Sunday, February 19, 2012

ኣብቲ ዝተቐደሰ ስፍራ፡ ኑፋቄ ዝእውጃ ዘለዋ ልሳናት መፍትሒ የድልየን ኣሎ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ዕዝኒ ዘይስምዖ፡ ዓይኒ’ውን ዘይርእዮ የብሉን። ኣብዚ ዝሓለፈ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ንዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ጽቡቕ ይኹን ክፉእ፡ ዘገርም ይኹን ዘደንጹ ነገራት ንጸሓፍቲ ታሪኽን መዝገብቱን ገዲፍና፤ ኣብታ ሎሚ ዝግብኣ ማርሳ ስኢና ብነፋሳትን ማዕበላትን እናተደፈአት ኣብ ባሕሪ ትናወጽ ዘላ ዘይትጥሕል መርከብ ቤተ ክርስቲያንና ሓደ ካብቲ ብዙኅ እነስተውዕሎ ዘገርም ነገራት ግና ኣሎ። እዚ’ውን ብመጽሓፍ ወይውን ብታሪኽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስሞም እምበር ተልእኾኦም ግዳማዊ ምዃኑ ብዝፍለጡ ልኡኻት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን፡ ትምህርቲ ዝቐደሙ መናፍቓን ብዘሕፍር ኣገባብ ዝሰብኩሉ ዘመን ምብጻሕና እዩ። “እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡” ዝበለና ጽን ክንብሎ ዘገድድ ገጻት ታሪኽ ኣንቢብናን ሕጂውን ኣብ ምንባብ ኣሎና። (ማቴ ፳፬፥፲፭/24፥15)

ኣቦታት ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ንሰናይ ናይ ወንጌል ዕላማ መንእሰይ ንምጥርናፍ ብዝብል ቅዱስ ቅንዒ ዘበገስዎ ምትእኽካብን ዝመሥረትዎ ጉባኤያትን፤ ዕላማታቱን ኣካይዱን ኣንፈቱ ስሒቱ ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ ኤርትራ፡ መዐንደሪ መናፍቓንን መሳወሪ ዕላማታቶምን መሳጋገሪ መድረኻትን ኮይነን ንዓመታት ብዘይ ዓገብ በሃሊ ከምዘገልገላ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። እቲ ንኵሉ መሓውራት ቤተ ክርስቲያን ንምቝጽጻር ዝተሰናሰለ መርበብ’ውን ክሳዕ ክንደይ ረቂቕ ምንባሩ ቤተ ክህነትና ይኹን እቲ ዝተዋሰአ ኣማኒ ሕዝቢ'ውን ኣጸቢቑ ዝፈልጦ እዩ። እቲ ናይ ትማሊ - ትማሊ ኃሊፉ እናተባህለ ሎሚ ድማ ካልእ መልክዕን ገጻትን ሒዙ፡ ብካልእ ጉልቡብ ዕላማ እናተማስከረ ብናይ ኣትላንታ ዝመደብሩ ምወላን ውጥንን ኣብ ምሉእ ዓለም ዳግማይ ንምስዕራሩ ዝግበር ላዕልን ታሕትን ድማ ካብ ዓይኒ ኵሉ ተዓዛባይ ስዉር ኣይኮነን። 

እቲ ልዕሊ ኵሉ ዘሰክፍ ግና ኤርትራውያን ምእመናን ኣብ ዝርከቡሉ ካልእ ኣህጉራት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዘይኮነስ፤ ኣብ ውሽጢ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብዝረቀቐ መገዲ ዝግበር ዘሎ ውዲታት ምዃኑ ብዝበጽሓና ዘሎ ሓበሬታ ክንርዳእ ክኢልና ኣሎና። ሓደ ካብኡ ድማ እቲ ናይ ቀደም ዝፈሸለ ዕላማታት ዘሳውሩሎምን ኣብ መንእሰያት ዝዝርጉሕሎምን ዕሱባት ኣብ  ምንዳይን፤ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ከምዝቝጸሩ ምግባርን፤ ነቲ ናቶም ዕላማ ከም ዝድግፉ ዝሕሰቡን ዝደናገጹን “ኣቦታት” ብዝለዓለ ማዕርግ ጵጵስና ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ንኽኣትዉ ዝግበር ዘሎ ውዲት እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኢድ ዘለዎምን  ነዚ ዕላማ ኣብ ምስላጥ ካብ ቤተ ክህነት ይኹን ካብ ዓለም ኣየኖት ኣካላት ምዃኖም ስም ምጥቓስ ዘየድልዮም ዝበዘኀ ሰብ ዝፈልጦም እዮም። ናይቲ ሰፊሕ ዝትግበር ዘሎ ዕላማ ንጐኒ ገዲፍና ነዚ ጽሑፍና መበገሲ ዝኾነና ኣብዚ ዘመነ ልደት ካብ ዝተሰምዐ ንሓደ ፍጻሜ ትምህርቲ መናፍቕነት ክንጠቕስ።

