Thursday, May 24, 2012

ርክበ ካህናት (፬ይ ክፋል)


ሲኖዶስን ርክበ ካህናትን

ሓዋርያት ንዓለም ተኻፋፊሎም ድኅሪ ምምሃሮምን: በብሃገረ ስብከቶም ኤጲስ ቆጶሳት ገይሮም ንሓዋርያነ አበው ድኅሪ ምሻሞምን፤ ከምኡውን ኣብ ዘመነ ሊቃውንት ኵሉ ግቡእ ቅርጺ ምሕደርኡ ምስ ሓዘ: ርክበ ካህናት ብደረጃ ሲኖዶሳት (ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኤጴስ ቆጶሳትን) ብዝያዳ ክካይድ ዝጀመረሉ ኣገባብ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ብደረጃ ካህናት ዝግበር ጉባኤ ብሲኖዶሳት እናተዓብለለ ይምጻእ ደኣ እምበር ተሪፉ ማለት ኣይኮነን። ካህናት’ውን በብደረጅኦም በብሃገረ ስብከቶም ብኤጲስ ቆጶሳት እናተመርሑ ጉባኤያት የካይዱን ስለ ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ይዛተዩን ይማኸሩን ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ኸምዚ ዚኣመሰለ ርክበ ካህናት ከኣ ነቲ ላዕለዋይ ጉባኤ ሲኖዶስ: መሠረትን መጋቢ ሓሳባትን እዩ። ቅዱስ ሲኖዶስ ካብቲ ታሕተዋይ ኣካላቱ ብቀዳምነት ከኣ ብኤጲስ ቆጶሳት ወይውን ጳጳሳት ካብ ዝምራሕ ጉባኤ ካህናት ሓሳባትን ሓበሬታን እንተዘይረኺቡ: ርእሲ ብዘይ ኢድን እግርን ተሪፉ ማለት እዩ።

ሲኖዶስ ማለት ጉባኤ ማለት እዩ። ብቅዱስ ፓትርያርክ (ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት) ዝምራሕ ጉባኤ ጳጳሳት ማለት ኸኣ እዩ። እቲ ጉባኤውን ብወገን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓላለፍ ሕግን ሥርዓትን ዘወጽእን ዝውሰንን: ንኣገልገልቲ ካህናትን ምእመናን ዘመሓላልፍ ላዕለዋይ ሓጋጌ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ። ዋላ እኳ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ብማዕረገ ክህነት ዘለዉ እኳ እንተኾኑ: እቲ ንሳቶም በይኖም ዝገብርዎ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ይብሃል። ብቅዱስ ፓትርያርክ ከኣ ይምራሕ። ናይ ትሕቲኦም ዘለዉ ካህናት ጉባኤ’ውን: ብሥልጣንን ብመዝነትን ዝተሓተ ይኹን ደኣ እምበር ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተፈልየ ዕላማ የብሉን። ካህናት ብሓድነት ተጋቢኦም ብምክኻርን ብምምይያጥን ንጸገማቶም መፍትሒ ንምርካብ ሓሳብ መምርሒታት ኣውጺኦም: ድኅሪ ውሳነ ምሃቦም ንቅዱስ ሲኖዶስ ከቕርቡሉ ዝኽእሉሉ ኣኼባ ማለት እዩ። ናይ ክልቲኦም ጉባኤያት ውሕደትን ሓባራዊ ሥራሕን ከኣ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ጉባኤ ካህናት ክበሃል ከሎ’ውን (ሓሓንሳብ’ውን በቲ ናይ ቀደም ስሙ ርክበ ካህናት ዝብሃል) በይኑ ዝተነጸለ ጉባኤ ዘይኮነስ፤ ካህናት ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ብምዃን ካብቶም ዝጓስዮም ሕዝቢ ብቐረባ ብዝረኽብዎን፤ ሓቢሮም ካብ ዝነበርዎን ዝኻፈልዎን ዕለታዊ ሕይወትን መንፈሳዊ ጒዕዞን ተበጊሶም ዝገብርዎ ጉባኤ ብምዃኑ: ንኵሉ ሓሳብ ተገልጋላይ ምእመንን ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ዝውክሉሉ ጉባኤ ማለት እዩ። ስለዚ ቅዱስ ሲኖዶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ጌጋ ዘይርከቦ ላዕለዋይ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ዘብልዎ እቲ ሓደ፤ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብቶም ቅኑዓት ኣቦታት ሓዲሩ ምኽሩን ጥበቡን ዝገልጽን ዘይጋደፍን ብዘይካ ምዃኑ: ቅዱስ ሲኖዶስ ንኵሎም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን በብደረጅኡ ንዘሳትፉ ጉባኤያት ከም ሓደ ዝጠመረን ሓሳባቶምን ሓበሬትኦምን ብዝግባእ ዝሰምዕን ዝቕበልን ኣካል ብምዃኑ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ምስ ዝኸውን ግና ገለ ሽግር ኣሎ ማለት እዩ።  

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞኣ ንዝመጻን ንዘጋጥማን ኵሉ ነገራት ዘትያን መኺራና ኣጽኒዓን ትውስን። ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝውስኖ ውሳኔታት ቤተ ክርስቲያን ክትጥቐም፤ ክትጉዳእ ትኽእል እያ። ክትብርትዕ ክትደክም ትኽእል እያ። ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓይን እዩ። ዓይኒ እንተሓሚሙ ኵሉ ኣካላት ሕሙም ይኸውን። ዓይኒ ከም ምዃኑ ከኣ ምስቲ ብርሃን ዝኾነ ቃለ ክርስቶስ እናዛመደ፤ ብርሃናውያን ዝኾኑ መምርሒታት ምስ ዝፍኑ ኣብ ኵሉ ብርሃን ክበርህ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ዝካየድ ጉባኤ ከኣ ቅኑዕን ርቱዕን ይብሃል። ከምቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተራእየ ግና ከም ልዮን ዝኣምሰሉ ገለ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ሰዓብቶም መለካውያንን:  ምስ ኣኅዋቶም ዘይኮነስ ንኽብሮምን ረብሓኦም ከምኡውን ፍቓድ ቄሣር ክምልኡ ዝሰርሑ እንተኾይኖም እግዚአብሔር ኣምላኽ ክሠምሮ ዝኽእል ጉባኤ ክስራዕ ኣይክእልን እዩ። እግዚአብሔር ኣብ ሓደ ዝኾነ ልቢ ደኣ እምበር ኣብ ዝተኸፋፈለ ልቢ ክሓድር ፍቓዱ ኣይኮነን። “ብዘይ ብኣይ ገለ እኳ ክተገብሩ ኣይከኣለኩምን” ዝበለ ጐይታ ነቲ ንሕና ደቂ ሰባት ብሓሳብና ዘጸባብቕናዮን: ምስ ሥጋን ደምን ጥራይ ዝመኸርናዮ ድሌታትናን ከምዘይሠምሮ ርዱእ ነገር እዩ፤ እቲ ዝወሃብ ውሳነ’ውን ከም ሽንቲ ገመል ንድኅሪት እምበር ንቕድሚት ክሰጒመና ኣይከኣሎን እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣፍ ቅዱስ ጳውሎስ “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ።” ብምባል መጠንቀቕታ ዝሃበ (ሓዋ ፳፥፳፰)።

ስለዚ ብሓጺሩ ርክበ ካህናት ሎሚ ብደረጃ ሲኖዶስ ዝካየድ ጉባኤ ዝብል ትርጉም ዘለዎ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቀደም ዝነበረ ናይ ካህናት ጉባኤ ተሪፉ ወይውን ኣድላዪ ኣይኮነን ዘስምዕ ክኸውን የብሉን። እኳ ደኣ ብደረጃ ሃገረ ስብከትን ልዕሊኡን ጉባኤን ርክብን ክስራዓሉ ዝግባእ እዩ። ስለዚ ሓሓንሳብ’ውን ነቲ ብካህናት ዝግበር ጉባኤ እንተላይ ርክበ ካህናት እንተበልናዮ ምድንጋር ከይፈጥረልና ነዘኻኽር።

ዕላማ ርከበ ካህናት

ዛጊት ብዛዕባ ታሪኽን ኣገዳሲ ታራን ርክበ ካህናት ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረታዊ ንዝኾኑ ነጥብታት በብቝሩብ ክንጠቕስ ጸኒሕና ኢና። ዋላ ስሕት ኢላ ክንጠቕሶ ንጽናሕ እምበር: እቶም ወሰንቲ ዕላማታት ርክበ ካህናት ግና እንታይ እዮም ኢልና ምዝርዛር ድማ ማዕረ እቲ ታሪኽ ምፍላጡ ከገድሰና እዩ።

በብደረጅኡ ዝግበር ርክበ ካህናት ንዕብየትን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ጉባኤ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ: ርእሲ በይኑ ክዓዪ ከምዘይክእል፤ ጉባኤ ካህናት’ውን ኣእዳውን ኣእጋርን ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ሞንጎ መራሒ ዝኾነ ላዕለዋይ ኣካልን ቅዱስ ሲኖዶስን: ተመራሒ ዝኾነ ታሕተዋይ ኣካል ዝብሃሉ ምእመናንን ኮይኑ ንክልቲኡ ኣካል ዘራኽብን ዘወሃሃድን ዘሥምርን ወሳኒ ኣካል ከኣ እቲ ማእከላይ ኣካል እዩ። ብዘይ ከምዚ ዚኣመሰለ ጉባኤ ካህናት፤ ጒዳይ እቶም መራሕትን ተመራሕትን ርእስን እግርን ጥራይ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።

ብመሠረት ትምህርቲ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ኒቂያ ብዝተጋብኡ ሠለስቱ ምእት ሊቃውንትን፤ ርክበ ካህናት (ጉባኤ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ምስ ሊቀ ጳጳሳት) ካብ ዝተሃንጸጸሉ ጥንተ ዕላማታቱ እዞም ዚስዕቡ ይርከብዎ፦

