Saturday, May 19, 2012

ርክበ ካህናት (፫ይ ክፋል)


ርክበ ካህናት ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት

እምበኣር ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ክፋላት ብዛዕባ ትርጉም ርክበ ካህናትን ከምኡውን ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ንዝነበረን ንዝቐጸለን ጉባኤያት ብሓጺሩ ክንርኢ ፈቲንና ኢና።

ቅዱስ መጽሓፍ ካብቲ ብቅዱሳኑ መንክር ዝኾነ እግዚአብሔር ዝፈጸሞ ድንቂ ተግባራት ንትምህርትን ንሕይወትን ዝኸውን ቍንጣሮ ክፋሉ ጥራይ ተጻሒፍዎ ከምዘሎ ዝሰሓት ነገር ኣይኮነን። ከም ምዃኑ’ውን ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዝተኻየዱ እሞ ብውሑዱ ዝተገልጹ ጉባኤያተ ካህናት: ኣብ ዳኅራዋይ እዋን ኣብ ምሉእ ዓለም እናሰፈሐትን እናዓበየትን ንዝኸደት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረት ርክባት (ጉባኤ) ካህናት ምንባሮም ርዱእ ነገር እዩ። ኣብ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብሓዋርያትን ብሠለስቱ ምእትን ከምኡውን ብካልኦት ኣበው ዝተደንገጉ ቀወምቲ ጉባያኤያት’ውን ምንጮምን መሠረቶምን ንሳቶም እዮም። “ክልተ ወይ ሠለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።” ኢሉ ንሓዋርያት ዝኣተዎ ኪዳን ኣጽኒዑ ከኣ ጐይታ ኣብ ሞንጎ ሓዋርያቱን ድኅሪኦም ዝመጹ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን እናተረኽበ ምኽሩን ጥበቡን ገሊጹሎምን፤ ነታ ክጓስይዋ ዝተሾሙላ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ብዝግባእ ክመርሑን ክሕልውዋን ኃይሉ ሂብዎምን እዩ። (ማቴ ፲፰፥፲፱-፳/18:19-20) “ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” ዝበሎም’ውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። (ማቴ ፳፰፥፳/28፥20)
ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድኅሪ ምቕባሎም፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ንሓጺር ጊዜ እናተዘዋወሩ ስብከተ ወንጌል እናስፍሑ ጸኒሖም እዮም። ብመሠረት “ሑሩ ወመሀሩ ውስተ ኵሉ ዓለም” ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ከኣ ነዛ ዓለም ዕጭ ውድቕ ተኻፊሎም፤ ናብ ምሉእ ዓለም እናተዘዋወሩ: ነቲ ካብ ጐይታ ዝተመሃርዎን ኣብ ጉባኤ ሓዋርያት ዝደንገግዎን በብሃገረ ስብከቶም በብዝኸድዎ ኣጽኒዖምን ኣስፊሖምን ምሂሮም እዮም። ድኅሪ ሓዋርያት’ውን ኣብ ዝነበሩ ሓዋርያነ አበው: ከምኡውን ስዒቡ ዝመጸ ዘመነ ሰማእታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ደቃን ብብዙኅ ዘሰቅቅ ጸዋተወ መከራ እንተተፈተኑውን ንኵሉ ብጽንዓት ሃይማኖትን ጸጋ ሰማእትነትን ሰጊሮሞ እዮም። ኣብቲ ጽንኩር ናይ ፈተና እዋን’ውን እንተኾነ: እቶም መራሕቲ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት: ምስ ኵሎም ካህናት ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ይጠቕም ንዝብልዎ ብሓባር ካብ ምምካርን ምውሳንን፤ ብሓደ ልቢ ኮይንካ ምጽላይን ምምሃርን ኣየብኰሩን ነይሮም። ሓዋርያት ንዝሓደጉሎም ትምህርትን ኣካይዳን ኣጽኒዖም ካብ ምኻድ ሸለል ኢሎም ከኣ ካልእ መገዲ ከናድዩ’ውን ኣይተራእዩን።

