Thursday, February 2, 2012

ንነነዌ ንዘክራ

ርሑቀ መዓት ብዙኃ ምሕረት እግዚአብሔር ቅኑዕ ፈራዲነቱ ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብ ዝተራእየሉ እቲ ሓደ መዋዕል ታሪኽ ነነዌን ሕዝባን እዩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ትንቢተ ዮናስ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ኣብዚ ታሪኽ’ዚ ነቢየ እግዚአብሔር ዮናስ ናብታ ዓባይ ከተማ ነነዌ እግዚአብሔር ከምዝለኣኾን፤ ኃጢኣት ነበርታ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከምዝብጸሐን ጥፍኣታ’ውን ከምዝቐረበን ክንገር ድማ ተኣዚዙ እኳ እንተነበረ፤ ካብ ገጽ ኣምላኽ ክኽውል ከምዝፈተነ ይገልጽ። ብጥበብ እግዚአብሔር ድማ ካብቲ ክሃድመላ ዝፈተነ መርከብ ናብ ባሕሪ ከምዝተደርበየን፤ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድማ ኣብ ከብዲ እቲ ዝተቐበሎ ዓሣ ነብሪ ከምዝጸንሐን ናብ ገምጋም ባሕሪ ናይቲ ክኸዶ ዝግባእ ዓዲ ድማ ከምዝትፈኦ ይነግር። ኣብታ ዓዲ ምስቀረበ ድማ ቃል ተግሣጽ ከምዘስምዐ፤ እቲ ሕዝቢ ድማ ካብ ንጉሥ ኣትሒዙ ኵሎም መኳንንትን ዓበይትን ንኣሽቱን እንስሳታት ከይተረፈ ምሕረት እግዚአብሔር ብጾምን ብጸሎትን ሠለስተ መዓልቲ ከምዝለመኑ እሞ እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ጣዕሳኦምን ምምላሶምን ርእዩ ምሕረት ከምዝኣወጀሎም የረድኣና። ነቢየ ነነዌ ዮናስ ግና ኣብ ልዕሊ እቲ ሕዝቢ ንዝወርድ ጥፍኣት ክርኢ ብሕት ኢሉ ኣብ ወሰን ናይቲ ዓዲ ናብ ዝርከብ በሪኽ ቦታ ወጺኡ ይጽበ ከምዝነበረ እሞ እግዚአብሔር ግና ርኅራኄኡ ብሓንቲ ከተጽልሎ ዘብቖላ ሰፊሕ ቖጽሊ ዘለዋ ጒልዒ ገይሩ ከምዝመሃሮ ይነግረና። 

እምበኣር በዚ ጽማቝ ዝቐረበ ትንቢተ ዮናስን ታሪኽ ነነዌን፡ ክንዲ ባሕሪ ዝሰፈሐ ትምህርትን መልእኽትን ነቶም ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሕዝቢ ዝህበናን ዝምህረናን እዩ። ጐይታ’ውን ብዛዕባ ዮናስ ደጋጊሙ ምጥቓሱ ነዚ ኣብ ሓደ ምጽናዕ ዘይተኣኸኣሎ እሞ ትእምርቲ ዝደሊ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ዝህቦ ዓቢ ትምህርቲ ስለዘሎ እዩ። እግዚአብሔር ምሥጢሩን ምስትውዓሉን ይዓድለና እሞ ንጾመ ነነዌ ምኽንያት ብምግባር ካብቲ እዚ ታሪኽ’ዚ ካብ ዝምህረና ትምህርቲ ንውሑድ መልእኽቱ ስዒብና ክንጠቕስ ኢና። 

