በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ንሎሚ ሓደ ግዱስ ተኸታታሊ መደብና ይጠቕም እዩ ብምባል ካብ መጻሕፍቲ
ሊቃውንት ሃገርና ካብ ዝረኸብዎ ጠቒሶም ንዝለኣኹልና ጽሑፍ ናባኹም ንዝርግሖ ኣሎና እሞ: ካልኦት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብዚ መደብ’ዚ
ሱታፌኹም ብኸምዚ ኣገባብ ክትቕጽሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብትሕትና ክንዕድም ንፈቱ።
ለኣኺ እዚ ጽሑፍ’ዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጦማርና “ምዕዶ አበው ዘደብረ ቢዘን” ኣብ ትሕት ዝብል ርእሲ ካብ መጽሓፍ
“መዝገበ ሃይማኖት” ጠቒስና ንዘውጻናዮ ጽሑፍ ኣንቢቦም: ካብ ዝኅተም ልዕሊ ኣስታት 50 ዓመት ዝገበረ “ወልታ ሃይማኖት” ኣብ
ትሕቲ ዝብል ርእሲ ብቀሺ ገብረሚካኤል ገብረሕይወት ብዝተባህሉ ሊቅ ካብ ዝተሰናደወ መጽሓፍ ንዝረኸብዎ ተመሳሳሊ ምዕዶ ንክልእኹልና
ከምዝተተባበዑ ገሊጾሙልና ኣለዉ።
መምህር ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ኣዳላዊ እዚ መጽሓፍ’ዚ: ምኽንያት
ጽሕፈት ዝኾኖም ነገራት ክገልጹ ከለዉ: ሓዋርያት መሲሎም ካብ ዘስሕቱ፤ ቍርበት በጊዕ ተኸዲኖም ካብ ዘጋግዩ ሓሰውቲ ብሃይማኖት
ተዓቂብና ክንነብር “ዋልታ እምነት” ክኾነና ብምባል ብንኡስ ዓቕሞም ንመናፍቃን ምላሽ ዘዳለዉዎ ምዃኖም ኣብ መቅድም መጽሓፎም ምግላጾም
ለኣኺና ኣብሪሆምልና ኣለዉ። “ወምክንያተ ጽሒፎቱሰ ለዝንቱ መጽሐፍ:
እንዘ ይብሉ “ተዓቀቡ እምሐሳውያነ ነቢያት እለ ይመጽኡ ኀቤክሙ በአልባሰ አባግዕ ወእንተ ውስጦሙሰ ተኵላት መሰጥ እሙንቱ”
(ማቴ ፯፥፲፭/7፥15)። እዚ መጽሓፍ’ዚ ብመጠን ትሕዝቶኡ ንኡስ ይኹን ደኣ እምበር መልእኽቱ ዓቢይ ምዃኑ ተሳታፊ ዓምድና ወሲኾም
ድኅሪ ምግላጾም: እዛ ሎሚ ዝሰደዱልና ጽሑፍ’ውን ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይዚ መጽሓፍ ዝርከብን: ንካህናትን ዲያቆናትን ዝቀንዐ ምዕዶ ምዃኑ ኣነጺሮሙልና ኣለዉ። ንለኣኺና ተክለሃይማኖት
ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብስም ተኸታተልቲ መደብና እናመስገንናን እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ዓስቢ ክህቦም እናለምንናን: ቅዳሕ እዚኣ መጽሓፍ
ከምቲ ዘተመባጽዑልና ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብኣድራሻና ክሰዱልና ተስፋና ምሉእ ምዃኑ ንገልጽ። ተሳትፎኹም ክቕጽል ከኣ ብስም ቅድስት
ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ንብል። ሕጂ ናብቲ ምዕዶ ንስገር: ንኵልና ኣስተውዒሉ ዝፍጽም ልቦና ይሃበና፦

