ታሪኻዊ ድኅረ ባይታን ጥንታውነትን ከባቢ ኣሥመራ
ዋና
ከተማ ሃገርና ዝኾነት ኣሥመራ ሎሚ ብዘመናዊ መልክዕ ቅድሚ ምህንዳሳን ምስፋሓን፤ ኣዝያ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ፤ ዝተፈላለዩ ሕዝቢ
ዝቕመጡላ ከባቢ ከምዝነበረት ኣብ ታሪኽ ዝተፈልጠ እዩ። ጥርናፈ ኣብቲ ከባቢ ሰፊረን ዝነበራ ኣርባዕተ ዓድታት (ገዛ/ዓዲ ኣስምዓ
ወይ ደብርጽዮን/ደብረጨን፤ ዓዲ ጐረቶም፤ ዓዲ ሽለለ፤ ዓዲ ስርንስር) ከኣ ንስያሜአ መሠረት ከምዝኾነ ይግለጽ። ይኹን ደኣ እምበር
ጥንታዊ ታሪኽ ኣሥመራ ምስ ምምሥራት እዞም ዓድታት ጥራይ ዝተወሰነ ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል የድሊ። ካብኡ ዝቕድም ጥንታዊ ታሪኽ’ውን
ዝርከበሉ እዩ። እዘን ዓድታት በብቕሩብ ኣብ መበል 982 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከም እተደኰና ይጥቐስ እዩ። ኣብቲ ከባቢ’ውን ንዝነበራ
እዝጊ ሓደራ (ምብራቕ)፤ ማይ ጸናጺት (ምዕራብ)፤ ቤተ ኣንበሳ ((ሰሜን)፤ ማይ ጭሆት (ደቡብ) ዝተስየማ ከባቢታት ብዕጭ ውድቕ
እዞም ዓድታት ከምዝተኻፋፈልዎም ይፍለጥ።
ሓፈሻዊ
ታሪኽን ምትካልን ሎሚ እዛ መንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝርከባላ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት
ማርያም ምስ ምስፋር ዝቐደመ ሕዝቢ ኣብዚ ከባቢ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ተመራመርቲ ታሪኽ ዝገልጽዎ እዩ። ገለ ጥንታውያን ብራናታት ከምዝጠቐስዎን፤
ዓበይቲ ዓድ’ውን ብኣፈ ታሪኽ ከምዘዘንትዉዎን ከባቢ ኣሥመራ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፤ ዕሙር ዕዳጋን መጋብእያን ናይ ስፍሕ ዘበለ ኣብቲ
ከባቢ ዝነበሩ ሕዝብታት ምንባሩ ኣርጊጾም ይገልጹ እዮም። ኣብ ታሪኽ ዓለም፤ ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም፤ ምስ ምዕዳውን ምስፋሕ
ዓድታትን፤ ንኣምልኾት፤ ንዕዳጋን መጋብእያን ዝኸውን ስፍራ ከም ማእከልን
ሕመረት ባህልታቶምን ይጥቐሙ ምንባሮም ከኣ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ሃገርና ኤርትራ’ውን ብዘለዋ ቅርበትን ኣፍደገ ባሕርን ነቲ ማእከል
እምነት ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ብምዃና ዘይኮነትሲ፤ ብርእሳ’ውን ኣሽሓት ዓመታት ዘቝጸረ ዳርጋ ባዕላዊን መበቖላዊን
ዝብሃል ሥልጣነን፤ ነዚ ከኣ ዋንኡ ባዕሉ ዝኾነ ሕግን ሥርዓትን ዝውንን ሕዝብን ከምዝነበራን ከምዘለዋን መመሊሱ ዝዅላዕ ዘሎ ታሪኻዊ
ርኸበታት ዘረጋግጾ ዘሎ ሓቂ እዩ። ልዕሊ ፪ሺሕ ፭፻ (2500) ዓመታት ከምዘቑጸረ ዝንገረሉ ዓዳዊ ኣሰፋፍራን፤ ሥልጣነታትን ኣብ
ሕምብርቲ ሎሚ ኣሥመራ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማን ከባቢ ዓድታትን ተደኲኑ ከምዝነበረ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ብሥነ ኵዕታ ዝተረኽበ
ጭብጢ ዝምክስሮ እዩ። ይትረፍ ገና ብዘመን ዘይተነጸረ ናይ ብዓል ቅድመን ድኅረን ኣዝዩ ጥንታዊ ኣዱሊሳዊ ታሪኽን ምስኡ ዝተኣሳሰረ
ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገርና ፋሕ ኢሉ ኣሰሩ ዝረአ ሥልጣነታትን፤ እቲ ኣብ ጥንታውያን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያና’ውን ምስታ
ንግሥተ ኣዜብ ተባሂላ ዝተጸወዐት ንግሥት ሳባ/ማክዳን፤ ብስማ ተጸዊዑ ኣብ ዝርከብ ምድረ ሳባን ዝነበረ ታሪኽ ልዕሊ ፫ ሺሕ
(3000) ዓመታትን፤ ከምኡውን ቅድሚ ሥልጣነ ግብጺ (፭/5000 ሺሕ ዓመታት) ዝነበረ ምዕቡል ኣቃውማ ኅብረተሰብን ኣጠቓቕማ ቋንቋታትን፤
ብዝበዘኀ ምስዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራና ዘሎ ምድሪ ብዝተፈላለየ መዐቀኒታቱ ዝዛመድን ዝተኣሳሰረን ምዃኑ ታሪኻዊ መርትዖታት ጥራይ ዘይኮነስ
ብምዕቡል ሥነ ፍልጠታዊ ኣገባብ ዝግበሩ መጽናዕትታት’ውን ዝያዳ እናጕልሕዎን እናደርዕዎን ዝርከቡ ሓቂ እዩ። (ካልኣይ ዜና ፱/9
ቀዳማይ ነገ ፲/10፤ መዝ ፸፪፥፲/73፥10 ኢሳ ፵፫፥፫/43፥3 ፵፭፥፲፬/45፥14 ኢሳ ፷፥፮/60፥6 ኤር ፮፥፳/6፥20 ሕዝ
፳፯፥፳፪/27፥22 ድርሳነ ጽዮን፤ ገድለ ጻድቃን፤ ክብረ ነገሥት) ካልኦት ጨወይቲ ታሪኽ ከባቢናን፤ ፈጣራዊ ቀመርትን “ኣማእዘንትን”
ታሪኽ ዓለም ዝኾኑ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝሓለፉ ክፍለ ዘመናት ሃብታም ታሪኽና በብቲ ዝደለይዎ ከእንፍትዎ፤ ሓሓንሳብ ከም ዛንታ ልቢ
ወለድ ክደርስዎ፤ ሓሓንሳብ’ውን ክቐብርዎን ይፈትኑ ደኣ እምበር፤ እቲ ሓቂስ መመሊሱ እናተቐልቀለ ነቲ ሓቀኛን ንቡርን ታሪኽና ዝያዳ
የግህዶ ኣሎ።



