Saturday, February 11, 2012

ተጋድሎ እትሓትት ሃይማኖተ ቅዱሳን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

  “በታ ሓንሳእ ንቅዱሳን እተዋህበት ሃይማኖት ክትጋደሉላ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ስሉዅ ኢሎም ኣትዮምኹም ኣለዉ።፡ ንሳቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጻጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉሥ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ እዮም።” (ይሁዳ ፫-፬/3-4)

ሃይማኖት ብእግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝተዋህበ ብዋጋ ዘይሽነን ክቡርን ረቂቕን መንፈሳዊ ዕንቊ እዩ። ሰባት ምስ ፈጣሪኦም ዝራኸቡሉን ዝዛመዱሉን እንኮ መገዲ ከኣ እዩ። ብዘይ ሃይማኖት ንእግዚአብሔር ምሥማርን፤ ንሱ ንዘዳለዎ ጸጋ ምርካብን መንግሥቱ ድማ ምውራስን ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ እግዚአብሔር ብዝተቐበለቶ ኅድሪ፡ ኣብ መዋዕል ታሪኻ ስለ ምስፋሕን ምዕቃብን ርቱዕ ሃይማኖት ኣንጻር ገዛእቲ ጸልማት ዘይተጋደለትሉ ዘመን፡ ዘይሰገረቶ መስገድል ኣይነበረን፤ የሎን’ውን። ብኸምኡ ድማ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ክትጋደልን ኣንጻር ጸልማት ዘበለ ኵሉ ብርሃና ክትፍንውን ንደቃ ክጋደሉ ክትመክርን ክትኣልይን ክትነብር እያ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ስለታ ድኅነት ዝርከበላ ሃይማኖት ተጊሁ ኣብ ዝጸሓፈሉ መልእኽቱ፤ ሰሊኾም ብዛዕባ ዝኣተዉዋ እሞ መገዲ እዛ ሃይማኖት ብምርካስ ንዝመላለሱ ብምንቓፍ፤ ሓንሳእ ስለታ ንቅዱሳን እተዋህበት ሃይማኖት ምግዳል ከምዝግባእ ኣጽኒዑ ዝመዓደ።

ካብ ፍቕሪ ኣምላኾም ዝኾነ ፈተና ዘይፈለዮም ቅዱሳነ እግዚአብሔር’ውን ነዚ ቃል ብምኽባር፡ ሓንሳብ ስለታ ዝተዋህበቶም ሃይማኖት ጸኒዖም ክጋደሉን ኣኽሊል ዓወትን ክረኽቡን ጸኒሖም እምበር፤ እቲ ዓይነትን መጠንን ፈተና ብዘየገድስ ተስፋ ዝቖረጹሉ ዘመን ኣይተራእየን። ኣብ ውሽጢ እዚ ተጋድሎ’ዚ ብዙኃት ነታ ርትዕት ሃይማኖት ቅዱሳን ጸኒዖም ብምዕቃቦም፡ ኣማዕድዮም ብተስፋ ንዝጠመትዋ ዘይትኃልፍ ኽብሪ ንክወርሱ ፍቓድ እግዚአብሔር ኣምላኽ ስለዝኾነ እምበር፤ ንሱ ዘይርእዮን ዘየሕልፎን ዘመን ስለዘሎ ኣይኮነን። (ይሁዳ ፫/3 ራእ ፮፥፲፩/6፥11) ነዚ ዝፈልጡ ቅዱሳን ሓዋርያት ከኣ ነቶም ዝስዕብዎም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ሃይማኖት ክጸንዑ እናመዓዱ፤ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ብብዙኅ ጸበባ ከምዝእቶ ይነግርዎም ነበሩ። (ግብ ፲፬፥፳፪/14፥22)