  •        ኣብ ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንንን ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ሥራሕ ምዝርራብ (ወይትናገሩ ዘየከውን በእንተ ግብረ አብያተ ክርስቲያናቲሆሙ)
  •       ኣብ ገሊኦም ዝተሠወረ ትርጓሜን ምሥጢርን እቶም ዝተረፉ ክገልጽሎምን ክዛረራቡን ምእንቲ (ወኵሉ ዘዓጸበ ላዕለ መንፈቆሙ ፍካሬሁ)
  •        ኣብ ገሊኦም ንዝቀነነን ዝተጠውየን ሥርዓት: እቶም ዝተረፉ ምእንቲ ከቕንዕዎ (…ወሥርዓቱ)
  •        ኣብ ምእመናን ንዝህሉ ጥርጥርን ክሕደትን ካብ ልቦናታቶም ክርሕቑሎም ምእንቲ ክዘራረቡ (ወያሰስሉ ዕቅፍታተ እለ ይከውና ውስተ ቤተ ክርስቲያን)
  •        ኣብ ሞንጎኦም ባእስን ክርክርን እንተሎውን ብዕርቅን ስምምዕን ከዕርፍዎ ምእንቲ (ወለእመ ኮነት ጽልዕ ይፈጽምዋ በሠናይ)
  •        ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብዝተገብረ በደል፤ ቂምታን በቐልን ከይቋጽሩን፤ ይቕረ ብምብህሃል ከኣ ብሰላምን ክነብሩን: ነቲ ብድኅሪኦም ዘሎ ጾምን ከምኡውን ሃንደበታዊ መከራን ሞትን ብፍቕሪን ንጽሕናን ተዳልዮም ምእንቲ ክጸንሑን: ኣገልግሎቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ውኩፍ ክኸውን (ቀዳመይቲ ጉባኤ፦ ቀዳሚ እምቅድመ ጾመ ፵ (ትርጉም ጾመ ሓዋርያት) በዘያሰስሉ እከየ ወቍጥዓ፤ወትኩን ቍርባኖሙ በጾም ቅድስት ንጽሕት ወክብርት ለእግዚአብሔር) ( ካልኣይቲ ጉባኤ፦ እስመ ይበዝኅ ሕማመ ብድብድ ወሞተ ግብት በዘመነ ሐጋይ ወተወን)
  •        በብሃገረ ስብከቱ ብኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ልዕሊ ካህናት ይኹን ምእመናን ንዝተወሰኑ ፍርድታት (ውግዘት) ምምርማር
  •        ጸብጻባት ንምቕራብን: ዝኾነ ዝጽግሞም ነገር ምስ ዝህሉ ንምምኽኻርን ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ ይርከብዎም (ወከማሁ ጳጳሳትኒ ወኤጲስ ቆጶሳት ይትጋብኡ ኀበ ሊቀ ጳጳሶሙ ምዕረ በበዓመት በአምሳለ ውእቱ በከመ ኮኑ ሰብዓ መሳፍንተ ደቂቀ እስራኤል ያዓርጉ ኀበ ሙሴ ኵሎ ዘዐጸቦሙ። (እቶም ሰብዓ መሳፍንቲ ደቂቀ እስራኤል ዝጸገሞም ዘበለ ናብ ሙሴ የቕርብዎም ከምዝነበሩ፤ ብኸምኡ ተምሳል ኸኣ በብዓመቱ ሓደ ጊዜ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ኣብ ቅድሚ ሊቀ ጳጳሳቶም ይተኣከቡ።) (ፍት ነገ ኣንቀጽ ፬)
ብሓፈሻ’ውን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ዕላማ ርክበ ካህናት: ኣቦታት ንጒዳይ ቤተ ክርስቲያን ሓቢሮምን መኺሮምን ክውስኑ ዝተገብረ እዩ። ወኢይግበሩ ምንተኒ ግብረ ዐቢየ ወንኡሰ ዘእንበለ በምክሩ ወውእቱኒ ካዕበ ኢይግበር ግብረ ዐቢየ ዘእንበለ በምክረ ኤጲስ ቆጶሳት ኵሎሙ ከመዝ ይኩኑ በአሐዱ ኅብረት (እቶም ኤጲስ ቆጶሳት ዓቢይ ይኹን ንእሽቶይ ሥራሕ ነቲ ጳጳስ ከየማኸሩ ኣይግበሩ። ንሱ’ውን ድማ ብዘይ ምኽሪ ኤጲስ ቆጶሳት ዓቢይ ሥራሕ ኣይሥራሕ። ኵሎም ብሓደ ስምምዕን ሕብረትን ይንበሩ። ((ፍት ነገ ኣንቀጽ ፬፥፷፭)  ስለዚ ብሓጺሩ እዞም ጥንተ ዕላማታት ርክበ ካህናት ብመሠረት ሕጂ ዘለዎም ትርጓሜታትን ኣገባባትን ክረኣዩ ከለዉ ብኸምዚ ዚስዕቡ ነጥብታት ክጠቓለሉ ይኽእሉ እዮም፦  
 