ናብ ነነዌ ከይድካ መሃር 

እቲ ዘመን’ቲ ኃጢኣት ሰብአ ነነዌ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝብጽሓሉ እዩ ነይሩ። ጥፍኣት ደቂ ሰባት ዘይፈቱ እግዚአብሔር ከይነገረን ከየጠንቀቐን ኣይቐጽዕን እዩ እሞ ንነቢይ ዮናስ ወዲ ኣሚታይ ነቲ ሕዝቢ ክግሥጽን ሓጢኣቱ ከፍልጥን ኣዘዞ። “ተንሥእ ወሑር ኀበ ነነዌ ሀገር ዓባይ ወስብክ ሎሙ እስመ ዓርገ እከዮሙ ኀቤየ” (ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዪቡ እዩ እሞ ኣንጻራ ኣውጅ) በሎ (ዮና ፩፥፪/1፥2)። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ምምላስ እምበር ሰባት ብሓጢኣቶም ክሞቱ ዘይፈቱ ኣምላኽ ስለዘይኮነ ወትሩ ነቶም ካብ ብርሃን ዝኾነ ሕጉ ጸልማት ፈትዮም፤ ካብ ቃሉ ርሒቖም ኣብ ባሕሪ ኃጢኣት ንዝሕምብሱ ደቂ ሰባት ናብኡ ክምለሱ ብነቢያቱ፡ ብሓዋርያቱ፡ ብመምህራኑ ኣቢሉ ናብ ንስሓ ዝጸውዓሉ ጊዜ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ’ውን እቲ ዝዓበየ ክፋል መልእኽቱ ብዛዕባ ንስሓን ምምላስን መንፈሳዊ ፍሬኡን እተጻሕፈ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር፡ ደቂ ሰባት ፍቓድ ሥጋኦምን ትምኒቶምን ክኽተሉ፡ ምኽሪ ሰይጣን ክሰምዑ ስለዝመርጹ፡ ንእግዚአብሔር ከቖጥዕዎን መቕሰፍቱ ከውርድ ክደፋፍእዎን ዝተረኽቡሉ ኵነታት እምብዛ ብዙኅ እዩ። 

ሎሚ ዓለምና ኃጢኣታ በዚኁ፡ ፍቓድን ትእዛዝን ኣምላኽ ጥሒሳ ዳግማዊት ነነዌ ኮይና እትርከበሉ ዘመን ኢና ዘሎና። ዓለም ብዓባያ ጥራይ ዘይኮነሲ በብከባቢኡን በብሃገሩን ሎሚ ብዙኃት ነነዌያት ንርኢ ኢና ዘሎና። እቲ ዝግበር ፉንፉን ኃጢኣት’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣይበጽሐን ዘሎ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ሎሚ’ውን ፈቃር ኣምላኽና ወትሩ ነቶም ቃሉ ዝጾሩ መምህራን ‘መሃሩ’ ክብል ይእዝዝ እዩ። ሎሚ እግዚአብሔር፡ ኃጢኣት ነነዌ ዘፍልጠሉን፡ ንሰባት ንንስሓ ክጽውዕ ዝለኣኾን ዝኸደሉን ይደሊ። እምበኣር ንሕና ነቲ ቃሉ እንሰምዕ ንስድራና ንከባቢና ብግብሪ ሓዋርያት ክንመስል ይግባእ። ሓዋርያት’ውን እታ መወዳእታ ካብ ጐይታ ዝተኣዘዝዋ መልእኽቲ “ሑሩ መሀሩ ውስተ ኵሉ ዓለም” እትብል እያ። ሎሚ’ውን ከምቲ ቀዲሙ ዝዓበየ ዘይኮነሲ ዳኅራይ ዝተኣዘዘ ዮናስ ምምሳል ይግባእና። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ንስሓን መልእኽቲ ቅድስናን ናብ ኵሉ ዓለምን ሰብአ ነነዌን ዘብጽሓላ ናይ እግዚአብሔር ሰባት እትደልየሉ ጊዜ ኢዩ። ንሰባት ብዝገበርዎን ዘይገበርዎን እናወደሱ ዝነብሩ ዘይኮነሲ፤ ኃጢኣትን በደልን ሰባት ኣግሂዶም ብምጥንቃቕ፡ ዘነስሑ መምህራን ቤተ ክርስቲያን እትደልየሉ ዘመን ከኣ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ እዚ ዘሎናዮ ዘመን እዩ። 

