Wednesday, May 30, 2012

ምዕዶ ንካህናትን ዲያቆናትን


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ንሎሚ ሓደ ግዱስ ተኸታታሊ መደብና ይጠቕም እዩ ብምባል ካብ መጻሕፍቲ ሊቃውንት ሃገርና ካብ ዝረኸብዎ ጠቒሶም ንዝለኣኹልና ጽሑፍ ናባኹም ንዝርግሖ ኣሎና እሞ: ካልኦት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብዚ መደብ’ዚ ሱታፌኹም ብኸምዚ ኣገባብ ክትቕጽሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብትሕትና ክንዕድም ንፈቱ።

ለኣኺ እዚ ጽሑፍ’ዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጦማርና “ምዕዶ አበው ዘደብረ ቢዘን” ኣብ ትሕት ዝብል ርእሲ ካብ መጽሓፍ “መዝገበ ሃይማኖት” ጠቒስና ንዘውጻናዮ ጽሑፍ ኣንቢቦም: ካብ ዝኅተም ልዕሊ ኣስታት 50 ዓመት ዝገበረ “ወልታ ሃይማኖት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ርእሲ ብቀሺ ገብረሚካኤል ገብረሕይወት ብዝተባህሉ ሊቅ ካብ ዝተሰናደወ መጽሓፍ ንዝረኸብዎ ተመሳሳሊ ምዕዶ ንክልእኹልና ከምዝተተባበዑ ገሊጾሙልና ኣለዉ።

መምህር ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ኣዳላዊ እዚ መጽሓፍ’ዚ: ምኽንያት ጽሕፈት ዝኾኖም ነገራት ክገልጹ ከለዉ: ሓዋርያት መሲሎም ካብ ዘስሕቱ፤ ቍርበት በጊዕ ተኸዲኖም ካብ ዘጋግዩ ሓሰውቲ ብሃይማኖት ተዓቂብና ክንነብር “ዋልታ እምነት” ክኾነና ብምባል ብንኡስ ዓቕሞም ንመናፍቃን ምላሽ ዘዳለዉዎ ምዃኖም ኣብ መቅድም መጽሓፎም ምግላጾም ለኣኺና ኣብሪሆምልና ኣለዉ። “ወምክንያተ ጽሒፎቱሰ ለዝንቱ መጽሐፍ:  እንዘ ይብሉ “ተዓቀቡ እምሐሳውያነ ነቢያት እለ ይመጽኡ ኀቤክሙ በአልባሰ አባግዕ ወእንተ ውስጦሙሰ ተኵላት መሰጥ እሙንቱ” (ማቴ ፯፥፲፭/7፥15)። እዚ መጽሓፍ’ዚ ብመጠን ትሕዝቶኡ ንኡስ ይኹን ደኣ እምበር መልእኽቱ ዓቢይ ምዃኑ ተሳታፊ ዓምድና ወሲኾም ድኅሪ ምግላጾም: እዛ ሎሚ ዝሰደዱልና ጽሑፍ’ውን ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይዚ መጽሓፍ ዝርከብን: ንካህናትን ዲያቆናትን ዝቀንዐ ምዕዶ ምዃኑ ኣነጺሮሙልና ኣለዉ። ንለኣኺና ተክለሃይማኖት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብስም ተኸታተልቲ መደብና እናመስገንናን እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ዓስቢ ክህቦም እናለምንናን: ቅዳሕ እዚኣ መጽሓፍ ከምቲ ዘተመባጽዑልና ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብኣድራሻና ክሰዱልና ተስፋና ምሉእ ምዃኑ ንገልጽ። ተሳትፎኹም ክቕጽል ከኣ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ንብል። ሕጂ ናብቲ ምዕዶ ንስገር: ንኵልና ኣስተውዒሉ ዝፍጽም ልቦና ይሃበና፦
፲. ንካህናትን ንዲያቆናትን ምዕዶ

ክቡራን ኣቦታትን ኣኅዋትን ዝምዕድ አእምሮ ዘይብለይ ክንሰይሲ ክምዕድ ግዲ ይኾነኒ: ምኽንያቱ ካብ ጓሂ ልቢ ዝተላዕለ እዩ፤ እቲ ጓሂ ድማ ብዛዕባ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተሰመና ብሕጊ መዝነትና ዘይንማላለስ ስለ ዘሎና እዩ። ማለት ፈጺሙ ብሕጊ ዝማላለሲ (የልቦን: ግዳ ካብ መጠን ዘኃለፈ ስለ ዝኾነ እዩ) እምበኣር ብዛዕባ ድፍረተይ ይቕረታ እናቕረብኩ ለበዋይ እቕጽል።

ክቡራን ካህናት ኣዒንቲ ሕዝቢ ማለተይ ከኣ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም ኣብ ከረን ዘላ ከተማ ክትክወል ኣይከኣላን’ዩ (ማቴ ፭፥፲፬/5፥14 ፊል ፪፥፲፭/2፥15) ከምኡ ድማ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስግንዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ (ማቴ ፭፥፲፮/5፥16 ፩ ጴጥ ፪፥፲፪ ቲቶ ፪፥፯-፰/2፥7-8) መብራህቲ ሕዝቢ ክነስና እቲ መብራህትና ብሻራን ብትዕቢትን ብቕንእን ብስስዕትን ናብ ጸላም ንልውጦ እንታይ ኴንና ኢና፤ ብሰንክና እዚኣቶም መራሕቲ ሕዝቢ! ብምባል ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔርን ሃይማኖትናን ከባጭዉን ክጻረፉን ዝርከቡ ዘለዉስ ብጹፉፍ ትምህርትን ግብርን ግዳ ኣርኣያ ዘይንኾኖም።

እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል: ከምቲ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ እዩ” ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ ሕጊ ብምፍራስካ’ዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ” (ሮሜ ፪፥፳-፳፬/2፥20-24) ከምኡውን ፪ይ ሳሙ ፲፪-፲፬/12-14 ሕዝቅ ፴፮፥፳/36፥20 ንመልከት። እምበኣር ክቡራን ሊቃውንቲ እዚ ጊዜ እተዘይኣቋሪጩስ ጊዜ ሥልጣኔ እዩ እሞ ነቶም ደቂ ጊዜ ምስ ዝሓቱና ብሕጽር ዝበለ ዘረድእ ፍልጠት ኂዝና እንተ ዘይጸናሕናዮምሲ ክህነት ኣሎኒ ክንብል’ዶ ይግበኣናዩ? መዝነታ ዘይትፍጽም ሹመትክ ኣላዶ? መዝነትናስ ንሕዝቢ ክንምህርን ከነረድእን’ዶ ኣይኮነን? እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል: ካብቶም ተቓነቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዝብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ክሓፍርሲ ብንጹሕ ትምህርትን ብምርዛንን መንቅብ ብዘይብሉ ጥዑይ ዘረባን ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ርእስኻ ኣርኣያ ግበር (ቲቶ ፪፥፯-፰/2፥7-8) ከምኡውን እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ካብ ንጹሕ ልቢ: ካብ ሠናይ ሕሊና: ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት እያ፤ ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሀተውተው ተመሊሶም ነቲ ዝብልዎ ወይስ ነቲ ዘረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ክነሶምሲ መምህራን ሕጊ ክኾኑ እዮም ዚደልዩ” (፩ ጢሞ ፩፥፭-፯/1፥5-7) እምበኣር ክቡራን ኣቦታት እቲ ካህን ክኸውን ዝህቅን እንታይ ክኸውን ይግባኦ? መጻሕፍቲ ከስተውዕል ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይግብኦ።

“ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ: ኣብቲ ደግነት’ውን ፍልጠት: ኣብቲ ፍልጠት ከም ምግታእ ርእስኻ: ኣብታ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ: ኣብቲ ዓቕሊ’ውን ፍርሃተ እግዚአብሔር: ኣብ ፍርሃተ እግዚአብሔር ድማ ምፍቃር ኣኅዋት: ኣብቲ ምፍቃር ኣኅዋት’ውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ ፪ ጴጥ ፩፥፭-፱/1፥5-9፤ እዚ ነገር’ዚ እንተሎኩም እናማዕበለ እውን እንተኸደ ንምፍላጥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኮኑ ኣየኃድገኩም እዩ” እምበኣር ኣብ ኣገልግሎት ክህነት ዘሎናን: እቶም ብሕጂ ክጽመዱ ተስፋ ዘለዎምን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝሰመናዮ ውዕሎታት ክህልወና ማለት ንናይ ክህነት ኣገልግሎት ዝበቅዕ ዝጸረየ መሣርሒ ፍልጠት ክህልወና: ከምኡ’ውን ምድላው ክህነት ትምህርት ቤት ክኽፈተልና ናብ መራሕቲ ሃይማኖትና እናተሓሳሰብኩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተስፋ እናገበርኩ ንሓሳበይ ናብ ልዕሊ ብሃይማኖቶም ዝግደሱ ብትሕትና ኤወፊ።

ከምኡውን መሃይምናን ቃል ካህናትኩም እንተ ሰማዕኩም: ሰሚዕኩም ከኣ ኣብ ግብሪ እንተውዓልኩሞ እዩ እምበር ሰሚዕኩም ከምዘይሰማዕኩም እንተኾነ ኣብ መንጎናን መንጎኩምን ዘሎ ወጽዓ ካብ መጠን ዘኃለፈ ከምዝኾነ ኵልና ክንግንዘቦ ዘየድልየና ኣይኮነን። ማለት መራሕቲ ተረኺቦም ሰዓብቲ እንተ ዘይተረኽቡ: ሰዓብቲ ተረኺቦም ከዓ መራሕቲ እንተ ዘይተረኽቡስ: ዓይነ ብርኪ ዘይብሉ ኣካላት እዩ እሞ: ተሓጋጊዝና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትቐውም ነፍሲ ነጥሪ: ከምኡ’ውን ነዛ ንእሽቶይ መጽሓፍ ክጽሕፍ ዝገደደኒ ምኽንያት ብሽማን ብኣርእስታን ክትፈልጥዋ ኢኹም ኣብ ግብሪ’ውን ከተውዕልዋ ተስፋ እገብር: እምበኣር ነፍስ ወከፍ ምእመን ብኅልፊ ድማ መንእሰይ ኦርቶዶክሳዊ ክግደሰላ ትኁት ውሉድካን ኃውኻን ኤዘኻኽር።
ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ነዚ ንምጽሓፍ ዘነቓቕሓኒ: ኣወጢኑ ድማ ዘፈጸመኒ ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ንዓኡ ይኹን ንዘለዓለም ኣሜን።
ቀሺ ገብረ ሚካኤል ገብረ ሕይወት።

2 comments:

  1. kale hiwet yesmiela ab gbri kenewielo tselotkum ayifleyena

    ReplyDelete
  2. kalehiwet yesmielna aba keshi zenbebnayo an libna khadr Egziabieher senay fkadu ekun

    ReplyDelete