  • ሃይማኖት ዝሰፍሓሉን ዝጸንዓሉን መገዲ ምምኽኻር፤ ተሞክሮ ምልውዋጥ፤ ዘይኣመኑ ዝኣምኑሉን: ዝኣመኑ ከኣ ሃይማኖቶም ዝጸንዓሉን ኣገባብ ዝምከረሉ:
  • ብሓፈሻ ፍቕሪ ዝማእከላ መንግሥተ እግዚአብሔር ኣብ ምድሪ ዝሰፍሓሉን ዝጸንዓሉን መገዲ ምኽሪን ሓሳብን ዝወሃበሉ:
  • ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ተዓቂቡ ዝቕጸሉሉ መገዲ ዝምከረሉ:
  • ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት (ወይውን ምዱብ እዋን ጸብጻብ) ንዝነበረ እወታዊ ይኹን ኣሉታዊ ገምጋም ሓዋርያዊ ሥራሕ ምግባር፤ ንዝመጽእ ኸኣ ውጥን ምህንጻጽ:
  • ኣብ ኣካይዳን ምሕደራን ምትግባር ውጥናትን ዘሎ ጸገማት ምልላይን መፍትሒ ምንዳይን 
  • ስለ ስብከተ ወንጌል፤ ምቛምን ምስፍሕፋሕን ሰባካ ጉባኤያትን ንጥፈታቶምን፤ ብዛዕባ ሰባክያን፤ ምምሕያሽ ናብራ ካህናት፤ ህልዊ ኵነታት ሕይወት ኣባጊዕ ምእመናን ምዝታይ፤ ሓሳባት ምንዳፍን..:
  • መምስ ጊዜን ዘመን ዝመጹ ጒዳያት ብመንጽር ሃይማኖትን ጽልዋ ምእመናንን ምግምጋምን ምምርማርን:
  • ኣጽራርን ዕንቅፋትን ቤተ ክርስቲያን ንዝኾኑ ጒዳያት ምምርማርን ምዝታይን:
ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ እዮም።

እምበኣር ከምዚኦምን ካልኦት ኣብዚ ዘይተጠቕሱ ዕላማታትን ንምስላጥ: ርክበ ካህናት ይኹን ጉባኤ ካህናት ከንቱ ዝኾነ ሥጋዊ ረብሓን ቄሣራዊ ኣእዳውን ከየዐሸዎን ከምኡውን ካልእ ከንቱ ነገራት ከይወጠጦን: ብመሠረት ሓዋርያዊ ተልእኾን ብቅንዒ ሃይማኖትን ተበጊሱ ምስ ዝዝትይ ንቤተ ክርስቲያን ክንደይ ዝኣክል ረብሓ ዘለዎ ነገራት ከበርክት ከምዝኽእል ብቀሊሉ ክንርድኦ ንኽእል።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ስሙ እምበር ከምቲ ዝግባእ ግብሩ ዘይንርእዮ ጉባኤ (ርክበ ካህናት)፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከም በዓል መዓልቲ ፈልያ ከተኽብሮ ክትእዝዝና ከላ መኣስ ከምዝውዕልን ብኸመይ ክንረኽቦ ከምዝኽእልን ክረአ ዝከኣል እዩ። እዚ ኪብሃል ከሎ ግና ነቲ በዓልነቱ ንምዝካር፤ ኣገዳስነቱ ፈሊጥና ከኣ ንምስዓቡን ንምትግባሩን ደኣ እምበር ርክበ ካህናት ከምቲ ሕጊ ሓዋርያትን ሠለስቱ ምእትን ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ጥራይ እምበር: ካብዚ እዋን እዚ ወጻኢ ክግበር ኣይከኣልን ማለት ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ዕላምኡ እቲ ወሳኒ።  በብደረጅኡ ኣብ ዝርከቡ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን በብእዋኑ ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘውጽኦ መምርሒ ክካየድ ዘለዎ ጉባኤ ምዃኑ’ውን ምስትውዓል የድሊ። ኮይኑ ግና ንርክበ ካህናት ብላዕለዋይ ደረጃ ዝተከአ ቅዱስ ሲኖዶስ: እንተወሓደ ኣብዞም ክልተ ዕለታት’ዚኦም ተጋቢኡ ክውዕልን ስለ ቤተ ክርስቲያን ክዝትይን ሓዋርያዊ ትእዛዝን ትውፊትን እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ግና ብኸምኡ ክፍጸም ርኢና ዶ ንፈልጥ?

No comments:

Post a Comment