Tuesday, May 22, 2012

“ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ” ዮሐ ፲፬፥፫

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ዓመት መጸ ካብ እነኽብሮም ዓበይቲ በዓላት ጐይታ እቲ ሓደ: ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ ኣብ መበል ፵ መዓልቲ ዝኽበር ዕርገት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ወልደ እግዚአብሔር ናብ ዓለም ብምምጻእ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ካብ ልደቱ ክሳዕ ሕማሙ: ሞቱ: ትንሣኤኡ ዝገበሮም ድንቂ ተግባራት ኣቐዲሞም ብትንቢት ነቢያት ዝተነግሩን ዝተጻሕፉን እዮም። ክቡር ዕርገቱ’ውን ካብኦም ብዘይፍለ መገዲ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ: ምሳሌ’ውን ዝነበሮ እዩ። ካብቶም ንዕርገቱ ዝምልከቱ ትንቢታት ከኣ ቅዱስ ዳዊት ኣብዚኁ ብምዝራብ ይፍለጥ እዩ።

እቶም ትንቢታት: ዕርገት ጐይታ ብዓቢይ ምስጋንን ይባቤን፤ ብድምፂ መለከት ቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ ከምዝኸውን፤ ብተምሳል ንጸላእቱ ሥዒሩ ምርኮ ማሪኹ ዝመጸ ንጉሥ ብዝግበረሉ ኣቐባብላ ከምዝዓርግን፤ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ከምዝምልሰን፤ ወቦዘ.. ዝገልጹ እዮም ዝነበሩ። እቶም ትንቢታት’ውን እቲ ብተዋሕዶ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ንሱ እግዚአብሔር ምዃኑ ዘመሥጥሩን፤ ድኅሪ ዕርገቱ’ውን ኣብ ተዋሕዶ ምፍልላይ ከምዘየለ ዘረድኡ። “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን” (ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ።) (መዝ ፵፮፥፫/47፥3) “ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ።” (መዝ ፻፰(፱)፥፩) “አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት፡ ወይትረኃዋ ኆኃት እለ እመፍጥረት ወይባእ ንጉሥ ክብር ወስብሐት” መዝ ፳፫፥፯/24፥7 (ኣቱም መኳንንቲ ደጌታትኩም ክፍቱ (ርእስኹኩም ኣልዕሉ)፡ ኦ ናይ ዘለኣለም ደጌታት ይኸፈታ፡ እቲ ንጉሥ ክብሪውን ይእቶ) (መዝ ፷፯፥፲፰/68፥18) ዝብሉ ከኣ ይርከብዎም። ዕርገት ጐይታ ብዘደንቕ ሰማያዊ ሥርዓት እተፈጸመ: ምሥጢር መለኮትነቱ ዝገለጸ: ንኵሉ ብሥልጣኑ ዝገብር ምዃኑ ዘርኣየሉ: ንዝኣምንዎ ኵሎም ሰማያዊ ተስፋኦም ዘጽንዐ: ናይ ዓወት ዕርገት እዩ።


