Friday, March 2, 2012

መልሲ ነቲ ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ (ሣልሳይን መወዳእታን ክፋል)

ምስክርነት ቅዱሳን አበው

 ቅዱስ አትናቴዎስ ሐዋርያ

“ወለደት ድንግል ዘፀንሰቶ እንዘ ኢተአምር ብእሴ በሥጋ ዘፈጠሮ ለርእሱ ወወለደቶ ዘእንበለ ደነስ ወሕማም ወኢረስሐት በሐሪስ ሐፀነቶ ዘእንበለ ፃማ ወድካም ወአጥበወቶ ዘእንበለ ድካም ወልአሐቀቶ በሕግ ዘሥጋ ዘእንበለ ትካዝ።”

ድንግል ሰብኣይ ከይፈለጠት ክወሓዶ ብዝፈጠሮ ሥጋ ንዝጸነሰቶ ወለደት፤ ብዘይ ኃጢኣት ብዘይ ሕማም ሕርሲ ወለደቶ፤ ናይ ሓራስ ግብሪ ኣይረኸባን። ብዘይ ድኻም ብዘይ ምስልካይ ኣዕበየቶ። ብዘይ ድኻም ኣጥበወቶ። ንሥጋ ብዝግባእ ሕጊ እንታይ ከብልዖ፡ እንታይ’ከ ከልብሶ ከይበለት ኣዕበየቶ። ( ሃይማኖተ አበው፦ አትናቴዎስ ምዕራፍ ፳፰፥ ክፍሊ ፲፬ ቍ. ፲፱) 

ቅዱስ ቄርሎስ 
“ወተአዘዘ ለአዝማዲሁ እንተ ይእቲ እሙ እንተ ወለደቶ በሥጋ እንበለ ዘርዐ ብእሲ ወልደቱሂ እምኔሃ በሥጋ አኮ ከመ ልማደ ፅንሰ ሥርዓቶን ለአንስት ሐሰ አላ ፍሉጥ እምልማደ ፅንሶን ለአንስት ወወለደቶ ድንግል ለቃል በሥጋ እንበለ ዘርዐ ብእሲ።” (ሉቃ ፩፥፳፮-፴፯ ፪፥፶፩) 

ንኣዝማዱ እዙዝ ኮነ። ንሳ ኸኣ እንበለ ዘርዐ ብእሲ ዝወለደቶ ኣዲኡ እያ። ብሥጋ ካብኣ ምውላዱ፤ ከም ልማድ ሥርዓት ምጽናስ ኣንስቲ ኣይኮነን። ካብ ልማድ ሥርዓት ምጽናስ ኣንስቲ ዝተፈለየ እዩ። ድንግል ንቃል ብሥጋ ብዘይ ዘርዓ ብእሲ ወለደቶ። (ሃይማኖተ አበው፦ ቄርሎስ ምዕራፍ ፸፥ ክፍሊ ፪ ቍ.፳፭)

“ካብ እግዚአብሔር አብ በይኑ ምውላዱ ጥራይ ንዛረብ። ሽዑ ህልውና ፍጡራን ዘይተራእየ ስለ ዝነበረ ኣደ ኣይነበረቶን ። ካልኣይ ድማ ካብቲ በይና ጓል ዳዊት ወዲ ኣምላኽ በይኑ ብዘይ ምድራዊ ኣቦ ካብ ድንግል ምውላዱ ልደቱ ንነገር፡ ነዘንቱ። ኣቦ ስለ ዘይነበሮ ብዘይ ዘርኢ ሰብ ፍጹም ሰብ ንምዃን ዝጐደሎ የልቦን። እኳ ደኣ ካብታ ንብሕታ ድንግል ዝኾነት ፍጹም ሰብ ኮነ። ንሔዋን ካብ ዓጽሚ ጐኒ ኣዳም ክትንደቕ ከላ፤ ኣደ ስለ ዘይብላ ባህርይ ኣንስቲ ከም ዘይጐደላን፡ ከምቲ ንኣዳም ከኣ ዓጽሚ ጐኑ ስለ ዝተነቕለ ካብቲ ናይ ቀደም ሕንፃ ሥጋኡ ዘይጐደሎን፡ ከምኡ ንማርያም ነቲ ብሥጋ ኣቦ ኣዳም ንዝኾነ ኽትወልዶ ከላ ማኅተመ ድንግልናኣ ኣይጐደለን። ከምቲ ንኣዳም ዓጽሚ ጐኑ ኪንቀል ከሎ ዘየሕመሞ ከምኡ ንገሊላዊት ኣደ ኣምላኽ ሕማም ወሊድ ኣይረኸባን። እዚ እንፍትቶ ዘሎና ኅብስቲ እዚ ካብ ጓል ዕብራውያን ዝወሰዶ ሥጋ ክርስቶስ ከምዝኾነ ከምዚ ንኣምንን ከምዚ ንእመንን። (መጽሓፈ ቅዳሴ 386-373 ትርጓሜ ቅዳሴ ገጽ 430 ትርጓሜ ውዳሴ ማርያም ገጽ 132) 

