Sunday, December 11, 2011

ርግበይ - ቤተ ኣቦኺ ረስዒ


ቅዱሳን ነቢያት እግዚአብሔር ኣምላኽ ብዳኅረዋይ ዘመን ክገብሮ ንዝሓሰቦ እናገለጸሎም ዝተዛረብዎን ዝጸሓፍዎን እምብዛ ብዙኅ እዩ። ንቅዱሳኑ ቀረባ ዝኾነ ፈቃር ኣምላኽ እግዚአብሔር ነቶም ፈተውቱ በብእዋኑን በብዘመኑን ምሥጢሩ ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጸሎም ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ዝምስክሮ እዩ። ከም ኣብነት ኣብቲ ዘመነ ሕገ ልቦና ዝነበረ፡ ዓርከ እግዚአብሔር ንዝተባህለ አብርሃም ኣቦና ብዛዕባ ጥፍኣት ሰዶምን ገሞራን እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቐዲሙ “እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ አብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፡” ዘፍጥ ፲፰፥፲፯/18፥17 ብምባል ክፍጽሞ ንዝሓሰቦ ኵሉ ነጊርዎ ነበረ። አብርሃም ድማ ስሌኦም ለመነ። እግዚአብሔር ብዓቢዩ ናይቲ ብዛዕባ ድኅነት ዓለም ክፍጽሞ ንዝሓሰቦ ድማ ብብዙኅ ሳዕን ብዙኅ ነገርን ንኣቦታትና ይገልጸሎም ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝምህረና እዩ። ሓደ ካብቲ ብፍሉይን ብዝለዓለ ክብርን ብኣቦታትና ዝጥቀስ ዝነበረ ድማ፡ ኣምላኽ መኅደሪኡ ክትከውን ብዛዕባ ዝመረጻ፡ መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝምልከት ነገረ ትንቢት እዩ።


አበው ወነቢያት ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ብምሳሌን ብትንቢትን ኣስፊሖም ተነቢዮሙላ እዮም። ስለዚ ድማ ፍሉይ ክብራን ልዕልንኣን፤ ቅድስናኣን ንጽሕናኣን፤ ዘለዓለማዊ ድንግልናኣን ፍጽምንኣን፤ እመ አምላኽነታን ወላዲተ ኣምላኽነታን ወዘይመስሎ በቢወገኑ ተዛሪቦሙላን ተነቢዮሙላን መሲሎሙላን ክጸግብዎ ዘይከኣሉ ነገር እዩ። “በመኑ በአምሳሉ መኑ ናስተማስለኪ” ክብሉ ዝኸኣሉ’ውን ካብዚ ብምብጋስ እዩ። ሓዋርያትን ድኅሪኦም ዝተንሥኡ ሊቃውንቲ ድማ እቲ ዝተነግረ ትንቢት ዝተመሰለ ምሳሌን፡ ብጐይታ ፍጻሜ ከምዝረኸበ ሰቢኾምን፡ ዓለም ነቲ ሓቂ ክቕበሎ ድማ ሰናይ ገድሊ ተጋዲሎምን እዮም።

ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ምዃን ምሥጢር ድማ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምዃኑ ብፍሩይ ቀለም ዝተጻሕፈን፡ መሠረት ነገረ ሥጋዌ ምዃኑን ዝተፈልጠ እዩ። አምላኽ ሰብ ኮነ፤ ቃል ሥጋ ኮነ ክብሃል ከሎ እቲ ቀዳማይ ሕቶ ካብ መን ዝብል ምዃኑ ድማ ዝስሕቶ የልቦን። ነዚ ዓቢይ ዝኾነ ምሥጢር መለኮት ድማ ብዝግባእ ንምፍላጡ፡ መሠረቱ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን። ናቱ ክብሪ ኣምላኽነትን ወልደ ኣምላኽነት ዝፈለጠን ዝተረደአን ሰብ፡ ንዓኣ እመ ኣምላኽ ወላዲተ ኣምላኽ ምባል፡ ንጽሕናኣን ቅድስናኣን ምምስካር ግር ዘብሎ ኣይኮነን። ከምቲ ብኣምላኽ ዝተዋህባ ክብሪ ድማ ምምስጋንን ምኽባርን ይትረፍ ከጠራጥሮ፡ ከምቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣቦታት ክጓየየሉን ክተግሃሉን ዝግባእ ምዃኑ ክፈልጥ ይኽእል። ይትረፍ ንክብርት ኣዴኡ፡ አበ ብዙኃን ዝተባህለ አብርሃም እኳ ኣብቲ ናይ ቀደም ዘመን፡ ስሙ ኣልዒሎም ንዝባረኽዎ ክባርኽ፡ ንዝረግምዎ ክረግም ብዘይ ሕሰው ቃሉ እግዚአብሔር ኪዳን ኣትዩሉ ነበረ። ዘፍጥ ፲፪፥፪/12፥2

