Thursday, February 23, 2012

መልሲ ነቲ ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
መእተዊ

ኣብ ዝኃለፈ እዋን ብሓደ ዲያቆን ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ ብመሠረት ኣቦታትና ዘጽንሑልና ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ፡ መልሲ ከም እንህብ ብዝኣተናዮ ቃል፤ ሊቃውንቲ ሓቲትና መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ተመልኪትና ንዝረኸብናዮ እንሆ ናባኹም ነብሎ ኣሎና።

ንመእተዊ ክኾነናን ብሕ­ጂ ክለዓል ንዝኽእልን ባዕላዊ ትርጉምን ፍልስፍናን ተግሣጽ ዝኸውን፡ ቅዱስ ጳውሎስ “ካብቲ ዝተጻሕፈልና ኣይንኅለፍ” ንዝበሎ ኃይለ ቃል መሠረት ብምግባር አትናቴዎስ ሐዋርያ ንዝሃቦ መለበሚ ቃል ከነቕድም ኢና።

ነጽሩ ዘከመ እፎ ወድቁ ውስተ ዕበደ ስሕተት ከመዝ ወእሙንቱ ይሔልዩ ከመ ጠቢባን እሙንቱ ርእዩ ዕበየ ዝንቱ ኃጢአ ልቡና ወዕበድ ዘወድቁ ውስቴቱ እስከ ፈጠሩ ሎሙ ዘኢሀሎ ውስተ መጻሕፍት ወዘኢይትረከብ። (ኢሳ ፭፥፲፱-፳፩ ዮሐ ፰፥፵፬-፵፭) (ብኸመይ ዝኣመሰለ ድንቍርና ከምዝተተሓዙ ፍለጡ፤ ንገዛእ ርእሶም ፈላጣት ከምዝኾኑ ይሓስቡ። ንዝወደቑሉ ምስኣን ኣእምሮን ብዝኂ ስንፍናን ርኣዩ። ኣብ መጻሕፍቲ ንዘየለን ኣብ መጻሕፍቲ ንዘይርከብን ካብ ልቦናኦም ኣንቂዖም ክሳብ ምዝራብ በጺሖም።) (አትናቴዎስ ምዕራፍ ፳፬፥ ክፍሊ ፫ ቍ. ፬)

ናይ ወላዲተ ቃል ክብርን ምስጋናን

ቅዱሳን ኣቦታት “በመኑ በአምሳሉ መኑ ናስተማስለኪ..” ከምዝበለዎ ቅድስናን ኽብሪ ልዕልናን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብልሳን ሰባት ተገሊጹ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ወላዲተ አምላክ ድንግል ማርያም ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ክብሪ ኣለዋ። ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ፍጥረታት ድማ ዝኸበረት ብምዃና፡ ልዕሊ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ቀዳሚት ኮይና ትኽበር፤ ትምስገን። ስለዚ ድማ እዩ መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ ብምባል እነኽብራ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዕለታዊ ኣገልግሎታን ኣብ እተቕርቦ ጸሎትን እዚ ሓቂ’ዚ ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ንሳ ብፍሉይ ክትክበርን ክትምስገንን ዝገብራ ከኣ ካብ ልዑለ ባህርይ እግዚአብሔር ዝተዋህባ ክብርን ጸጋን ፍሉይን ልዕል ዝበለን ስለዝኾነ እዩ። ንድኅነት ዓለም ኣቐዲሙ ዝኃረያን፤ እቲ ዘቋጸሮ ዘመን ምስ ኣኸለ ድማ ቤዛ ዓለም ንዝኾነ ኣምላኽ ዝወለደት ወላዲተ ቃል ስለዝኾነት ወትሩ ብዝተፈላለየ ምስጋናን ክብርን ከነመስግና ንነብር። እግዚአብሔር ገሊጹሎም ቅዱሳን አበውን ነቢያትን ካብ ኣዳም ጀሚሩ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መገዲን ብምሳሌን ብትንቢትን ንዝገለጽዋ ኣዴና፤ ዘመን ምልኣት ምስ ኮነ ድማ ብሰማያውያን መላእኽትን ምድራውያን ሰባት ንዝተመስገነትን ክሳዕ ዘለዓለም ከኣ እናተመስገነት ንእትነብር ቅድስትን ንጽሕትን ድንግል ወእም ዝኾነት እመ ብርሃን ወላዲተ አምላክ ንሕና’ውን ከነመስግናን፤ ኣመስጊና ድማ ጸጋን ረድኤትን ክንረክብ ይግባእ። ቅዱሳት መጻሕፍት’ውን ብርግጽ ነዚ እዮም ዝምህሩና።

እምበኣር እግዚአብሔር ኣምላኽ ብፍሉይ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ንቃላ ምኽንያት ገይሩ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ብምውሳድ ኣብ ዝተጸንሰሉን ኣብ ዝተወልደሉን እዋን ብዘደንቕ ምሥጢር ማኅተመ ድንግልናኣ ኣይለወጠን። ከምቲ ንነቢይ ኢሳይያስ ዝነገሮ፤ ንብዓል ሕዝቅኤል’ውን ዝገለጸሎም፤ ንጠበበኛ ሰሎሞን ይኹን ንካልኦት ነቢያትን ኣበውን ዘተስፈዎም ንኣምላኽ ኽትወልድ ዝተኃረየት ቅድስት ኣደ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ምውላዳ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ወይውን ምሥጢር ከምዘይኮነ ምስትውዓል የድሊ። ቅዱስ እግዚአብሔር ሰብ ክኾነሉ ንዝመረጾ ድንቂ ልደት ወትሩ አንክሮ ተዘክሮ ይግባእ። ስለዚ ሓዋርያዊት ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንኣምላኽ ዝወለደት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድመ ጸኒስ፡ ጊዜ ጸኒስ፡ ድኅረ ጸኒስ፤ ቅድመ ወሊድ፡ ጊዜ ወሊድ፡ ድኅረ ወሊድ፡ ኅትምት ብድንግልና ስርጉት ብቅድስና ምዃና ትምስክር። ካብዚ ዚወጸ ትምህርቲ ብፊደል ይኹን ብመንፈስ ኣይትቐበሎን እያ።

ካልኣይ ልደቱ ኅትምት ብድንግልና ካብ ዝኾነት ኣደ ክኸውን ዝመረጸ ጐይታ፤ እንበለ ሩካቤ እንበለ ዘርአ ብእሲ ምውላዱ ምሥጢሩ ምርኣይን መሠረቱ ምስትውዓልን፤ ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ብዝግባእ መልሲ ዚህብ እዩ።

''እታ ሰበይቲ”ን ዘርኣን''

ልዑለ ባሕርይ እግዚአብሔር ድኅሪ ውድቀት አዳምን ሔዋንን ኣብ ልዕሊኦም መርገም ክእውጅ ከሎ ተስፋ ትንቢት ኣስኒቕዎም ነበረ። “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቖ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ክትነክስ ኢኻ፡ በሎ።” ዝብል ከኣ ነበረ። (ዘፍጥ ፫፥፲፭/315) ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ዝተጻሕፈ’ውን “ካብ ጓል ጓልካ ተወሊዳ ከድኅነካ እየ” ብዝበሎ ቃሉ ኣጽኒዑሉ ነበረ። እዚ ኸኣ መፍቀሬ ሰብእ ዝኾነ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝመደቦ መገዲ ድኅነት ዘመላእኽት ቃለ ተስፋ ነበረ። ምስኡ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ቀዳመይቲ ሔዋን ዝተኣወጀ መርገም “ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕር ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝኆ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ…” ዝብል ነበረ።

እዚ ቃል ትንቢት እዚ ንጊዜኡ ኣብ ሞንጎ እታ ቀዳመይቲ ሔዋንን ጥንተ ጸላኢና ዲያብሎስ ንዝተተኽለ ጸብእን ክርክርን ዘመልክት ኮይኑ፡ ፍጻሜኡን ምሥጢሩን ግና ኣብ ልዕሊ ዳግማዊት ሔዋን ድንግል ማርያምን ምክንያተ ስሕተት ኣብ ዝኾነ ዲያብሎስ ንዝህሉ ጽልኢ ዝገልጽ እዩ (ራእ ፲፪፥፩-፲፯/121-17)። ከምኡ ድማ ዘርኢ እታ ‘ሰበይቲ’ (ድንግል ማርያም) ኣብ ዝኾነ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ሠራዊተ ኣጋንንትን ዝህሉ ጽልኢ የረድእ። ነዚ ኸኣ ቅዱስ ዳዊት ንሱ እግዚአብሔር መድኃኒት ኣብ ማእከለ ምድር ኣብ ቀራንዮ መድኃኒት ከምዝገብር ድኅሪ ምግላጽ ብኸመይ ኣገባብ ዝፍጸም ምዃኑ ከብርህ ከሎ ብኸምዚ ዚስዕብ ትንቢት ገሊጽዎ ነበረ “ወአንተ ቀጥቀጥከ አርእስቲሁ ለከይሲ” (ኣርእስቲ እቲ ተመን ቀጥቂጥካ) መዝ (፸፫፥፲፬/7414)። ከምቲ ትንቢት ድማ ወልደ አብ ወልደ ማርያም መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ጥንተ ጸላኢና ንዝኾነ ተመን ዲያብሎስ ርእሱ ኣብ መስቀል ቀጥቒጥዎ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ “ቀነዉኒ እደውየ ወእገርየ” (ነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮሙኒ) (መዝ ፳፩፥፲፮/2216) ከምዝበለ ጸላኢ ዲያብሎስ ኣብ ልቦና ኣይሁድ ሓዲሩ ናይ መድኃኒና ቅዱሳት ኣእጋር ብቀኖት ከምዝሽንከራ ገይሩ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ድንቂ ምሥጢር ከረድእ ከሎ “ፍጻሜ ዘመን ምስ በጸሐ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ እግዚአብሔር ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።” (ገላ ፬፥፭/45) እምበኣር እቲ ኣቐዲሙ ንሔዋን ዝተነግራ ቃል እሞ ኣደ ጐይታናን መድኃኒናን ክትከውን እተመርጸት ‘ሰበይቲ’ ቅድስት ድንግል ማርያም ምዃና ነስተውዕል ኣሎና ዶ፧ እቲ ተስፋ ድኅነት’ውን ካብ ድንግል ማርያም ብዝተወልደ ጐይታ ከምዝተፈጸመ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ጐይታ ቀዳማይ ተኣምሩ ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ዝፈጸመሉን፤ ንድኅነተ ዓለም ኣብ ቀራንዮ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ዝተሰቕለሉ ነቲ ዝፈትዎ ወዲ መዝሙሩ ንኣዴኡ ከርክባ ከሎን “አንቲ ሰበይቲ” ምባሉ እቲ ተስፋ ትንቢት ብዓኣ ከምዝተፈጸመ ክንርዳእ ንኽእል።

ዳግማዊት ሔዋን ድንግል ማርያም

ቀዳመይቲ ሔዋን ንፍቓድን ቃልን እግዚአብሔር ብዘይምእዛዛን፡ እምንቲ ኮይና ብዘይምጽንሓን ንኵሉ ወዲ ሰብ መርገምን ሞትን ኣምጽኣትሉ። ብኣንጻሩ ድማ ዳግማዊት ሔዋን ዝተባህለት ቅድስት ድንግል ማርያም ንፍቓድን ቃልን ፈጣሪኣ ተኣማኒ ብምዃናን ብምእዛዛን ኣብ ትሕቲ መርገምን ሞትን ወዲቑ ንዝነበረ ኵሉ ወዲ ሰብ በረኸትን ሕይወትን ኣምጺኣትሉ። (ያዕቆብ ዘሥሩግ) ፍቕራን ጣዕማን ኣስተማቒሩ፡ ውዳሴኣ ኣብዚኁ እተቀነየ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ’ውን “በእንተ ሔዋን ተዐፅወ ኆኅተ ገነት፤ ወበእንተ ማርያም ድንግል ተርኅወ ለነ ዳግመ” (ብሰንኪ ሔዋን ማዕጾ ገነት ተዓጽወ፤ ሳላ ድንግል ማርያም ግና ዳግማይ ተኸፍተልና) ብምባል ኣመሥጢሩዎ ይርከብ። (ውዳሴ ማርያም) ካብቶም ዝቐደሙ አበው ሊቃውንት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ሄሬኔዎስ’ውን ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኃይለ ቃል መሠረት ብምግባር ድንግል ማርያም “ዋሕስ ሔዋን መመክሒ ሔዋን” ክብል ገሊጽዋ ነበረ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ካብ ብሥጋዌ ምሥጢር ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ዝፈጸሞ ናይ ድኅነት ሥራሕ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዝገለጸሉ ድንቂ ምሥጢር እዩ። ብምዃኑ’ውን እታ ቀዳመይቲ ሔዋን ብምኽሪ ከይሲ ተታሊላን፤ ክፉእ ምኽሪ ሰሚዓን ተቐቢላን ንደቂ ሰባት ምኽንያት ውድቀትን ፍርዲ ሞትን ኮይና ተረኺባ ነይራ። ብኣንጻሩ ድማ ዳግማዊት ሔዋን ዝተሰምየት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ካብ ዝቐውም መልአከ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ቃለ ብስራት ሰሚዓ “ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ” (ከም ቃልካ ይኹነለይ) ብምባል ብእምነት ስለዝተቐበለቶ ምክንያተ ድኂን ኮነትና። ነዚ ቃላ ምኽንያት ገይሩ ድማ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሥግኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ነሢኡ (ወሲዱ) ኣብ ማኅፀና ሓደረ። ብምዃኑ ድማ ቀዳሚት ሔዋን ምኽንያት ስሕተት፡ ምኽንያት ሞት ብምዃና ክወቕሳን ክኸሳን ዝነበረ ኵሉ ወዲ ሰብ፤ ምኽንያት በረኸትን ሕይወትን ብዝኾነት ዳግሚት ሔዋን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተጸናኒዑ፤ “ብፅዕት አንቲ እንተ ተአምኒ ከመ ይከውን ቃል ዘነገሩኪ እምኀበ እግዚአብሔር” (ካብ እግዚአብሔር ተላኢኾም ካብ እግዚአብሔር ረኺቦም ንዝነገሩኺ ከምዝፍጸም ዝኣመንኪ ንስኺ ብሓቂ ብፅዕቲ ኢኺ፤ ንዕድቲ ኢኺ ክብርቲ ኢኺ” እናበለ ዘመስግና ኮይኑ ኣሎ። ንሳ ባዕላ’ውን “እምይእዜሰ ያስተበፅዑኒ ኵሉ ትውልድ” ዝበለቶ ነዚ ዝምልከት እዩ። (ሉቃ ፩፥፳፰-፴፰/128-38 ሉቃ ፩፥፵፭/145)

ብሰንኪ ሔዋን ካብ እግዚአብሔር ከምዝተፈለናን ካብ ጸግኡ ከም ዝረሓቕናን፡ ብቅድስት ድንግል ማርያም ግና ዝቐረብናን ዝሠመርናን ኮይንና። ነዚ ኣመልኪቱ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ቅዱስ ያሬድ’ውን “በእንተ ተሠግዎቱ ለወልደ አምላክ እምኔኪ ቅሩባነ ኮነ እምድር ውስተ አርያም፤ ብኪ ወበስመ ወልድኪ” (ወልደ እግዚአብሔር ካባኺ ሥጋ ስለዝተዋሐደ ብኣኺን ብስም ወድኽን ካብ ምድሪ ናብ አርያም ዝቐርብና ኮንና።) ይብል (አንቀጸ ብርሃን)። እዚ ማለት ኸኣ ቃለ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ካባኺ ሰብ ብምዃኑ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ፤ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፤ ካብ መርገም ናብ በረኸት፤ ካብ ኃሣር ናብ ክብሪ፤ ካብ ሲኦል ናብ ገነት ተሰጋገርና ማለት እዩ። አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ’ውን “ለእመ ኃሠሥካ ለሔዋን ትረክባ በህየ እንዘ ትትፌሣሕ በወለታ ዘአምጽአት ላቲ ፈውስ ለቍስሊሃ፤ ለእመ ኃሠሥኮ ለአዳም ትረክቦ በህየ እንዘ ይትፌሣሕ ወይገብር በዓለ ምስለ ዳግማዊ አዳም” (ዳግማዊት ሔዋን ዝተባህለት ቅድስት ድንግል ማርያም ፍሬ ሕይወት ወመድኃኒት ዝኾነ ጐይታ ዝተረኽበላ፡ ኣማናዊት ዕፀ ሕይወት ብምዃና ዕፀ በለስ በሊዓ ሞት ንዘምጽኣትልና ንቀዳማዊት ሔዋን ካሕሳ እያ። ምኽንያቱ ካብ ዳግማዊት ሔዋን ካብ ድንግል ማርያም ዝውለድ ፍሬ ማኅፀና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘርሕቕ፡ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍስ ዝዕድል፡ ሕይወተ ሥጋ ሕይወተ ነፍስ ዝህብ፡ ቀዳሴ ሥጋ ወነፍስ ዝኾነ ቡሩኽ ኣምላኽ እዩ። (ቅዳሴ ማርያም ትርጓሜ)

ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ “ወበእንተ ዝንቱ አስተርአየ ወልደ እግዚአብሔር ከም ይስዐር ግብሮ ለጋኔን” (ሥራሕ ዲያብሎስ ኬፍርስ ምእንቲ ወዲ እግዚአብሔር ተገልጸ) ኢሉ ከምዝመስከሮ፤ ጥንተ ጸላኢና ዲያብሎስ ብሥጋ ከይሲ ተሠዊሩ ንኣዳምን ሔዋንን ከምዘስሓተ፡ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ብሥጋ ብእሲ ተሠዊሩ (ብተዋሕዶ) ናብ ዝቐደመ ጸጋን ክብርን መለሶም። (ቀዳማይ ዮሐ ፫፥፰/38) (ዘፍ ፫፥፩-፲፬/31-14) ነዚ ምሥጢር ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን አሞንዮስን አውሳብዮስን ኣብ መቅድመ ወንጌል ክገልጽዎ ከለዉ “ወበከመ ተኃብአ ሰይጣን በጉሕሉቱ ውስተ ሥጋ ከይሲ፤ ከማሁ ኮነ ድኅነትነ በተሠውሮተ ቃለ እግዚአብሔር በዘመድነ” (ሰይጣን ብሥጋ ከይሲ ተሠዊሩ ንኣዳም ከምዘስሓቶ፤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ብእሲ ተሠዊሩ መጺኡ ንዓለም አድኃነ) ብምባል ገሊጾሞ ኣለዉ። 

                                                                                                                 ይቅጽል...

No comments:

Post a Comment