Sunday, December 11, 2011

ርግበይ - ቤተ ኣቦኺ ረስዒ


ቅዱሳን ነቢያት፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብዳኅረዋይ ዘመን ክገብሮ ንዝሓሰቦ እናገለጸሎም ዝተዛረብዎን ዝጸሓፍዎን እምብዛ ብዙኅ እዩ። ንቅዱሳኑ ቀረባ ዝኾነ ፈቃር ኣምላኽ እግዚአብሔር ነቶም ፈተውቱ በብእዋኑን በብዘመኑን ምሥጢሩ ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጸሎም ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ዝምስክሮ እዩ። ከም ኣብነት ኣብቲ ዘመነ ሕገ ልቦና ዝነበረ፡ ዓርከ እግዚአብሔር ንዝተባህለ አብርሃም ኣቦና ብዛዕባ ጥፍኣት ሰዶምን ገሞራን እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቐዲሙ “እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ አብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፡” ዘፍጥ ፲፰፥፲፯/18፥17 ብምባል ክፍጽሞ ንዝሓሰቦ ኵሉ ነጊርዎ ነበረ። አብርሃም ድማ ስሌኦም ለመነ። እግዚአብሔር ብዓቢዩ ናይቲ ብዛዕባ ድኅነት ዓለም ክፍጽሞ ንዝሓሰቦ ድማ ብብዙኅ ሳዕን ብዙኅ ነገርን ንኣቦታትና ይገልጸሎም ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝምህረና እዩ። ሓደ ካብቲ ብፍሉይን ብዝለዓለ ክብርን ብኣቦታትና ዝጥቀስ ዝነበረ ድማ፡ ኣምላኽ መኅደሪኡ ክትከውን ብዛዕባ ዝመረጻ፡ መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝምልከት ነገረ ትንቢት እዩ።


Wednesday, December 7, 2011

፳ወ፬ቱ ካህናተ ሰማይ

ስያመ

ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ ዝኾነ ቅዱሳን መላእኽቲ ቍጽሮም ክንዲ’ዚ ተባሂሉ ዘይውሰን ናይ ብዙኅ ብዙኅ እዩ። (ዳን ፯፥፲/7፥10 ራእ ፭፥፲፩/5፥11 ኤር ፴፪፥፳፪\33፥22 መዝ ፷፰፥፲፯/68፥17)። ይኹን እምበር እዚኦም እልፍ አእላፍ ወትእልፊት ቅዱሳን መላእኽቲ በብነገዱ ዝተኸፋፈሉ፤ ነናቶም ሊቃነ መላእኽትን ኣገልግሎትን ዘለዎም እዮም።

እምበኣርከስ ካብዞም ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ዙርያ መንበር ዙፋን ጐይታ ዝቖሙ ዕስራ ኣርባዕተን ሊቃናት (ሽማግለታት) ከምዘለዉ ቅዱስ ዮሐንስ ሰማያዊ ራእይ ርእዩ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፎ ገሊጽዎ ኣሎ። “ኣብ ማእከል እቲ ዝፋን ተሓሪዱ ከምዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ረኣኹ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም 24 ካህናትን ድማ ኣብ ዙርያኡ ነበሩ።” ይብል ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ። እዚ ማለት ግና ኣብ ቅድሚ መንበር ጐይታ ዝቖሙን ዘመስግኑን እዚኦም ጥራይ እዮም ንማለት ኣይኮነን። እዚኦም ፳፬/24 ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ዙርያ ዙፋን እግዚአብሔር ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝቖሙ ዝተኃርዩን ዝተመደቡን ብምዃኖም እምበር ብኣፈጣጥርኦም ካብ ካልኦት ቅዱሳን መላእኽቲ ዝፍለየሉ የብሎምን።

Tuesday, December 6, 2011

ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት


ሰማዕትነት

ሰማዕታት ብሃይማኖቶም ጸኒዖም፡ ብሰናይ ምግባር ትሩፋት ሰሪሖም፡ ብክርስቶስ ክርስቲያን ንዝተባሉሉ ክቡር ስም ዓቂቦም፡ ብመንፈሳዊ ገድሊ ተቖሪኖም ንጣኦት ኣይንሰግድን ፈጣሪና ኣይንክሕድን ብምባል ሥጋኦም ንሓዊ ንሥቓይ፡ ክሳዶም ንሰይፊ ስለ ስም ክርስቶስ ዝሃቡ ክቡራት ሓርበኛታት ክርስቶስን ርትዕቲ ሃይማኖትን እዮም።

