Monday, May 28, 2012

ርክበ ካህናት (፭ይ ክፋል)


ዕለተ ርክበ ካህናት

ቅዱሳን ሓዋርያት ኮኑ ኣብ ኒቂያ ዝተጋብኡ ሠለስቱ ምእት ብዛዕባ ዕለተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ክውስኑ ከለዉ ተመሳሳሊ መበገሲ ጒዳያትን ዕላማታትን ነይርዎም። ብተመሳሳሊ’ውን ክልቲኦም ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ጉባኤ ርክበ ካህናት ክግበር እዮም ኣብ ሕግታቶም ኣስፊሮም። “ይትጋብኡ ኤጲስ ቆጶሳት ዘኵሉ መካናት ኀበ ጳጳሶሙ አው ኀበ ሊቀ ጳጳሳሳቲሆሙ ፪ተ ጊዜ በኵሉ ዓመታት” (ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝተሾሙ ኤጲስ ቆጶሳት ምስ ጳጳሶምን ሊቃ ጳጳሶምን ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ይጋብኡ) ከኣ ይብል። (ካልኣይ ቀሌምንጦስ ኣንቀጽ ፳፯፤ ሣልሳይ ቀሌምንጦስ ኣንቀጽ ፳፰፤ ሊቃውንተ ኣንጾኪያ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ ኣንቀጽ ፳) (ፍትሓ ነገ ፬)

እቲ ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ በዓለ ሃምሳ ኣብ ራብዓይ ሱባኤ ይኹን ይብል። ትርጉሙ ኸኣ ኣብ ራብዓይ ሱባኤ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ይኹን ማለቶም ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ (ወጊዜ ቀዳሚት ጉባኤ በራብዕ ሱባኤ እም ፶)። እቲ ካልኣይ ጉባኤ ከኣ ኣብ መበል ፲፪ ዕለት ጥቅምቲ ይኹን ብምባል ኣብ ሲኖዶሶም ውሳኔ ኣኅሊፎም ነይሮም (ወዳግሚት አመ ፲ወ፪ ለጥቅምት)። ሠለስቱ ምእት ኣብ ኣገላልጽኦም ቍሩብ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ እንተጠቕሙ’ውን መሠረታዊ መልእኽቱን ዕለቱን ግና ምስ ናይ ሓዋርያት ውሳነ ተመሳሳሊ እዩ። (ኣብ ፯ መጽሓፍ ኒቂያ ኣንቀጽ ፵ወ፭) (ፍትሓ ነገ ፬)

