Tuesday, December 6, 2011

ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት


ሰማዕትነት

ሰማዕታት ብሃይማኖቶም ጸኒዖም፡ ብሰናይ ምግባር ትሩፋት ሰሪሖም፡ ብክርስቶስ ክርስቲያን ንዝተባሉሉ ክቡር ስም ዓቂቦም፡ ብመንፈሳዊ ገድሊ ተቖሪኖም ንጣኦት ኣይንሰግድን ፈጣሪና ኣይንክሕድን ብምባል ሥጋኦም ንሓዊ ንሥቓይ፡ ክሳዶም ንሰይፊ ስለ ስም ክርስቶስ ዝሃቡ ክቡራት ሓርበኛታት ክርስቶስን ርትዕቲ ሃይማኖትን እዮም።

ሰማዕታት ማለት ቃል ብቃሉ መስከርቲ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰማዕታት ኢላ እትጽውዖም ስለ ክርስቶስን ርትዕቲ ሃይማኖትን ክብሉ ኣብ ቅድሚ ኣላውያንን መምለኪያነ ጣኦትን ዝኾኑ ሰባት ሓቂ ብምምስካር፡ ንኵሉ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ንዝተቐረበ ጸዋተወ መከራ ብአኵቴት ዝቕበሉ እዮም። ከምዚ ናይ ሎሚ ሰባት “እንታይ ገደሰኒ” “እግዚአብሔር ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ” እናበሉ ንርእሶም ዘታልልዋ ዘይኮኑስ፡ ነቲ ዝኣምንዎ ኣምላኽ ብቃሎምን ብግብሮምን ዝእመንዎ እዮም። መምርሒ ሰማዕታት “ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።” ዝብል ቃል ጐይታ እዩ። ቅዱሳን ሰማዕታት ብዘይካ ቃል ጐይታ ኣኽቢሮም፡ ዕርፊ ወንጌል ኣጽኒዖም ንቕድሚት ምኻድ እንተዘይኮይኑ ንሥጋዊ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ደቂ ሰባት ግምት ንምሃብ ክብሉን መታረፊ ምኽንያት ከናድዩን ንድኅሪት ግልጽ ኣይብሉን እዮም። እግዚአ አጋእዝት፡ ንጉሠ ነገሥት ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝበሎ ቃል ድማ ኣብኦም ብግብሪ ፍጻሜ ረኺቡ ንርእዮ። “ነቲ ነፍስን ሥጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንሥጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም።” ማቴ ፲፥፳፰-፴፫/10፥28-33


ድኅረ ባይታ ቅዱስ መርቆሬዎስ

እምበኣርከስ ካብዞም ክቡራን ሰማዕታት ሓደ ቅዱስ መርቆሬዎስ እዩ። ጥንተ ስሙ ፒሎፓዴር (ፌሎፖቴር) ይብሃል ነበረ። ትርጉሙ ከኣ መፍቀሬ አብ (ፈታዊ አብ) ማለት እዩ። እቲ ካልኣይ ስሙ ግና መርቆሬዎስ እዩ። ትርጉሙ ከኣ ገብረ እግዚአብሔር (ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ) ማለት እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ክቡር ሰማዕት ኣብቲ ዕለተ ዕረፍቱ ፳፭/25 ሕዳር ብዝግባእ ትዝክሮ እያ።

