Wednesday, December 7, 2011

፳ወ፬ቱ ካህናተ ሰማይ

ስያመ

ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ ዝኾነ ቅዱሳን መላእኽቲ ቍጽሮም ክንዲ’ዚ ተባሂሉ ዘይውሰን ናይ ብዙኅ ብዙኅ እዩ። (ዳን ፯፥፲/7፥10 ራእ ፭፥፲፩/5፥11 ኤር ፴፪፥፳፪\33፥22 መዝ ፷፰፥፲፯/68፥17)። ይኹን እምበር እዚኦም እልፍ አእላፍ ወትእልፊት ቅዱሳን መላእኽቲ በብነገዱ ዝተኸፋፈሉ፤ ነናቶም ሊቃነ መላእኽትን ኣገልግሎትን ዘለዎም እዮም።

እምበኣርከስ ካብዞም ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ዙርያ መንበር ዙፋን ጐይታ ዝቖሙ ዕስራ ኣርባዕተን ሊቃናት (ሽማግለታት) ከምዘለዉ ቅዱስ ዮሐንስ ሰማያዊ ራእይ ርእዩ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፎ ገሊጽዎ ኣሎ። “ኣብ ማእከል እቲ ዝፋን ተሓሪዱ ከምዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ረኣኹ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም 24 ካህናትን ድማ ኣብ ዙርያኡ ነበሩ።” ይብል ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ። እዚ ማለት ግና ኣብ ቅድሚ መንበር ጐይታ ዝቖሙን ዘመስግኑን እዚኦም ጥራይ እዮም ንማለት ኣይኮነን። እዚኦም ፳፬/24 ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ዙርያ ዙፋን እግዚአብሔር ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝቖሙ ዝተኃርዩን ዝተመደቡን ብምዃኖም እምበር ብኣፈጣጥርኦም ካብ ካልኦት ቅዱሳን መላእኽቲ ዝፍለየሉ የብሎምን።

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ እዞም ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝተሰየሙ መላእኽቲ ዕስራ ኣርባዕተ ካህናተ ሰማይ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ስያሜ’ዚ ድማ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይውስንዎ ብባህርይኡ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ዘገልግሉ ሰማያውያን መላእኽቲ ምዃኖም የመልክት። ብካልእ ኣጸዋውዓውን ከምቲ ኣርባዕቱ እንስሳ - ኪሩቤል ጸወርተ መንበር ኢልና እንጽውዖም ነዞም ካህናተ ሰማይ ሱራፌል ድማ ዓጠንቲ መንበሩ ኢልና ንጽውዖም።

ምድራዊ ሥርዓት ተምሳል ሰማያዊ ሥርዓት

ምድራዊ ሥርዓትን ኣገልግሎትን ኣምልኮተ እግዚአብሔር፡ ብተምሳል ሰማያዊ ሥርዓት እተሠርዐ ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍት በብምሳሌኡ ዘረድኡና እዮም። እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ባህርይኡ ንባህርዩ ይምስገን ነበረ። ፍጥረቱ ክፈጥር ከሎ ድማ ስሙ ጸዊዖም ከመስግንዎ ለባውያን ሕያውያን ነባብያን ገይሩ ዝፈጠሮም መላእኽትን ሰባትን ጥራይ እዮም። እዚ ኸኣ ብቀዳምነት ንምስጋና እዩ። እግዚአብሔር ንመላእኽቲ ረቀቕቲ ገይሩ ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ክፈጥሮምን በብስፍርኦም ከስፍሮምን ከሎ ድኅሪ ውድቀት ሳጥናኤል ሥርዓት ሠሪዑሎም እዩ። በዚ መሠረት ቅዱሳን ንእግዚአብሔር ዘመስግኑሉን ዘገልግልሉን ሰማያዊ ሥርዓት ኣኽቢሮም ክሳዕ ዘለዓለም ብዘይ ዕረፍቲ የገልግልዎን የመስግንዎን ኣለዉ። ሰባት ድማ እግዚአብሔር ብዝዓደሎም ሕገ ልቦናን ብቃሉን፡ ከምኡውን ቅዱሳን መላእኽትን ካብ ኣዳም ጀሚሮም ንዝመሃርዎም ሥርዓተ ኣምልኾት ብትውፊት እናጽንዑ ንእግዚአብሔር ከገልግልዎን ክእዘዝዎን ክሳዕ ሙሴ ጸንሑ። ብሙሴ ኣቢሉ ግና ሕገ ኦሪት ካብ እግዚአብሔር ምስ ተዋህበ፤ ምስኡ ድማ ኣብ ደብተራ ኦሪት ሕጊ ክስራዕ ከሎ እግዚአብሔር ሰባት ብኸመይ መገዲ ኣምልኾቶም ከምዝፍጽሙ ዘርኣዮም ሥርዓት፡ ነቲ ረቂቕ ብመላእኽቲ ንዝፍጸም ሰማያዊ ሥርዓት ዝተኸተለ እዩ።

ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ነቲ ሕጊ ፍጹምነት ኣልበሶ። ቅዱስ ዮሐንስ ብዝኣመሰሉ ኅሩያቱ ኣቢሉ ድማ ብራእይ እናገለጸ ብዝያዳ ነቲ ሰማያዊ ሥርዓት ኣርኣየና። ቅዱሳን ሰባት ይኹኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ድኅሪ ትንሣኤ ዘጉባኤ ዝነብሩሉን ምስ እግዚአብሔር ዝህልዎም ሥርዓተ ኣምልኾን ስብሐትን ውዳሴን ድማ መሳዂቲ ሰማይ ኸፊቱ ኣርኣየ። ስለዚ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ብሰማያዊ ሥርዓት እትምራሕ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ጽን ኢልና እንተደኣ ብምስትውዓል ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ንዋየተ ቅዱሳትን ሥርዓተ አምልኾን ርኢናዮን ፍጹም ሰማያዊ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። ነዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቦታትና ዝገለጸሎም ከነመስግኖን፤ ክብሪ ቤተ ክርስቲያናን ድማ ክንፈልጥ ይግባእ። ነዚ’ውን ኣንክሮ ተዘክሮ ይግባእ። እምበኣርከስ ነቲ ኣብ ላዕሊ ንዝተጠቕሰ ኣበሃህላ ኣብነት ክኾኑና ካብ ዝኽእሉ እዞም ፳፬ ኅዳር ቤተ ክርስቲያን ብዓቢ ክብሪ እተኽብሮምን በዓሎም እትገብረሎምን ፳፬ ካህናተ ሰማይ እዮም።

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኣብ ዙርያ ደብተራ ኦሪትን መቅደሰ ኦሪትን ዘገልግሉ ዝነበሩ ካህናተ ኦሪት ኣብ ሓደ ጊዜ ከገልግልዎ ክሳብ ዝኽእሉ ቍጽሮም እምብዛ ብዙኅ ነበረ። መጽሓፈ ዜና መዋዕል’ውን ፍቕዲ እቶም ካህናት ፪፻፹፰/288 ከምዝነበሩ ከኣ ይገልጽ። ቀዳማይ ዜና ፳፬፥፩-፲፰/24፥1-18። ንሳቶም ድማ ኣብ ውሽጢ ፳፬ ሰሞን ተመዲቦም ነታ ቤት መቕደስ ዘገልግሉ ነበሩ። ኣብ ሓደ ሰሙን ዝምደቡ ካህናት ድማ ፲፪/12 ይኾኑ ነበሩ። ንነፍስ ወከፍ ናይ ሰሞን ኣገልግሎት ሓደ ሓለቓ ስለዝነበሮ ድማ ብጠቕላላ ፳፬/24 ኣሕሉቕ ነበርዎም። ንሳቶም ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሊቃነ ካህናት ወይውን ኣመሓደርቲ ቤት ኣምላኽ ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። (ቀዳማይ ዜና ፳፬፥፭/24፥5)። ሌዋውያን ከም ካህናት መጠን ኣብ ፳፬/24 ሰሞናት ተመዲቦም፡ ኣገልግሎቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ይፍጽሙን፤ ብጸናጽንል ከበሮን፡ ብበገናን ብመሰንቆን የመስግኑ ከምዝነበሩ ተጻሒፉ ኣሎ። (ቀዳማይ ዜና ፳፭፥፱-፴፩/25፥9-31)