ሰማዕታት ማለት ቃል ብቃሉ መስከርቲ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰማዕታት ኢላ እትጽውዖም ስለ ክርስቶስን ርትዕቲ ሃይማኖትን ክብሉ ኣብ ቅድሚ ኣላውያንን መምለኪያነ ጣኦትን ዝኾኑ ሰባት ሓቂ ብምምስካር፡ ንኵሉ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ንዝተቐረበ ጸዋተወ መከራ ብአኵቴት ዝቕበሉ እዮም። ከምዚ ናይ ሎሚ ሰባት “እንታይ ገደሰኒ” “እግዚአብሔር ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ” እናበሉ ንርእሶም ዘታልልዋ ዘይኮኑስ፡ ነቲ ዝኣምንዎ ኣምላኽ ብቃሎምን ብግብሮምን ዝእመንዎ እዮም። መምርሒ ሰማዕታት “ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።” ዝብል ቃል ጐይታ እዩ። ቅዱሳን ሰማዕታት ብዘይካ ቃል ጐይታ ኣኽቢሮም፡ ዕርፊ ወንጌል ኣጽኒዖም ንቕድሚት ምኻድ እንተዘይኮይኑ ንሥጋዊ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ደቂ ሰባት ግምት ንምሃብ ክብሉን መታረፊ ምኽንያት ከናድዩን ንድኅሪት ግልጽ ኣይብሉን እዮም። እግዚአ አጋእዝት፡ ንጉሠ ነገሥት ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝበሎ ቃል ድማ ኣብኦም ብግብሪ ፍጻሜ ረኺቡ ንርእዮ። “ነቲ ነፍስን ሥጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንሥጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም።” ማቴ ፲፥፳፰-፴፫/10፥28-33

Monday, December 5, 2011

ጥንተ አብሶ

   
 “ጥንተ አብሶ”፡ ግእዛዊ ቃል ኮይኑ ናይ ጥንቲ ወይ ናይ መጀመርታ በደል ማለት እዩ። ናይ መጀመርታ በደል ዝተባህለ፡ ብናይ መጀመርታ ሰባት ብኣዳምን ሔዋንን ዝተፈጸመ ናይ መጀመርታ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ  እዩ።

ብምኽንያት ጥንተ አብሶ ንዅሎም ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ዝተባህለ ዲያብሎስ ካብ ማሕፀን ጀሚሩ ቆሪኑ፡ ንሞተ ሥጋ ንሞተ ነፍሲ ኣቃሊዑ ይገዝኦም ነበረ። እዚ ድማ ባርነት መግዛእቲ ይበሃል።  (ዮሓ. ፰፥፴፬–፴፭/8፥34-35)

ካብ ዘመነ አዳም ጀሚሩ ክሳዕ እቲ እግዚአብሔር ወልድ ሥጋና ተወሓሒዱ፡ ሰብ ኮይኑ ንዓለም ዘድኃነሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ደቂ ሰባት ምግባር ትሩፋት ዋላ እኳ እንተሰርሑ ብምኽንያት ጥንተ አብሶ ናብ ሲኦል ካብ ምእታው ክተርፉ ኣይከኣሉን። ኵሉ ሰብ ናብ ሲኦል ይኣቱ ነበረ። መቕጻዕትን መርገምን ናይ አዳምን ሔዋንን ናብ ደቂ ደቆም ኃለፈ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከረድኣና ከሎ፦ “ሞት ግና ካብ አዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ኣብቶም ከምቲ ናይ አዳም ትእዛዝ ብምኽንያት ኃጢኣት ዝገበሩን፡ ዘይነበሩን ነጊሡ ነበረ'' ብምባል ገሊጽዎ አሎ። (ሮሜ ፭፥፲፬/5፥14) ኃጢኣት ዝገበሩን ዝበደሉን ዝበሎም እቶም ድኅሪ ኣዳም ዝመጽኡ ደቁ፡ ብኃልዮ (ብሓሳብ) ብነቢብ (ብዘረባ ቃል) ብገቢር (ብግብሪ) ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝገበርዎ  ኃጢኣት እዩ። እዚ ድማ  ኵሉ ዘርኢ ሰብ፡ ንኣዳም መሲሉ ብዝሠርሖ ኃጢኣት ዕዳ ነበሮ። እዚ ዅሉ ዝሠርሖ ኃጢኣት ድማ ምልአተ ኃጢኣት ይበሃል። ዘይበደሉን ዘይኃጥኡን ዝበሎም ከም በዓል ኤርምያስ፡ ሄኖክ፡ ዮሐንስ መጥምቅ ካብ ማሕፀን ኣዲኦም ጀሚሮም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓለዉ፡ ረድኤቱ ዘይተፈለዮም፡ ንፍሉይ አገልግሎት ዝተኃረዩ፡ ቅዱሳን ንጹሓንን ሕፃናት ንኣብነት፦ ሄሮድስ ዝቐተሎም 144,000 ሕጻናት ዝኣመሰሉ እዮም። ይበድሉ ኣይበድሉ፡ ናይ ኣቦ ዕዳ ናብ ዉሉድ ስለዝኃልፍ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ጥንተ አብሶ ንደቆም'ውን ተሓተትቲ ገበሮም።