ኣብ ቀዳማይ ፬ይ ክፍለ ዘመን መፍቀሬ ሃይማኖት ቈስጠንጢኖስ ነጊሡ “ኣብያተ ክርስቲያናት ይኸፈታ፤ ኣብያተ ጣዖት ይተዓፀዋ” ኢሉ ኣዋጅ ብኣዋጅ መሊሱ ንቤተ ክርስቲያንን ኣመንታን ዝግብኦም ናጽነት ድኅሪ ምሃቡ’ውን: እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ርክበ ካህናት’ውን (ብዝለዓለ ደረጃ ሲኖዶሳትን በብኣህጉረ ስብከቱን) ብዕሊን ብናጽነትን ክኻየድ ዝጀመረሉ ዘመን ከምዝተበጸሐ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ብዘመነ ሓዋርያት ዝጀመረ ምክፍፋል ሃገረ ስብከት ቀዋሚ መልክዑ ሒዙን ኣጽኒዑን ስለዝነበረ: ኣብ መጀመርታ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብመጀመርታ ፬ተ (ኣብ ጊዜ ጉባኤ ኒቂያ) ብድኅሪኡ ከኣ ፭ተ መናብርት ብደረጃ መሪሕነት ክርስቲያናዊ ዓለም ንቤተ ክርስቲያን ይመርሕዋ ከምዝነበሩ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብንጹር ተመዝጊቡ ዝርከብ እዩ። ንሳቶም ከኣ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ (ሮም): መንበረ ቅዱስ ማርቆስ (እስክንድርያ): ካልኣይ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ (ኣንጾኪያ):  መንበረ ነባቤ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ (ኤፌሶን ዳኅራይ ቍስጥንጥንያ): መንበረ ኢየሩሳሌም እዮም። ንምሕደራን ትምህርትን ዝምልከት ብኸምዚ መገዲ ዝተኸፋፈሉ መንበራት ይንበሩ ደኣ እምበር ብሃይማኖትን ሥርዓትን ግና ክሳዕ ጉባኤ ኬልቄዶን (451 ዓ.ም.) ከምቶም ሓዋርያት ብሓደ መገድን ትምህርትን ይምርሑ ነበሩ። ካብ ትምህርቲ ጐይታ ወጻኢን፤ ካብ ስብከት ሓዋርያት ብኣንጻርነት ዝኾነ ሓድሽ ነገር ኣብ ውሽጦም ክፍጠር ከሎ ድማ ብሓባር ኮይኖም ጉባኤያት ብምክያድ ይምርምርዎን፤ ነቲ ትምህርቲ ኑፋቄ ይቃወምዎን: ብጊጕይ ትምህርቱ ንዘይተጣዕሰን ዘይተመልሰን ከኣ ይግዝትዎን ይንጽልዎን ነበሩ።

ብመሠረት እቲ ምዝጉብን ድብቱርን ታሪኽ ዓለም ለኻዊት ኣሓቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እትቐበሎም ሠለስተ ዓበይቲ ጉባኤያት ተኻይዶም እዮም። ንሳቶም ከኣ ጉባኤ ኒቂያ (325 ዓ.ም.)፤ ጉባኤ ኤፌሶን (381 ዓ.ም.)፤ ጉባኤ ቍስጥንጥንያ (431 ዓ.ም.) እዮም። ነዞም ዓበይቲ ጉባኤያት እዚኦም ፈሊና ንጠቕስ ኣሎና እምበር ቅድሜኦምን ኣብ ሞንጎኦምን ንኣሽቱ ኣድያማዊን ሃገረ ስብከታዊን፤ ሃይማኖታዊን ሥርዓታዊን፤ ምምሕዳራዊን ካልእን ጉባኤያታት ከምኡውን ርክበ ካህናት በብደረጅኡ ብተመሳሳሊ ኣገባብን ዕላማን ይካየዱ ምንባሮም ምስትውዓል የድሊ። ብተወሳኺ’ውን ነዞም ዓበይቲ ጉባኤያት እዚኦም ንምክያድ ምኽንያት ዝኾኑ ናይ ኣርዮስ፤ ናይ መቅዶንዮስ፤ ናይ ንስጥሮስን ካልኦትን ኑፋቄያዊ ትምህርትታት ይኹኑ ደኣ እምበር፤ ኣቦታትና ሊቃውንት ጳጳሳት ግና ነቶም ዓለም ለኻውያን ጉባኤያት እግረ መገዶም ኣገደስቲ ንዝኾኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጕዳያት ንምዝታይን ውሳነ ንምሃብን ተጠቒሞሙሎም እዮም። ሳላ ዝተራኸቡ ከኣ: በቲ እዋን እቲ ንምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ጽፉፍ ምሕደራን ማሕንቖ ኮይኖም ንዝጸንሑ ጕዳያት መፍትሒ ኣብ ምሃብ: ጊጕይ ኣካይዳታት ንምእራም: ከምኡውን ካልኦት ኣዝዮም ኣገደስቲ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከቱ ጕዳያት መኺሮምን ተላዚቦምን ዝተፈላለዩ ቀኖናት ብውሳነ ኣጽዲቖም ምንባሮም ምዝካር የድሊ። ብኸምኡ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝጸንሐ ሰናይ ልማድ ርክበ ካህናትን መንፈሳዊ ሥርዓቱን  ኣጽኒዓ ክትካየድን፤ መምስቲ ዘመን ዝመጹ ፈተንቲን ኣገደስትን ጕዳያት: ጉባኤ እናገበረት ክትፈትሖ ምጽንሓን በብጊዜኡ’ውን ከምዝቐጸለቶ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።

