Thursday, April 26, 2012

ምዕዶ አበው ዘደብረ ቢዘን

ምዕዳን ንዅሉ ዝኸውን።

ኣንቱም ኣቦታትና ካህናት ኣዕይንተ እግዚአብሔር እተባሃላትኩም! ብዕዝነ ልቦና ስምዑና ንእሽቶ ምኽሪ ክንመኽረኩም፡ ነገር ግን ንሕና ንኣኻትኩም ክንመክር ኣይከኣለናን፡ ምንጽርጻር ጓህን ደኣ የዛርበና ኣሎ እምበር፤ መጀመርያ ካህን ዝኸውን ፴ ዓመት ዕድመ ምስ መልኤ፡ ዓዲ ዝመረጽዎ። ዲያቆን ድማ ፳፭ ዓመት ዝኾኖ ዘመን ምምላኦም ሀገር ዝመስከረሎም ዕጉሣን፡ ህዱኣን፡ ምዃኖም ርእዮም ይሽሙ ግብ ሓዋ ፮፥፫-፮። “ቀለልቲ፡ ሰረቕቲ፡ ሓሰውቲ፡ ግን ኣይሽሙ” ኢሉ ኣሎ ፍትሐ ነገሥት ኣብ ፮ይ አንቀጸ ቀሳውስት። ኣብ ፭ይ ኣንቀጸ ዲያቆናት ኣብ ሲኖዶስ ኣብ ዲድስቅልያ ተመልከቱ።

ካህናት ንርእሶም ብሥርዓት ፀኒዖም ብሥርዓት ፅንዑ ኢሎም ዜስተምህሩ ዋጋኦም ብዙኅ ከም ዝኾነ፡ ማቴ ፲፱፥፳፯-፳፱። ቲቶ ፩፥፯-፱። ብምድሪ ግን መከራኦም ብዙኅ ከም ዝኾነ ግብ ሓዋ ፯፥፶፱ ተመልከቱ። ክፉእ ዚገብሩ ካህናት ግን ንርእሶም ጠፊኦም ሕዝቢ ከም ዘጥፍኡ። ፩ ሳሙ ፪፥፲፪-፴፬። ብኃጢኣት ካህናት ፴ ሽሕ እግረኛ ከም ዝሞቱ፡ ማቴ ፳፭፥፳ ተመልከቱ። ስለዚ ነገር ንምእመናን ተጊሀትኩም መሀሩ። ሕገ እግዚአብሔር ከየፍርሱ ነጊራትኩምዎም እንተ ገበሩ ኵልኹም ትድኅኑ፡ ነጊራትኩምዎም እንተ ኣበዩኹም ንርእስኹም ትድኅኑ ፩ ጢሞ ፬፥፲፮። ቲቶ ፪፥፲፭። “ኢታፁርዎሙ ፆረ ክቡደ” ማለት ጽኑዕ ዕዳ ኣይተሸክምዎም ማለት እዩ እምበር፡ ሕገ እግዚአብሔር ኣይተኣዝዝዎም ማለት ኣይኮነን። ካብ ክርስቶስ ዚበልጽ ርኅሩኅ መን ኣሎ! መንግሥተ ሰማያት ዚኣክል ብጭልፋ ማይ ዚህብ።

ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ኣእምሮ ግበሩ። ካህናት ዝኣዘዝኹም ግበሩ፤ ክፉኣት እዮም ከመይ ኢልና ክንሰምዖም እንተ በልኩም፡ ጽቡቕ እንተዘይገበረ ጽቡቕ ግበሩ ዘይብል ካህን የልቦን፡ “ዲበ መንበረ ሙሴ ነበሩ ለክሙ ጸሐፍት ወፈሪሳውያን ኵሎ ዘይቤለክሙ ግበሩ፡ ወዘመሀሩክሙ ዕቀቡ፡ ወዘከመ ምግባሮሙሰ ኢትግበሩ” ዝበሎ እዩ። ማቴ ፳፫፥፪-፫።

(ካብ መጽሓፍ መዝገበ ሃይማኖት - ፀአታኒ እምደብረ ቢዘን፡ ካብ ፯ይ ክፍሊ ዝተወስደ)

No comments:

Post a Comment