Wednesday, November 30, 2011

“እምነ ጽዮን” - ኣዴና ጽዮን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።


ነዚ ቃል ዘውሰአን ረቂቕ ዝኾነ ትንቢታዊ ቃሉ ዘመኃላለፈን እግዚአብሔር ከም ልበይ ረኸብኩ ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት እዩ። ንሱ ኣብ መዝሙሩ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ፤ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፤ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” (ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል። ኣብ ውሽጣውን ሰብ ተወልደ፤ እቲ ልዑል’ውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ) መዝ ፹፮፥፭ (87፥5) ብምባል ብዘይናወጽ ቃለ እግዚአብሔር ነጊሩናን ብትንቢቱ ኣመሥጢሩልናን እዩ። 

ታቦተ ጽዮን

ታቦት ማለት መኅደሪ እግዚአብሔር፤ መግለጺ ክብሪ እግዚአብሔር ማለት እዩ። ኣብ ውሽጡ ድማ ጽላት እግዚአብሔር ዝቕመጦ እዩ። ጽላት ማለት ሕገ እግዚአብሔር ዝተጻሕፈሉ ቅዱስ ሰሌዳ እዩ። እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ፈትዩ ፈቒዱ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ነዚ ቅዱስ ሕጊ ክህቦ ከሎ ቃል ኪዳን ብምእታው እዩ፤ እዚ ከኣ ሰባት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክፍጽምዎን ክሕልዉዎን ናይ ዝግብኦም ሕግታት ስለዝተጻሕፎ እዩ። ስለዚ ድማ ናይ ቃል ኪዳኑ ታቦት ንብሎ። በዚ ሕጊ እዚ ድማ ደቂ ሰባት ንፍቓድ እግዚአብሔር ብልቦናኦምን ትውፊትን ጥራይ ተመሪሖም የገልግልዎ ይእዝዝዎን ካብ ዝነበሩሉ ሕገ ልቦና ናብ ጽሑፋዊ ሕገ ኦሪት ተሰጋጊሮም። ኃዳሪ ብማኅደር ምጽዋዕ ልማድ መጻሕፍቲ ስለዝኾነ ድማ ንጽላት በቲ መኅደሪኡ ታቦት ኢልና ክንጽውዖ ንርከብ።

Friday, November 25, 2011

“ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡" ዮሐ ፰፥፶፮

ሎሚ ንጅመሮ ዘሎና ጾም፡ ጾመ ነቢያት ይብሃል። እዚ ጾም ድማ ነቢያት ኣቦታት፡ እግዚአብሔር ካብ ኣዳም ኣትሒዙ በብእዋኑ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ ነገርን ንዝገለጸሎም ትንቢትን ዝመሰለሎም ምሳሌን እናተዛረቡ፡ ንዝሃቦም ተስፋ እናጽንዑ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ንሕና ከኣ ኣብነቶም ወሲድና ካብ ሎሚ ኣትሒዝና፡ ክሳዕ ንዘመናት ዝተጸበይዎ ትንቢቶምን ትምኒቶምን ዝተፈጸመሉ ዕለተ ልደት ጐይታ ክንጾሞ ንርከብ ኣሎና። ነቢያት ብተስፋ ተሓጒሶም ንዝተነበዩሉን ክዝክርዎ ንዝነበሩን፤ ንሕና ግና ከም ሓዋርያት ተፈጺሙልና ሓጐስና ብሥምረት ክንገልጽ ንነብር ኣሎና። ብቃሉ ጸኒዕናን ፍቓዱ ፈጺምናን ብምሕረቱ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ክንወርስን ድማ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝግባእ ድማ ጾም ምጻም እዩ።  

Wednesday, November 2, 2011

ኡ…ይ ነፍሲ ጠፍአት ስንቅኹም ቋጽሩ፡ ፈቓድ ሥጋኹም ጥራይ ኣይትግበሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ...
ሻላ ምስ እትርእይዮ ነዚ ኵሉ ምኽሪ
ሞት ኣሎ ናይ ኵሉ መስካሪ
ንሹመኛ ዘይብል ንወፋሪ
ንንጉሥ ኣይብል ንፊታውራሪ
ዝገበርካ እንተገበርካስ ዘይተርፍ ግብሪ
መን ርኢኻ ካብ ሞት ዝቐሪ
ይትረፍ ፍጡር ሞይቱ’ኳ ፈጣሪ
ኣየ’ወ እዚ ስቡሕ ሥጋስ ክጽምበር ምስ ፀብሪ
ሓመድ ክኽደን እዚ ተቓራሪ
ተኸዳን ባኖ ከይተረፈ ተኸዳን ሃሪ
መቓብር ኣሎ ዘይተርፍ ነባሪ
ምስ ኃዘ ዘይሰድድ ጽኑዕ ኣጋፋሪ
ድኻ ኣይፍንፍን ንንጉሥ ኣይሓፋሪ
ትኽድን ምስ ነበርካ እልፊ ሃረ-መሪ
ሓውኻ ወገንካ እናተገርፈ ብሓለንጊ ቍሪ
ከተጋይጽ ኔርካ ኣብ ኃላፊ ምድሪ
እንታይ ኢኻ እትገብሮ ኣምላኽ ምስ ዚዅሪ
ቅሩብ’ዩ ጥቕሙ ናይ ሥጋ ፍቕሪ
እዋይ! ኃላፊዶ ትመርጽ ካብ ነባሪ
መጀመርታኡ መርዓ መፈጸምታኡ ቐብሪ
ኣጽኒዕኻ ግዳ ኃዛ ትእዛዝ ናይ ፈጣሪ
ኣይኹን ልብኻ ኣታዊ ወፋሪ
ሰማዒ ጥራይ ኣይትኹን እንታይ ድኣ ገባሪ
ኦ ነፍሲ እዚ ዝብለኪ በጃኺ መርምሪ
ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ከይትሓፍሪ
ኣይጥበርን’ዩ ንሱ ምስ ዝኹሪ
ሓሶትን ወቕርን ግደፊ ዘይረብሕ ግብሪ
ደኃር ዝመጸኪ ጥራይ ሕሰቢ ዘክሪ
ስንቂ ናይ ሰማይ ተሎ ቢልኪ ቋጽሪ
በደላት ዝድምስስ ዘንጽሕ ካብ ነውሪ
ኃሊፉ ዚጸንሕ ዘይረኽቦ ኸታሪ
ነቐዝ ዘይረኽቦ ዘለዓለም ነባሪ
ምስ ላዕለዋይ ጐይታ መፋቐሪ
ስንቂ ሰማይ ዝበልናዮ ጽቡቕ ግብሪ
፮ ናይ ወንጌል ፲ ናይ ኦሪ(ት)
ሃይማኖት ኣጽንዒ ምስ ግብሪ
ጥሙይ ምስ እትርዪ ኣምስሒ ኣድርሪ
ክዳን ሃብዮ ንዝኃዞ ቍሪ
ኣምላኽ ከልብሰኪ ናይ ሰማያት ሃሪ
መንገደኛ ኣብ ገበላኺ ኣኅድሪ
ምስ ቅዱሳን ኣብ ገነት ክተሰፍሪ
ማይ ኣስትዪ ንዜብሉ ኢደ እግሪ
ዝሓመመ ብጽሒ ብእግሪ ብግብሪ (ምሃብ)
ኣስተውዒልኪ ለበዋ ፈጣሪ (ማቴ ፳፭፥፴፭)
ነዚ ትእዛዝ’ዚ ምስ እትገብሪ
ሃይማኖት እንተጽኒዕኪ እንተ’ሎ ፍቕሪ
ብሓቂ ብሓቂ እብለኪ ገነት ከም እትሰፍሪ
ፍሬ ምስ ዘይብሎም ኣይትኅበሪ
የጣዕስኪ ዝቐደመ ግብሪ
እንሆ ሂበኪ ምዕዶታት መሐበሪ
ካብ ሎሚ ንንየው ግና ኃደራ ኣእምሮ ግበሪ
ባዕሉ ይሓግዝኪ ይርዳእኪ ፈጣሪ።

                 (ምንጪ፦ቀሺ ገብረማርያም ገብረሥላሴ (አባርዳእ))