ኣብዚ ግና ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ፤ በሰልኡ ዘይገደፈ፤ ቃንዝኡውን ዘይጐደለ ሓደ ነገር ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵሉ መኣዝናተ ዓለም ተስፋፍሓሉ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: ኣብቲ ዝቐደመ ዘመን: ምስቲ ኵሉ ዝነበረ ጸበባን ዘመን ሰማእትነትን ከይተረፈ: ኵሎም ዝቐደሙ አበው ሊቃውንቲ ካብ በብዘለዉዎ እናተኣከቡ ስለ ጽድቂ: ሓድነት: ኣገልግሎት: ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ወቦ ዘተርፈ ብሓደ ልቢ ኮይኖም ይዝትዩን ይመኽሩን: ነቲ መጓሴ ከኣ ብዝግባእ እናሓለዉ ኣብ ሰማያዊ ሓሳብ ጥራይ ተወሲኖም ከይተኸፋፈሉ ግቡኦም ይፍጽሙ ምንባሮም እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ክፉእ ክርዳድ ኣብ ኸምዚ ዚኣመሰለ ሰናይ ተግባራትን ቅዱስ ዕላማ ርክበ ካህናትን ክበቝል ጀመረ። ኣብቲ ሰናይ ምኽርን ርክባት ኣቦታትን ከኣ: ሥጋዊ ሓሳባትን ምክፍፋልን ክቐላቀል ዝጀመረ ቄሳራት ዓለም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣመንቲ መሲሎም ድኅሪ ምእታዎምን፤ ንገለ ኣቦታት ብሥጋዊ ጥቕምን ክብርን ኣታሊሎም መሳርሒ ዕላማታቶምን መጋበሪ ድሌታቶምን ድኅሪ ምግባሮም እዩ። ብግህዶ ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ቄሣራዊ ምትእትታው መሪር ፍሪኡ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተራእየ ኣብ መፋርቕ ፭ይ ክፍለ ዘመን ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን (ብልዮን) እዩ። እዚ ሕማም’ዚ ክሳዕ ሕጂ ንምኽፍፋል ቤተ ክርስቲያን ጠንቂ ኮይኑ ዝርከብን፤ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ታሪኽ ዘይመሃሩሉ መመሊሱ ዝደግስ ሕማም እዩ። ንሱ ከኣ እዩ እቲ ቀንዲ ጸረ ቅዱስ ዕላማ ርክበ ካህናት! እዚ ኸኣ ገለ ውሑዳት ኣቦታት ኣብ ክንዲ ገብረ ሔር (ገብረ እግዚአብሔር) ኮይንካ ምንባር፤ ገብረ ሃካይ (ገብረ ንዋይ ገብረ ሥጋ) ብምዃኖም ዝስዕብ ሽግር እዩ። ኣብ ክንዲ ብቀዳምነት ነታ ዝተሾሙሉ መንፈሳዊ ቤትን ጐይትኦምን ኣብ ክንዲ እሙናት ዝኾኑ፤ ነታ ካልኣይቲ ምድራዊት ቤቶምን ገዛእታን ቅድሚ ኵሉ ከሳስዩ ምፍቓዶም እዩ። መምርሒ ሓዋርያትን ተካእቶምን ዝነበረ ቃል ግና “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ።” ዝብል ነበረ። (ቀዳማይ ቆሮ ፯፥፳፫/7፥23)

እምበኣር ሓመር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኵሉ ሰናይ ገድሊ እናተጋደለትን፤ ጉባኤያታ እናካየደትን ከምዚ ድኂሩ ዝተጠቕሰ ሽግራት ምክፍፋል’ውን እናጓነፋ ወቦ … ከምዚ እናበለት ነቲ ገፊሕ ባሕሪ ዘመን እናጨደደት ናብዚ ዘሎናዮ ዘመን በጺሓ ኣላ። ካልኦት በብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብቲ ሓቀኛ መገዲ እናረሓቑን: ካብቲ ሓዋርያዊ ኣሰረ ፍኖት እናተፈንተቱን ይኺዱ ደኣ እምበር፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ክርስቶስ ዝተሠረተት ብምዃና: ኣብ ውሽጣ ንኡሳን ይኹን ዓበይቲ ጉባኤያት እናሰርዐት፤ በብደረጅኡ ርክበ ካህናት (ካብ ዝለዓለ ቅዱስ ሲኖዶስ ክሳዕ ዝተሓተ ጉባኤ ካህናትን ሊቃውንትን) እናካየደት ሓዋርያዊን ጥንታዊትን ትምህርታን ሥርዓታን ዓቂባ ኣብዚ ወለዶ’ዚ በጺሓ ኣላ።

No comments:

Post a Comment