እዚ ማለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዋላ እኳ ምድራዊ ኣቦ ከየድለዮን ከይሃለዎን ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም እንበለ ዘርአ ብእሲ፤ እንበለ ሩካቤ እንተተወልደ’ውን፡ ሓደ እኳ ናይ ትስብእት ባህርይ ኣይጐደሎን። እዚ’ውን ቀዳሚት ሔዋን ምድራዊት ኣደ ከየድለያ ካብ ኣቦና ካብ ኣዳም ጥራይ እንበለ እም (ብዘይ ኣደ) እንተተረኽበት’ውን ሓደ እኳ ካብ ባህርይ ሰብነት ምስ ዘይምጕዳሉ ምሥጢር ይነጻጸርን ይገናዘብን። 

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ 

ወበከመ አውፅአ ዓፅመ ገቦ እምገቦሁ ለአዳም ወኢሐፆ ለአዳም ከማሁ ዓዲ ነሥአ እምድንግል ሥጋ ዘቦቱ ነፍስ ነባቢት ወለባዊት ወኢተወለጠ ድንግልናሃ ኮነ አዳም ፍጹመ እምድኅረ ፀአተ ዓፅመ ገቦ እምኔሁ ወድንግልሂ ዓዲ ነበረት እንበለ ሙስና እምድኅረ ፀአተ ሕፃን እምኔሃ። 

ካብ ጐኒ ኣዳም ኣፅም ጐድኒ ከምዝወሰዶ እሞ ንኣዳም ኣካል ከምዘይጐደሎ ከምኡ ኸኣ ካብ ድንግል እትዛረብ እትፈልጥ ነፍስ ዘለዋ ሥጋ ወሰደ። ማኅተመ ድንግልናኣ ኣይለወጦን። ኣፅሚ ጐድኒ ካብ ኣዳም ድኅሪ ምውሳዱ ኣካል ከይጐደሎ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ነበረ። ድንግልውን ንሕፃን ክርስቶስ ካብኣ ድኅሪ ምውላዱ ከምኡ ብዘይምልዋጥ ብድንግልና ጸኒዓ ነበረት። (ሃይማኖተ አበው፦ ዮሐንስ አፈወርቅ ፴) 

ቅዱስ ጎርጎርዮስ 

“ኢታስተማስሉኬ ኦ አብዳን ፅንሳ ለእግዝእትነ ማርያም ወወሊዶታ ከመ ኵሎን አንስት ሐሰ ላቲ ለእግዝእትነ ማርያም አላ ፀንሰቶ ለቃለ እግዚአብሔር ዘእንበለ ዘርዐ ብእሲ ወወለደቶ ዘእንበለ ፃዕር ወሕማም። ወኢያእመረት ወኢታዐውቃ ፍጹመ ሕማመ ወሊድ ወበእንተዝ ፅንሳ ይትነከር ወኀይለ ዕበየ ወሊዶታ ኢይትነገር ወከመዝ ወለደት ዘኢይረክቦ መኑሂ ክዋኔሁ ወኢተነሥተ ማኅተመ ድንግልናሃ” 

