Monday, September 10, 2012

ገዳም ቅዱስ ዮሐንስ ቴድረር


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መእተዊ
ብጥንታውነቱ ህልዊ ካብ ዝኾኑ ቅዱሳን ገዳማት ሃገርና ኣብ ሣልሳይ ደረጃ ይሥራዕ። ድኅሪ ደብረ ሲናን ደብረ ሊባኖስን ዝተመሥረተ ገዳም ምዃኑ መዛግብት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ዳርጋ ኣስታት ሓደ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእቲ ዓመት (1500) ዝቀራረብ ዘደንቕ ታሪኽ ሓቝፉ ክነሱ፤ ክንዲ እቲ ጥንታውነቱን ግብሪ ተኣምራቱን ኣብ ሕዝቢ ብዝግባእ ዝፍለጥ ገዳም እዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ካልኦት ገዳማትና ዘይርከቡ ብፍሉይነት ዝጥቐሱ ብዙኅ ታሪኽ ከምዝውንን ዝንገረሉ እዚ ገዳም’ዚ፤ ብስም ነቢይን ሓዋርያን፤ ባሕታውን ሰማዕትን፤ ጸያሔ ፍኖት ብዝተባህለ መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ዝተሰየመ እንኮ ገዳም ሃገርና እዩ።

ዳርጋ ኵሎም ገዳማትና፤ ብዝመሥረትወንን ኣብቲ ከባቢ መንፈሳዊ ገድሎም ብዝፈጸሙን ቅዱሳን ሃገርና ክጽውዑ ከለዉ፤ እዚ ገዳም’ዚ ግና ኣብ ሞንጎ ዘመነ ሓዲስን ዘመነ ብሉይን ናይ ዝተረኽበ ቅዱስ ዮሓንስ ስም ሒዙ ብፍሉይ ክጽዋዕ ይነብር ኣሎ። ከምቲ ስሙ ድማ ክብረ በዓሉ’ውን ኣብቲ ሓዲስ ዓመት ዝኣትወሉ ርእሰ ዓውደ ዓመት መዓልቲ ቅዱስ ዮሓንስን (ባሕቲ መስከረም ድሮ ምትረተ ርእሱ) ዕለተ ፪/2 ሰነ ይኽበር። እምበኣር ብዛዕባ’ዚ ገዳም መጻሕፍቲ ተወኪስና፤ ንዝፈልጡ ሓቲትና ንዝረኸብናዮ ሓበሬታ፤ ኵልና ካብቲ ቅዱስ በረኸት ተሳተፍቲ ምእንቲ ክንከውን፤ ኣወሃሂድና ናባኹም ኣቕሪብናዮ ኣሎና። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቅዱሳት ገዳማት ሃገርና ንኵሉ ዓለም ኣብ ምልላይ ንዝሕግዙና ዘለዉ ኣኅዋትን ኣቦታትን፤ ንኵሎም ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከነመስግኖም ንፈቱ። በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ዮሐንስ ምስ ሕዝብናን ሃገርናን ይኹን።

ኣቐማምጣ
እዚ ቅዱስ ገዳም’ዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ዝርከብ ኮይኑ፤ ካብ ከተማ ደቀ መሓረ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ፤ ኣብ መገዲ ማይ ዓይኒ (ጾሮና) ኣስታት ፴/30 .ሜ ምስ ተጓዓዝካ ካብ እትርከብ ዓዲ ነብሪ ብወገን ጸጋም ካብቲ ቀንዲ ጽርጊያ ተኣሊኻ ኣስታት ፫-፬ ኪ.ሜ ምስ ከደካ ዝርከብ ገዳም እዩ። እቲ ቀንዲ ገዳም ድማ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ሓደ ጸዳፍ ሮራዊ ጎባ እዩ ተገዲሙ። ብራኸ ገዳም ኣስታት 1650 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ከምዝኾነ ይንገር። ኣብቲ ከባቢ ድማ ብስም ቴድረር ተጠርኒፈን ዝጽውዓ፤ ብርክት ዝበላ ዓድታት ነዚ ገዳም ኣኽቢበንኦ ይርከባ። ገለ ካብኣተን ድማ ዓዲ ነብሪ፤ ዓዲ ጎልጎል፤ ዓዲ መኸዳ፤ ዘርቶ፤ እምባ ዓርባ፤ ማእኾኖ፤ መርበት፤ ገንሰባ ማይ ዓይኒ፤ ሓዳስ ኣጕላ ዝብሃላ ዓድታት ይርከብኦ።