እምበኣርከስ ነቢያትን ሐዋርያትን ከምኡውን ሊቃውንት፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ሰብ ዝኾነሉ ምሥጢርን ክዛረቡ ከለዉ ክብሪ ኣዲኡን፡ ናታ ዘበለን ብዝተፈላለየ መገዲ ገሊጾሞ ካብ ዝነበሩ፡ ከም ፈቓደ እግዚአብሔር፡ በዓለ ባእታ ለማርያም ምኽንያት ብምግባር ንሎሚ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤተ መቅደስ ምእታው ዝምልከት ታሪኽን ተዛማዲ ትንቢቱን ትርጉሙን ብሓጺሩ ክንድህስስ ኢና። በረኸትን ረድኤትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

 “ወገንክን ቤት ኣቦኽን ረስዒ”

ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትንቢትን ምሳሌን እናሰማመዑ፡ እግዚአብሔር ንዝገለጸሎም ካብቶም ዝተነበዩ ኣቦታት ድማ ቅዱስ ዳዊት ብቀዳምነት ዝጥቀስ እዩ። ቅዱስ ዳዊት ኣቦኣ ነዚ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ቤት ኣቦኣ ምፍላይ ኣቐዲሙ ብትንቢት ርእዩ ብመንፈስ ተዛሪቡላ ነይሩ። “ስምዒ ወለትየ ወርእዪ ወአጽምኢ እዝነኪ። ርስዒ ሕዝበኪ ወቤተ አቡኪ። እስመ ፈተወ ንጉሥ ሥነኪ። እስመ ውእቱ እግዚእኪ” (ጓለየ፡ ስምዒ፡ ርኣዪውን፡ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፡ ሕዝብኽን (ወገንኪ) ቤት ኣቦኽን ረስዒ፡ ንጉሥ ንውብነትኪ ይብህጎ፡ ንሱ ጐይታኺ እዩ።) መዝ ፵፬፥፲-፲፩/45፥10-11 ይብል። ቅዱስ ዳዊት ጓለየ እናበለ ብምጽዋዕ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድስናኣን ንጽሕናኣን ስለዝፈተወ፡ ማለት ሥጋኣ ንተዋሕዶ ስለዝመረጾ ቤት ኣቦኣ ክትርስዕ ዘዘካኽር ቃላት ክዛረብ ንሰምዖ። ምኽንያቱ ንሳ ናይ ወለዳ ጥራይ ዘይኮነትሲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዓቢይ ክብርን፤ መኅደሪኡ ክትከውንን፤ ንኵሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ድማ መሠረተ ድኅነት፡ መሠረተ ሕይወት ክትከውን ስለዝመረጻ እዩ።  ንሱ ክርስቶስ ንዓለም ከድኅን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ቤዛ ዓለም ከምዝኾነ፡ ንዓኣ ድማ ኣምላኽ ነዚ ዓቢይ ምሥጢረ ድኅነት ክፍጽም እቲ ብተዋሕዶ ዝወሰዶ ሥጋን ነፍስን ካብኣ ስለዝኾነ መሠረት ድኅነትና፣ ቤዛዊተ ዓለም ንብላ። ስለዚ'ውን ንሳ ናይ ወለዳ ጥራይ ስለዘይኮነት፣ ንናይ ዓለም መድኅን ክርስቶስ ኣዲኡ ብምውላድ ኣደ ኵላትና ከምእትኾነና እተራእዮ ቅዱስ ዳዊት ኣቦኣ ነዚ ብዝገልጽ ኣገባብ እዩ ወገንክን ቤት ኣቦኽን ረስዒ እናበለ ዝንበ ዝነበረ።

“ርግበይ፡ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ፡ ነዲኣ ሓንቲ እያ፡ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ”

ኣማናዊት ርግቢት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ጥበበኛ ሰሎሞን ብዙኅ ምሥጢር ብዝኃዘለ ናይ መኃልየ መኃልይ መዝሙሩ ርግቢት ዝበላ፡ ነታ ተስፋ ኣዳም ዝፍጸመላን፤ ኵሎም ኣበው ትንቢቶምን ትጽቢቶም ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። ቤተ ክርስቲያን’ውን ከምቲ ሰሎሞን ዝመሰላ ብርግብ ኣምሳል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ርግቢተ ሰሎሞን” ኢላ ትጽውዓ። ከመይሲ ርግቢት ለዋህ ርኅርኅቲ ኃዳጊት በቀል ከም ምዃና ነዚ ተምሳል ካብ ኵሎም ፍጡራን ብፍጽምና ሒዛ ዝተረኽበት ድማ ኣዴና ጥራይ እያ። ናይ ርግቢት ንጽሕና ኣብ ወንጌል ዝተረጋገጸ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ንኡዳንን ክቡራንን ሓዋርያቱ ክልእኾም ከሎ “ኩኑ የዋሀነ ከመ ርግብ” ኢልዎም እዩ። (ማቴ ፲፥፲፮) በዚ ኸኣ ርግቢት ለዋህ ምዃና ገሊጹ ኣሎ። እቲ ዘመነ ፍዳ ኣብቂዑ ዘመነ ምሕረት ምቕራቡ ንምእዋጅ፡ ዘመን ኵነኔ ተሪፉ ዘመን ይቕሬታን ኅድገትን ከምዝበጸሐ ንምንጋር፡ ኃዳጌ በቀል (ለዋህ) ክርስቶስ ኣምላኽና ከምዝመጸ ንምብሳር መንፈስ ቅዱስ ብአምሳለ ርግብ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ኣብ ርእሲ ክርስቶስ ከምዝዓለበ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኣሎ። (ሉቃ ፫፥፳፪/3፥22)። ብተወሳኺውን ባዕሉ ጐይታ “ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት…” ማቴ ፲፩፥፳፱-፴/11:29-30 ዝበሎን ከምኡውን  “እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉሥኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ…” ማቴ ፳፩፥፬-፭/21:4-5 ዝበሎን ምስትውዓል የድሊ። ስለዚ ርግቢት ናይ ለዋህነት ምሳሌ ኮይና ትጥቀስ ኣላ። እዚ’ውን ጐይታ ኣነ ለዋህ ከምዝኾንኩ ንስኻትኩም’ውን ለዋሃት ኩኑ ክብል እዩ። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ኃዳጌ በቀል ዝኾነ ንስኻትኩም’ውን ካብኡ ተምሃሩ ኢሉ ከረድኣና ከሎ እዩ።

ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን ርግበይ ሓንቲ እያ ምባሉ ኣቐዲሙ ለዋህነት ኣዴና ተገሊጹሉ፤ ካብ ኵሉ ፍጥረት ፍሉይ ለዋህነትን ንጽሕናን ዝተዓደለት ምዃና እዩ ብትንቢት ነጊሩና። ካብ ፍጡራን ኵሉ ነዚ ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደለት ናይ መጀመርታን መፈጸምታን ፍጽምቲ ርግቢት ንሳ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ብባህርዪኡ ለዋህን ቅዱስን ዝኾነ “መንፈስ ቅዱስ ዓቀባ እምከርሠ እማ” ከምዝበሎ እቲ ሊቅ፡ ንሳ’ውን ብለዋህነትን ንጽሕናን ካብ ማኅጸን ኣዴኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተዓቂባ ዝጸንሐት እያ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ሓደ ከም ርግቢት ለዋሃት ኩኑ ብምባል ምእዛዙን፤ በቲ ካልእ ድማ ጥበበኛ ሰሎሞን “ርግበይ ሓንቲ እያ” ምባሉ እንታይ ከምዘረድኣና ባዕልና ነስተውዕሎ። እዛ ንኣዴኣ ሐና ምርጽትን እንኮን ዝኾነት፡ ኣዝማዳን ቤት ኣቦኣን ገዲፋ፡ ኣዋልድ ዝተባህሉ ደቃ ምእመናን ርእዮም ዘመስገንዋ ሐዋርያት፡ አርድእት፡ ቅድሳን አንስት ኵሎም ዝንኣድዋ፡ ሰመያውያን መላእኽቲ ምድራውያን ቅዱሳን ዘወደስዋ፣ ንሳውን ትውልዲ ኵሉ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ብምባል ብመንፈስ እተዛረበት ንሳ ሓንቲ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።፡ ከም ወርሒ ጽብቕቲ ከም ፀሐይ ድምቕቲ፤ ፍሉይ ግርማ ኣብ ምድሪ ኣብ ሰማይ ከምኣ ዝተዓደላ መን ኣሎ?
  
ግናኸ ርግበይ፡ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ፡ ነዲኣ ሓንቲ እያ፡ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ፡ ኣዋልድ ርእየን ብጽእቲ በልኣ፡ ንግሥታትን ዕቁባትን ድማ ነኣድኣ። እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል፡ ከም ወርሒ ጽብቕቲ፡ ከም ጸሓይ ድምቕቲ፡ ከም ሠራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን እያ? መኃ ፮፥፱-፲/6፥9-10

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ሥላሴ ከም ኣቦ ከም ኣደ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ሓው ኃውቲ ኮይኖማ ኣብ ቤተ መቅደሱ ዝዓበየት እያ። ብኣምላኻዊ ድንቂ ግብሪ ሰማያዊ ሕብስቲ ብኢድ መልአኽ እናተመገበት ወርቅ ወሜላት እናሰማመዐት ክትፈትልን ንቤተ መቅደስ እግዚአብሔር እናገልገለት፡ ኣብ ቤተ መቅደሱ ብቅድስና ዝዓበየት ማኅደር እግዚአብሔር ታቦት እግዚአብሔር እያ።

ቅዱስ አባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴኡ “ኦ ድንግል አኮ በተላህዮ ዘልሒቅ ከመ አዋልደ ዕብራውያን እለ ያገዝፋ ክሳዶን አላ በቅድስና ወበንጽሕ ውስተ ቤተ መቅደስ ነበርኪ” (ኦ ድንግል ክሳደ ልቦናአን ከም ዘግዘፋ ኣዋልደ ዕብራውያን ብዋዛን ጸዋታን ዝዓበኺ ኣይኮንክን። ብቅድስናን ንጽሕናን ኣብ ቤት መቕደስ ነበርኪ እምበር) ብምባል ዝገለጾ ንሳ ብቅድስና ኣብቲ ቅዱስ ነገር ዝፍጸመሉ ቅዱስ ስፍራ እናነበረት ዝዓበየት ቅድስቲ ምዃና መስኪሩ እዩ። (ቅዳሴ ማርያም)

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ’ውን ምግቢ ምድራዊ መስተ ምድራዊ ዘይኮነሲ ሰማያዊ መግብን መስተን ተመጊባ ሰትያን ከምዝዓበየት ይገልጽ። “ኦ ድንግል አኮ ኅብስተ ምድራዌ ዘተሴሰየኪ። አላ ኅብስተ ሰማያዌ እምሰማየ ሰማያት ዘበሰለ። ኦ ድንግል አኮ ስቴ ምድራዌ ዘሰተይኪ። አላ ስቴ ሰማያዌ እምሰማየ ሰማያት ዘተቀድሐ።” ብምባል ድማ ይገልጾ። (ቅዳሴ ማርያም)

መሠረተ በዓል ባእታ ለማርያም

ኣቦን ኣደን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያቄምን ሐናን ይብሃሉ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጻድቃናት፡ ብኵሉ ኣካይድኦም ቅኑዓት፡ ንእግዚአብሔር ዘምልኹ፡ ሕጉ ዘኽብሩ፡ ብቃል ኪዳኖም ጸኒዖም ዝነብሩ ሰባት ድማ ነበሩ። ፈሪሀ እግዚአብሔር ዝነበሮምን ኣብ ምድሪውን ዝተጸገዉ እኳ እንተነበሩ፤ ወሊዶም ክሓቝፉ፡ ርእዮም ክስዕሙ ግና ኣይተኻእሎምን ነበሩ። ብቅድስናን ብቃል ኪዳንን ጸኒዖም እናነበሩ ድማ መኻንነቶም ኣርሒቑ፡ ውላድ ክህቦም ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ብእምነት ይልምንዎ ነበሩ። ካብ ልቦም ዝኣምንዎ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸሎቶም ሰሚዑ፡ ፍቓዱ ኮይኑ እንተደኣ ውላድ ሂብዎም፡ ወዲ ይኹን ጓል ንዓና  ይለኣኸና/ትለኣኸና ከይበልና ንቤተ እግዚአብሔር ከገልግል/ከተገልግል ክንህቦ/ክንህባ ኢና ኢሎም መብጽዓ ኣተዉ። በዚ ድማ ድሌቶም ክሠምር ብሓምለ ፳፱/29 ናብ ቤቶም ተመሊሶም ብጽባሒቱ ሱባኤ ኣተዉ። ንክልቲኦም ድማ በበይኑ ዝኸውን ሕልሚ ተራእዮም። ሐና ንኢያቄም “ፀምሪ ከዕጥቑኻ ርእየ። መቋምያ በትርኻ ድማ ለምሊማ፥ ዓንቢባን ፈርያን ሰብ ኵሉ ክምገባ ርኤኹ” በለቶ። ንሱ ድማ ንሐና “ፃዕዳ ርግቢት ሾብዓተ ሰማያት ሰንጢቓ ኣብ ልዕሊ ርእስኺ ክትዓልብን ካብኡ ድማ ብእዝንኺ ኣቢላ ኣብ ማኅፀንኪ ክትኃድር ርኼኹ” በላ።

እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም ድማ ኣምላኽ ንእኡ መኅደሪኡ ክትከውን ዝኃረያ ቅድስት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ማኅፀን ኣዴኣ ዕለት ፯/7 ነሓሴ ተጸንሰተ። ፀሐይ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምብራቑ፤ ብርሃን ዓለም ኣምላኽና ቅድሚ ንኵሉ ምብርሁ ንዕኡ ዝጾረት ሰማይ በርሀው በለት። ነቶም ጸልሚቱና ዝነበረ ደቂ ሰባት ወጋሕታና ከምዝቐረበ ብኣኣ ተፈልጠ። ናይ ኵሎም ኣቦታት ትንቢት ፍጻሜ ከምዝቐረበ ጽንሰት ኣዴና፡ ዋዜማ ድኅነትና ዘመልክት እዩ ነይሩ። ልዑለ ቃል ኢሳይያስ ስለቲ ድኅነትና "ምልክት ክህበኩም" ኢሉ ዝነገረና ድንግል ተጸንሰት። ገና ኣብ ማኅፀን ኣዴኣ ከላ ተአምራት ትፍጽም ዝነበረት ኣዴና፡ ነቶም ብክፍኣት ዲያብሎስ ዝተወግኡ ኣይሁድ ከተቕስኖም ኣይከኣለትን። ነታ ትንቢት ዝተነግረላ ንጽሕቲ ዘርኢ ለኪሙ ከጥፍእ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ዝፈታተን ዝነበረ ዲያብሎስ፡ ኣብ ልቢ እቶም ቀናእቲ ኣይሁድ እናሓደረ ክፍኣት ይኣልም ነበረ። ከምቲ ኣቦኣ ሰሎሞን “ንዒ እምሊባኖስ” ኢሉ ዝተነበየላ ከኣ ኣብ ኣኽራናት ሊባኖስ ባሕቲ ግንቦት ተወልደት።

ልቦናኣ ዘመደ ዓለም ከይፈተወ፡ ኣፋውን እኽሊ ዓለም ከይለመደ፤ ኣብ ሣልሳይ ዓመታ ስድራኣ መብጽዕኦም ኣኽቢሮም ናብ ቤተ መቅደስ ወሰድዋ። ሊቀ ካህናት ድማ ብምሉእ ልቡ ቀሲኑ ከይቅበላ ግና ነዛ ሕንጢት ቆልዓ መን ደኣ ክምግባ እዩ ኢሉ ከም ሰብ ሓሰበ። ብእግዚአብሔር ዝተላእኸ መልኣኽ ግና ተገሊጹ፤ መኅደሪ ኣምላኽ ክትከውን፡ ቅድሚ ምሥራት ዓለም ኣብ ኅሊና ኣምላኽ ዝነበረት እያ እሞ፤ ናታ ኣብ ቤተ መቅደስ ምንባር ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ብዘረጋገጸ ግብሪ ተኣምራቱ ኣርኣየ። ቅዱስ ፋኑኤል በቲ ሓደ ኽንፉ ጋሪዱን ከሊሉን፡ በቲ ካልእ ኽንፉ ድማ ሕብስትን ጽዋዕን ሰማያዊ ሒዙ ብምምጋብን ብምስታይን፡ ናታ ኣብ ቤተ መቕደስ ምጽናሕ መደብ ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እምበኣርከስ ዕለት ፫ ታኅሣስ ቤተ ክርስቲያን ባእታ ለማርያም ብምባል ትዝክሮ ነዚ ምኽንያት ብምግባር እዩ። እዚ በዓል’ዚ ድማ ካብቶም ፴፫/33 ክቡራት በዓላት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እቲ ሓደ እዩ።

መጠቓለሊ

እምበኣርከስ ኵልና ደቂ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ክብርን ልዕልናን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እናዘከርና ነዚ በዓል ብዝግባእ ነኽብሮ። ንሳ ናይ ኢያቄምን ሐናን ጥራይ ዘይኮነስ እግዚአብሔር ኣብ ዓለም ንዝመደቦ ዓቢይ ሥራሕ ዘዳለዋ ቅድስተ ቅዱሳን ኅርይቲ እያ። ነዚ መደብ እግዚአብሔር ክትከውን ኣቐዲማ ዝተኃርየት እያ እሞ፤ ካብ ኣዝማዳን ቤት ኣቦኦን ተፈልያ እያ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝኣተወት። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ሎሚ’ውን ካብቲ እግዚአብሔር ዝቐደሶ ሰብነት ቤት መቕደስና ዘውጻኣናያ እንተሎና፡ ተቐላጢፍና እንተመለስናያ እቲ በረኸትን ሕይወትን ንዓና እዩ። ኣብ ሕይወትና ነቲ ናታ ድንቂ ኅርየትን ግብርን ኣስተንኪርና ከምቲ ዝበለቶ ካብ ልብና እንተመስገንናያ፤ እቲ ክብረት ተመሊሱ ንዓና እዩ። ንሳስ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ብኣምላኽ ዝተሓስበት፡ ብኣምላኽ ዝኸበረት ቅድስቲ እያ። ክብረታ ብዓና ዝጐድልን ዝውሰኽን ኣይኮነን። ነቲ ኣምላኽ ዘኽበሮን ዘልዓሎን ከ መን እዩ ዘሕስሮ? እንተኸበርናያን እንተመስገንናያን ግና እንባረኽን እንኸብርን ንሕና እቶም ድኹማት ኢና። 

ብሓቂ ደቂ ኣቦታትና እንተደኣ ኮይንና፡ ሎሚ ቅድስናኣን ልዕልንኣና ብምግላጽ ሃይማኖትና ነጽንዕ እምበር ተሰሚዑ ኣብ ዘይፈልጥ ጽዩፍን ዘይግባእ ዘረባን ኣይንእቶ። ንሕና’ስ መን ኢና እሞ ኣብ ልዕሊ እታ ክብርትን እተፈርህን፤ ኣብ ልዕሊ እታ ንፀሓይ እትውንዘፈት፤ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ዝኾነት፤ ኣኽሊል ዓሠርተ ክልተ ከዋክብቲ ንዘለዋ ኣደ ድፍረት ክንዛረብ እንኽእል? ቃል ጽርፈት ኣብ ልዕሊ እቶም መኅደሪኡ ዝኾኑ ቅዱሳን ካብ ምውጻእ ንተዓቀብ። የግዳስ ኣመስጊናን ወዲስናን እንተኸበርናን እንተተባረኽናን ብዘይጥርጥር ንዓና ዝሓሸ እዩ። 


በረኸትን ረድኤትን ናይ እመብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኵላትና ይኹን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወላወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

2 comments:

  1. ቃለሂወት ይስመዓልና፡ ኣጆኹም ኣይትሕመቁ የሕዋት በረኸት ናይ ቅድስት አዴና ምሳኹም ይኹን።

    ReplyDelete
  2. ቃለ ሕይወት የስምዕኹም፥ እነንብቦ ኣብ ልብና የሕድሮ፥ ፈጸምቱ ይግበረና፥
    ንብዙሓት ትምህርቲ ትህቡ ስለዘሎኹም ቀጽልዎ እብል፥ እቶም ንመሃር ዘሎና ድማ ብጸሎት ንደግፎም።

    ሓውኹም ካብ ሲያትል

    ReplyDelete