ምንጪ መናፍቕነት ከነቅጽ ዘይከኣለን፤ ካብ ቕርንብ ዓይኑ ሃይማኖት ዘፋልስ መናፍቕነት እናተዘርገሐ ክረኣዮ ዘይከኣለ ወይውን ርእዩ ከምዘይረኣየ ዝኸውን ዘሎ ምምሕዳር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ከኣ እዩ። ኣብዚ ዘመነ ልደት’ዚ ድማ ካብቲ ምንጪ መምህራን ጌጋ እናሰተዩ ካብ ዘገልግሉ ዘለዉ ተሓጋገዝቲ ኣባላቱ እቲ ሓደ፡ ኣብ ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ (ኣሥመራ) ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ትምህርቲ ብርግጸኝነት ኣብ ቅድሚ ምእመናንን ኣዕይንተ እግዚአብሔር ካህናትን ሊቃውንትን ክዛረብ ተሰምዐ ዝብል ሓበሬታ ካብ ተኸታተልቲ ማዕዶት በጺሑና። እቲ 'መሪጌታ እየ' በሃላይ ዲያቆን፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ንመድኅን ዓለም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክትወልድ ከላ “ብቅልውላውን ብሕማም ሕርሲ ተታሒዛ” ከምዝነበረት ምምሃሩን ብኸምኡ ድማ ንዘስምዕዎ ከእምን ምፍታኑ እዩ እቲ ዘገርም። እዚ ምሥጢር ዘፋልስ፡ ብኣምላኽ ንዝተዋህባ ክብሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘቖናጽብ ትምህርቲ ተዋሕዶ'ዚ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክስማዕ ከሎ መን ኣሎ እሞ ዘይሓዝን? ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ ከይኮነና እምበር እቶም ዝቐደሙ ኣቦታት ብኸምዚ ዓይነት ትምህርቲ ንዝተለዓሉ መናፍቓን ኣብ ፬ይ-፭ይ ክፍለ ዘመን ምስ ንጹር መብርሂኡ መልሲ ሂቦሙሉ ዝነበረ ጉዳይ ከኣ እዩ ሎሚ ከም ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ክሰብኽ ዝተፈተነ።

ነዚ ዝሰምዑ ሊቃውንትን ካህናትን ኣባላት ትምህርቲ ሰንበትን ቕርብ ኢሎም፤ ነዚ ዲያቆን ጌግኡ ከረድእዎ እንተፈተኑ እኳ፡ ከምቲ ናይ ግብሪ መምህሩ፡ ብብድዐ ጌጋ ከምዘይብሉ፤ ራእየ ዮሐንስ ብምጥቓስ’ውን ነቶም ሊቃውንቲ ናቱ ባዕላዊ ትርጓሜ ክምህሮም ከምዝፈተነ ክንርዳእ ክኢልና። ትርጓሜ ራእየ ዮሐንስ’ውን ከምኡ ከምዘይብልን፤ ብዝያዳ ንኽርዳእ’ውን ሃይማኖተ አበው እንተጠቐሱሉ’ውን ንኵሉ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ኣንቢቡ ከምዝወደአ ብዘስምዕ ቃላት ኣብ ልዕሊ ጌጋ፡ ጌጋ ክውስኽ ተራእየ። ብወገንና’ውን ብዝገበርናዮ ምጽራይ’ውን ልኡኽ “ቀሺ” ገብረሚካኤል ናይ ዝኾነ መሪጌታ ሠመረኣብ ወልደገብርኤል መሳርሕትን መማኸርትን ኮይኑ ረኸብናዮ። እኳ ደኣ ሕጂ ክንዛረበሉ ኣይንደልን እምበር ቅድሚ ሕጂ’ውን ብዙኅ ናይ ጌጋ ትምህርቲ ክዝርግሕ ከምዝጸንሐ ዘለዉና ሓበሬታት የመልክቱ። እቲ ዘሕዝን ነገር እቲ ላዕለዋይ ኣካል ምምሕዳር ከም "ዓበይቲ መምህራንን ሰብኽትን ናይ ጽባሕ ተተካእትን" እናበለ ዝቖጽሮምን ዘቕርቦምን ዘለዉ ሰባት ብኸምዚ ዓይነት ትምህርቲ ጌጋ ዝተፈልጡ ምዃኖም እዮም። 

