Thursday, September 6, 2012

“ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን”


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

 ብመጀመርታ ኵሉ ዝከኣሎ እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ካብ ዘመነ ዮሐንስ ወንጌላዊ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ ብሰላም ኣብጺሑና እዩ እሞ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።

ነዚ ቃል ኣቐዲሙ እተዛረበ ልዑለ ቃል ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ እዩ። እዚ ነቢይ’ዚ ብመሠረት እግዚአብሔር ዝገለጸሉ ምሥጢርን ብዝተዋህቦ ሃብተ ትንቢትን:  ምድራዊ ዓለም ምስ ሓለፈ ሰማያዊ ዓለም ከምዝትካእ ተገሊጹሉ “እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪሕሰብን እዩ።” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። (ኢሳ ፷፭፥፲፯/65፥17) እምበኣር ነቢዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክዛረብ ከሎ:  እግዚአብሔር ኣምላኽ ቀደም ዘይነበረን ዘይተፈጥረን ሓዲሽ ሰማይ ከምኡውን:  ቅድሚኡ ዘይነበረ ሓዲሽ ምድሪ ብሕጂ ዝፈጥር ኮይኑ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ክንዲ እዚ ምድራዊ ዓለም:  ሰማያዊ ዓለም ዝትካእ ምዃኑ ምግላጹ እዩ። ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ዳኅራዋይ ዘመን:  ዘመናት ንዘመናት እናተክኡ ፍጻሜ ዘመናት ምስኮነ ንዝህቦ ተስፋ ኣቐዲሙ ምብሳሩ እዩ።

ነዚ ተስፋ’ዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተገልጸሉን እተዛረበን ነቢይ ኢሳይያስ ጥራይ ኣይነበረን። ኣቡቀለምሲስ ቅዱስ ዮሐንስ’ውን ኣብ ራእዩ:  ብዝያዳ ነቲ ነቢዪ ኢሳይያስ ዘየብርሆ ነገር ብምብራህን ብምትንታንን:  “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።” ብምባል ኣብታ ሓዳሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ዝተባህለት መንግሥተ ሰማያት እቶም ኣብዛ ምድሪ ከለዉ ፈቓድ እግዚአብሔር ዝፈጸሙ ሰባት ዕድሎም ምስ ኣምላኽ ብሓጐስ ምንባርን:  ኣብኡ ንዘሎ ክብሪ ኣምላኽን ይገልጽ። ንብዓት እቶም ኣብዚ ምድሪ ዝብኸዩ ኵሎም ዝደርዝ ኣምላኽ:  መርዓት ክርስቶስ ኣብ ዝተሰምየት ኣብታ ሓዳስ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም:  ድኅሪ ደጊም ሞትን ሓዘንን:  ጫውጫውን ጻዕርን ኣጥፊኡ ንዅሉ ሓዲሽ ከምዝገብሮ ብዘይ ሕሶ ቃሉ ንዝሃቦ ተስፋ ኣጽኒዑ ይነግረና። (ራእ ፳፩፥፩-፮) ብመሠረት እዚ ቃል’ዚ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ንደቂ ሰባት ዝተዳለወትን:  ዝተዋህበትን ምዃኑ ኣርጊጹ ይነግረና። ሓዳሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ምባሉ ድማ ብዙኅ ትርጉምን ምሥጢርን ዘለዎ እኳ እንተኾነ ብቀንዱስ ሰማያዊት ዓለም እትውረስ:  ደቂ ሰባት ኣብ ምድራዊት ዓለም ከለዉ ብዝፍጽምዎ መንፈሳዊን ሰናይን ተግባራት ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ብዛዕባ እቲ ዘይተርፍ እሞ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝኸውን ለውጢ ዘመንን ዓለምን ክንዛረብ ከሎና:  እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሳሌኡ ገይሩ ንዝሠርዖ:  ኣብዚ ምድሪ ንዘሎ ቀጻሊ ውላጤ ዘመናትን ዓለምን ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ኣብ ቅድሜናን ምሳናን ዘሎን ዝኸውንን ነገራት ከይስተውዓልና:  ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ናይ መወዳእታ ለውጢ ምምዕዳው ሓሓንሳብ ብእምነት ንዘይደልደልና ሰባት ከቢድ ኮይኑ ከምዝርከብ ዘይሰሓት ሓቂ እዩ። ጐይታ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ኣምላኽና:  ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ነቶም ክፍትንዎ ዝመጹ እሞ ካብኡ ትእምርቲ ንዝደለዩ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን “ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። ምስ ወግሐ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን?” ብምባል ንኵልና መለበሚ ዝኸውን ትምህርቲ ሂቡና እዩ። (ማቴ ፲፮፥፫/16፥3) እዚ ድማ ኣብ ከባቢና ኣብ ጥቓናን ንዝኾኑ ነገራትን ለውጥታትን ብምስትውዓል:  ግብርታት ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥን:  ብመሠረት ቃሉ ክንገብሮም ዘሎና ትእዛዛት ምፍጻም ከምዝግባእ ዘዘካኽር እዩ።

ብርግጽ ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ዓለም:  ዘየቋርጽ ለውጢ ኣሎ። ዘይልወጥ ፍጡር ድማ የልቦን። ትማሊ ዝነበረ ሎሚ የሎን። ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ኣይክህሉን እዩ። ትማሊ ዘይነበረ ሎሚ ኣሎ:  ሎሚ ዘየሎ ጽባሕ ክመጽእ እዩ። ሰማያትን ምድር’ውን ኣብ ውሻጠኦምን ከርሶምን ቀጻሊ ለውጢ ከካይዱ ይነብሩ። ሰብ ይውለድ:  ይጎብዝ:  ይኣርግ:  ይመውት:  እቲ ዝኣረገ ይሓልፍ:  ሓዲሽ ድማ ይመጽእ። ወለዶ ንወለዶ ይትክእ:  ይተኻኻእ። ብርሃን ብጸልማት:  ጸልማት ድማ ብብርሃን እናተተከአ ይነብር። ክረምትን ሓጋይ’ውን ከምኡ። እምበኣር ናይዚ ኵሉ ቀጻሊ ለውጥን ምትክኻእን መዐቀኒን መለክዒን ገይሩ እግዚአብሔር ንፀሓይን ካልኦት ፍጥረታት ፈጠረ። ናቶም መስርሕ ከኣ ኣብ ሰማይን ምድርን ወትሩ ከነስተውዕሎም:  ብኸምኡ ከኣ ክንነብረሎም ንርከብ። ሎሚ ካብቲ ብጸልማት ዝምሰል ዘመነ ክረምቲ ናብቲ ብብርሃን ዝምሰል ሓድሽ ዘመን ሰጊርና ኣሎና። ከም ሓድሽ ፍጥረት ድማ ምድርን ሰማይን ጸርዩን በሪሁን ኣሎ። ብመዐቀኒ ዘመን ድማ ነቲ ዝሓለፈ ኣረጊት ንድኅሪት ገዲፍና ሓድሽ ዘመን ንረግጽ ኣሎና። ኵሉ ፍጥረት ድማ ካብቲ ዘዘለዎ ወጺኡ ሓጐሱ ክገልጽ ይረአ እዩ። ሰባት በብዝተራኸብዎ ድማ “እንቋዕ ናብ ሓዲሽ ዓመት ኣብጽሓና” እናተባሃሃሉ ሰላምታ ሓጐስን ምስጋናን ይለዋወጡ። ካልኦት ፍጥረታት እንሰሳት ይኹን ዕፅዋት ድማ ነናቶም ዘድንቕ ግብሪ ኣምላኽ ዝረኣየሉ:  ነቲ ሓዲሽ ዘመን ዝቕበሉሉ ሥርዓት ኣለዎም። እምበኣር እዚ ለውጢ ዘመን:  ምሳሌ ናይቲ ደቂ ሰባት ዝጽበይዎ ሓዳሽ ዓለም ተምሳል እዩ።

ኮይኑ ድማ ሰባት ሓዲሽ ዘመን ብሓጐስ ክንቕበል እንኽእል:  ኣብቲ ዝቐደመ ዘመን እቲ ዝግባእና ፈጺምና ምስ እንርከብ እዩ። ብሥጋ ይኹን ብመንፈስ ነቲ ወትሩ ዝተዋህበና ጊዜ ብዝግባእ እንተደኣ ሰሪሕናሉ:  እቲ ዝመጽእ ጊዜ ብሓጐስን ምሉእ ተስፋን ክንቕበሎን ድልዋት ንኸውን ኣሎና ማለት እዩ። ሓረስታይ ኣብ ክረምቲ ንዅሉ ፈተና ክረምትን:  ከቢድ ሥራሕን ተጻዊሩ እንተደኣ ብትግሃት ሠሪሑ:  ነቲ ሓድሽ ዘመን ብምሉእ ተስፋ እዩ ዝቕበሎ። ሎሚ ኣብዚ ዓለም እንነብር ዘሎና ደቂ ሰባት መዋዕል ንፍስሓ ዕድመ ንንስሓ ዝተዋህበና:  ኣብ ጊዜና ብቅድስት ሃይማኖት ጸኒዕና ንእግዚአብሔር ዘሥምር:  ፍቓዱ ዝፍጽም ሰናይ ተግባራት ሒዝና ክንጸንሕ እዩ። ክረምተ ዓለም ተፈጺሙ:  ሓጋይን ቀውዕን (ምጽኣት) እቲ ዝመጽእ ሓዲሽ ዓለም ዝእውጅ ሓድሽ ዘመን ምእታውና ዘይተርፍ ስለዝኾነ:  ኣብዚ እዋን ክረምት ዓለምና:  ካብ ዝወደቕናሉ ተንሢእና:  ካብቲ ዝደቅስናሉ ተበራቢርና ክንዓዪዪን ንዝመጽእ ሓዳሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ዝበቕዕ ልብሲ ተኸዲንና:  ስንቅና ቋጺርና ክንጸንሕ ይግባእ። እዚ ኸኣ ሃይማኖት ኣቦታትና ኣጽኒዕና:  ብንስሓ ተሓጺብና:  ንቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን በቒዕና:  ሠናይ መንፈሳዊ ተግባራት እናፈጸምናን ምስ ኵሉ ብፍቕሪ እናነበርና ምጽናሕ እዩ። እታ ሓዳሽ ዓለም መፍትሕ መእተዊኣ ንሱ እዩ። “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።” ዝብል ቃል’ውን ሓቀኛ ትርጉም ዝሕዝ ነዚ ፈጺምና ምስ እንርከብ እዩ።

እምበኣር ለውጢ ምምጽኡ ዘይተርፍ እዩ። ሰባት ስለዘበሉን ስለዝደልዩን ግና ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ደው ኢሉ ከምዘሎ ዝመስሎ ኵሉ እንተዘይተጠንቂቑ ኣብ እዋኑ ክወድቕ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ስለዝኾነ። ዘመን መጺኡ ዘመን ክትካእ ከሎ:  ናይቲ ዝሓለፈ እዋን ከመይ ነይሩ ኢልካ ምግምጋም’ውን ጽቡቕ ትምህርትን መለበሚ ምኽሪ ዝርከበሉ እዩ። ብቀንዱ ድማ መራሕቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና:  ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ነቲ ዘመን ኣጸቢቕና ክንምርምሮ ይግባእ። ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ንዝግበሩ ዘለዉ ለውጥታት ከነቕልበሎም ይግባእ። ብዘይምስትውዓልና ከይንውቐስ ርእስና ክንፍትሽ ይግባእ። ብዝተረፈ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነዚ እንጅምሮ ሓድሽ ዘመን:  ዘመነ ለውጢ:  ዘመነ ትንሣኤ:  ዘመነ ራህዋን ቅሳነትን ክገብረልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ጸሎትን ኣማላድነትን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።






No comments:

Post a Comment