ላዕለዋይ ክፋል ናይዚ ገዳም ናይ መነኮሳት (ተባዕትዮ) ክኸውን ከሎ፤ እቲ ታሕተዋይ ክፋል ግና ናይ መነኮሳይያት (ኣንስትዮ) ገዳም እዩ።

ኣመሠራርታ
ታሪኽ እዚ ቅዱስ ገዳም’ዚ ምስ እንርኢ፤ ብለበዋ አቡነ ሊባኖስ ብሥምረትን ስምምዕን ሠለስተ ደቂ ድራር ዝተመሥረተ ምዃኑ ይጥቐስ። ታሪኽ እዚ ገዳም’ዚ ዝገልጹ ጽሑፋት ከምዘመልክትዎ፤ ብ፭፻፴፯ ዓ.. ኣብ ጊዜ ኃፀይ ገብረመስቀል ብቅዱስ ዮሐንስ ብሠለስተ ደቂ ድራር ማለት (ሓወንታይ፤ ዓዅረንታይ፤ መጎኖታይ) ከም ዝተመሥረተ ይገልጽ። ድራር (መሓመድ ጻዕዳ) ማለት ካብ ስግሪ ባሕሪ መጺኡ ካብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፤ ካብ ሃም ሰበይቲ ተመርዕዩ ዝናበር እዩ ነይሩ። ኣብ ሃደን ወፊሩ ኣብ ምምዕርራር መግቢ እንከሎ ድማ ምስ ኣቡነ ሊባኖስ ተላለየ። ብምኽሪ ሰበይቱ ድማ ናብ ኣቡነ ሊባኖስ ተመሊሱ ኣቦ ክኽንዎ ተማኅፀኖም። ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ሃም ከለዉ ኣእሚኖም ምስ ስድርኡ ኣጠመቕዎ። ድራር ዝብል ቅጽል ስሙ’ውን ንሶም ኣበርኪቶም ካብ ዝሃብዎ ድራር ዕለት ዝነቀለ እዩ። ኣቡነ ሊባኖስ ኣዝዮም ዝፈትዉዎን ከም ወድን ኣቦን ድማ ፍቕሪ ዝነበሮምን፤ ብኵሉ ድማ ዝራድኦም ዝነበረ ብሩኽ ሰብ እዩ ነይሩ። ምስ ኣጠምቕዎ ድማ ገብረ ክርስቶስ ሰመይዎ። መርኣያ ፍቕሮም ድማ ከምቲ ብሕይወት ከለዉ ዝተዛረብዎ፤ ንኣቡነ ሊባኖስ ዝቐበሮም ባዕሉ ድራር እዩ። ቅዱስ አቡነ ሊባኖስ ኮነ ድራር ድማ ኣብ ሃም እዮም ተቐቢሮም።

ቅዱስ ሊባኖስ ሓደ እዋን ብምኽንያት ሓዋርያዊ ዑደት፤ ብከባቢ ቴድረር እናሓለፉ ከለዉ፤ ኣብ ከባቢ ቀሪን ዝብሃል ቦታ፤ ንረድኦም ድራር ኣመልኪቶሞ ነበሩ። ንደቁ ዝኸውን ስፍራ ምዃኑ ከኣ ሓቢሮሞ ስለዝነበሩ፤ ድኅሪ ዕረፍቲ ድራር እቶም ሠለስተ ደቂ ድራር ለበዋ ኣቦኦም ሰሚዖም ካብ ሃም ናብዚ ሎሚ ቴድረር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስፍራ መጹ። ብስምምዕ ከኣ ነዛ ሎሚ ብስም ቅዱስ ዮሐንስ እትጽዋዕ ገዳም ሠረቱ።

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ገዳም
እታ ብስም ቅዱስ ዮሐንስ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን፤ ብደቂ ድራር ፈለማ ክትሥረት ከላ ኣብ ታሕታዋይ ክፋል ወይውን እግሪ ጎቦ ናይዚ ሎሚ እቲ ቤተ ክርስቲያን ዝርከበሉ ጸድፊ ምዃኑ ታሪኽ ናይዚ ገዳም የዘንቱ፤ እቲ ኣብ ክብረ በዓል ዝንበብ ገድሊ’ውን ዝምስክሮ ሓቂ ንሱ እዩ። ኣራግጽን ምስ ምብዛኅ ሰብን ጥሪትን ዝመጽእ ረስሓትን ሕማቕ ጨናን ምስ በዝኆ ግና ቅዱስ ዮሐንስ ነታ መካን ብልቡ ከምዝመነና እሞ ነቶም ካህናት ብህልሚ እናተገልጸ ቦታ ክቕይሩ እንተነገሮም’ውን ክሰምዕዎ ስለዘይከኣለ፤ ብተኣምራቱ ንዋያት እታ ቤተ ክርስቲያን ሒዙ ናብ ላዕሊ ጸድፊ ናይቲ ጎቦ ከም ዝደየበ ይገልጽ።

እቶም ካህናት ድማ ናበይ ከይዱ፤ መን’ከ ወሰደልና ኢሎም ተጨኒቖም ክደልይዎ ጀመሩ። ድኅሪ ክንደይ ጊዜ ምድላይን ምስኣንን ኣብ ላዕሊ ጎቦ ብሥርዓት ተቐሚጡ ጸንሖም። ሰባት ዝወሰድዎ ኮይኑ ይስምዖም ስለዝነበረ ድማ ደጋጊሞም (ሠለስተ ሳዕ) ናብ ቦትኡ ይመልስዎ ነበሩ። ቅዱስ ዮሐንስ ግና ብመንፈስ እንታይ ጌረዮም እየ ዘይሓድጉኒ ይብል ነበረ። ካብ ምሥዋዕ ጀሚሩ ዘሎ ንዋያተ ቅድሳት ድማ ተመሊሱ ናብቲ በዓቲ ይግዕዝ ነበረ። ዳኅራኡ ግና ኣብዚ ጸድፊ እንታይ ኢና ክንገብሮ እናበሉ ምሕሳብ ምስ ጀመሩ፤ እቲ ጎቦ ባዕሉ ኣብ ፍርቂ ናይቲ ጸድፊ፤ ብተኣምራት ተኸፍተ። ኣብቲ ጎቦ ዝነበረ ዓበይቲ ኣእማን ድማ ሕዝቢ እናረኣዮ ተተበርቊቝ ናብ ዝተፈላለየ ሠለስተ ቦታታት ክግዕዝን ክስንዶን ጀመረ። ነዚ ተኣምር ዝረኣየ ሕዝቢ ድማ “ድንግዝን ድንግዛን” (ዘገርም ተኣምር) እናበለ ጨደረ። ኣስዒቦም እምበኣር ባዕሉ ቅዱስ ዮሓንስ ሰፈሩ ካብ መረጸን ካብ ዘደላደለን፤ እንታይ እሞ ክንገብር ኢሎም እቲ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ቦታ ከምዝግዕዝን ብዝግባእ ከምዝሥራሕን ገበርዎ።

እቶም ካብዚ ሕጂ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ጸድፊ ነነጢሮም ዝኸዱ ሠለስተ ኣእማን (እቶም ዓዲ እምኒ ሓርማዝ ዝብልዎም) ኣብ ዝተፈላለየ ሠለስተ ቦታ ከምዝርከቡ ደቂ ዓዲ ይጠቕሱ። እቲ ሓደ ኣብ ሓዳስ ዝብሃል፤ እቲ ካልእ ኣብ እግሪ ገዳም፤ እቲ ሣልሳይ ድማ ንዓቐብ ናብ ላዕሊ ናይቲ ጎቦ ብምድያብ ኣብኡ ከምዝርከብ ይገልጹ። እቶም ደቂ ዓዲ ብፍላይ ድማ እቲ ሣልሳይ እምኒ ክሳብ ሕጂ ተኣምራታዊ ብዝኾነ መገዲ ዕጣን ዕጣን ከምዝጨኑ እዮም ዝግልጹ። ብሓፈሻ ግና ሎሚ’ውን እታ ቤተ ክርስቲያን፤ ፍርቂ ጐድና ኣብቲ ጸድፊ ዝኣተወትን፤ ፍርቂ ክበባ ጥራይ ዝረአ ምዃኑ ዘድንቕ ተኣምራታዊ ኣሰራርሓ ከምዘለዋ ምስትውዓል ይከኣል።

ተወሳኺ ታሪኽ ገድለ ወተአምር ቅዱስ ዮሐንስ ከምዘብርሆ ድማ ሓደ እዋን ቅዱስ ዮሐንስ ተገሊጹ፤ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ጽልማ-ህርጉድ ኣማድር፤ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝግበር ጥምቀት ንኽርኢ ኣብ ዝመጸሉ፤ ሰበይቲ ገዛኢ መኰንን (ይኩኖ እግዚእ) ዝኾነት ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ ዘይግባእ ነገር ብትዕቢት ስለዝፈጸመት፤ መቕሰፍቲ ከምዝውረደ እሞ፤ ቅዱስ ዮሓንስ ነቶም ንዋያተ ቅዱሳት ሒዙ ካብኡ ተላዒሉ ናብ ሰምበል (ኣስመራ ) ከም ዝመጸ፤ ካብኡ ከኣ ናብ ዓዲ ኣርዓዳ፤ ካብኡ ድማ እምበይቶ ሰሓርቲ ከምዝመጸ ይገልጽ። ብድኅሪ’ዚ ቅዱስ ዮሐንስ ንዋያተ ቅዱሳት ሒዙ ናብ ቴድረር ኣብ ሞንጎ ክልተ ጎቦ እትርከብ ማይ ዘንቅዓላ ማይ-ወገዴ ኢሉ ዝሰመያ በዓቲ ከምዝመጸ እሞ ከምዝባረኻን ከምዝጸለየላን ማየ ጸሎቱ ከምዝውሓዘላን ይገልጽ። ስለዚ እዩ ድማ ዋላ ኣብ ሰምበል ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ታቦት ቅዱስ ዮሐንስ ዝርከብ ይብሉ ፈለጥቲ ታሪኽ።

ድንቂ ነገራትን ተኣምራትን
ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተገልጸ፤ ኣተሓናንጻን ኣቐማምጣን ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሐንስ ንረኣዪኡ ይኹን ንሰማዒኡ ኣዝዩ ዘድንቕ እዩ። ኣብ ውሽጢ ተኣምራታዊ በዓቲ ኣቲኻ በረኸት ቅዱስ ዮሐንስ ምስታፍ ኣዝዩ መንፈሳዊ ርውየት ከምዝህብ ፈለጥቱ ይዛረቡ። ምናልባት ርኡይ ኮይኑ ንዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ይጥቐስ ኣሎ እምበር፤ እዚ ገዳም’ዚ ብተኣምራት ዝተመልአን ክሳብ ሕጂ ብቀጻሊ ተኣምራት ዘይተፈልዮን ገዳም ምዃኑ እዮም ኣቦታት ዝገልጹ። ንኣብነት ክኾነና ስዒብና ንገለ ውሑዳት ክንጠቕስ ኢና።

ኣብ እግሪ እዚ ገዳም ካብ ውሽጢ ዓበይቲ ኣካውሕ ዝምንጭዉ ልዕሊ ኃሙሽተ ዝኾኑ ማይ ጸሎታት ነይርዎን ኣለዎን። ገሊኦም ፲፪/12 እዮም ይብሉ። እዞም ማይ ጸሎታት ነቶም ብእምነት ንዝመጹ፤ ንተራዳኢነት ቅዱስ ዮሐንስ ጸግኦም ንዝግበሩ ክሳብ ሎሚ ተኣምራት ክገብሩን፤ ሕማማት ክፍውሱን ይርከቡ ኣለዉ። ብፍላይ እታ ቀንዲ ማይ ጸሎት ቅዱስ ዮሐንስ፤ እታ በብቕሩብ እትነጥብ ማይ ካብቲ መዋህለሊኣ (መዕቖሪኣ) መሊኣ ዘይትፈስስ፤ ምስ ተቐድሓላ ክትጐድል ከላ’ውን ንሻቡ እትመልእ ተኣምራታዊት ማይ ጸሎት እያ። ምዕቡል ሕክምና ኣብ ዝርከቦ ሃገራት፤ መፍትሒ (ፈውሲ) የብሉን ተባሂሎም ዝቐበጹ መዋዕል ምስ ጸገማቶም ዝነብሩ ዝነበሩ፤ ኣብዚ ማየ ጸሎት ተሓጺቦምን ሰትዮምን መፍትሒ ዝረኸቡን ነቲ ገዳም ሰናይ ዝገብሩሉን ሰባት ሎሚ’ውን ከምዘለዉ ይንገር እዩ። ንሰብ እምበር ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን እሞ ብእምነት ምንባር ከምዝግባእ ዘመልክት ሕያው ምስክር እዩ።

ኣዝዮም ብዙኅ ታሪኽ ዝሓዙ ጥንታዊያን መጻሕፍተ ብራናታትን ንዋያትን ኣብዚ ገዳም ከምዝርከቡ ይእመን። በዞም ጥንታውያን ትሕዝቶታት ገዳም ድማ፤ ኣዝዮም ጥንታውያን መጻሕፍቲ ካብ ዝርከበሉ ስፍራታት እዚ ገዳም ብቀዳምነት ካብ ዝሥርዑ ገዳማትና ሓደ ምዃኑ ይንገር። ካብኣቶም ድማ ጥንታውያን ብራናታት ክብረ ነገሥት፤ ገድለ ሰማእታትን ገድለ ጻድቃንን ይርከቦ።

ካልእ ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ድንቂ ዝኾኑ፤ ኦርቶዶክሳዊ ቅዲ ተኸቲሎም ዝተሣዕሉ ቅዱሳን ኣሣዕል ኣለዉ። እዞም ቅዱሳን ኣሣዕል ካብ ካልኦት ፍልይ ዘብሎም፤ ዳርጋ ዓይነ ሥውር (ኣጸቢቖም ክርእዩ ብዘይክእሉ) ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ኣብ እዋን ሰዓታት ለይቲ ብተባሕትዎ ዝተሣዕሉ ምዃኖም እዩ። ርቀትን ጥበብን ናይዞም ኣሣዕል፤ ይትረፍ ኣጋ ዑረት ብዝበጽሑን ውሑድ ክርእዩ ብዝኽእሉን፤ በቲ ጥዑይን ክኢላን ሰብ እኳ ብለይቲ ተሣዒሉ እንተዝብሃል መን ምኣመኖ ይብሉ ነቶም ኣሣዕል ዝረኣዩ በጻሕቲ። ዘድንቕ መንፈሳዊ ኢደ ሰሎሞን ዝዓረፎን፤ ብዓይነ ልቦና እናተራእየ ዝተሣዕለ ስለዝኾነን ግና ብለይቲ (ብጸልማት) ክስራሕ ተኻእለ። ካብ ሥዕለ ሥላሴ ጀሚሩ ድማ፤ ናይ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መዋዕለ ስብከት ተኣምርን ዘርእዩ፤ ካብ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት ጀሚሩ ናይ ሓዋርያትን ካልኦት ቅዱሳንን፤ ከምኡውን ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣሣዕል ተሣዒሎም ከምዝርከቡ ይጥቐስ።

ካልእ ዘደንቕ ተባሂሉ ዝግለጽ ድማ እቶም መነኮሳት ከም መንበሪ ዝጥቐሙሎም ባዕትታት እዩ። ነቲ ባህርያዊ ከውሒ፤ ብዘደንቕ ጥበብ ቅሩብ ጕድናዊ መንድቕን፤ ማዕጾን መሳዅትን ጥራይ ወሲኾም ዕጹብ መንበሪኦም ገይሮም ክጥቐሙሉ ይረአ። ካብ ምውቕ ኣብያቶም ስድርኦምን ተፈልዮም ምእንቲ ጽድቂ ኣብ ብሕትውናን ምንኵስናን ተጸሚዶም ኣብ በዓትታት እናነበሩ ንእግዚአብሔር ዘገልግሉ ኣበው ክንርእይ ከሎና ቅዱስ ጳውሎስ “ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ - ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጒድ ምድርን ኰለል በሉ።” ንዝበሎ ቃል ብዝግባእ ዘዘካኽር እዩ። (ዕብ ፲፩፥፴፰/1138) ካልእ እቲ ዘገርም ጠባይን ሙቐትን ኣየር ናይቶም በዓትታት ኣብ ቀትሪ ይኹን ኣብ ለይቲ ፈጺሙ ዘይቀያየር ምዃኑ እዩ።

ሕዝቢ ቴድረር
እዚ ገዳም’ዚ ብመሠረቱ ኣቦ ዓድታት እዚ ከባቢ ብዝኾኑ ደቂ ድራር ዝተሠረተን፤ ናይ ኣቦኦም ኣቡነ ሊባኖስ ስለዝኾነን ክሳብ ሎሚ ብደቂ ዓዲ ፍሉይ ኣኽብሮትን ክንክንን ይግበረሉ እዩ። ኵለን ዓድታት ቴድረር (ዳርጋ ፲፮ ዝኾኑ) ነናቶም ታቦትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓዓዶም እኳ እንተለዎም፤ ንገዳም አቡነ ዮሐንስ ግና ከም ማእከል መንፈሳዊ ሕይወቶምን ዓንዲ በረኸቶምን እዮም ዝጥምትዎ። ኣብ ተራዳእነትን ማልዶን ቅዱስ ዮሐንስ ፍሉይ ዕቝባን እምነትን ኣለዎም። ዘይከም ኣብ ዝተወሰኑ ገዳማት ሃገርና ዝርከቡ ከባቢ ዓድታት፤ እዞም ከባቢ እዚኦም ነዚ ገዳሞም’ዚ ኣብ ዘድልዮ ዘበለ ይተሓገግዝዎን ይከናኸንዎን። በረኸት ገዳምን ቅዱስ ዮሐንስ ኣጸቢቖም ስለዝርድኦም ድማ፤ ኣቦታቶም ንዘጽንሑሎም ዓቂቦም ኣብ ውሽጣዊ ጕዳይ ናይቲ ገዳም ከይኣተዉ፤ ብኵሉ መዳይ ምስ መነኮሳት ብምርድዳእ ሓገዞምን ረድኤቶምን የበርክቱ። ነዚ ብምግባሮም ድማ ዝባረኹን ዝርድኡን ንሳቶም ባዕሎም ምዃኖም ካብ መዋዕሎም ዘስተውዓሉ፤ ማሕላን ኪዳን ኣቦታት ዘይጠለሙ ምስጋና ዝግብኦም ሕዝብን ዓድታትን እዮም።

እምበኣር ኣብ ከባቢ ካልኦት ገዳማት ሃገርና ዝርከቡ ሕዝቢ’ውን ካብ ደቂ ተድሬር ክመሃርዎ ዝግባእ ከምዘሎ ምዝክኻር ጽቡቕ ኮይኑ ይረኣየና። ምኽንያቱ ገለ ገዳማት ሃገርና ነቲ ካብ ጥንቲ ዘጽንሕዎ መሬቶም፤ ብከባቢ ዓዲ ክምንጠሉን፤ ንገዳማውያን ኣቦታት ኣብ ኣባይቲ መጋባእያን ከዅሉሉን፤ ምስ ገለ ጸየቕቲ እናተሰማምዕካ ኣደራዕ ከወርዱ ምርኣይ ዘሕዝን ናይ ዘመንና ፍጻሜ ይኸውን ኣሎ ምባል ይከኣል። ገዳማት ኣብ ርእሲ ድኻመን፤ ድኻም ምውሳኽ፤ ኣብ ክንዲ ካልእ ተጋድሎኦም፤ ካልእ ተጻብኦ ምፍጣር በረኸትካ ምስኣን፤ ቍጥዓ ምጽዋዕ ጥራይ እዩ ዝኸውን። ንምዕቃብ ገዳማት ምቅላስ እምበር፤ ነቲ ዘጽንሕዎ ንምምንጣል፤ ሃብተን ንምዝራፍ ዝግበር ምቅድዳም፤ ዘመንና ብዛዕባ ኪዳንን በረኸትን ቅዱሳን ኣቦታቱን፤ ክቡር ሃይማኖቱን ታሪኹን ዘለዎ ኣረኣእያ ክሳብ ክንደይ ኣንቆልቍሉ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ። እምበኣር ኣብ ገለ ገዳማት ንዝግበር ባህ ዘየብል ተግባራት ስለእንፈልጥ እዩ ድማ ዓድታት ቴድረር ንዝፍጽምዎ ሰናይ ተግባር ከየድነቕና ክንሓልፍ ዘይመረጽና። እቲ ዘገርም ድማ፤ እዚ ገዳም’ዚ ምስቶም ከባቢ ዓድታት ቴድረር ዘለዎ ዝምድና ከም ማይ ጸባን ዝተዋሓሓደ ስለዝኾነ፤ ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምእታዉ ታቦቱ ኣምሪሑ ኣብ ኵሉን ዓድታት ዑደት እናፈጸመ ንኵሉ ጥሪቶምን መሬቶምን ከምዝባርኽ ይገብር። ምናልባሽ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝነወሐ ርሕቐት (ብገምጋም ፵/40 .) ዑደት ዝፍጽም ታቦት፤ ታቦት ቅዱስ ዮሐንስ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ንቤት ዖቤድ ዝባረኸ ታቦት እግዚአብሔር ድማ ነዞም ዓድታት እናባረኸ ይነብር ኣሎ። (ካልኣይ ሳሙ ፮/6)። ገለ ዓያሱ ነቲ ምሕረት ዝሃቦም መሓሪ ጐይታ ካብ ዓዶም ኬልግስ ዝሓተትዎ፤ ሎሚ’ውን ዒላ በረኸት ንዝኾኑ ገዳማትና ኬልግሱ ምእንቲ ጊዜያዊ ረብሓኦም ክብሉ ዝደኽሙ ውሑዳት ዓያሱ ኣይሰኣኑን እዮም ልቢ ይሃብኩም ንብል።

ክብረ በዓል
ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሐንስ ዓመት መጸ ባሕቲ መስከረም ኢዩ ዝኽበር። እዚ ዕለት’ዚ ንግደት ናይዚ ገዳም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ሃገርና በዓል ቅዱስ ዮሐንስ እዩ። ከምቲ ዝፍለጥ፤ ምትረተ ርእሲ ቅዱስ ዮሓንስ ዕለት ፪/2 መስከረም እኳ እንተኾነ፤ ቅዱስ ዮሐንስ ምስ ሓድሽ ዓመት ባሕቲ መስከረም እዩ ዝኽበር። በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን፤ ኣብዚ ዕለት እዚ ብዘይካ ደቂ ቴድረር ካብ ካልእ ርሑቕ ከባቢ ናብዚ ገዳም ዝመጽእ ነጋዲ ብብዝኂ ዘይረአ ይብሉ ነዚ ገዳም ብቀጻሊ ዝነግዱ ደቂ ቤተ ክርስቲያን። ቅድስናን ክብርን ቅዱስ ዮሐንስ ከኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተገለጸ ብምዃኑ፤ እዚ ገዳም ድማ ጥንታውን ተኣምራታውን ብምዃኑ፤ ሕዝቢ ብዝያዳ እናፈልጦ ኣብ ዝኸደሉ ብዙኃን ክነግድዎ ትጽቢት ይግብሩ። ፪/2 ሰኔ ድማ ፍልሰተ ሥጋሁ ስለዝኾነ ከምቲ ባሕቲ መስከረም ብዝግባእ ይንገድ እዩ።

ቃል ኪዳን
ቅዱስ ዮሐንስ ንጐይታ ዘጥምቀ፤ ቅድስናኡን ልዕልናኡን ብመድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ዝተመስከረሉ ዓቢይን ቅዱስን ኣቦ እዩ። ገድሊ ቅዱስ ዮሐንስ ከምዘረድኦ፤ ቅዱስ ዮሐንስ ፍቓድ ጐይታ ክፍጽም ድኅሪ ንጐይታ ምጥማቑን፤ ኣብ እዋን ጥምቀት ጐይታ ሰማያት ተኸፊቶም ምሥጢረ ሥላሴ ምግሃዱን፤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዮሓንስ ቅድሚ ምፍላዩ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ በሎ ይብል። ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ተስካረይ ዝገብሩ፤ ስመይ ዝጽውዑ፤ ብኣይ እተማኅፀኑ ኃጥኣን መሓረለይ በሎ።

ከምቲ ቅዱስ ዮሐንስ ትእዛዙን ፍቓዱን ፈጺሙ ንጐይታ ዘጥመቖ፤ ሕጂ ድማ ጐይታ ፍቓድን ልማናን ቅዱስ ዮሐንስ ከፍጽመሉ ምዃኑ ቃል ኣተወሉ፤ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረቦ። ተዝካርካ ዝገበረ፤ ብስምካ ዝተማኅፀነ፤ ኪዳንካ ዝኣመነ፤ ኣብ ቤተ ክርስቲያንካ ዝጸለየን ዝተማህለለን … ን፶፭/55 ትውልዲ ክምሕረልካ ኢየ። ነቲ ባሕሪ እሳት ድማ ረጊጽዎ ከም ዝኸይድን ናብ ገነት ከምዝኣቱን እብለካ ኣሎኹ። ኣብቲ ማኅደር ብርሃን ድማ ከቐምጦ ኢየ። ልብሰ ብርሃን ከልብሶ እየ። ኣኽሊል ብርሃን ድማ ኣብ ርእሱ ከቕምጠሉ እየ። ወርቂ ማዕተብ ክኣስረሉ እየ። ሐመረ ብርሃን ክህቦ ዓይኒ ዘይረኣዮ ዕዝኒ ዘይሰምዖ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዘይሕሰብ ፍጹም ዝኾነ ክብርን ሞገስን ክህቦ እየ። … ዝብል ሰፊሕ ቃል ኪዳን ሃቦ። እምበኣር ነዚ ክቡርን ሕያውን ቃል ኪዳን ብዝግባእ ክንጥቐመሉ ይግባእ።

መደምደምታ
ሓጺር መዋዕል፤ ክብሪ ቅድስናን አቡነ ዮሐንስ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝግባእ ዝሰፈረ እዩ። ተወሳኺ ታሪኽን ገድልን ቅዱስ ዮሐንስ ዝገልጹ ጽሑፋት ከም ኣብ ትርጓሜ ወንጌል፤ ስንክሳር፤ ገድለ ዮሐንስ ካልእን መጻሕፍቲ ድማ ይርከብ እዩ። ክብሪ ቅዱስ ዮሐንስ ፍጹምን ልዑልን ምዃኑ ድማ ባዕሉ ጐይታ ዝተዛረበሉ እዩ። ኣብ ገድሉ ዝተጠቕሰ ኪዳን’ውን ነዚ መሠረት ዝገበረ እዩ።

እምበኣር እቲ ባሕታዊውን ገዳማዊን ተባሂሉ ዝፍለጥ፤ ሰባኬ መንግሥተ ሰማያት፤ ብእሴ ጽድቅ፤ አንስቲ ካብ ዝወለዶኦም ንኡኡ ዘርክብ የልቦን ተባሂሉ ዝተመስከረሉ ቅዱስ ዮሓንስ፤ ብስሙ ዝጽዋዕ ጥንታዊ ገዳም ኣብ ሃገርና ምህላዉ፤ ንቤተ ክርስቲያንና ዓቢ ታሪኻዊን መንፈሳዊን ሓበን እዩ። እሞ ድማ ከምቲ ገድሉ ዝገልጾ፤ ቅዱስ ዮሓንስ ባዕሉ ኣብዚ ቦታ ብመንፈስ እናተገልጸ፤ ነዛ ቤተ ክርስቲያን ባዕሉ ዝኾኖ ስፍራ ካብ ምምራጽን ምስራሕን ኣትሒዙ፤ ዝፈጸሞም ተኣምራት ኣዝዮም ዘደንቑ እዮም። ብምዃኑ ድማ ነዚ ቅዱስ ገዳም ብቀረባ ንምፍላጥን፤ በረኸቱ ንምስታፍን ኵልና በብዘሎናዮ ሱታፌ ክህልወና ይግባእ። እቶም ነዚ ገዳም ከም ብሌን ዓይኖም ጠሚቶም ዝከናኸንዎ ዓድታት ቴድረር ድማ ኣብነቶም ኵሉ ክወርሶ ዝግባእ ምዃኑ ክንዝግዕ የብልናን።

ነዚ ዝጀመርናዮ ዓመት ድማ ዘመነ ለውጥን ትንሣኤን ክገብረልና፤ በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ዮሐንስ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

1 comment:

  1. kale hiwet yesmalna kuburat yehwat egzabhere tsegiu abzihun yezizun yhabkum,enqae egzabhere kab zemene yohanis wengelawi nab zemene matiwos wengelawi bselam abtshana,amete selamin rahwan fikirin ebyetin nay kidisti ortodox tewahdo betekristian yigberelna egzabhere!!! sibhat legzabhere weleweladitu dingil welemeskelu kubur amien.

    ReplyDelete