ሕጂ’ውን እቲ ዝዓበየ ሽግር ከምዚኦም ናይ ዚኣመሰሉ በብእዋኑ ከም ቃንጥሻ ዝበቑሉ ዘለዉ ኣሰር መናፍቕነት ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣይኮነን። እቲ ሽግር ነዚኦም ኣካላት ጽላል ኮይኖም ዘዕቝቦምን ዝከናኸኖምን ዘሎ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምዃኑ እዩ። ንቀንዲ ተሓተትን ዋልታ ሃይማኖት ንዝኾኑ፡ በብሞይኦምን ዓይነት ትምህርቶምን ምስክርነት ንዘለዎም ዓበይቲ ሊቃውንቲ እናሰጐገ ወይውን ካብቲ ቀንዲ ቦትኦም ብምእላይን ብ“ምድስካል”ን ወይውን ከምዘይሰርሑ ብምግባር፤ ነኸምዚኦም ተረፈ መናፍቃን ንዝኾነ ትምህርቲ ንዝምህሩን፡ ሃይማኖት ተዋሕዶ ብዝግባእ ንዘየጽንዑን ሰባት፡ ብፍሉይ ምክንኻንን ሓለፋን ብዘረባ ክእለቶም ጥራይ ቀንዲ ሰብኽቲ ዝገብር ዘሎ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ እዩ እቲ ምንጪ ሽግር። 

ሕጂ’ውን ቅዱስ ሲኖዶስና ዝምልከቶ ኣካል ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቀጸላ ሽግራትን መጻኢ ጽልዋን ውጽኢትን ናይ ኸምዚ ዓይነት ሽግር ክፈትሕ ክጽዕር ጊዜ ኣብ ክንዲ ዘጥፍእ፤ ብቀንዱ ነቲ ምንጪ መናፍቕነት ዝኸውን ዘሎ ኣካይዳ ቤተ ክርስቲያንን፤  ኣብዚ ደገ ምስ ዘለዉ ተመሳሳሊ ዕላማ ብዘለዎም ጉጅለታት እናተመወለን እናተወጠንን ኣብ ውሽጢ ከብዲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያክ ሕጋዊ ጽላል ረኺቡ ዝኵስኮስ ዘሎ ምንጪ መናፍቕነት ከነቅጽ ከምዘለዎ ኢና ኣትሪርና ክንላበው ንፈቱ። ትማሊ መናፍቕነት ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሳዕሪሩ ጠጠው ዝብለሉ’ውን ዘይመስል ዘመን ከምዝነበረ፤ ግና ብኃይሊ እግዚአብሔር ምዕራፍ ከምዝተረኽቦ፤ ሎሚ’ውን ዝቀላቐል ዘሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ብእዋኑ መፍትሒ እንተዘይተገብረሉ ሳዕቤኑ ከምዝኸፍእ ርዱእ ነገር እዩ እሞ ክቡራት ኣቦታትና ኣብ ውሻጠኹም ንዝፍልፍል ዘሎ መሪር ማይ ክትፍውስዎ ሓደራ ንብል።

ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጽኑዕ ሕግን ሃይማኖትን እምበር መዕቖቢ መፈልፈልን መናፍቓን ክኸውን ኣይንጽበን ኢና። እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ብመርትዖ ተሰንዩ ብሊቀ ካህናት ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ኣብ ልዕሊ ርእሲ መናፍቃን ኮይኑ ዘሎ መሪጌታ ሠመረአብ ዝቐረበ ክሲ መናፍቕነት'ውን ቅሒሙ ከምዝተርፍ ምግባሩ፤ ኢድ እቶም ኣብዚ ወጻኢ ሃገራት ብመናፍቕነቶም ናይ ዝልለዩ ኣካላት ኢድ ኣረኻኺብዎ ከምዘሎ ኣይንስሕቶን ኢና። ይውዓል ይሕደር እቲ ሓቂ ባዕሉ ክገሃድ እዩ። ንሕና ድማ ሽዑ ክንዛረበሉ ኢና። 