ስም ኣቦኡ ኖኅ፡ ኣዲኡ ድማ ታቦት ተባሂሎም ይጽውዑ ከምዝነበረ ኣብዚ ዕለተ ሰማዕትነቱ ዝንበብ ስንክሳር ይገልጽ። ሃገር ኣባ ሓጐታቱ ኣስሊጥ ዝተባህለ ይኹን እምበር ንሱስ ኣብ ሮማ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ናይ ኣቦኡን ኣዴኡን ዳኅራይ እንደገና ክሳዕ ዝራኸቡ ተፈላልዮም ምጽንሖም ናይ ኣምላኽ ጥበብ እኳ እንተነበሮ፡ ቅዱስ ማርቆስ መጀመርያ ምስ ኣዴኡ ዳኅራይ ድማ ኣብ ቤት ኣቡኡ ድኅሪ ምዕባዩ ወተሃደር ኮይኑ ብፍላይ ድማ ዳኪዎስ ንዝተባህለ ገዛኢ ሮም የገልግል ነበረ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ገና ከይተወልደ ከሎ ድማ ንኣባ ሓጐታቱ ኣብ ጊዜ ሃደኖም ተገሊጹ ካብኦም ዝውለድ ኅሩይ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ። ብዝተዋህቦ ፍሉይ ጸጋን፡ ብዘገልግልዎ ኃይሊ እግዚአብሔር ዝለበሱ ገጸ ከለባት ዘለዎም ሰባት ኣዝዩ ዝፍራህን ግርማ ዝነበሮን ድማ ነበረ። እምበኣርከስ ድኅሪ ሞት ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ ኣብቲ ኣቡኡ ዘመሓድሮ ዝነበረ ግዝኣት ተሸይሙ ነበረ። እቲ ኣብ ጊዜኡ ዝተረፈ ገጸ ከልብ ዝነበሮ ሰብ ድማ ከምቲ ንኣቦኡ ንእኡ’ውን የገልግሎ ስለዝነበረ፡ ይፍራህን ኣብ ጊዜ ኲናት ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውምን ዝደፍሮን ኣይነበረን።

ቅዱስ መርቆሬዎስን ንጉሥ ዳኬዎስን

ኣብ ዓውደ ኲናት’ውን ምስቲ ገዛኢ እናተሳተፈ ይምለስ ነበረ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሮማ ነጊሡ ዝነበረ ዳኬዎስ ዝተባህለ ንጉሥ መምለኺ ጣኦት ነበረ እሞ፡ ናይ በርበር ሰባት ኣንጻሩ ስለዝተላዕሉ ክዋግኦም ሠራዊቱ ኣኽተተ። ኣብ ግምባር ምስ ተሰለፈ ግና ብዝኂ ኣንጻሩ ዝገጥም ሠራዊት ኣሰንበዶ እሞ ፈርሀ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ግናኣጆኻ እግዚአብሔር ከጥፍኦም ስለዝኾነ ኣይትፍራህበሎ። ከምቲ ዝበሎ ኣብ ውሽጢ እቲ ኵናት መልኣኽ እግዚአብሔር ከጥፍኦም ረኣየ፣ እቲ መልኣኽ ድማ ንቅዱስ መርቆሬዎስ ሰይፊ ኣቐበሎ እሞንጸላእትኻ ምስ ሰዓርካ ንእግዚአብሔር አምላኽካ ዘክሮበሎ። ሕጂ’ውን ጸላእቱ ምስ ሠዓረ እቲ መልኣኽ ካልኣይ ተገሊጹስለምንታይ ምጽዋዕ ስም ፈጣሪኻ እትርስዕ?በሎ።

ብኣንጻሩ ድማ እቲ መምለኪ ጣኦት ዝነበረ ዳኬዎስ፡ መርኣያ ሓጐሱ ክብ ዝበለ ግብዣ ነቶም ሠራዊቱ ብምድላው፡ ነቲ ዓወት ሂቡኒ ዝበሎ ጣኦቱ መሥዋዕቲ ኣቕሪቡ ናብ ቤተ መንግሥቱ ተመልሰ። ኣብዚ እዋን’ዚ መርቆሬዎስ እቲ ነገር ባህ ኣይበሎን። ከመይሲ መርቆሬዎስ ካብ ልቡ ስለዝጓሃየ “እዚ ገዛኢ’ሲ፡ ኃይልን ዓወትን ንዝሃቦ እግዚአብሔር ከየመስገነስ፡ ንጣኦት ይሰግድን ይሥዋዕን?” ብምባል ናብቲ ዝተዳለወ ግብዣ ከይተሳተፈ ተረፈ። ይኹን ደኣ እምበር ነዚ ዘስተውዓሉ ገለ ክንፍቶ በሃልቲ ከይዶም “ወተሃደርካ መርቆሬዎስ ንጣኦትካ ኣይሰገደን ካብቲ ዘዳለኻዮን ግብዣ ኣይጠዓመን - ክኽሕደካ ይሓስብ ይህሉ ከይከውን…” ብምባል ሓሰዉሉ።

ሰማዕትነት ቅዱስ መርቆሬዎስ

ዳኬዎስ’ውን ነዚ ብዝሰመዐ ንመርቆሬዎስ ኣጸዊዑ “ትፈትወኒ’ዶ ኣይነበርካን፤ ስለምንታይ’ከ ነቲ ጣኦተይ ዘይዓጠንካ? መሥዋዕቲ’ኸ ዘይምሥዋዕካ እንታይ ኮይንካ ኢኻ?” ኢሉ ሓተቶ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ግና ብትብዓት “ኣነ ንጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይክሕዶን እየ፡ ንጣኦት’ውን ኣይሰግድን” ብምባል ነቲ ዓጢቕዎ ዝነበረ ዕጥቂ ፈቲሑ ኣብ ቅድሚ ዳኬዎስ ደርበዮ። በዚ ዝተበሳጨወ ዳኬዎስ “ግረፍዎ” ኢሉ ኣዘዘ። ከም ሕሱም ድማ ተቀጥቀጠ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ብሕዝቢ ተፈታዊን ብሰናይ ግብሩ መምህር ስለዝነበረ፡ እቲ ንጉሥ ነቲ ሕዝቢ ከይልዓዓሎ ብምፍራህ ናብ ኤስያ ኣርሒቑ ክእሰር ወሰነሉ። ድኅሪ ብዙኅ ጸዋተወ መከራ ምቕባሉ ድማ ተኣሢሩ ካብ ሮም ናብ ቂሣርያ ተወስደ። ኣብኡ ድማ ብእምነቱ ጸኒዑ ስለዝተረኽበ፡ ብኸምኡ’ውን ንኽቕተል ስለዝተፈርዶ ክሣዱ ብሰይፊ ተኸሊሉ ኣኽሊል ሰማዕትነት ረኸበ። ካብ ኣምላኹ ድማ ዘይኃልፍ ቃል ኪዳን ተዋህቦ።

ቅዱስ መርቆሬዎስ ካብ እምነቱ ፈጺሙ ንድኅሪት ከይበለ፤ ብሃይማኖቱ ጸኒዑ ንካልኦት ዝመሃረን ዘጽንዐን፡ ብሰናይ ግብሩ’ውን ምሳሌ ኮይኑ ዝሓለፈ እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዝነበረ መከራ ከይተሰቀቐ ድማ ብዘይ ፍርሃት ሰማዕትነት ብምቕባሉ ንብዙኃት ምልክት ጽንዓት ኮይኑ ነበረ።

ድኅሪ ሰማዕትነቱ ካብ ዝፈጸሞ ተኣምር

ድኅሪ ሰማዕትነት ቅዱስ መርቆሬዎስ፡ ድኅሪ ዳኬዎስ ዑልያኖስ ዝብሃል ከሓዲ ንጉሥ ተንሢዑ ነበረ። ንሱ ድማ ኣብ ቂሣርያ ነቶም ሕዝቢ ንክርስቶስ ከሓዱ፡ ንጣኦት ስገዱ እናበለ መከራ የጽንዓሎም ነበረ። በቲ ጊዜ እቲ መምህራን ዝነበሩ ክልተ ኣሕዋት ባስልዮስን ጎርጎርዮስን ትም ክብሉ ኣይከኣሉን፤ ናብ ልቡ ክምለስ ከኣ ይምዕድዎ ነበሩ። ብቃላቶምን ብድፈረቶምን ድማ ተበሳጭዩ ንስም ጐይታ ብምጽራፍ፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ደርቢዎም ነበረ። ሻቡ ግና ኣንጻሩ ውግእ ስለዝተኸፍተሉ ናብቲ ኵናት ኣብ ዝኸደሉ “ደሓን ምስ ተመለስኩ ዝገብሮ ኣነ እፈልጥ” እናበለ ብምፍርራህ ናብ ኲናት ወፈረ።