እምበኣርከስ ዮሐንስ ኣብ ራእዮ ዝረኣዮም ዕስራ ኣርባዕተ ካህናተ ሰማይ ናይቶም ምሳሌኦም ኣብ ምድራዊ ሥርዓት ዝተራእዩ ካህናተ ኦሪት እዮም። ብርግጽ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ካህናትን ኣገልግሎቶምን ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ናይ ኪዳን ታቦተ ሕጉ ኣብ ሰማይ’ውን ከምዘላ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ተመልኪቱ ነበረ። (ራእ ፲፩፥፲፮-፲፱/11፥16-19)። ብዘይካ’ዚውን ቅዱስ ዮሐንስ ፲፪/12 ናይ ብሉይ ኪዳን ኣርእስተ ነገዳት እስራኤል ዘሥጋ (ፓትርያርካት)፡ ፲፪ተ ናይ ሓዲስ ኪዳን ኣርእስተ ኅሩያኑ ሓዋርያት (ፓትያርካት) ኣብታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ኣብ ማዕጾታታን መሠረታን ተመልኪቱ ከም ዝነበረ ጽሒፉ ኣሎ። ኵሎም ድማ ብኃባር ናይቶም ፳፬ ካህናተ ሰማይ ተምሳል እዮም። (ራእ ፳፩፥፲፪-፲፬/21፥12-14)

ብኻልእ ምሳሌ’ውን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ ሥርዓተ ማኅሌት እንተተመልከትና በቆመ ብእሲ ፮/6 ብዓምደ ወርቅ ፮/6 ብየማናይ ከበሮ ፮/6 ብጸጋማይ ከበሮ ፮\6 መዘምራን ክቖሙ ሥርዓት ምዃኑ በቶም ፳፬ ካህናተ ሰማይ ምሳሌ ዝተገብረ እዩ። ሓሓንሳብ’ውን ብ፳፬ ቀዳስያን ምቕዳሱ፡ ዕጣን ናይ ዝዕጠነሉ ሻኩራታት ጽንሐሕ  ፳፬/24 ምዃኖም ተምሳል ናይቶም ኣብ ሰማይ ዘመስግኑን ፳፬ ካህናተ ሰማይ እዩ።

እዞም ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ መንበር ሥላሴ ቖይሞም ዘመስግኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ፍቕዶም ፳፬ ምባሉ፡ ኣብ ፳፬ ሰዓት ብዘይ ምቍራጽ ንኣምላኽ ከምዘምስግኑ ንምግላጽ ዝተጠቕሰ ምዃኑ ሊቃውንት ይገልጹ። ኣብ ሰማይ ሰዓተ መዓልትን ሰዓተ ለይትን ዘሎ ኮይኑ ዘይኮነሲ ሰብ ብዝርድኦን ብዝነብረሉ ሥርዓት ንምግላጽ እዩ።

ኣገልግሎቶም

    ምስጋና
ኣብቲ ዙፋን ንዝነብር እግዚአ አጋዕዝት፡ንጉሠ ነገሥት፡ አምላከ አማልክት ዝኾነ ዘለዓለማዊ ሕያው ጐይታ ፍግም ኢሎም “ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ይግባእካ” እናበሉ፡ የመስግኑ። (ራእ ፬፥፲-፲፩) ስለዚ እዞም ቅዱሳን መላእኽቲ ብዘይ ዕርፍቲ ንእግዚአብሔር ዘመስግኑ ምዃኖም ንፍለጥ።