እምበኣር ምኽንያት ጽሑፍና ንዝኾነ ዲያቆን ሓደ ክንብሎ እንደሊን፤ ካብቶም ተረፍ ዝቐደሙ መናፍቓንን ልኡኽ ዕላማታቶም ን ካብ ዝኾኑ ሰባት ክርሕቑ ንነግሮም። እቶም ዘይዓቕሞም ጌጋ ዝምህሩ ዘለዉ 'ተተካእቲ' ሰባኽያን ቅድሚ ኵሉ ባዕላዊ ትንታነ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምሃብ ኣብ እግሪ ኣቦታቶም ሊቃውንቲ ኮይኖም መጻሕፍቲ ክመሃሩ ንምዕዶም። ብዝኾነ ግና እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሕረት ዝፈቱ እዩ እሞ፡ ነቶም ዝተጋገዩ ብዝበልዎን ብዝገብርዎን ክጠዓሱ ምእንቲ ቅድሚ ኵሉ ማዕዳ  በቶም ኣቦታት ክግበረሎም ዝግባእ እዩ። ኣይምለስን ንዝበለ ግና ዝሰማምዖ ቦትኡ ከናዲ እምበር መሲልካ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ኑፋቄ  ምስባኽን ንምስፋሑ ከኣ ጌጋ ዕድል ክወሃቦ ኣይግባእን። ንሕና'ውን ነቲ እንፈልጦ ኵሉ ከይንዛረብ ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝጋገዩ ዘለዉ ዕድል ንምሃብ ምዃኑ ኣንበብቲ ክትርድኡልና ንደሊ።

ብዛዕባ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ መናፍቕነት ግና ኣብ ዝቕጽል እዋን ሊቃውንቲ ሓቲትና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተመልኪትና መልሲ ክንህበሉ ምዃንና ኣቐዲምና ክንሕብር ንፈቱ።       

አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ሃይማኖትናን ሃገርናን ይባረኸልና።

7 comments:

  1. ቃለ ሂወት የስመዓልና ማእደታውያን;

    ናይ በሓቂ ኣብ ልብና ዝነበረ ተዛሪብኩም: እስከ ነዞም ብደገን ብውሽጥን ነዛ ቅድስት በቴክርስትያንና ከጥፉን ሽም ናይ ቅዱሳን ኣቦታትን ትጉሃት አገልገልቲ የሕዋትን እንዳጥፍኡ: አብ ኩሉ ሰብ ሕማቅ ስእሊ ንምሕዳር ወትሩ መርዚ ዝዘርኡ ዘለዉ መናፍቃን ተሃድሶ ንምክሻፍን ንምቅላዕን ኩላትና ንተሓባበር:: ንሱኹም ድማ ጻዕርኹም ቀጽልዎ እግዚኣብሔር ምሳኹም ይኹን.

    ሓውኹም ካብ ጀርመን

    ReplyDelete
  2. ብሓቂ ኣብ ዝተፋላለየ ሃገራት እንዳ ኣተዉ ምእመናን ዝፈላልዩ ዘለዉ ተረፈ ይሁዳ መድረክና ኣይንህብን ኢና። ኣብ በዓል ዓዲ እንግሊዝ ዘጋተመ በሰላ ዝርሳዕ ኣይኮነን ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ስእሊ ስላሴ ዝቀደዱ እኮ ናይ እዚኦም ልኡካት እዮም ። እዚ ትራይ ኣይኮነን ታሪክ ቅዱሳን ኣቦታትና ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ ቅዱሳን ገድሎም ጌጋ ኣለዎ እንዳበሉ ንሓሶት ዝሽፉኑ ዉሑዳት ኣይኮኑን ።

    ReplyDelete
  3. እግዚአብሔር ጸግኡ የብዘሃልኩም ጥበቡን ምስጢሩን የግለጸልኩም
    ***ነሳቶም ካባና እዬም ወጺኦም ምሳና ኣየነብሩን ምሳና ከመ ዘይኮኑ ከግሃዱ ካባና ወጹ*** ነተን ነዓሽቱ ወካሩ ደኣ ሃዝወን

    ReplyDelete
  4. thank u so much maeadot GOD BLESS OUR MY CHURCH orthodox tewahedo.MAY GOD BLESS ALL AMEN.