እግዚአብሔር ኣምላኽ እቲ ንኣዳምን ደቁን ዝሃቦም ተስፋ ድኅነት ክፍጽም: ደቂ ሰባት ንነዊሕ ዘመናት፤ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብናፍቖትን ብዓቢይ ሓንቀውታን ኣጽንዖ ትንቢትን ይጽበዩዎ ነበሩ። እቲ ዘቋጸሮ ዘመን ኣኺሉ ድማ ኣምላኽ ወልደ ኣምላክ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝተመላለሰሉ፤ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዝኣመኑ ከኣ ካብ ትምህርቱን ተኣምራቱን ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም፤ ብእምነትን ሓጐስን ከኣ ተቐቢሎሞ እዮም። እቲ ብዛዕባኡ ዝተነግረ ትንቢት ከኣ በብሓደ ክፍጽም ርእዮም እዮም። ጐይታ’ውን ብሥልጣኑ እንታይ እንታይ ክፍጽምን፤ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ እንታይ ከምዝፍጸምን የረድኦም ነበረ። ካብኣቶም ኸኣ እቶም ብቐዳምነትን ብፍሉይን ዝጥቐሱ ኣብ ዝወዓሉ እናወዓሉ: ኣብ ዝሓደሮ እናሓደሩ ትምህርቱ ዝተማህሩ: ተኣምራቱ ዝረኣዩ ሚእትን ዕስራን ቤተ ሰብ ጐይታ እዮም። ጐይታ ካብኣቶም ቅድሚ ምፍላዩን ከይዕንቀፉ ምእንቲን ከኣ ብኣፍ ነቢያት ኣቕዲሙ ከምዝተዛረበ፤ ሕጂ ኸኣ ብግሁዶ ክጾርዎ ንዝኽእሉ ትንቢትን ምሥጢርን ከምኡውን ኣብ ቅድሚኦም ብዛዕባ ዝኸውን ነገራት ይነግሮም ነበረ። እቲ ጊዜ ምስ በጽሐን እሞ ኵሉ ከምቲ ዝበሎ ምስ ኮነን: እቲ ዝበሎም ምእንቲ ክዝክርዎ ካብቲ ዝነገሮም እቲ ሓደ ኸኣ ናብ ባህርይ ኣቦኡ አብ ከምዝምለስ ዝገልጽ ነበረ። (ዮሐ ፲፮፥፩-፭/16፥1-5) በቲ ናቱ ካብኦም ምፍላይን ምኻድ ልቦም እንተጓሃየውን: ሓደ ካብኣቶም ናበይ ኢኻ ክትኸይድ ኢሉ ዝሓተተ ኣይነበረን። ይትረፍ ፈቃር ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ንኣኣቶም ካብ ደቂ ሰባት ኃርዩ ኣብ ሞንጎኦም ሠለስተ ዓመትን ፈረቓን ተመላሊሱስ፤ እተፍቅሮ ዓጽመ ሥጋ ይኹን ካልእ ፈታዊ ታራ ሰብ እኳ ክፍለዮ ከሎ ዘይስምዖ የልቦን። ከምቲ ዝበሎ’ውን ብሕማማቱን ሞቱን ኣዝዮም ሓዚኖም እዮም። ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝነገሮም ከኣ ንሞት ሥዒሩ ብምትንሥኡን ዳግማይ ከኣ ኣብ ሞንጎኦም እናተረኽበ ይምህሮም ብምንባሩን ብሓጐስን ፍስሓን ተመሊኦም እዮም። እቲ ዘፍቅርዎ ኣምላኽ: ብዕርገቱ ከኣ ካብኣቶም ምፍላዩ’ውን መሊሱ ናብ ጊዜያዊ ሓዘን መሊስዎም እዮም።

ኣቐዲሙ ግና ከም ዝነገሮም: ብሓቂ ንኣኣቶም ናቱ ምኻድ ከምዝሕሾም: ነሱ ካብኣቶም እንተዘይከደ ከኣ እቲ ኵሉ ዝተማህርዎ ነገር ከጽንዕዎ፤ ክፍጽምዎ ከምዘይክእሉ ኣረዲእዎም ነበረ። ብዓቢኡ መንፈስ ሓቂ: መጸናንዒ ዝተባህለ መንፈስ ቅዱስ ናባኣቶም ክመጽእ ከምዘይክእል ነጊርዎም ነበረ። ሓንሳብ ቍሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ሓንሳብ ከኣ ከም ብሓድሽ ቍሩብ ጊዜ ክትርእዩኒ ኢኹም ስለዝበሎም ነቲ ዘረባ ኣይስተውዕልዎን ነይሮም። ኮይኑ ድማ በቲ ዝተማህርዎ ትምህርትን ዘርኣዮም ኵሉ ምሥጢርን ብሃይማኖት ክጸንዑ እምበር ክሽበሩ ከምዘይብሎም ኣዘካኺርዎም ነበረ። እቲ ናቱ ምኻድ ግና ልዕሊ ዅሉ ስፍራ ከዳልወሎም ምዃኑ ብምንጋርን፤ ዳግማይ ከኣ  ናብቲ ንሱ ዘለዎ ንሳቶም ክኾኑ ከኣ ክወስዶም ከምዝመጽእ ነጊርዎም እዩ። (ዮሐ ፲፮፥፮-፲፰/16፥6-18/ ዮሐ ፲፬፥፩-፫/14፥1-3) በዚ ቃል እዚ ኸኣ ተጸናኒዖም እዮም።