    ምርዳእ ሰብ
እዞም ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብእግዚአብሔር ንዝኣምኑ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ የገልግሉን ይራድኡን። ንምሳሌ ንጸሎት ቅዱሳን ከም ዕጣን ብማዕጠንቶም ብኢዶም ናብ አምላኽ የዕርጉ። ኅዙናን የጸናንዑ። (ራእ ፭፥፭) ንዝተሠወረ ራእይ ንቅዱሳን ይትርጉሙ። (ራእ ፯፥፲፫-፲፬/7፥13-14) “ወኢየዐርግ ጽድቅ ወምጽዋት ዘእንበሌሆሙ” ከምዝብል ዝኾነ ዝግበር ጸሎትን ምጽዋትን ብዘይ እዞም ፳፬/24 ካህናተ ሰማይ ናብ እግዚአብሔር ከምዘይዓርግ መጽሓፈ ስንክሳር ይነግር። “እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን (፳፬/24) ካህናትን (ኣሕሉቕን) ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ብግምባሮም ተደፍኡ። ነፍስ ወከፎም ከኣ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመለአ ጽዋዕ ወርቅን ኂዞም ነበሩ። እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።” ይብል ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ። ሥርየት ኃጢኣት ምእንቲ ፍጡራን ዚልምኑን ከኣ እዮም።

    ክብሮም
እዞም ፳፬ተ ካህናተ ሰማይ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ልዕል ዝበለ ክብሪ ኣለዎም። እዚ’ውን ጻዕዳ ለብሲ ለቢሶም፡ ኣኽሊል ደፊኦም፡ ኣብ ዙርያ ዙፋን ጐይታ ፳፬/24ተ ዙፋናት ተዘርጊሕሎም ክቕመጡ ክብሪ ዝተዋህቦም ምዃኖም ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ ደጋጊሙ ገሊጹ ኣሎ።

መጠቓለሊ

ስለዚ ዕስራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ክንብል ከሎና ኣብ ዙርያ መንበር እግዚአብሔር፡ ንሰማያዊ ኣምላኽ ዘመስግኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ምባልና እዩ። ኣብ ምድሪ ዘሎ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ብተምሳል ናይዚኦም ቅዱሳን መላእኽቲ ሰማያዊ ኣገልግሎት ዝተሠርዐ እዩ።

እዚኦም ካህናተ ሰማይ ንሰብን እንስሳን ምሕረት ዝልምኑ፡ ናይ ምእመናን ጸሎት ናብ ኣምላኽ ዘቕርቡ ኣማለድቲ፡ ንሰባት ዝራድኡን ዘገልግሉን ምዃኖም ድማ ንኣምን። ኣቦታትና ቅዱሳት መጻሕፍት መሠረት ብምግባር ነዞም ብዘይ ብእኦም ናብ እግዚአብሔር ጸሎት ዘይዓርግ ቅዱሳን መላእኽቲ መዘከርታ በዓሎም ክንገብርን ብጸሎቶም ክንምኅፀን እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ብምሕረቱ ክምሕረና መዓልቲ ዝክሮም ፈልዮም ሠሪዖምልና ኣለዉ። ንሱ ድማ ፳፬ ኅዳር እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ሃገርና’ውን ብስሞም ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያንን ዝተቐርጸ ታቦትን ከምዘሎ ይፍለጥ።

በረኸቶምን ጸሎቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። 


 ሰላም ለክሙ ካህናተ ሕጉ ወትእዛዙ
 ለእግዚአብሔር አምላክ ዘጶዴረ ሥጋ ዓራዙ
 ወነቅዐ አፉክሙ ኃሤት ዘኢይነጽፍ ውኂዙ
 ኪያየ ኀዙነ ወትኩዘ ሱራፌል ናዝዙ
 በክነፊክሙ ብርሃናዊ ዓውድየ አግዝዙ።



2 comments: