በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
መእተዊ
ኣብ ዝኃለፈ እዋን ብሓደ ዲያቆን ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ ብመሠረት ኣቦታትና ዘጽንሑልና ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ፡ መልሲ ከም እንህብ ብዝኣተናዮ ቃል፤ ሊቃውንቲ ሓቲትና መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ተመልኪትና ንዝረኸብናዮ እንሆ ናባኹም ነብሎ ኣሎና።
ንመእተዊ ክኾነናን ብሕጂ ክለዓል ንዝኽእልን ባዕላዊ ትርጉምን ፍልስፍናን ተግሣጽ ዝኸውን፡ ቅዱስ ጳውሎስ “ካብቲ ዝተጻሕፈልና ኣይንኅለፍ” ንዝበሎ ኃይለ ቃል መሠረት ብምግባር አትናቴዎስ ሐዋርያ ንዝሃቦ መለበሚ ቃል ከነቕድም ኢና።
“ነጽሩ ዘከመ እፎ ወድቁ ውስተ ዕበደ ስሕተት ከመዝ ወእሙንቱ ይሔልዩ ከመ ጠቢባን እሙንቱ ርእዩ ዕበየ ዝንቱ ኃጢአ ልቡና ወዕበድ ዘወድቁ ውስቴቱ እስከ ፈጠሩ ሎሙ ዘኢሀሎ ውስተ መጻሕፍት ወዘኢይትረከብ። (ኢሳ ፭፥፲፱-፳፩ ዮሐ ፰፥፵፬-፵፭) (ብኸመይ ዝኣመሰለ ድንቍርና ከምዝተተሓዙ ፍለጡ፤ ንገዛእ ርእሶም ፈላጣት ከምዝኾኑ ይሓስቡ። ንዝወደቑሉ ምስኣን ኣእምሮን ብዝኂ ስንፍናን ርኣዩ። ኣብ መጻሕፍቲ ንዘየለን ኣብ መጻሕፍቲ ንዘይርከብን ካብ ልቦናኦም ኣንቂዖም ክሳብ ምዝራብ በጺሖም።) (አትናቴዎስ ምዕራፍ ፳፬፥ ክፍሊ ፫ ቍ. ፬)
