Monday, February 6, 2012

አቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ብዕለት ፳፱ ጥሪ ናብ ዝኽበር፡ ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ (ዕፉን) ብሰላም ኣብጸሓና። እዞም ጻድቕ እዚኦም ምስ ቅዱስ ኣቦና አቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ ካብ ዝነበሩ ተምሃሮን ኣርድእትን ሓደ ኮይኖም፤ ብቕዓቶም ተመስኪሩሎም ብባርኾት አቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ (ብወገን ሰሜን ሩባ ዑበል) ንዝርከብ ገዳም ወግረ ስሂን ዝመሥረቱ እዮም። ስሞም ምስ አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ዝመሳሰል ይኹን ደኣ እምበር ክልቲኦም በበይኖም ምዃኖም ምስትውዓል የድሊ። እምበኣር ኣብቲ ገዳም'ቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ካብ ዝተዘርገሐ ትምህርታዊ ጽሑፍ ንዝረኸብናዮ ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። በረኸትን ረድኤትን ናይዞም ጻድቕ ኣቦና ምስ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ልደትን ኣተዓባብያን

አቡነ እንድርያስ ዕፉን ትውልዶም ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ አኵለ ጒዛይ፡ ንኡስ ዞባ ደቀ መሓረ ኮርባርያ እዮም። ስም ኣቡኦም ቀሺ መንክር፡ ስም ኣዲኦም ከኣ ጸዳለ ብርሃን ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ወለዲ ሃብታማት ነበሩ። ውላድ ግና ንግዚኡ ኣይነበሮምን። ድኅሪ ነዊሕ እዋን እግዚአብሔር ውላድ ከምዝረኽቡን፡ ቡሩኽን ዓቢን ከምዝኸውንን ስሙ እውን እንድርያስ ከምዝበሃል ብሕልሚ ኣርኣዮም። በዚ መሠረት ከኣ ፳፱/29 ሚያዚያ ተጸኒሶም ብ፳፱ ጥሪ ብዘይጻዕሪ ተወልዱ። ምስ ተወልዱ ከኣ ቅድሚ ኵሉ ንምብራቕ ገጾም ሰጊዶም ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ኣብ ጥምቀቶም እውን እቲ ማይ ከም ጸባ ጻዕድዩ ተራእየ። 

ናይዞም ቅዱስ ኣቦ እዚኦም መንፈሳዊ ሕይወት ገና ኣብ ዕድመ ቁልዕነት ከለዉ እዩ ዝጅመር። ኣብ ዝወፈሩሉ ዘበለ ኸኣ ኵሉ ሥራሕ ብጸጋ እግዚአብሔር ይፍጸመሎም ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንአቡነ መርቆሬዎስ መልአክ እግዚአብሔር ኣብ ኮርባርያ ዝተባህለ ዓዲ ኪድ ንዓኻ ዝኸውን ውላድ ክትረክብ ኢኻ በሎም፤ ባርኮ ግና ኣይትማልኣዮ ስለዝበሎም ከይዶም ባረኽዎም። እቶም ስድርኦምውን ብጽቡቕ ተቐበልዎምን ኣአንገድዎምን። ብድኅሪኡ ወዲ ኃሙሽተ ዓመት ምስ ኮኑ፡ ብሕልሚ ንአቡነ መርቆሬዎስ ግሩምን ዘብህግን ፈላሲ ኮይኖም ርኣይዎም፤ መደብ ኣምላኽ ስለዝነበረ ድማ ኅልንኦም ተለዓዒሉ ናብ ደብረ ድማኅ ከዱ። ኣብ ቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ ትምህርቲ ሃይማኖት እናተማህሩ ድኅሪ ምዕባይ፡ መወዳእታ ድማ ዓለም ንድኅሪት ገዲፎም ንእግዚአብሔር ከገልግሉ ብዝወሰድዎ ምርጫን ውሳነን ማዕረገ ምንኵስና ካብ ቅዱስ ኣቦና አቡነ መርቆሬዎስ ተቐበሉ።

ተጋድሎ አቡነ እንድርያስ

ኣብ ደብረ ድማኅ እውን ብረድእናን ብሕትውናን ጽሙድ ተጋዳሊ ኮይኖም ክሳብ ራእያት ክርእዩን፡ ተኣምራት ክገብሩን ዘኽእል ብቕዓት ክረኽቡ ከኣሉ። ዋላ እኳ ብዕድመ ንእሽቶ እንተነበሩ መንፈሳዊ ተግባሮም ግና ኣዝዩ ዘደንቕ ነበረ። ቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ እውን ነቲ ኣብ ደቆም ዝረአ ዝነበረ መንፈሳዊ ዕቤት ብዓይኒ መንፈስ ይከታተልዎን ይጥምትዎን ስለዝነበሩ፡ እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝርከብ ጸጋ ወርትግ እናዓበየን እናበዝኀን ምእንቲ ክኸይድ ፈተና ኣጋንንት ንምስዓር ዘኽእሎም ትሩፋት ኣብ ርእሲ ትሩፋት ክገብሩ ከምዝግብኦም ኵሉ ጊዜ ይምህርዎም ነበሩ።

ነዚ መምርኂ እዚ ብምኽታል ኣቡነ እንድርያስ ካብ ቅዱስ ኣብኦምን መምህሮምን ኣፍቂዶም፡ ብጽኑዕ ተባሕትዎ ኣብ ከባቢ ዳምባ ምጭ ኣብ ዝርከብ ኣብ ሓደ በዓቲ ተዓጽዮም ብጸሎትን ብጸሎትን ጾምን ስግደትን ተወሲኖም ነዊሕ እዋን ድኅሪ ምቕማጥ፡ ናብ ገዳም ደብረ ድማኅ እንዳ አቡነ መርቆሬዎስ ተመሊሶም መጹ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዳምባ ምጭ ብርቱዕ መንፈሳዊ ምንቕስቓስ ዝነበሮ ጳጳሳት ዘይፍለይዎ ስሙ ዝተጸወዐ ገዳም ከምዝነበረ ኣብ ገድሊ ኣቡነ እንድርያስ ተጻሒፉ ኣሎ።

አቡነ እንድርያስ መጋቤ ኮይኖም የገልግሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ገበል ኣብ ገንኢ ናይ ስዋ ስለ ዝኣተዎም በጃ ማኅበር ነቲ ስዋ ብገንበዞው ብምስታይ ንሓደ ተምሃራይ “እንተ ሞትኩ ማኅበር ከይሰቲዋ” ብምባል ተላብዮም ሰተዩ። ቅድሚኡ ግና ስዋ ኣይሰትዩን ነበሩ እሞ፡ ሓደ ካብ ማኅበር ብማዕዶ ርእዩ ናብ አቡነ መርቆሬዎስ ብምኻድ “ኣይሰትን እየ እናበለስ ተሓቢኡ እባ ይሰቲ እዩ” ኢሉ ነገሮም። ንሶም እውን “ኣታ እንድርያስ ወደይ ስለምንታይ ደኣ ከምዚ ትገብር” ኢሎም ሓተትዎም። ንሶም’ውን “እሞ እዛ ምርኩሰይን፡ እታ ዝሰተኹላ ጎንበዞን ዘይምስክራ” ምስ በሉ እታ ምርኩስን ጎንበዞን ናብ አቡነ እንድርያስ ብምስጋድ “ንሶምሲ ምእንቲ ማኅበር ከይጉዳእ በጃ ደኣ ኮኑ እምበር ስዋ ብሂጎም ኣይሰተዩን” ብምባል ስለ ዝመስከሩ “ኣታ እንድርያስ ወደይ እምበኣር ድኅሪ ደጊም ምሳይ ኣይክትነብርን ኢኻ፤ ኣብዚ ዘብቕዓካ እግዚአብሔር ይመስገን፤ ክፍሊ ርስትኻ ድማ ብወገን ደቡብ ኮይኑ ክትከይድ ከለኻ ኣብ ትሓድሮ ዓዲ ሓንቲ ወዳ ዝሞታ ሰበይቲ ኣብ ከቢድ ብኽያትን ሓዘንን ክትጸንሓካ እያ። ነቲ ዝሞተ ቆልዓ ምስ ኣተንሣእካዮ ኸኣ ጉዕዞኻ ብምቕጻል ርሒቕካ ምስ ከድካ፡ እታ ክፍልኻ ዝኾነት ገዳም ብብርሃን ባና ተዓፊና ክትርእያ ኢኻ” በልዎም። ይኹን ደኣ እምበር ኣቦና ካብ አቡነ መርቆሬዎስ ክፍለዩ ኣይደለዩን ነበሩ። ፍቓድ እግዚአብሔር ስለዝዓቢ ግና ብብዙኅ ሓዘን ናብኣ ከዱ።

ምእታው አቡነ እንድርያስ አብ ወግረ ስሂን
በዚ መሠረት’ዚ አቡነ እንድርያስ እውን ከምቲ ዝተነግሮም ንደቡብ ኣቢሎም ጉዕዞኦም ኣምርሑ። ኣብ ዓረዛ ምስ በጽሑ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ተኣልዮም ጸሎት ኣብ ዘብጽሑሉ እዋን ደቂ እቲ ዓዲ ሬሳ ተሰኪሞም መጹ። እታ ወዳ ዝሞታ ሰበይቲ ድማ በቲ ዝወረዳ ሓዘን ዳርጋ ኣብ ጽላለ ኣቢሉ ኣድሂቡላ ኣምሪራ ትበኪ ነበረት። አቡነ እንድርያስ ድማ እቲ ብኣቡነ መርቆሬዎስ ዝተነግሮም ትንቢት ትዝ ስለዝበሎም ነቶም ሰባት ካብቲ ሬሳ ከምዝፍንተቱ ጌሮም ናብቲ ዓራት ብምቕራብ “ኦ ጐይታይን ኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጸሎት ባሮትካ ሰሚዕካ ሕሙማት እትፍውስ፡ ምውታት እተተንሥእ፡ ሕዙናት እትናዝዝ ኣምላኽ ኢኻ እሞ ንአልዓዛርን ጓል ኢያኢሮስን ወዲ እታ መበለትን ኣተንሢእካ ንብኽያት እቶም ሕዙናት ናብ ፍስሓን ሓጐስን ከምዝቐየርካ፤ ሕጂ ድማ ነዛ ብምኽንያት ሓደ ወዳ ኣብ ሓዘን እትርከብ ዘላ ኣደ ውላዳ ካብ ሞት ኣተንሢእካ ሓዘና ናዝዝ፤ ቀዳማይን ዳኅራዋይን ንስኻ ኢኻ እሞ እቲ ናይ ቀደም ግብሪ ተኣምራትካ ሕጂ ኣብ ቅድሚ እዚ ኵሉ ሕዝቢ ፈጽሞ” ክብሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብጸሎት ቀረቡ። 

ብድኅሪ እዚ ጐይታ ጸሎቶም ሰሚዑ ነቲ ወዲ ኣተንሥኦ። ነዚ ተኣምራት’ዚ ዝረኣየ ሕዝብን፡ እታ ኣደን ድማ በቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝተፈጸመ ተኣምራት ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ብድኅሪ እዚ አቡነ እንድርያስ ጉዕዞኦም ክቕጽሉ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን እቲ ሕዝቢ “ባርከነ አባ” እናበሉ ክውዕሉ ክሓድሩ ለመኖም። ቃለ እግዚአብሔር እናመሃሩ ከኣ ኣብኡ ቀነዩ። ንመፍቅድ ኣርድእቶም ዝኸውን ካብቲ ሕዝቢ ዝረኽብዎ እኽሊ ብዙኅ ስለዝነበረ ድማ ዝውጥሕዋ በቕልን ዝጸዓና መጽዓኛን ሂቡ ብኽብሪ ኣፈነዎም። ክኸዱ ከለዉ ኸኣ ንዓረዛ ጸጋን በረኸትን ሽመትን ክብረትን ኣይርሓቕኩም ብምባል መረቕዎም። ከምዚ ኢሎም ብዝባን ደብሪ ኃሊፎም፡ ዓዲ ተስፋልዑል ቅልቅል ምስ በሉ ድማ ገዳም ወግረ ስሂን ከምቲ ብትንቢት ዝተነግሮም ብብርሃን ባና ተዓፊና ረኣይዋ እሞ ንኣምላኾም ኣመስገኑ። እቲ ቦታ ብብርሃን ተጎልቢቡ ስለዝጸንሖም ከኣ ዕፉን እዩ ተባህለ።

ጉዕዞኦም ብምቕጻል ቁልቁል ወሪዶም ነቲ ዓቐበት ተተሓሕዝዎ። እዋኑ ቀትሪ ኮይኑ ፀሐይ ስለዝመረሮምን ሽምግልና እውን ስለዝኸበዶምን ኣብ ሓደ እምኒ ተጸጊዖም ኣዕረፉ። እቲ ዓቢ እምኒ ግና ከጽልሉሉ ብዝኽእል መልክዕ ዕጽፍ ኢሉ ጽላል ኮነሎም። ክሳዕ ሕጂ ኸኣ ምዕራፍ አቡነ እንድርያስ እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ። ንበረኸት ኢሉ ኣብኡ ኮፍ ከይበለ ወይ ከይዓረፈ ዝሓልፍ ጋሻ ዳርጋ የልቦን።

አቡነ እንድርያስ ዓቐበት ወዲኦም ጥርዘ ጥርዚ ቀጺሎም ምስ ከዱ፡ እቲ ብርሃን ባና ከም ግመ ቅንጥጥ በለ እሞ ዓቢ በዓቲ ረኺቦም ኣብኡ ኣትዮም ተቐመጡ። እቶም ኣርድእቶም ኣብ ከባቢኦም ክሰፍሩ ከለዉ፡ ሰብ ዓረዛ ድማ ምርቓኦም ተቐቢሎም ንዓዶም ተመልሱ። አቡነ እንድርያስን ደቀ መዛሙርቶምን ኣብቲ ኣንበሳን ነብርን ገበልን ጥራይ ዝነብርዎ ብዱር ዝተሸፈነ ጽኑዕ በረኻ ድምጺ ኣራዊትን፡ ግርማ ለይቲን፡ ጸብአ ኣጋንንትን ተዓጊሶም ቋርፍ በረኻ እናተመገቡ፡ ከምኡ እውን መንገዲ ክልተ ሰዓት ዝኸውን ርሕቀት ከይዶም ማይ እናሰተዩ ይነብሩ ነበሩ።

ዕረፍቶምን ዝተዋህቦም ቃል ኪዳንን

አቡነ እንድርያስ ብብዙኅ ተጋድሎን ትሩፋትን ኣብ ገዳሞም ክነብሩ ምስ ጸንሑ፡ “ግብረ ዘውሃብካኒ ፈጸምኩ” ብምባልን ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሎምን ፳፱ መጋቢት ፲፬፻፹፬ ዓ.ም. ካብዚ ዓለም እዚ ብሞት ተፈልዮም ኣብኡ ኣብቲ በዓቶም ተቐብሩ። ቅዱስ ኣቦና አቡነ እንድርያስ ስምካ ዝጸውዐ፡ ብዙኅ ይኹን ውሑድ ከም ክእለቱ ተዝካርካ ዝገበረ፡ አልዓዛር ኣብ ሕቝፊ አብርሃም ከምዝረፈቐ ኣብ ሕቝፍኻ ክረፍቕ እዩ። ብዕለት በዓልካ ዝተሳለሙ ዝነገዱ ከም ፈያታይ ዘየማን ንባሕረ እሳት ብዘይ ፍርሓት ክሰግሩ ትብዓት ክህቦም እየ። መጽሐፍ ገድልኻ ዝሰምዑ ንመንግሥተ ሰማያት ዘብቅዕ ቃል ሕይወት ከስምዖም እየ። ኣብ ምድሪ ደቂ ማኅበርካ ዝኾኑ ፍቕዶም ምስ ማኅበረ በኵር ክኸውን እዩ። ብጸሎትካ ዝተማዕቆቡን ስምካ ዝጸውዑን ተዝካርካ ዝገበሩን ኣብ ቅድሚ መላእኽተይ ክእመኖም እየ። ንመጽሓፍ ዕድኦም ክድምስስ እየ ዝብል ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ተዋሂብዎም እዩ።

ገዳም ወግረ ስሂን ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ፧

እዚ ገዳም’ዚ ከም ኵሎም ገዳማት ሃገርና ብብዝኂ መነኮሳት ዝመልአ ውዕዉዕ ገዳም ከምዝነበረ ይዝረበሉ። ሕጂ ግና እዚ ኵሉ የልቦን። ውሑዳት ዝሽምገሉ መነኮሳት እምበር ዝትክኡ ተምሃሮ ዝረኣይዎ ኣይኮነን። ብወገን እቶት እውን ዘለዎም የብሎምን። እቲ ክሳብ ሕጂ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ድማ እዚ ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሮሙሉ ዘለዉ በዓቲ እዩ። ማይ ልሒዅ ከይኣትዎ ብማለት ግና ብዚንጎ ከምዝኽደን ተጌሩ ኣሎ።

ካብቲ በረኸት ተሳተፍቲ ክንከውን ናይ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ሓገዝ ከምዘድልዮ እናዘኻኸርና ዝከኣለኩም ሓገዝን ቆላሕታን ክትገብሩሉ ነተሓሳስብ።

(መምህርን ማኅበርን ገዳም ወግረ ስሂን አቡነ እንድርያስ (ዕፉን))

2 comments:

  1. ohhhhhhhhhhh azyu xbuq xhuf ezi kea. Lomi gedamatna zmnkus seb tray zeykonas, zxhfelenn znegrelenn wn eyen s'enen zelewa.

    ReplyDelete
  2. behaki kendey menfesawi tegadelo zetefexemlom gedamat hagerna yebersa alewa, tarikenan menenetenan mesom yebers kemzelo keskurena alewo,

    etom berisom zbehalu gedamat entezehelwu nerom kendey tarik kedesena mengeruna nerom emo netom zelewu neakebom

    hawkum

    kale hiwot yesmalalna

    ReplyDelete