እቲ ብቀመር ባሕረ ሓሳብ ዝርከብ ርክበ ካህናት ዝውዕለሉ ዕለት ውሱንን ፍሉጥን እዩ። ብሓዋርያት ኮነ ብሠለስቱ ምእት ዝተወሰነ’ውን ነሕድሕዱ ዝሰማማዕ እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ኣብ ዝወዓለ ኣብ መበል ፳፬ መዓልቲ እዩ። ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ ኣብ ፍርቂ በዓለ ኃምሳ (ጰራቅሊጦስ) ዝርከብ እዩ። ካብ ዕለተ ረቡዕ ከይወጽእ ከኣ ብጉባኤ ሊቃውንቲ ኣቦታት ወሲኖሞ እዮም። ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፍና ዝተገልጸ: እዚ ጉባኤ’ዚ ከም ካልኦት በዓላት ተውሳክ ዘለዎን ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ፤ ንረቡዕ ከይገደፈ ዝኽበር መንፈሳዊ በዓል ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ምሉእ ዓመት ኣጽዋማትን በዓላትን ኣብ ሓዲሽ ዓመት ባሕረ ሓሳብ ንሕዝቢ ክፈስስ ከሎ ርክበ ካህናት’ውን ዕለቱ መዓስ ከምዝውዕል ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ፡ ቅድሚ በዓለ ዕርገት ተሰሪዑ ብወግዒ ይእወጀሉ። ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ካህናት ኣቦታት በብመናብርቶም ኣኣብ ኣህጉረ ስብከቶም ኣብዚ ዕለት’ዚ ተጋቢኦም ብዛዕባ ህልዊ ኵነት ቤተ ክርስቲያን ይዝትዩን ይመኽሩን ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ ከኣ እዩ። ተዛትዮም ከኣ ንጸገማቶምን ኣብ ኣገልግሎቶም ዕንቅፋት ንዝኾኖም ነገር መፍትሒ ይረኽቡሉ ነይሮም። ኣብ ነዊሕ መዋዕሉ ኣቦታትና ኣብ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ንዝነበሮም ግደን ኃላፍነትን ሽግራት እናፈተሐ ብዝግባእ ንኽዓዩ ዝሓገዘን፤ ኣብ ሞንጎ ኣገልገልትን ኣገልግሎቶምን፤ ከምኡውን ኣገልገልትን ተገልገልቲ ምእመናንን ጥቡቕ ዝምድና ንክህሉ ኣበርክቶ ዝገበረን እዩ ነይሩ። እቲ ካልኣይ ጉባኤ ፍሉጥን ውሱንን ፲፪ ጥቅምቲ ስለዝኾነ፤ ዝድይብን ዝወርድን ስለዘይብሉ ነቲ ቀዳማይ ጥራይ ኣልዒልና ስዒብና ክንዛረብ ኢና።
ዕለት እቲ ቀዳማይ ርክበ ካህናት: ባሕረ ሓሳብ ተመርኲስና: ብኸምዚ ዚስዕብ ከኣ ኣውሪድናን ኣድይብናን፤ ኣጒድልናን ወሲኽናን ክንፈልጦ ዝከኣል እዩ። ዝተፈላለየ ኣገባብ መገዲ መፍልጢ ኸኣ ኣለዎ፤ ኵሉ ግና ናብቲ ሓደ መገዲ እቲ ዕለት ይወስደና።
1.      በዓለ ትንሣኤ ኣብ ወርኃ መጋቢት እንተደኣ ውዒሉ፦ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕለት ፳፬(24) ተደሚሩ ፴(30) ተነክዩ ዝርከብ ተሪፍ (ተረፍ) ዘመልክቶ: ርክበ ካህናት ብወርኂ ሚያዚያ ሚያዚያ ዝውዕለሉ መዓልቲ እዩ።
በዓለ ትንሣኤ ኣብ ሚያዚያ እንተደኣ ውዒሉ፦ ኣብ ልዕሊ እቲ መዓልቲ ፳፬(24) ተደሚሩ ውጽኢቱ ካብ ፴ (30) እንተዘዛይዱ ርክበ ካህናት: ኣብ ወርኂ ሚያዚያ ይውዕል። ውጽኢቱ ግና ካብ ፴ (30) እንተደኣ ዘይዛይዱ ፴(30) ተነክዩሉ ተሪፍ (ተረፍ) ቍጽሪ ዘመልክቶ ርክበ ካህናት ኣብ ወርኂ ግንቦት ዝውዕለሉ መዓልቲ እዩ።
ንምሳሌ፦ ዘሎናዮ ዓመት ፳ወ፬ ዓ.ም (2004) በዓለ ትንሣኤ ሥላሴ ፯ ሚያዚያ ስለዝወዓለ: ፳፬(24) እንተደኣ ደሚርናሉ ውጽኢቱ ፴፩ (31) ይኸውን። ፴፩(31) ከኣ ካብ ፴(30) ስለዝዛይደ ካብ ፴፩(31): ፴(30) እንተነከና ውጽኢቱ ፩ (1) ስለዝመጽእ ናይ ፳ወ፬ ዓ.ም. (2004) ርክበ ካህናት ባሕቲ ግንቦት ልደታ ውዒሉ ማለት እዩ። ብሓጺሩ 24+7=31-30=1 ማለት እዩ።
2.     ጽባሕ ካብ መእተዊ ጾመ ነነዌ ጀሚርና ፺፫ (93) መዓልቲ እንተፈቐድናውን ርክበ ካህናት ብቀጥታ ክርከብ ይከኣል እዩ።
ንምሳሌ፦ ናይ ሎምዘመን ፳ወ፬ ዓ.ም. (2004) መእተዊ ጾመ ነነዌ ፳፰ (28) ጥሪ እዩ ነይሩ። ስለዚ ፺፫(93) ኣብ ልዕሊ መእተዊ ነነዌ ክንውስኸሉ ከሎና: ርክበ ካህናት ኣብ ባሕቲ ግንቦት (፩) ርክበ ካህናት ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
3.     ብሣልሳይ መገዲ ከኣ ርክበ ካህናት ተውሳክን ናይ ዘመን መባጃ ሐመርን እንተተደመረ’ውን ርክበ ካህናት ይርከብ።
ንምሳሌ፦ ናይ ፳ወ፬ (2004) ዓ.ም. መባጃ ሓመር ፳፰ (28): ናይ ርክበ ካህናት ተውሳክ ዝኾነ ፫(3) እንተደመርናሉ (፳፰(28) + ፫(3) = ፴፩(31)) ስለዝመጽእ ናይ ፳ወ፬ ዓ.ም. ርክበ ካህናት ባሕቲ ግንቦት ምዃኑ የመልክት ኣሎ ማለት እዩ።
4.     ብሓጺሩ’ውን ካብ ጽባሕ በዓል ትንሣኤ ተበጊስና ፳፬(24) መዓልቲ እንተፈቕድናውን ርክበ ካህናት ብቀሊሉ ክርከብ ይከኣል እዩ።
ንምሳሌ፦ ፳፬(24) + ፯(7) ሚያዚያ= ፴፩(31) ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ፴(30) ኣብ ሚያዚያ ስለዝተወደአ (ስለ እንጒድለሉ) ከኣ ሓደ ይተርፍ ማለት እዩ። ስለዚ ባሕቲ ግንቦት ይመጽእ ማለት እዩ።

ብዘኢየዓርግን ዘኢወርድን ክንርእዮ ከሎና’ውን: ብጥቕልሉ ርክበ ካህናት ኣብ ሚያዚያ ካብ ፳ ንታሕቲ ኣይወርድን፤ ኣብ ግንቦት ካብ ፳፬ ንላዕሊ ኣይድይብን። 

No comments:

Post a Comment