ሽዑ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ባስልዮስ፡ ኣብ ጥቓ’ቲ ማእሰርቲ ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት ቤተ ክርስቲያን ስለዝነበረን፡ ሥዕሊ ቅዱስ መርቆሪዎስ’ውን ስለዝረኣየ፡ ጸሎቱ የብጽሕን ኣማላድነቱ ይምኅፀንን ነበረ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንቅዱስ መርቆሬዎስ “ወለመርቆሬዎስ ፈረሱ ጸሊም” ከምዝብል ነቲ ከሓዲ ንጉሥ ከምዝቐትሎ ገበረ። ቅዱስ ባስልዮስን ጎርጎርዮስን ድማ ኣብቲ ሥዕሊ ካብ ዝነበረ ኣፍ ናይቲ ኲናት ደም ከንጠባጠብ ረኣዩ። ቅዱስ ባስልዮስ ድማ ነዚ ተረዲኡ “ኦ ሰማዕተ ክርስቶስ ቅዱስ መርቆሬዎስ ነቲ ጸላኢ ጽድቂ ዝኾነ ዑልያኖስ ዶ ቀቲልካዮ?” ብምባል ሓተቶ። እቲ ኣብቲ ሥዕሊ ዝነበረ መርቆሬዎስ ድማ “እወ” ከም ምባል ርእሱ ኣቅንዐ። ቅዱስ ያሬድ’ውን ‘አድነነ’ ብምባል ይጠቕሶ እዩ። በዚ ድንቂ ግብሪ ድማ ተሓጒሶም እዞም ክልተ ኣሕዋት ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ።

እምበኣርከስ ግብሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቅዱሳኑ መንክር ምዃኑ ወትሩ ከነስተውዕል ይግባእና። ናይ ሰባት ተንኮልን ግፍእን ብዘየገድስ፡ እግዚአብሔር ነቶም ሓቂ ዝምስክሩ ከምዘይጋደፎም ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ታሪኽ ትምህርቲ ክኾነና ይኽእል። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ድማ ንቅዱስ መርቆሬዎስ ብዝኣመሰሉ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ዝተመልአት እያ። ስለዚ ድማ እያ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዋናኣ ዝኾነ ጐይታ ክርስቶስ ዝመስከሩን ዝተጋደሉን ቅዱሳን ታሪኾም መዝጊባ ኣብ ዕለት ዕረፍቶምን ድንቂ ተኣምራቶምን ክትዝክሮም ትነብር ዘላ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ቅዱስ መርቆሬዎስ ምስቶም ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ሊቀ ሰማዕት ዝኣመሰሉ ሰብ ኣፍራስ ስለ ዝምደብ፡ ምስ ኣፍራሱ ኮይኑ ብወገን ተባዕትዮ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ናይ መቅደስ ተሣዒሉ ንረኽቦ።

ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ጸሎትን በረኸትን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይንበር።

ሰላም ለከ መርቆሬዎስ ዘሮም
መስተፅዕነ ፈረስ ጸሊም
አመ አንደዱ ታሕቴከ ውሉደ መርገም
እምቅሱፍ አባልከ እንተ ውኅዘ ደም
አርአያ ዝናም ብዙኅ አጥፍኦ ለፍሕም።


3 comments:

  1. ኣሜን። ቃለ ሕይወት የስምዓልና። በረኸት ቅዱሳኑ ኣይፈለየና። ንዓኻትኩም ድማ ኃይሉን ጥበቡን ይዓድልኩም።

    አሐዱ ገብር እምዲያቆናት

    ReplyDelete
  2. Kale Hiwet yesemealna, Egziabher Edme nayzawebsite yeniwih, Egziabher tibebun mistirun yigletselkum niana ke a abi timihrti tuhubuna alekum kale hiwet yesmealna.

    ReplyDelete
  3. ኣሜን፥ እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤተ ክርስርስቲያን ናይዚ ሰማዕት ድዩ ዋላስ ናይቶም ወዲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ መርቆሬዎስ ጻድቕ፥ እስቲ መልሱልና፥

    ዕድመ ንንስሓ፥ መዋዕል ንፍስሓ ይሃበና፥ ይሃብኩም፥

    ReplyDelete