ። ናይ ትማሊ ታሪኽ ንሎሚ መምሃሪ እዩ። ናይ ቅዱሳን ገድሊ በረኸትና እዩ። ኣብ ክንዲ ይሁዳ ካብ ዝተተከአ ቅዱስ ማትያስ ከኣ ንእንመሃሮ ነገር ንሕና’ውን ነስተውዕሎ። ሎሚ’ውን ብዙኃት ኣሰር ሓዋርያት ተኸቲሎም ግብሪ ሓዋርያት ክፍጽሙ ዝቝጸሩ እኳ እንተኾኑ፤ ፍጻሜኦም ከም ይሁዳ ዝኾኑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምቲ እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ትንቢት ዝተዛረበሎም፡ ብዙኃን ንገንዘብ ዝሓድሩ፤ ንኸብዶምን ሓላፊ ኽብርን ዝግዝኡ ይሁዳታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን በብእዋኑ ዝፍጠሩ እኳ እንተኾኑ፤ ፍጻሜኦም ካብቲ ሸያጢ ጐይትኡ ዝኾነ ይሁዳ ዝፍለ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ኣብ ክንዲ ይሁዳ፡ ኣእላፍ ማትያሳት እናተንሠአ ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ ሕጂ ጒዕዞኣ ትቕጽል ኣላ። ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም’ውን ክትቕጽል እያ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ባዕሎም ሓዲጎማ ብዝኸዱ ይሁዳታት ኣዝያ ከየምረረት፡ እግዚአብሔር ብዝተንሥኦምን ብዝትክኦምን ክሳዕ መወዳእታ ብዝጋደሉን ምስክር ብዝኾኑላን ማትያሳት እናተሓጐሰትን እናተጸናነዐትን ክትነብር እያ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ቅዱሳን ኣቦታት ንዘዛረቦ ክፍጸም ግድነት ስለዝኾነ፤ ሎሚ’ውን ይሁዳታትን ማትያሳትን ክነብሩ ግድነት እዩ።  ንሕና’ከ ምስ መን ኢና

ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን መሠረቱ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ። ቅዱስ ማትያስ ንሓዋርያነት ክምረጽ ከሎ ንክልተ ነገር ኣማሊኡ እዩ። ሰብ ዝርእዮን፤ እግዚአብሔር ዝፈልጦን ዝመደቦን። ሰብ ናቱ ግደ ኣለዎ፤ ናይ መወዳእታ ፈጻሚ ግና እግዚአብሔር እዩ። ሰብ ዝገብሮ ዝምስክሮን ኣለዎ፤ እግዚአብሔር ከኣ ዝፍጽሞን ዝኅርዮን ኣለዎ። ንካልእ ትንታነታት ገዲፍና ኣብ ጊዜ ሲመት ዝለዓለ መዓርገ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ነዚ መንፈስ ቅዱስ ዝመሃራ ትምህርቲ እዚ ትስዕብ እያ። ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝመስከሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሱ (ግብ ሐዋ ፩፥፲፮) መተካእታ ምምራጽ ከምዝግባእ ተዛረበ። እቲ ዝምረጽ ከኣ እንታይ ዓይነት ረቛሒ ከማልእ ከምዘለዎ ኣረደአ። ንኸምኡ ዝበቕዑ ሰባት ድማ ብምርጫ ሓዋርያት ተመርጹ። እቲ ናይ መወዳእታ ግና እግዚአብሔር ነታ ክብርቲ መንበር ክቕመጣ ዘለዎ መን ክኸውን ከምዘለዎ ባዕሉ ክኃሪ ብጸሎት ለመንዎ። ዕጭ ድማ ኣውደቑ። እምበኣር ኵልሳዕ ንዝዓበየ ሲመት ቤተ ክርስቲያን ኣገደስቲ ዝብሃሉ መስርሓት እዚኦም እዮም። እቶም ዝምልከቶም ነቲ ምርጫ ይበቕዕ ንዝብልዎ መምዘኒታት ኣውጺኦም ክርቝሑ፤ ሓቀኛ ምስክርነቶም ክህቡ፤ ካብቶም ዝተረቝሑ ከኣ እግዚአብሔር ክኃሪ ጸሎት ምግባር ሱባኤ ምእታው፤ እቲ ናይ መወዳእታ ኅርየት’ውን በቲ እግዚአብሔር ባዕሉ ዝመርጸሉ ኣገባብ ክመርጽ ምሕዳግ እዩ። እዚ እዩ እቲ ቅኑዕ! ንሕና ረቚሕና ባዕልና እንውድኦ ወይውን ምስ እግዚአብሔር ዘይኮነስ ምስ ሰብ እንመክር እንተኾይናን ናይ እግዚአብሔር ግደ ንወስዶ ዶ የሎናን? ካብ እግዚአብሔር ዝመርጾ ንሕና ንዝመረጽናዮ ነቕድም ዶ ኣየሎናን? ናይ ቤተ ክርስቲያንና ኣገባብ ንገሊኡ ክፋል ዘማልእ እኳ እንተኾነ ኣብ መወዳእታስ ኣይግድን! በዚ ኣካይዳ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ክትምጐስ ይግባእ። ንሕና’ውን ናይ ዝኃለፈ ኃሊፉ ንገለ ድኽመታትና ምእራሙ ይጠቕመና እምበር ኣይጐድኣንን እዩ። ካብቶም ዝኃለፉ ባዕልና ዝወዳእናዮም ምርጫታት’ከ ንእግዚአብሔር የሐጒስናዮ ዶ ንኸውን? እምበኣር ካብ ኅርየት ማትያስ እቲ ቅኑዕ ሥርዓት ምርጫ’ውን ንመሃር ኢና እሞ ነስተብህለሉ።

ልዕሊ ኵሉ ግና ቅዱስ ማትያስ ሓንሳብ ንዝተቐበሎ ሕድሪ ብጽንዓት ተጋዲሉ ከምቶም ካልኦት ሓዋርያት ፈጺምዎ እዩ። ንሕና’ውን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተባህልና ኵልና ኣብዛ በላዒት ሰብ ዝኾነት ናይ ተኵላ ዓለም ከም ኣባጊዕ ተላኢኽና ኢና እሞ ቅድስት ሃይማኖትና ኣጽኒዕና ኣሰር ሓዋርያት ተኸቲልና ክንከይድን ጉዕዞና ክንፍጽምን ዝግባእ እዩ።

ጸሎትን በረኸትን ቅዱስ ማትያስ ሓዋርያ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

3 comments:

  1. ኣሜን ወ ኣሜን። ቃለ ህይወት የስምዓልና።

    ReplyDelete
  2. kal hiwet yesm alna

    ReplyDelete
  3. kale hiwet yesmalna kburat yehwat egziabher xegau yebzehelkum !!!!!!!!!!!!

    ReplyDelete