    ReplyDelete
  5. ብሓቂ ነዞም ዓቅመ መናፍቃን ዘይበጽሑ ኣናእሽቱ ውኻሩት መጻወድያ ጌርካ መሕዞም እዩ ።

    ንስካትኩ ድማ በርቱዑ ኣጆኩም !!

    እግዚኣብሄር ምሳኩም ይኩን ፡
    http://www.youtube.com/watch?v=V1kZ1Q79Uec&feature=share

    ReplyDelete
  6. o.egzena eyasus keresto...ekaba la betkrestyan kedest.....anta wetu..nolawi teghu...zyetenawam.

    ReplyDelete
  7. ክቡራት ኣሰናዳእቲ መደብ ማዕዶት

    ብኣኹም ብዙሕ ደስ ይብለና ኣሎ። ብዙሕ ከኣ ንመሃር ኣሎና። ከምዚ ዓይነት እዋናዊ ጽሑፍ መንቕሒ ስለዝኾነና ድማ ቀጽልዎ ክብለኩም እፈቱ። እቲ 'ዲያቆን' እናበልኩም ዝጠቐስኩሞ መንእሰይ 'ሰባኺ'ውን ስሙ እንተዘየነገርኩምናውን ኣጸቢቕና ፈሊጥናዮ ኣሎና። ንርእሱ ክኽውል ዝፍትን እኳ እንተኾነሲ ከምቲ ዝበልኩሞ ቀንዲ መካየዲ ምንጪ መናፍቕነት ኮይኑ ካብ ዘሎ መምህሩ መሪጌታ ሰመረአብ ንዝተማህሮ ትምህርቲ ይፍኑ ከምዘሎ ግና ርጉጽ እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ቤት ጽሕፈት'ውን ንኸምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ምሕቋፉን ካልእ ጭቡጥ ንቤተ ክርስቲያንና ዝሃሲ ተግባራቱን ሃይማኖት ኣቦታትና ዘዕኑ ካልእ ዕላማታት ከይህልዎ ዘጠርጥር እዩ። እቶም ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ባዕሎም ሓደ እዋን ምስቶም መናፍቓን ተባሂሎም ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰጉ ሰባት ርክብ ከምዝነበሮም ዘይከሓድ ናይ ትማሊ ሓቂ እዩ። ሕጂ’ውን ንኸምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ጽላል ምዃኖም ኣብ መንእሰያት ብፍላይ እምነት ከምዝስእኑ ይገብሮም ኣሎ። ሓደ ኣብነት ክጠቕስ።

    ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣገልገልቲ ካልኦት እምነታት ዘይተሳተፉሉ፡ ካህናትን ዲያቆናትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ተገዲዶም ኣብ ሕምብርቲ ድሕሪ ምዕላሞም፤ ብተስፋ ሎሚ ጽባሕ ናብ ቤተ ክርስቲያንና ክንምለስ ኢና ኣብ ዝብሉሉ፤ ደጊም ኩሎም ከም ኣባላት ሰራዊት ክምደቡ ከለዉ ካብቶም ኣማይት ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ንቤተ ክርስቲያንና ኣገደስቲ ተባሂሎም ብፍሉይ ጠለብን ደብዳበን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናጻ ካብ ዝተባህሉ ሰለስተ 'ኣገልገልቲ' እቲ ሓደ ነዚ ኑፋቄ ዝምህር ዘሎ ዲያቆን ምዃኑ እንታይ የርእየና? እቶም ካልኦት ካህናትን ዲያቆናትን መን ከ’ዩ ዝጣበቐሎም? ኣየገድሱን ማለት ከ’ድዩ? ብመናፍቅነት ዝጥርጠር ሰብ ክብርን ምትብባዕን ዝረኽበሉ፤ እቲ ቤተ ክርስቲያነይ ኢሉ ስለ ሃይማኖቱ ዝዛረብ ካልእ ድማ ገጽ ዝክልኣሉ እንታይ ዘመኑ ኢና በጺሕና?

    ብዝኾነ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕማምን ቃንዛን ብዙሕ እዩ። ንስኻትኩም ሕማምና ዘፋዅስ ነገር እናቃላሕኩም ትንፋስ ክትህቡናን ብኸምዚ ክትቕጽልዎን ሓደራ እብል።

    አሐዱ እም አኃው ካብ ኣስመራ

    ReplyDelete