Monday, September 17, 2012

ኃልዮት ዋላስ ሕቡእ ኣጀንዳ ምድኻም ገዳማት? (፪ይን መወዳእታን)

“ገንዘብኩምን ሃብትኹምን ኣመዝግቡ”

ናይ ሎሚ “ምምሕዳራዊ” ኣካል፡ ጠንቁ ንኸተለልዮ ብእትጽገመሉ ኣገባብ፡ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን፡ ዕብየት ገዳማትና ዘይኮነስ ንድኽመትን ንዕንወትን ዘጣጥሕ ባይታ ኣብ ምድልዳል ከምዝሰርሐን፡ ይሠርሕ ከምዘሎን መን ይኽሕዶ? መን ከ ዘይዛረበሉ? ግደ ሓቂ’ውን ገዳማት ኣብ ኵለንተናዊ ዕብየትን፡ ሓዋርያዊ ዕዮን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ንዘለዎምን ንዝህልዎምን ግደ ከዳኽም፡ “ናጽነተን”ን ተረአን ክግህስ ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። ይብዛኅ ይውሓድ፡ ይጥዓም ይኽፋእ፡ ኣብ ክንዲ ጽዒረንን ግዒረንን፡ ሓሪሰንን ጫዂረን ርእሰን ብርእሰን ዝምገባን፡ ዝኸደናን፡ ኣብ ክንዲ ካብ ዓለም ርሒቐን ነቲ ገድሊ ምንኵስናአን ሓዋርያዊ ግቡአን ብትግሃት ዝፈጸማን፡ ሞሳን ክብርን ተሪፍወን፡ በቲ “የማሕድረን” እየ ዝብል ኣካል ንምድኻመን ተንኮል ክፈሓስ ምርኣይ ዘሕዝን ተግባር እዩ። ሎሚ ናብ ዝርዝራቱ እንተዘይኣተናውን፡ እዚ ተግባር’ዚ ግብሪ ጸላኢ ሰናይ እዩ ተባሂሉ ጥራይ ዝሕለፍ’ውን ዘይኮነስ፡ ብውልቂ’ውን ባዕል መን እንታይ ይዋስኡን? በዓል መን’ከ ብድኅሪኦም ተጐዝጒዞም ኣለዉ? ኢልካ ምምርማር ኣገዳሲ እዩ። ሎሚ ግና ብመጠኑ ኣብቲ ብድኅሪኡ ዘለዉ ገበርቱ ዘይኮነስ ኣብ ውዲታቶም ከነተኵር።  

ሓደ ካብቲ ብቀዳምነት ንምድኻም ገዳማት ካብቲ ዝተሰርሐ ውዲት፡ ንሥመረት ገዳማት ኤርትራ ምድኻምን፡ ህላዌኡ ብግብሪ ዘብቕዓሉ ተግባር ምስልሳል እዩ። ሥምረት ገዳማት ኤርትራ ዝብሃል ሕጋዊ ኣካል ንኵለን ገዳማት ኤርትራ ዝውክልን፡ ሓባራዊ ጉባኤ እዘን ገዳማት ዘቕውምን ማኅበር ሓድነት እዩ። ብሓድሽ መልክዕ ድማ ቅድሚ ኣስታት ፳ ዓመት ዝቖመን፡ ሕጋዊ መመሓደሪ ሕግታትን ንጹር ዕላማታት ዘለዎን፡ ንዕብየትን ምትሕግጋዝን፡ ንሓባራዊ ዕዮን ኣካይዳን ገዳማትን ዕላማ ምንኵስናን ንምስላጥ ብስምምዕ ኵለን ገዳማት (፳) ዝተመሥረተ እዩ። ገለ እወታዊ ዝኾነ ሥርሓት’ውን ብዓቕሙ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። እምበኣር ነዚ ኣካል’ዚ እዩ፡ ኣብ ሞንጎ ገዳማት ስምምዕን ልባዊ ምምክኻርን ከይህሉ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ናይ ምፍልላይ ተግባራት ከካይድ ዝጸንሐ። እቲ ዝፈጸሞ ኣዕናዊ ተግባራት ብዙኅ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ብድኅሪ “ማእከልነት ገዳማት” ብዝብል ክውል ሓሳብ ከተግብሮ ንዝወጠነ “መደባቱ” ካብ ዘፍለጠሉ ውሑድ ዓመታት ግና እቲ ኣብ ገዳማትና ዝዝነበ ኣደራዕ ክንዲ’ዚ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ።
ንገለ ድኽም ዝበላ ገዳማት በብውልቂ እናጸውዓኻ፡ “ዉህልል ገንዘብን ሃብትን እቶም ሃብታማት ገዳማት ንዓኹም ከነማቕራሕኩም ኢና ንሓስብ” ብምባል፡ ኣንጻር እቶም “ደሓን ትሕዝቶ” ኣለዎም ዝብሃሉ ዓበይትን ጥንታውያንን ገዳማት ከምዝለዓሉን፡ ሕብረቶም ከምዝስሕቡን፡ ልቦም ንምሽፋት ተሰሪሑሉ እዩ። “እገለ እገለ ገዳማት ዝቓወሙና ገንዘቦም ምእንቲ ናባኹም ከይመጽእ፡ ከይትሕገዙን፡ እዩ ንሓሳባትና ዘይደገፉና” “ገለ ገዳማት ዕቡያት፡ ምኩሓት እየን” ብምባል ጽልእን ክርዳድ ምፍልላይን ክዘርኡ ጽዒሮም እዮም። “ንሕና እኳ ብዝተማእከለ ኣገባብ ንዕብየት ገዳማት ንውጥን ኢና ዘሎና” ብዝብል ጥበራዊ ሓሳብ ንገሊአን ብዝቐርብወን ሰባት ኣቢሎም ከእምንወን ፈቲኖም እዮም። ንገለ ውሑዳት መምህራንን መነኮሳትን ገዳማት፡ ብስልጣንን ካልእ ጥቕምታትን ብምስዳዕን ብምውዳብን፡ ኣብ ሥምረት ገዳማት ኤርትራ ንዝግበር ሥሩዕ ጉባኤታት ኣድማዒ ኮይኑ ከይቕጽልን፡ ነንሕድሕዶም ምትእምማን ከምዝስእኑ ብምግባር፡ ንዝኾነ ዝመጸ ሓሳብ ከም ቀደሞም ከም ሓደ ልቢ መኸርቲ፡ ከም ሓደ ቃል ተዛረብቲ ኮይኖም ሥሙር ቃል ናብቲ ምምሕዳር ከየስምዑ ከፋፊሎሞም እዮም። ነንዝተመኽረ ምኽሪ’ውን ከይውዓለ ከይሓደረ፡ ሰሚዖም ዝሕብሩ ናይ ልቓሕ ኣእዛንን፡ ልሳናትን ኣስሊኾም ብምእታው ሓድነቶም ዘሪጎም እዮም። በዝን ካልእን ምኽንያት እቶም ብሕብረት ምዕያይ ረብሓ ኣለዎ ኢለን ዝኣምና ገዳማት ተስፋአን እናማህመነ፡  ይትረፍ ነቲ ሥራሕ፡ ነቲ ጉባኤ’ውን ክሳተፋ ዘለዎን ድሌት ኣጥፊአን፡ ህላዌ ሥመረት ገዳማት ኣሎ ክብሃል ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ በጺሑ እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ሥምረት ገዳማት ኣብ ዝተፈላለየ ልምዓታዊ መደባት፡ ገዳማት ኣብ ዝትንክፍ ምምሕዳራዊ ጕዳያት፡ ከምኡውን ክሳዕ ላዕለዋይ ኣካል ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መንበረ ፓትርያክ፡ ሃይማኖት ኣብ ዝትንክፉ መናፍቃዊ ተርእዮታት ጭቡጥን ተሪርን ግብረ መልስታት ክህብ ከምዝጸንሐን ሱታፌኡ ከምዘበርከተን ይፍለጥ። እሞ’ኸ ደኣ ምናልባሽ እዚ ኵሉ ተንኮል፡ ነዞም ብሕዝቢ ተቐባልነትን ተኣማንነትን ንዘለዎን ገዳማት፡ ልሳነን ንምዕባስን ሃይማኖታዊ ግቡአን ከየበርክታ ንምድኻምን ዝተፈሓሰ መናፍቃዊ ውዲት’ዶ ይኸውን? ዕብየተን ብምዅላፍ፡ ልምዓተን ብምድኻም፡ ህላዌአን ከምዝበቕዕ ብምግባር፡ ዓንዲ ሃይማኖት ምዃነን ብምስንኻል፡ ከውሊ ዝኸውን ጽላል ጸሎተን በረኸተንን ብምጥፋእ ንቤተ ክርስቲያን ንምድኻም ዝግበር ፍሕሶ ሰይጣን ዶ ይኸውን? ኣምላኽ ይፈልጥ።

ካልእ ብዙኅ ክንዝርዘረሉ እንተተኻእለ’ውን፡ ብስም “ማእከልነት”፡ “ገንዘብን ሃብትን ገዳማት ይመዝገብ፡ ይፈተሽ” ተባሂሉ ንዝወጸ መምርሒ “ምምሕዳር” መንበረ ፓትርያርክ’ውን፡ ካልእ ጉድ ንዝሓዘ ፍጻሜ ምጥቓስ ግና ኣገዳሲ እዩ። ሥመረት ገዳማት ድኅሪ ምድኻም ዝወጸ እዚ መምርሒ’ዚ፡ ገሊአን ገዳማት ፈጺመን ክነጽግኦ ከለዋ፡ ገሊአን ድማ ነግ ፈረግ ክብላ ድኅሪ ምጽንሐን፡ ብካልእ ኣካል ኣስገዲድካ ናይ ምቕባል መስርሕ ተፈጺሙለን እዩ። ገሊአን ድማ በብውልቂ ብዝተገብረለን ጥበራን ምትላልን፡ ኣቐዲምና ብዝጠቐስናዮ መስርሕ “ኣብነታውያን” ክኾናን፡ “ባዕል ክስቶ እኳ ኣመዝጊበን እየን” እናተባህለ መመሳኸሪን መካሰስን ክኾና ቀልጢፈን ዝተቐበልኦ ኣለዋ። ዕላማ ናይዚ ምምዝጋብን ምፍታሽን ገንዘብን ሃብትን ገዳማት፡ ከምቲ ዕላማ “ማእከልነት ቤተ ክርስቲያን” ዝኾነ ንጹር ዕላማ ዘይብሉ፡ ንምግባት ገንዘብን ሃብትን ንዋያተ ቅዱሳትን ቀዳማይ ዒላምኡ ዝገበረ ኣካይዳ እዩ ዝመስል። እቲ ዝገርም ድማ እቶም ክምዝገበሎም ዝፈቐዱ ድማ፡ ካልእ ይትረፍ፡ ከም መጠን ገዳም ብመነኮሳት እቲ ጉዳይ ከይተሓዝን ክብሪ ገዳም ከይዕቀብን፡ ብጨዋታትን ሰብ ሕጊ ቀሳውስትን እቲ ጕዳይ ከምዝስራሕ ምግባሮም እዩ። ገዳማት ነዚ ሓሳብ ምቅዋመን ብገንዘብ ሃብቲመን፡ ንዘለወን ምምዝጋብ ተሰኪፈን ኮይኑ ኣይስምዓናን። ንርእሱ ብግዳማዊ “ናጻ” ኣካል ወጻኢታቱ (ገንዘብን ንብረትን) ኦዲት ምግባር ዝፈርህ “ምምሕዳራዊ” ኣካል እዩ ክስከፍ እምበር፡ ገዳማት ደኣ ጥጥቖ በሊዐን ዝናበራ፡ እንታይ ስክፍታ ክህልወን ደኣ?! እቲ ብወገን ገዳማት ክህሉ ዝኽእል ስክፍታ ግና ብኸምዚ ኣገባብ ተለሳሊሱን ተጸባቢቑን፡ ብዘይ ንጹር ዕላማ ዝቐርብ ሕቶ ካልእ መዘዝ ከምዝስዕቦ ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ መምህር ስለዝኾነን ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ።

ካልእ ብዙኅ ምጠቐስና፡ ኣብ ምግባት ኣብያተ ክርስቲያናት ገዳም ጻዕዳ እምባ፡ ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ገዳማት ብምእታው፡ ኣብ ገዳም አቡነ ዮናስ ዝተፈጸመ ብዘይ ዝኾነ በደል ንዘይደለኻዮ ናይ ሓሶት ምስክር ምሒዝካን ጠፍጢፍካን ካብ መንበር ኣበምኔትነት ናይ ምውራድን፡ ባዕልኻ ናይ ምሽማን መስርሕን ካልኦት ተዋስኦታትን ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብዛዕባ ዘሎ ዘይቅኑዕን ምትላል ዝተመልኦን ኣካይዳ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን፡ ሓቂ ንእተዛረቡ መነኮሳት፡ ብዘይበልዎን ብዘይሓሰብዎን ብሓሶት እናተኸሱ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ውግዘትን ኮይኖም ዝነበሩን ዘለዉን ቍጽሮም ውሑድ ኣይኮነን።   

ብመሠረቱ “ምምሕዳር” መንበረ ፓትርያርክ፡ ምስቶም መሻርኽቱ ኮይኑ፡ ነዚ ዕላማ ናብቶም ዝትግበረሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ከረድእ፡ ወይውን ጉባኤ ጸዊዑ ብዛዕባ እቲ ዝሓሰቦ ብዝግባእ ክመክር፡ ሓሳብ ክቕበልን ክህብን ዓቕምን ብቕዓትን ጥራይ ዘይኮነስ ብዝቐደመ ግብሩ ተኣማንነት’ውን ስለዝጐድሎ ዝኣምኖ ወይውን ጽቡቕ ሓሳብ ኢሉ ዝቕበሎ ኣካል ዳርጋ ዝሰኣነሉ ጊዜ ስለዝኾነ፡ ምሉእ ኃይሉ ብስም መንግሥታዊ ኣካል ከፈርራህን ክህድድን ክእዝዝን እዩ ዝፍትን። ብመሠረቱ ሥራሕ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ብምርድዳእን ከምኡውን ብምትሕብባርን ውህደትን ኵሎም ኣካላት እምበር ብትእዛዝን ምፍራርህ ዝእወጅ ነገር ፍረ ይረክቦ ኢሉ ዝጽበ ሰብ የልቦን። ምኽንያቱ እዚ ሎሚ ኣብ “ምምሕዳር” ዘሎ ኣካል፡ ብሃይማኖቱ ኣብ ጥርጥር ዝወደቐ፡ ብብቕዓቱ ፍረ ዘይተራእየሉ፡ ብብዙኅ ናይ ምጥፍፋእ ገንዘብን ንብረትን ካልእን ኣብ ሕሜታ ዝወደቐ፡ ኣብ ጐኑ ኣሰሊፉ ተኻፈልቱ ምኽሩን ረብሓታቱን ገይርዎም ዘሎ ኣካላት ብኵሉ መዳይ ንሓዋርያዊ ስራሕ ቤተ ክርስቲያን ዘይምጥንዋ ጥራይ ዘይኮነስ ዝዕንቅፍዋ ስለዝኾኑ፡ ንገዳማት “ገንዘብኩምን ሃብትኹምን ኣርእዩኒ” ክብል ከሎ በየናይ መምዝኒ እዩ ግቡእን ቕቡል ሕቶ ክኸውን?! መን እዩ’ከ “ሓቕኻ፡ ጽቡቕ ኣሎኻ” ክብሎ?! እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝወጠኖምን ክትግብሮም ዝሓሰበን፡ ምስ ገንዘብን ንብረትን ንዋያተ ቅዱሳትን ዝተኣሳሰሩ “መደባቱ” ዳስ ሓውያ ኣትዮም ከምዝተረፉ መን እዩ ዝኽሕዶ? 

ብስም ማእከልነት ብጥዑም ቃላት ብምጥባርን፡ ብምፍርራህን ዝገበቶም፡ ከም እኒ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ማኅበረ ሓዋርያት፡ መዕቖቢን መምሃሪን ሕጻናት ፍኖተ ብርሃን፡ ሊቃውንትን ኣገልገልትን ቤተ ክርስቲያን  ምስ ስድራኦም ሰፊሮሙሉ ዝነበሩ ኣባይቲ፡ … ደጊም ብባጀት ኢና ንምራሕ ተባሂሉ ንካሳታትን ባንክታትን ኣብያተ ክርስቲያን ዝለኰተ ተግባር፡ ወቦ ዘተርፈ …. ኵሉ እንታይ ተገብረሉ? ኣብ ምንታይ’ከ ወዓለ? እንታይ ቍም ነገር’ከ ተፈጸመሉ ኢሉ ዝሓትት፡ ትርጉም ዳስ ሓውያ ብዝግባእ ከስተውዕሎ እዩ። እምበኣር ገዳማትና ብፍላይ ድማ መተካእታ ንዘይብሉ ሃብትን ቅርስን ንወለዶታትን ዘመናትን ሰማእትነት እናኸፈላ ዝዓቀባ ገዳማት “ክሰርቕ ዝረኣኽዎሲ ክመልሰለይ ነይኣምኖ” ንዝብል ብሂል ኣጸቢቐን ከስተውዕላ ግድነት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክብራ እናገሃሰ፡ ክብርን ልዕልናን ቅዱስ ሲኖዶሳ እናጠሓሰ፡ ሊቃውንታ እናዀነነ፡ ንተዃሉ መናፍቓን፡ ኣባጊዓ ክሕልዉ ንዝምድብ ምምሕዳር መን’ከ ክኣምኖ እዩ?! ልዕሊ ሰብ ክንደይ ነገሥታትን ኣመሓደርትን ኣሕሊፈን ዕድመ ንዝመሃረን ገዳማት ብቀሊሉ ምትላል ዝከኣል ኮይኑ'ውን ኣይስምዓናን። 

ኣብ ሚዛን ሓቂ ወዲቕና’ውን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ኣብዘን ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ሞንጎ “ምምሕዳር” መንበረ ፓትርያርክን ገዳማትን ዝተገብረ ርክባት ዘይምትእምማን ዝሰፈነለን፡ ሓሓንሳብ’ውን ናብ ግርጭት ዘምርሓ ምንባረን ይንገር እዩ። ብመንጽር ገዳማት ክረአ ከሎ፡ ደፊረን ኣይዛረባሉ እምበር፡ እዚ ሎሚ ዘሎ ምምሕዳር እምነት ዘይንበረሉ ጥራይ ዘይኮነስ ብብዙኅ ጭቡጥ ጕዳያት ብኣዕናዊ ተግባራቱ ዝጥርጠር’ውን እዩ። ንርእሱ ስለ ተዋሕዶ ሃይማኖትን አሐቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝቖመን ዝጣበቕን ኣካል ምዃኑ መረጋገጺ ዘይርከበሉ ግሁድ ነገር እዩ። ካብቲ መዲበዮ ዝብሎ ዘይርጡብ ሓሳባቱ፡ ዝያዳ ግብሩ ዝምስክሮ ስለዝኾነ፡ ይትረፍ ኣብ ገዳማት፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ብዘለዉ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ከምኡውን ብብፁዓን ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን ተኣማንነት ኣለዎ ክብሃል የጸግም እዩ። ኣብ ጕዳይ ገዳማት መጺእና’ውን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዝጸንሓሉ ዓመታት፡ ፍሉይን ህጹጽን ኣቓልቦ ንዘድልየን ገዳማት፡ ንዕብየተን ዝኸውን ሓንቲ እትጠቕም ንእሽቶይ መደብ ክህንጽጽን ከተግብርን ዘይከኣለ፡ ሎሚ ሃንደበት ብድድ ኢሉ “ገንዘብኩምን ሃብትኹም” ክብል ከሎ መን ኣሎ እሞ ልቢ ከፊቱ ብገርሁ ዝቐበሎ?!

ጠሚና ኣብልዑና፡ ዓሪቕና ክደኑና ከይበሉ ብርእሶም ደፋእ እናበሉ ንዘናበሩ ገዳማት ምፍትታን፡ ጠቢርካን ኣስገዲዳካን ምብዳል፡ መዓትን መቕሰፍትን ኣብ ሃገርን መራሕትን ካብ ላዕሊ ከየወርድ ዘፈርህ እዩ እሞ እንተለበምናሉ ጽቡቕ ይመስለና። ሃብትን ገንዘብን ዓለም ጠንጢኖም፡ ኣብ ጾምን ብሕትውናን ንዝተጸምዱ ኣበው መነኮሳት፡ ዕረፍቲ ምኽላእን “ገንዘቦምን ሃብቶምን” ምጥምማትን፡ “ሞታ ዝቐረባ ኣንጭዋሲ …” ከምዝብሃል መስፈር ኣብ ምምላእ ከይንህሉ እንተተጠንቀቕና ተመራጺ እዩ። እቶም ካብ ገዳማት ወጺኹም ኣብ ዝለዓለ ኽብሪ ዝበጻሕኩም ብፁዓን ኣቦታት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣጸቢቕኹም እትፈልጥዎም ገዳማትን መነኮሳትን፡ ብ “ምምሕዳር” እናተቐመረ ንዝትግበር ህላዌ ገዳማት ዝፈታተን ዘሎ ተግባራት ክትቃወምዎን፡ ብድኅሪ እቲ ዝንገረኩም ጥዑም ቃላት ኣብ ልዕሊ ገዳማት ንዝፈሓስ ዘሎ ተንኮል ብዕቱብ ክትከታተልዎን ከተፍሽልዎን ዘሎና ተስፋ ልዑል እዩ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና፡ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ጸሎት ቅዱሳን አበው ኣይጋደፈና። ቅዱሳት ገዳማትና ይዓቅበልና።

1 comment:

  1. aman b aman peace love to ouer orthodox tewahedo peopel amen

    ReplyDelete