ነፋሳት ዝእዘዙሉ ንሱ መን እዩ

ሓዋርያት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ባሕሪ እንከለዉ እታ ዝነበርዋ መርከብ ብነፋሳትን ማዕበላትን ተናዊጻ ነበረት። ክሳብ ምጥሓል’ውን ቀሪባ ብማዕበል ተጐልቢባ ነበረት። ንሳቶም ድማ ፈሪሆም ጠፋእና ኣድኅነና ኢሎም ነቲ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ጐይታ፤ ድቃስ ዘይሰማምዖ ባህርይ ብተዋሕዶ ናይ ሥጋ ባህርይ ገንዘቡ ስለዝገበረ ደቀሰ እተባህለሉ ንዘይታኸስ ጐይታ ለመንዎ። ንሱ ድማ ተንሢኡ ንሓዋርያት ስለ ጕድለት እምነቶም ወቒሱ ነቶም ነፋሳትን ባሕርን ገንሖም እሞ ህድኣት ኮነ። እቶም ነዚ ዝረኣዩ ሰባት እዚኦም ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝሉስ መን ኰን ይኸውን ኢሎም ብኣስተንክሮት ክሓቱ ንሰምዕ። (ማቴ ፰፥፳፯/8፥27) እምበኣር ነዚ ሕቶ ብግብሪ ዝምልስ ታሪኽ ነቢዪ ዮናስ እዩ። 

ነቢዪ ዮናስ ግና ከም ስሙ ርግቢ እዩ ነይሩ እሞ ነቲ ምሃር ዝብል ቃል ኣብቲ ቀዳማይሲ ኣይተቐበሎን ነይሩ። ከም ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ኣገላልጻ ድማ “እስከነ ሥሉስ ዕለት ትትገፈታዕ ነነዌ ሀገር ዓባይ” እናበልካ ምሃር ኢሉ እንተተኣዘዞ’ኳ ዮናስ ግና ለዋህ ስለዝነበረ “እዚስ ኣይከውንን እዩ፤ ንስኻ መሓሪ ኢኻ፤ ኣነ ከምኡ ኢለ ድኅሪ ምምሃረይ እንተመሓርካዮም ኣነ ነቢየ ሓሶት ተባሂለ ክጽዋዕ እየ” ብምባል ነቲ ትእዛዝ ከይተቐበሎ ተረፈ። ካልኣይ ጊዜ ድማ ቃል እግዚአብሔር ናብ ዮናስ መጸ። “ነነዌ ክትምህር ነጊረካ ዶ ኣይነበርኩን?” ድማ በሎ። ዮናስ ድማ ብገርህነቱ “ደጋጊሙ ዝጽዋዕንን ዝዛረብንን ዘሎ ኣብ ቅድሚኡ ስለዝረኽበኒ ዶ ኣይኮነን?” ብምባል “ወሖረ ዮናስ ወተኃጥአ እምገጸ እግዚአብሔር” ከም ዝብል ካብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክሃድም ፈተነ። ዮናስ’ውን ኣብቲ መወዳእታ እተዛረቦ እዩ። (ዮና ፬፥፪/4፥2) ገንዘቡ ከፊሉ ክኽወል ናብ ተርሴስ’ውን ከቕንዕ ኣብ መርከብ ተሰቒሉ ተበገሰ። 

እግዚአብሔር ግና ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ናብቲ ባሕሪ ሰዲዱ ነታ መርከብ ብብርቱዕ ማዕበል ኣናወጻ። ኵሎም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁ። ኵሉ ክግበር ዘለዎ ድማ ገበሩ። መፍትሒ ግና ኣይተረኽበን። ዳኅራይ ግና ውሽጦም ፈተሹ። ተማህለሉ ነቲ ደቂሱ ዝነበረ ዮናስ ኣተሢኦም’ውን ናብ ኣምላኹ ክምህለል ነገርዎ። እቲ ከምዚ ዝመሰለ መከራ ብሰሪ መን ምዃኑ ንምፍላጥ’ውን ዕጭ ከውድቑ ደለዩ። ዮናስ ግና እቲ ዝገበሮ ስለዝፈልጥ በደሉ ተናዘዘ። ደርብዩኒ እሞ ነቲ ባሕሪ ብነፋሳት ዘናውጸ ኣምላኽ ከህድኣልኩም እዩ በሎም። እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፡ ነፋሳትን ማዕበላትን ዝእዝዝ ኣምላኽ ምዃኑ ነቢየ ነነዌ ዮናስ ብሓቂ ኣብታ እትናወጽ ዘላ መርከብ ኮይኑ ብእምነት ተዛረበ። እዚ ቃሉ ግና ነቲ ሰባት ዳኅራይ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ንዝሓተትዎ ሕቶ ምላሽ ዝሃበ ነበረ። አማን ብኣማን፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነፋሳት ዝእዝዝን ዝግሥፅን ብዝተፈለየ ኣካሉ ሥጋ ዝተወሓደ እግዚአብሔር እዩ። 

እምበኣር ሎሚ’ውን መርከብ ሕይወትና፡ መርከብ ቤተ ክርስቲያንና ዝናወጻሉ እዋናት ብዙኅ እዩ። ዓለም ብዓባያ ብነፋሳትን ማዕበላትን እትናወጸሉ፤ ህድኣት ዝሰኣነትሉ እዋን እዩ። ነዚ ዝሰኣነቶ ሰላም ድማ ክትረክብ ክንደይ ዓይነት መገዲ ሃሰስ ካብ ምባልን ካብ ምፍታንን ኣየዕረፍትን። ግና ነቲ አምላከ ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ጌና ኣይረኸበቶን። እምበኣር ንሕና’ውን ብምጒዳል እምነት ዘይኮነ ሕጸጽ ብዘይብሉ እምነት ናብ ኣምላኽ ምልማን ምምኅጻን ይግባእና። ካብ ልቢ ንዝጽለ ጸሎት ዝሰምዕ ኣምላኽ እዩ እሞ ነቲ ከቢቡና ዘሎ ማዕበላትን ነፋሳትን ኣህድኣልና ንበሎ። ነቲ ምኽንያት ነውጺ ኮይኑ ዘሎ ሽግርና ካብ ሕይወትና ኣውጺእና ንደርብዮ። እግዚአብሔር ሰላሙ ክህበና እሙን ኣምላኽ እዩ። 

ከብዲ ዓሣ 

ነቢየ እግዚአብሔር ናብ ባሕሪ ምስተደርበየ እተኣዘዘ ዓሣ ኣንበሪ እዩ ተቐቢልዎ። ዮናስ ግና ኣብ ከብዲ ዓሣ እንከሎ ስለቲ ንእግዚአብሔር ብዘይምእዛዙ ንዝበደሎ እናተናሰሐ፡ ናብ እግዚአብሔር ይጽልይን ስለቲ ናይ እግዚአብሔር ምድኃን እናመስከረ የመስግን ነበረ። ካብኡ ወጺኡ ድማ ደጊም መቕደስ ኣምላኽ ዝርእየሉን ዘገልግለሉን እዋን ክመጽእ ይልምን ነበረ። ኣብኡ ድማ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድኅሪ ምጽናሕ ናብ ነነዌ ኣብ ዝቐርብ ጽንፈ ባሕሪ ደርበዮ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ከምቲ ቅድም ዝኣዘዞ ሕጂውን ደጊሙ ክምህር ኣዘዞ። 

ካብ እግዚአብሔር ዘምልጥ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለቲ ዝበደልካዮ ምጥዓስ ድማ እቲ ዝዓበየ ነገር እዩ። ዮናስ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ብምዃኑ ሓደ ዓቢ ነገር እግዚአብሔር ገበረሉ። ኣብ ከብዲ ዓሣ ሠለስተ መዓልቲን ሠለስተ ለይትን ተዓቝበ። ዮናስ ድማ ኣብኡ እንከሎ ንእግዚአብሔር ብጸሎት ረኸቦ፤ እግዚአብሔር ንዝገበረሉ ነገር እናዘከረ ድማ ኣመስገነ። እግዚአብሔር መድኅን ምዃኑ መስከረ። 

ከብዲ ዓሣ ናይ ከርሠ መቃብር፤ ዮናስ ድማ ብተምሳል ጐይታ ኣብ ወንጌል ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ እምነት ምጽናዕ ንዝኣበዩ እሞ ምልክት ካብ ጐይታ ይደልዩ ንዝነበሩ ቤተ ኣይሁድ ናይ ዮናስ ኣብ ከርሢ ዓሣ ዓንበሪ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ምጽናሕ፡ ተምሳል ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ክብል ኣብ ከርሠ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ጸኒሑ ናይ ምትንሥኡ ነገር ምዃኑ ተመሲሉ ተነጊርዎም ነበረ። “እስመ በከመ ነበረ ዮናስ ውስተ አንበሪ ሠሉሰ መዋዕለ ወሠሉሰ ለያልየ ከማሁ ሀለዎ ለወልደ እጓለ እምሕያው ይንበር ውስተ ልበ ምድር ሠሉሰ መዋዕለ ወሠሉሰ ለያልየ” (ማቴ ፲፪፥፴፱/12፥39) 

ኣብ ከርሢ ዓንበሪ ኮይኑ መድኅን ምዃኑ እተዛረበሉ እግዚአብሔር ድማ እቲ ዘመን ምስ ኣኸለ ብፍሉይ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተሰቒሉ መለኮት ብሥጋ ሞይቱ ኣብ ከርሢ ምድሪ ኣተወን ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ጸንሐ፤ መለኮት ዝተዋሕዶ ነፍሱ ድማ ንነፍሳት ናጻ ኣውጽአ። ኣምላኽ ንሞት ሥዒሩ ተንሢኡ ሕያው ገበረና። እምበኣር ከብዲ ዓሣ ክንዝክር ከሎና፤ ኣምላኽና ስሌና ምማቱን ኣብ ልበ ምድር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ምጽንሑ ንዝክርን ነስተውዕልን። እቲ ዘይመውት ሞትና ክድምስስ፡ ስሌና ምምቱ ጥራይ ዘይኮነስ ከኣ ከምቲ ብብዙኃት አበውን ነቢያትን ትንቢትን ምሳሌን ዝተገብረሉ ብርግጽ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ምግባሩ ዮናስ ብዝጸንሓሉ ከብዲ ዓሣ ንርዳእ። ጐይታ’ውን ከምቲ ብሆሴዕ ዝትነግረሉ፤ ከምኡውን ባዕሉ ነቶም ኣይሁድ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና ኣብ ዝበልዎ፤ ነቲ ቤተ መቅደስ እንተፈረስዎ ብሠለስተ መዓልቲ ከምዝሃንጾ ምዝራቡ ነዚ ዘጽንዕ እዩ። ኣይሁድ ብዛዕባ እዚ ዘይተረድኦም ቃሉ እንተተገረሙውን ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ግና ብዛዕባ መቕደስ ሥጋኡ እተዛረበ ምዃኑ እዩ ተርጒሙ ነጊሩና። ደቀ መዛሙርቱ’ውን ድኅሪ ትንሣኤ እዚ ምሥጢር ዝሓዘለ ትምህርቱ ብዝግባእ ኣስተብሂሎሙሉ እዮም። 

ሰብ ነነዌ ኣብ ዕለተ ፍርዲ 

ነቢዪ ዮናስ ድኅሪ እቲ ካብ ከብዲ ዓሣ ወጺኡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ምስተረፎ፤ ነቲ ደጊሙ ዝመጾ ቃል እግዚአብሔር ተኣዚዙ ብዛዕባ ኃጢኣት ነነዌ ክዛረብን ከምእትግምጠል ክእውጅን ጀመረ። ሰብን እንስሳን፡ ንእሽቶይ ዓብይ ኵሉ ድማ በብመገዱ ጾምን ጸለየን። ምሕረት ኣምላኽ ብምድላይ ኵሉ ዝበደለ ዘበለ ተጣዕሰ። ካብ እከይ መገዶም ድማ ተመልሱ፤ ብኣምላኽ ድማ ኣመኑ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ምምላሶም ርእዩ እቲ ዝሓሰቦ መዓት ኣየውረደሎምን። ነቢዪ ዮናስ ሓሳዊ ነቢይ ከይብሃል ፍሪሁን ኰርዩን እንተነበረ’ውን እግዚአብሔር ልዕሊ ኵሉ ምሕረት ሕዝቡ ዝፈቱ ኣምላኽ ምዃኑ’ውን ብግብራዊ ምሳሌ ኣርኣዮ። 

ሎሚ ዓለም ካብ ሰብአ ነነዌ ክተምሃር የድልያ እዩ። ብቃልን ግብሪን ኣምላኽ ምእማንን፤ ስለቲ ክፉእ በደላ ምጥዓስን ግድን ከድልያ እዩ። እግዚአብሔር መሓሪ ኣምላኽ እዩ። ንዝተመልሱ ዝቕበል ኣምላኽ እዩ። ዓለም ካብቶም ንትምህርቲ ዝተጻሕፉልና ዝቐደሙ ታሪኻት ዘመነ ኖኅ፡ ዘመነ ሎጥ ወዘተ ምምሃር ከምዘድልዮ መስካሪ ኣየድልዮን እዩ። እዚ ክፉእ ዘመን’ውን ባዕሉ ይዛረብ ስለዘሎ። ጐይታ’ውን “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ክብል ከሎ ካብቲ ናታ ታሪኽ ምእንቲ ክንመሃር እዩ። ሎሚ’ውን ንሰብአ ነነዌ ምዝካር መገዲ ድኅነት እዩ። ንሱ ከኣ ብጾምን ጸሎትን ዝተሰነየ ፍጹም ንስሓ እዩ። 

ኣይኮነን ግና እቶም ብነቢይ ንዝተነግረ ቃል እግዚአብሔር ሰሚዖም ዝተመልሱ ሰብአ ነነዌ፤ ኣብቶም ብኣምላከ ነቢያት ንዝተነግረ ቃል ሰሚዖም ካብ እከይ ግብሮም ኣብ ዘይምለሱ ሰባት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰዓት ከምዝፈርዱ ጐይታ ነጊሩና ኣሎ። ሰብአ ነነዌ ይትነሥኡ አመ ዕለት ደይን ወይትፋትሕዋ ለዛቲ ትውልድ ወያስተሐፍርዋ እስመ ነስሑ በስብከተ ዮናስ (ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሢኦም ኢዮም እሞ ብመዓልቲ ፍርዲ ነዛ ወለዶ እዚኣ ተንሢኦም ኪፋረድዋን ከሕፍርዋን እዮም።) ይብል። (ማቴ ፲፪፥፵፪/12፥42) ነቲ ቃል ኣብ እንሰምዓሉ ከም ልቢ ፈርዖን ልብና ምትራር ዝጠቕም ኣይኮነን። ሰብ ነነዌ ልቦም ብዘይምትራሮም እቲ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠጥዩ ዝነበረ መዓት ናብ ምሕረት ተለዊጡሎም። ንሕና’ውን ካብቲ ዝመጽእ ቍጥዓ ኣምላኽ ክንመልቝ እንተኾይንና፤ ንሰብ ነነዌ ክንመስል ይግባእ። ካብኦም ዘይምምሃርና ኣብቲ ናይ ፍርዲ እዋን መፋረዲ ከይኮኑና ንነፍስና ንፍራህ። ስለዚ እያ ድማ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ካብ ሕገ እግዚአብሔር ንዝረሓቑ ምእመናንን ንኵሉ ሰብዓ ዓለምን፤ ከምቶም ሰብአ ነነዌ ክንስሑን ብጾምን ጸሎትን ምስ እግዚአብሔር ክዕረቑን ከምዝግባእ ንምዝክኻር ንጾመ ነነዌ ካብቶም ሾብዓተ ኣጽዋማት ሰሪዓ ትርከብ ዘላ። 

መሓሪ ኣምላኽና ጾምና ጸሎትና ተቐቢሉ ምሕረቱ ክእዘዘልና ፍቓዱ ይኹነልና። ሱባኤና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና።

No comments:

Post a Comment