ኣብቶም ዝቐደሙ ኣቦታትና (ዘመነ ሓዋርያት ድኅሪኡ ዝሰዓበ ዘመነ ሓዋርያነ አበውን ዘመነ ሰማእታትን) ዝነበረ ፈተና ብሰይፍን ሃልሃል ብዝብል ሓውን ዝተኸበ ነበረ። ነቲ ዘመን ግና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዙኃት ኣዕንቝን ከዋኽብትን ብምፍራይ እያ ብዓወት ሰጊራቶ። ድኅሪ ዘመነ ቈስጠንጢኖስ ራኅዋ ምስ ተረኽበ ግና ሰይጣን መገዱ ቀየረ። ብሰይፍን ብሓዊን ዝፈተኖ ከምዘይሰለጦ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ንብዙኃት ኣኽሊል ኽብሪ ከምዘዋህቦምን፤ መከራ ንቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ሓድነትን ፍቕር ሕድሕድን ከምዝፈጥረላ ብዝረኣየ፤ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዝተሸከሙን ኣመንቲ መሲሎም ብዝረኣዩን፤ ፍልስፍና ዓለምን ውልቃዊ ርድኢትን ብዝሰዓሮም መናፍቓን ኣቢሉ ብብዙኅ መገዲ ደጊሙ ከናውጻ ፈተነ። ውሑዳት ዘይብሃሉ በቲ ጊጉይ መገዲ እኳ እንተኸዱ፤ ኣቦታትና ብኣፍ ብመጽሓፍ ጉባኤታት እናገበሩ ነቲ ብቃልን ብጽሑፍን ንዝወረስዎ ትምህርቲ ጐይታ ኣጽኒዖም ብምግዳሎምን ብምምሃሮምን እዛ ርትዕት ሃይማኖት እዚኣ ክትዕቀብ ክኢላ። ኣቦታትና’ውን በብዘመኑ ንዝለዓሉ ዝነበሩ መናፍቓን ኣብ ጉባኤ ብምርታዕን ኣውጊዝካ ብምፍላይን ጥራይ  ዘይኮነስ፤ ሃይማኖት ዘጽንዕን ዘስፍሕን፤ ነቲ ቅኑዕ ካብ ዘይቅኑዕ ዝፈሊ፤ ነቶም ኣብ ዘመኖም ዝነበሩ ምእመናንን ከምኡ’ውን ንዝስዕብ ወለዶ ዝጠቕምን ዘይበርስን ጽሑፋዊ መልእኽትን መጻሕፍትን እናጸሓፉ ገዲፎምልና ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ጽሑፋት ድማ ሃይማኖተ አበው ዝርከቦ እዩ።

ጸኒሑ’ውን ኣብ መፋርቕ ፭ይ ክፍለ ዘመን እቶም ረብሓን ክብርን ዓለም ዘዐሸዎም ኣብ ዓበይቲ መናብር ቤተ ክርስቲያን ዝተቐመጡ መራሕቲ ምስ ቄሳራት ዓለም ብምዝማድን ጸግዖም ብምግባርን፤ ብጉባኤ ኣቦታት ንዝተወግዘ ትምህርቲ ዳግማይ ብምኽላስ፡ ብምኽሪ ጸልማት ደገፍቲ ብምብዛኅ ንቤተ ክርስቲያን ዝኸፋፍል፤ ርቱዕ ሃይማኖት ክጒልብብ ዝፍትን ክሕደት እንተፈጸሙ’ውን ነዛ ርትዕት ሃይማኖት ዝዕቅቡ ኣሰር ሓዋርያት ዝሰዓቡ ናይ ሃይማኖት ሓርበኛታት ኣይተሳእኑን። በዚ ከኣ ዝከሓደ እንተኸሓደ እታ ብእግዚአብሔር ሓንሳብ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ሃይማኖት ክሳዕ ምጽኣት ክትዕንብብ ትነብር እምበር ከምዘይትጠፍእ ምስክር ኮነ። ሓቂ ድማ ኣብቲ ጽኑዕ ከውሒ ክርስቶስ ዝተሠረተት ስለዝኾነት ንፋስ ይምጻእ፤ ወሓይዝ ይውሓዝ፤ ማዕበል ይለዓል ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክትናወጽ ኣይትኽእልን። ርእሳን መሠረታን ብዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ደጌታት ሲኦል ከምዘይኅይልዋ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን’ውን ሕያው እዩ። እቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ እናሻዕ ዝቀያየር ኣብ ልዕሊኣ ዝዘነበ ኣይሂ መከራ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብሰፊሑ ዝዛረበሉ እኳ እንተኾነ፤ ሓደ ጐሊሑ ዝወጽእ ታሪኽ ግና፡ ግደ ቅዱሳን ኣቦታትና ተገሊጹ ዘይውዳእ መስተንክራዊ ገድሎም እዩ። ሎሚ እንርእዮን ዝተረከብናዮን ገጻት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ድማ ንሶም ካብ እግዚአብሔር ተቐቢሎም ብደሞም ዝደብተርዎ መጽሓፍ እዩ።