ኣቱም ዘይተፈልጡ ዓያሹ ናይ ድንግል ማርያም ምጽናስን ምውላድን ከምተን ካልኦት ኣንስቲ ኣይተምስልዎ። ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዚ ክንገረላ ኣይግባእን፤ ንሳስ ናይ እግዚአብሔር ቃል እንበለ ዘርአ ብእሲ ፀኒሳ ሕማም ሕርሲ ከይተሰምዓ ዝወለደቶ እያ። ኣብ ጊዜ ወሊድ ዝኸውን ሕማም ሕርሲ ፈጺሙ ኣይረኸባን። ሥራሕ ኣምላኽ ስለዝኾነ ምጽናሳ ኣዝዩ የደንቕ። ኃይሊ ምሥጢር ምውላዳውን ኣይምርመርን እዩ። ዝኾነ ይኹን ባህርይኡ ንዘይፍለጥ ንዑኡ ወለደቶ። ማኅተመ ድንግልናኣ ኣይተለወጠን። (ሃይማኖተ አበው፦ ጎርጎርዮስ ምዕራፍ ፷፥ ክፍሊ ፩ ቍ. ፲፬--፲፭) 

ቅዱስ ዲዮናስዮስ 

“እስመ ዘበጽድቅ ተስፋነ በአሐዱ ኣካል እምአካላቲሆሙ ወኀረዩ ሎሙ ለባሕቲቶሙ ማኅደረ በእጓለ እመሕያው በሥምረተ አቡሁ ወመንፈስ ቅዱስ በጽሐ ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ ይኩን ሰብአ ወኀደረ ውስተ ከርሣ ለቅድስት ድንግል ማርያም ወተወልደ እምኔሃ በመንክር ምሥጢር (መዝ ፵፮/47፥፬ ኢሳ ፯፥፲፬ ማቴ ፩፥፲፰-፳፭) 

ካብ ኣካላቶም በቲ ሓደ ብሓቂ ተዛሚዶሙና። ኣብ ሰብ ምኅዳር ኃረዩ። ብፍቓድ አብን መንፈስ ቅዱስን ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ንምዃን በቕዐ። ኣብ ማኅፀን ቅድስት ድንግል ማርያም ኃደረ። ድንቂ ብዝኾነ ምሥጢር ካብኣ ተወልደ። (ሃይማኖተ አበው፦ ዲዮናስዮስ ምዕራፍ ፲፩፥ ክፍሊ ፩ ቍ ፲፭) 

ቅዱስ ኤራቅሊስ 

“ወሶበሂ ትቤ ምንት እማንቱ ተአምራት አነሂ እብለከ ይእዜ ምንት ውእቱ ፅንስ ዘእንበለ ዘርእ ወወሊድ እንበለ መወልዲት ዘእንበለ ሕማም ወእንበለ መወልዲት ወኢእንበለ ሕማም ወእንበለ ይማስን ድንግልናሃ ድንግል ኮነት ወላዲተ ወነበረት እንዘ ኅቱም ማኅተመ ድንግልናሃ (ማቴ ፩፥፲፰-፳፭ ሉቃ ፩፥፳፮-፴፱) 

ተኣምራት እንታይ እዩ ትብል እንተኾይንካ ኣነውን ከምዚ ክብል ክብለካ እየ። ብዘይ ዘርኢ ምፅናስ እንታይ እዩ መዋለዲት ከይሃለወት ሕማም ሕርሲ ከይተሰመዓ ማኅተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ምውላድስ እንታይ እዩ ድንግል ኣደ ኮይና፤ ማኅተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ነበረት። (ሃይማኖተ አበው፦ ኤራቅሊስ ምዕራፍ ፵፱፥ ክፍሊ ፲፩ ቍ. ፵፰) 

ቅዱስ ሄሬኔዎስ 

“ቅልውላው ከይሓዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት። ከምዚ ዝመሰለ መን ሰምዔ ከምዚ ዝበለኸ መን ረኣየ” (ኢሳ ፷፮፥፯-፰/66፥7-8) ብምባል ነቢይ ኢሳይያስ ንዝተዛረቦ ቃለ ትንቢት ብምሥጢር ተርጒሙ ወላዲተ አምላክ ድንግል ማርያም መድኅን ክርስቶ እንበለ ጻዕር እንበለ ሕማም ምውላዳ ዘመልክት ኃይለ ቃል ምዃኑ ኣረዲኡ እዩ። 