እምበኣር ዕርገት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፤ ብሓዋርያት ኣቢሉ ንኵሎም ምእመናን ዝተነግረ ዓቢይ ተስፋ እዩ። ጐይታ ንምድኃንና ካብ ልደት ክሳዕ ትንሣኤ ዝፈጸሞ ጒዕዞ: ብዘደንቕ ዕርገቱ ፍጹም ከምዝገበሮ ክንርዳእ ንኽእል። ምእንታና ክብል ሰብ ኮይኑ ዝተወልደ እግዚአብሔር ወልድ እንተዘይመውትን፤ ሞይቱ ከኣ እንተዘይትንሥእን ነይሩ፤ ተንሢኡ ከኣ እንተዘይዓርግን ነይሩ ምድኃንና ርጉጽ ኣይምኾነን። ጐይታ ግና ንዘለዓለም ንሞትና ብሞቱ ሥዒሩ ዝተንሠአ ጐይታ፤ ብምዕራጉ ንሕና ብትንሣኤ ንእንረኽቦ ጸጋን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣግሃደልና። ንሱ ኸኣ ምስኡ ኣብቲ መንግሥቱ ንዘለዓለም ምንባር እዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ብሞቱን ትንሣኤኡን ንዝኣምኑ፤ ብቃሉን ብፍቓዱን ንዝመላለሱ፤ ብሕጉን ብሥርዓቱን ንዝኸዱ ኵሎም ዓቢ ሓጐስ ዝፈጥር ብስራት እዩ።

ዕርገት ክርስቶስ: ኅሩያቱ ኵሎም ብኽብሪ ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ዝዓርጉ ምዃኖም ዘመልክት እዩ። “ዐረገ እግዚአብሔር ከመ ያለቡ ዕርገተ ጻድቃን” (እግዚአብሔር ዕርገት ጻድቃን ከረድእ ምእንቲ ዓረገ) ዝተባህለውን ነዚ ንምርዳእ እዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ናይ እግዚአብሔር ጻድቃን ዓቢ ተስፋን ብስራትን እዩ። ብሞቱ ሞትና ከምዝተሣዕረ፡ ብትንሣኤኡ ትንሣኤ ከምዝረኸብና ብዕርገቱ ድማ ልዕልና ረኸብና፤ ሰማያውያን ከም እንኸውን ተስፋና ጽኑዕ ኮነ፤ ሕይወትና’ውን ምስኡ ተሰወረ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ምሥጢር ዘለዎ ቃል ንምዝክኻር ንሕና ምእመናን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ግብሩ(ኃጢኣት) ቀንጢጥና ክንድርብይን ሓዲስ ሰብነት ክንለብስን፤ ካብ ኃጢኣት ዘበለ ኵሉ ርሒቕና ክንነብር እናመኸረ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሢእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ሕይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ሕይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።” (ቈሎ ፫፥፩-፫) ይብል። እዚ ቃል ድማ እዩ ብናይ ክርስቶስ ዕርገት ናይ ጻድቃን ዕርገት እሙን ምዃኑ ዘረጋግጽ  እዩ።

እምበኣር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ብፍቓዱ ሞተ፤ ሞይቱ ከምዘይተረፈ ንምርግጋጽ ከኣ ተንሥአ፤ ነዚ’ውን ብዙኃንን ብዙኃትን ምድራውያንን ሰማያውያንን መስከርቱ ኮኑ። ድኅሪ ትንሥኤኡ ኸኣ ናበይ ከምዝኸደ ንምርዳእን ንምርኣይን ኣገልገልቱን መሰኻኻሩን ኣብ ዘለዉዎ ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ። እቲ ብይባቤን ምስጋናን ዝዓረገ ንሱ እቲ ንሞት ሥዒሩ ዝተንሠአ ጐይታ ምዃኑ ከኣ ኵሎም ዝረኣይዎ መስከሩ። ከምቲ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ ብኽብሪ ከምዝዓረገ፤ ዳግማይ ከምኡ ከምዝምለስ ንኣምን። “ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።” ዝበለ ጐይታ ንሱ እቲ ሓቀኛን ዘለዓለማዊን ኣምላኽ እዩ እሞ ኣብ ቃሉን ትምህርቱን ጸኒዕና ንንበር።

በረኸት ዕርገቱ ይኽፈለና።
 ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።


No comments:

Post a Comment