ሕልቀተ ዓለም ኣብ ዝመስል ኣብ ዘመንና’ውን፡ ካብቶም ዝቐደሙ ትምህርቲ መናፍቓንን ሜላታቶምን ዝተቐናበረን፤ ተረፎም ዝኾነ ትምህርቲ ብምፍና’ውን፤ ሜላታቶም ኣማዕቢልካ ኣማኒ መሲልካ ብምቕራብን ቤተ ክርስቲያን ናይ ምንዋጽ መስርሕ ብሰፊሑ ዝፍተነሉ እዋን እዩ። እቲ ፈተና ኣብ ዘመንና ካብ ዘይተረፈ፤ እቲ ፈታኒ’ውን ሜላን ትምህርቲ እናቐያየረ ክርዳድ ምዝራኡ ካብ ዘይገደፈ፡ ግደ እዚ ወለዶ’ዚ ከም ቀትሪ ፀሐይ ብሩህ እዩ። ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታቱ ተኸቲሉ፡ ሃይማኖት ኣቦታቱ ምዕቃብ! ኣቦታቱ ኣብ ዝኣትዎ ክኣቱ፤ ንሶም ዝረኽብዎም ክብሪ ካብ ኣምላኽ ክረክብ እንተደኣ ኮይኑ ካልእ ኣማራጺ’ውን የልቦን፤ ዕርፊ ወንጌል ምጽናዕ ጥራይ እዩ!። “ርትዕት ሃይማኖቶሙ ለቅዱሳን አበዊነ” ንዝብል ብሂል ቅዱሳን ኣቦታት ብፊደልን ብመንፈስን፤ ብቃልን ብተግባርን ንምድጋም ኵሉ ኃላፍነቱ ከልዕል ከኣ ይግባእ። ሓዲሽ መገዲ ሃይማኖት ክንምህዝ ወይውን መጽሓፋ ቅዱሳዊ መሠረት ዘይብሉ ሥጋዊ ሥርዓት ኣብቲ መንፈሳዊ ቤት ከነቕውም ዘይኮነስ፡ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተቃንዮም ኣቦታትና ንዘጽንሑልና ዓቂብና ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ ምስግጋር እዩ።

ቤተ ክርስቲያንና ጥንታዊት ሓዋርያዊት እያ ክንብል ከሎና ብዕድመ ይኹን ብኣገልግሎታን ዝተጠንተወትን ሓዋርያዊት ምዃናን ጥራይ ምግልጽና ዘይኮነስ፤ ብኵለንተንኣ ናይቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣበው መገድን ትምህርትን ሒዛ ስለ እትርከብ ርቱዕነታ ምግላጽና’ውን እዩ። ኣቦታትና በቲ ጥንታዊ መገዲ ብምኻዶም ዕረፍተ ነፍስ፤ ሰማያዊ ኣኽሊል ከምዝወረሱ፤ እቲ ዝሰዓበን ዝስዕብን ወለዶ መገዲ ቤተ ክርስቲያን ክቕይር ብምፍታን ዘይኮነስ፡ ሕይወቱ ብምልዋጥን ብንስሓ ብምሕዳስን ጥራይ እዩ ኣቦታቱ ኣብ ዝበጽሕዎ ክበጽሕ ዝኽእል። ንሳ ድማ መገዳ ቀጣን፤ ጒዕዞኣ መንፈሳዊ ገድሊ እያ። ካልኣይን ሓጺር ኣማራጺ’ውን የብላን። እዚ ወለዶ ከስተብህል ዘለዎ በየናይ መገዲ ብዙኅ ሰብ ይኸይድ ወይውን ይስዕብ ወይውን መን ብዝያዳ ጽቡቕ ገይሩ ይጉስጉስን የረድእን ወይውን ኣየናይ ከምቲ ዝደልዮ ይኾነለይን ይሰማምዓንን ዝብል ዘይኮነሲ፤ እቲ ዋና ነገር፡ እታ ሓቀይኛ መንገዲ፤ ሓንሳብ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ሃይማኖትን ሥርዓታን ኣየናይ እዩ ዝብል ክኸውን ይግባእ።

ዝኾነ ኮይኑ ነገረ ሃይማኖት ሎሚ ምስ ዘሎ ድኽመት ምሕደራ ቤተ ክርስቲያንን እዋናዊ ኵነታትን ብምዝማድ ጥራይ ንዝኾነ ጉዳይ ኣብ ድምዳመ ምብጻሕን፡ ክኸፋፍሉና ንዝነቀሉ መሠርያን ሰባት ግዳይ ምዃን ዝግባእ ኣይኮነን። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ከይረኣኻ፡ ነቲ ዝሓልፍ ጌጋን ድኽመትን በሰር ሰባት ኣጋኒንካ፤ ካብ ጥንቲ ካብ ትማሊ፡ ሎሚ ኣብ ዘመንና ብዘሎ፡ ጽባሕ’ውን ክሳዕ ምጽአት ክርስቶስ ብዝነብር ሃይማኖት ምውጋዩ ዝግባእ ኣይኮነን። ዘሎናዮ መዋዕል ኣፍ ሓሶት ዝተኸፍተሉ ሓቂ ዝተቐብረሉ ኮይኑ እምበር፤ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ሓቂስ ካብቲ ብሕይወቱ ዝተቐብረሉ መቃብር ወጺኡ ባዕሉ ብዘይ መስካሪ ክዛረብ እዩ። ሰባት ይሓልፉ እዮም፤ ትማሊ ዝነበሩ ሎሚ ዘየለዉ ቍጽሪ የብሎምን። ሎሚ እንርእዮም ጽባሕ ዘየለዉ ድማ ፍቕዲ’ውን ኣይርከበሎምን። ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖትን ግና ነበርትን ሕያዋንን እዮም። ነዞም ናይ ትማሊ ሰብ ታሪኽ ከከም ግብሮም እንዝክሮም፤ ጽባሕ ድማ ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖትን ብጽቡቕ ይኹን ብኽፉእ ዝዝክርዎም ሰብ ሎሚ ክህልዉ ግድነት እዩ። እቲ ፍርዲ ግና ንኵሉ ከከም ምግባሩ ናይ ዝፈዲ ናይ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ናትና ግደ’ከ እንታይ እዩ

ኣብ ኵሉ ክፋል ዓለም ዘሎና ደቂ እዛ ሕያዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና፤ በብዘመኑ ብዝመጽእ ነፋስን ማዕበላትን እንተዘይተናወጽና ጽቡቕ እዩ። ብዝመጽእ ጋሻ ትምህርቲ ክንውሰድ’ውን ኣይግባእን። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረታ ቀራንዮ ስለዝኾነ ፈተናን ፈታኒን ኣይትስእንን እያ። ኣቦታትና በብዘመኑ ዘይተፈተኑሉ ዘመን’ውን የሎን። ንሕና’ውን ካብ ኣቦታትና ስለዘይንበልጽ ክንፍተን ግድነት እዩ። በዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥም ዘሎ ናይ ዘመንና ፈተና ድማ ቅድሚ ኵሉ ስለ ርእስና ናብቲ ኵሉ ዝከኣሎ፡ ዝሰኣኖ ዘየልቦ ኣምላኽ ክንጽልዪ እምበር ክንሻቐልን ክንጭንቕን ኣይግባእን። ከምቲ ዝቐደመ ዘመን፡ እዚ ናይ ሎሚ ፈተና’ውን ምኅላፉ ከምዘይተርፍ ታሪኽን ቃል ኪዳን ቤተ ክርስቲያን ምስክርና እዩ። ምናልባሽ ንሕና ካብታ ዘይትጥሕል መርከብ ብኣፍአ (ብግዳም) ከይንህሉ ወይውን ግብርና ምስቲ ቃለ ሊቀ ሐመር ክርስቶስ ዘይሳነ ከይከውን እሞ ብኽፍኣና ናብ ደገ ክይንድርበ  ምጥንቃቕ ከድልየና እዩ። እታ መርከብሲ እትኾኖ የብላን፤ እቶም ክንገብሮ ንዝግባእ ነገር ብዘይምግባርና፤ ክንገብሮ ንዘይግባእና ነገር ብምግባርናን ኢድና ብምጥላቕናን እንሕተት ከይከውን ርእስና ንፈትሽ።

ስለዚ ኣብታ ንዝኸድዋ ሕይወት፤ ንዝተጋደሉላ ዕረፍቲ ኣብ ዝሃበቶም ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና ጸኒዕና ንንበር። ሎሚ ንርእዮም ደጊምና ግና ዘይንርዮም ሰሊኾም ዝኣተዉና ከም ዘለዉ ርዱእ ኮይኑ፤ እቲ ምፍልላይን ካብ ኣደ ቤተ ክርቲያንካ ምፍላይን ወጊድ ኢልና ብሃይማኖት ጸኒዕና እናተጋደልና ብፍርሃት ኣምላኽ ንንበር። ስለቶም ኣብ ኃላፍነት ቤቱ ተቐሚጦም፤ መላገጽቲ ኮይኖም ዝርከቡ ግና ደም እቲ ዝጠፍእ ሕዝቢ ካብኣቶም ዝደሊ ኣምላኽ ክፋረዶም እዩ እምበር ንሕና ክንፈርዶም ሥልጣን የብልናን። ብኣኣቶም እናመኽነና ድማ ካብ ኣደ ቤተ ክርስቲያንና ኣይንፈለ፤ ነዚ ነቓዕ መዝሚዞም ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ፈልዮም፡ ናብ ካልእ መገድን ሥርዓትን ጨውዮም ፍጻሜና ኣብ ዘይፍለጥ መጋብርዮም ክወስዱና ንዝቃለሱ ዘለዉ ተረፈ መናፍቓን ዲል ኣይንሃቦም። ክዳን ኣልባሳታ ቀሊዖም ዕጫ ንዘውድቑላ፡ ኲናት ኣብ ጐና ንዝንስድዉ፤ መሪር ከስትዪዋ ንዝጽዕሩ ብጌጋኦም ክምለሱ ንምዓዶም። ሓንሳዕ ንቅዱሳን ብዝተዋህበት ሃይማኖት ክንጸንዕ ተጊሁ ብምምዓድ ሓጺር መልእኽቱ ዝጀመረ ሓዋርያ ዲጊሙ ከምዚ ብዝስዕብ ቃላቱ  መልእኽቱ ይዓጹ።          

ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሓዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳኅራይ ዘመን እኩይ ፍትወቶም ዝምህሩ፡ ብኃጢኣቶም ንካልኦት ዘስሕቱ መላገጽቲ ኺትንሥኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ። እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ቅዱስ ዘይኃደሮም እዮም። ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ እተቐደሰት ሃይማኖትኩም ንርእስኹም እናሓነፅኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናይ ሕይወት ዘለዓለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእሲኹም ብፍቕሪ እግዚአብሔር ሓልውዋ። ንገሊኦም ነቶም ዚጣራጠሩ ኣረድእዎም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብሥጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም። ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቚመኩም ዚከኣሎ፡ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድኃኒና ዝኾነ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ሥልጣን ይኹኖ። ኣሜን።” (ይሁዳ ፲፮-፳፭/16-25)

ብዝተቐደሰት ሃይማኖት ኣቦታትና ይዓቅበና።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።


4 comments:

  1. ክቡራት ኣቦታት ወይውን ኣሕዋት

    ብሓቂ ቃለ ሂወት የስምዓልና። እዋናዊ መልእኽቲ ኮይኑ ረኺበዮ። ብሃይማኖት ኣቦታትና ምጽናዕ ጥራይ እምበር ሎሚ ከጋግዩና ሓንሳብ ብቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ሓንሳብ ብስም ፓለቲካ ሓንሳብ ... እናመጹ ክኸፋፍሉና ንዝፍትኑ ዕድል ኣይንሃቦም። ኣነስ ዝገርመኒ ዘሎ ንስኻትኩም ከምኡ ትብሉ ኣሎኹም፤ እቲ ዝምልከቶ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ግና ኣበይ እዩ ደቂሱ ዘሎ፤ ነዚ መልእኽትኩም ናብ ኩሉ እንተዝበጽሕ ከመይ ጽቡቕ ነይሩ።

    ሓውኹም አሐዱ እምዲያቆናት

    ReplyDelete
  2. Kale Hiwet Yesemialina Ahiwat! Ab Xelotkum Zekiruna. Ze Menfes Kidus Kab Behere Oakland!

    ReplyDelete
  3. Nay nbehaki kale hiwet yesmealna ahiwat eti hayal zkone fetari (amlak abotatna)tsegu yebzehalkum.ane zigermeni zelo gen ezi guday kisab kindzi enda asfahfehen menafiknet ab wisti bet kirstiyan enda reaye kem zey reaye zigeaz zelo laeleway akal entay ytsbe alo
    nay behaki tseloten berketen amaladneten nayta kidste kidusan embetachien kidest dingel kab kuluna deka ayfeleyena

    ReplyDelete
  4. I am highly spiritually inspired by the sweetness of the fruits in the Garden of Maeadot! In the morning I collect my breakfast of maeada, in the noon my lunch of maeada,in the evening my dinner of maeada, during the night my dreams just from this great garden of righteousness, and in the morning maeadot is my alert bell to wake up . May God bless your works forever! from your weak brother, Eritrea. May the intercession of our mother of confidence st. vergin Mary be with all of us.

    ReplyDelete