ኦርቶዶክሳውያን ኣሣዕል’ከ 

ኦርቶዶሳውያን ሊቃውንተ ሥዕል (Orthodox Icongrapher) ነዚ ረቂቕን ድንቅን አስተምህሮ ነገረ ማርያም ኣብ ዝገልጹሉ እዋን ብፍላይ ከኣ ምሥጢረ ልደትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽነትን ኣብ ዝገልጹሉ እዋን፡ ነዚ ነገር’ዚ ብሥዕላዊ ጥበብ ይገልጽዎ እዩ። ብመሠረት ትውፊት ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ከኣ ሥዕሊ ልደት ሕጻን ጐይታ ኣብ መብልዕ ማል ቤተ ልሔም ኣብ ሞንጎ እንሰሳት ደቂሱ፤ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ኣብ ጥቕዑ ደው ኢላ ወይውን ተቐሚጣ እንከላ ነቲ ሕጻን ጐይታ ከኣ ኣብ ሕጽና (ጐና) ሓቚፋ የርኢ። እዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ትውፊታዊን ኦርቶዶክሳዊን ሥዕሊ ምሥጢራዊ ትርጒሙ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ንመድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብድንግልና ጸኒሳ እንበለ ፃዕር ወሕማም ብድንግልና ከምዝወለደት ዘመልክት ምዃኑ እዮም ዘረድኡ። 

ስለዝኾነ’ውን ምሥጢረ ልደት ኣብ ዝገልጹ ኦርቶዶክሳውያን ኣሣዕል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ደው ኢላ ወይውን ተቐሚጣ ምርኣይና፤ ቅድመ ዓለም ካብ ባህርይ ኣቡኡ ካብ አብ ብዘይ ኣደ እንበለ ድካም ዝተወልደ ወልደ አምላክ፤ ድኅሪ ዓለም እንበለ ጻዕር እንበለ ሕማም ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ኣቦ ከምዝወለደቶ ንምርዳእ እዩ። 

ራእየ ዮሐንስ 

“ጥንስቲ ኸኣ ነበረት፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። (ራእ ፲፪፥፪/12፥2) ብእሲት (ሰበይቲ) ዝተባህለት ኣደነት ምስ ድንግልና ኣጣሚራ ዝሓዘት ቅድስት ድንግል ማርያም ወሀቤ ሕይወት ንዝኾነ ጐይታ እንበለ ዘርእ እንበለ ሩካቤ ጸኒሳ ማለቱ እዩ። ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ “ኲሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ።” ኢሳ ፳፱፥፲፪ ተባሂሉ ብመሠረት ዝነገሮ ቃለ ትንቢት፡ ቤዛዊት ዓለም ድንግል ማርያም ንወልደ እግዚአብሔር ብኅቱም ድንግልና ናይ ምፅናሳ ምሥጢር ንልቦና ኣይሁድ ዝረቀቐ፤ ንኣእምሮኦም ዝመጠቐ ኣምላኻዊ ምሥጢር ብምዃኑ ኣይሁድ ማየ ዘለፋ ከምዘስተዪዋን ብመከራውን ከምዘጨንቕዋን ንኸመልክት እምበር ንኣካላዊ ቃል ክትጸንሶን ክትወልዶን ከላ፡ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕማምን ፃዕርን ጭንቅን ፈጺሙ ኣይነበረን።  ብልማደ ኣንስት ዝተገልጸ ኣበሃህላ ደኣ እምበር ልደት ጐይታ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ብኸምኡ መገዲ ማለት ብፃዕርን ሕማምን ኮይኑ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ ልማድ ኣገላልጻ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እዩ።

ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ኣመልኪቱ “እም ኀበ አብ ወጽአ ቃል ዘእንበለ ድካም። ወእምድንግል ተወልደ ዘእንበለ ሕማም (ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ካብ ባህርይ ኣቦኡ ካብ አብ አካል ዘእምአካል ባህርይ ዘእምባህርይ ድኻም ከየተሰምዖ ተወልደ። ካልኣይ ጊዜ ከኣ ድኅሪ ፭ ሺሕ ፭፻ ምስ ተፈጸመ ቅድስት ድንግል ኣዴና ሕማም ከይተሰምዓ ንዑዑውን ሕጻናት ዚስምዖም ከይተሰምዖ ተወልደ። (ውዳሴ ማርያም ትርጓሜ) ብምባል ይዛረብ። እዚ ኸኣ ኣቐዲሙ ብነቢዪ ኢሳይያስ ዝተንገረ ትንቢት ክፍጸም ምእንቲ እዩ። 

ናይ እምብርሃን ወላዲተ አምላክ በረኸታን ረድኤታን ምስ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

3 comments: