Thursday, February 16, 2012

መዘክር ጾም


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

አምላከ ሕያዋን እግዚአብሔር እንቋዕ ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናሳገረ፤ ናብቲ ባሪኹን ቀዲሱን ዝሃበና ዓቢይ ጾም ብምሕረቱ ኣብጸሓና።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብነት ኮይኑ ንዝሰርዓልና መገዲ ሕይወትን ጸጋን ንዝኾነ ጾም ብዝግባእ ክንጥቀመሉን፤ ብንስሓን ብጸሎትን ብኵሉ ኣምላኽ ዝሠምሮ ሰናይ ተግባራትን ተሰኒና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ  ክነቐርብ ድማ ወርትግ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዘካኽረና እያ። ናይ ሎም ዘመን ዓቢዪ ጾም ከኣ ፲፪/12 ለካቲት (20/02/2012) ከምዝጅምር’ውን ዝተፈልጠ እዩ።

ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑ ዘሎ ሱባኤ ከምቲ ፍቓዱን ሕጉን ጾይምና፡ ካብቲ ኵሉ ዝኽእል እግዚአብሔር ንነፍስ ወከፍና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሃገርናን ንሕዝብና ምሕረቱን ረድኤቱን ኣብዚኅና እንረኽበሉ ክኸውን ናብቲ ቅዱስ ኣምላኽ ምምኅጻን ከኣ ዝግባእ እዩ። እቲ ዘሎናዮ ጊዜን መዋዕል’ውን ምኽፋት ዘየድልዮ ቅሉዕን ተነባብን መጽሓፍ ኮይኑና ስለዘሎ፡ ስለቲ ኵሉ ኣብ ዓለምና ዘሎ ክፉእ ነገራት ናብ ሰናይ ክልውጠልና በብዘሎናዮ ነቲ ፈታዊ ምሕረት ዝኾነ ፈቓር ኣምላኽ እግዚአብሔር ክንልምኖ ይግባእ።

እታ ንኵሎና ኣብ ዘዘሎናዮ እትእክበናን፡ ምንጪ ሕይወት ብዛዕባ ዝኾነት ቅድስት ቤቱ ከኣ ሰላማን ሓድነታን ክህበልና፤ ዘመን ሃይማኖት እቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣቦታትና ክደግመልና፤ ጭንቃን ብኽያታን ዘይኮነስ ትንሣኤኣ ክንርእይ ከብቕዓና ካብ ልብና ነፍስና ኣሕሲእና ክንልምኖ ዝግባእሉ እዋን ከምዝኾነ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ ዘስተውዕሎ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ኸኣ ንሕና'ውን ነቲ ዝመጸን ዝመጽእ ዘሎን ሽግራትን ፈተናን ብጾምን ብጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ብምቕራብ ክነፍትሖ ከምዝግባእ ምስትውዓል የድሊ። 

ማዕዶት፡ ዓሚ ኣብ ኸምዚ እዋን እዚ ብተኸታታሊ ብዛዕባ ጾምዓቢይ ጾም ከምኡውን ሰናብቲ ጾም ንሸሞንተ ሰሞናት ብተኸታታሊ ትምህርታዊ ጽሑፋት ፈንያ ብምንባራ፤ ሕጂ’ውን ንክቡራት ተኸታተልታ ነቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ጽሑፋት ደጊሞም ክውከሱ ከምዝኽእሉ መዘክር ተቕርብ ኣላ።

ጾምና ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ እንራኸበሉ፤ ንሱ’ውን ጾምናን ጸሎትናን ተቐቢሉ ናባና ገጹ መሊሱ በረኸቱን ረድኤቱን ዘፍስሰሉ ይግበረልና። ኣጀሚሩ ከፈጽምና ከኣ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ንኵሎም ፈተውትን ተኸታተልትን ጦማረ ማዕዶት ከኣ ስለ ዕብየት እዛ መጽሔትኩም እዚኣ ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክሩና ንምኅፀነኩም።

ስብሐተ ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።



No comments:

Post a Comment