Thursday, September 20, 2012

ማርያም ኣሥመረይቲ! (፩ይ ክፋል)


ባህታ ዝፈጥር ቃል

ይውሓድ ይብዛኅ ነዛ ክትሰምዓን ከተውስኣላን ኣዝያ ባህ እተብል ቃል ደጊሙ ደጋጊሙ ዘየሰምዐን ዘይበለን ውሉድ እዛ ቅድስት ሃገር’ዚኣ ኣሎ ክብሃል ዘድፍር ኣይኮነን። ብኣካል ርእይዋ ዘይፈልጥን ኣጸቢቑ ዘይተላለያን ከይተረፈ እኳ፤ ምሉእ ስም ከተማ ኣሥመራ ክሳብ ዝመስሎ ብፍላይ ብኣዴታትና ብቀጻሊ ክንገር ሰሚዑ ይኸውን። ስም ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ዋና ከተማና ኣሥመራ ተዛሚዱ ብፍላይ ከኣ በተን ረድኤታን ኣማላድነታን ኣሚነን፤ ኣብ ምሉእ ሕይወተን ከኣ ብግብሪ እናረኣያን እናስተማቐራን መንብሮአን ብዝመርሓ ኣዴታትና ካብ ልበን ፈልፊሉ ብዝዛሪ ቃና ክንገር ከሎ ምስማዕ ኣዝዩ ባህ የብል እዩ። ኣንጊሄን ንተኣምራን ንቅዳሴን፤ ኣማስየን ድማ ንጸሎተ ሠርክ ካብታ ቅድስት ቤተ እግዚአብሔር ብዘይሰኣና፤ ብሓንቲን እምንትን ቃል “ኣሜን” ጥራይ ጸጋ ዲበ ጸጋ ብዝውስኻ፤ ልባዊ እምነትን ሰናይ ግብርን እምበር ፍልጠት ብዘይመመለዪአን ኣዳኖታታ “ማርያም ኣሥመረይቲ” ክትብሃል ከላ ኣማን ብኣማን ፍሥሕ ወሓሴት ዘይዓስሎ ኣማኒ ዶ ይህሉ?! ካብዚ ስም’ዚስ እቲ ኣብ “ፍልጠት” ዘይኮነስ ኣብ እምነት ዝነበርሲ ንሓዘኑ ምጽንናዕ፤ ንዓቕሊ ጽበቱ ተስፋ፤ ንጓሂኡ ደበስ፤ ንጭንቀቱ ርግኣት፤ ንሓጐሱ ዝያዳ ባህታ ዝውስኽ ምንጪ ምስጋና ከምዝርከብ ዝተኣምነ ነገር እዩ። ሎሚ እቶም ዝያዳ ክንዲ “ፍልጠት” ዘጥረናን ዝወሰኽናን፤ ብኣንጻሩ “እምነትና” መመሊሱ ዝቕምስልን ዝሓጽጽን ዘሎ ውሉድ እዚ ዘመን’ዚ፤ ካብዘን ናብ “ቤት ንጉሥ” ንኽኣትዋ ኪዳን ካብ ዝተዋህበን ኣዴታት ክንደይ ሰናይ ነገር ክንመሃር ምተገብኣና። (መዝ ፵፬፥፲፬-፲፭/ 45፥14-15)

ዝኾነ ሰብ ድምፂ ናይቲ ዝፈትዎ ሰብ ክሰምዕ ከሎ ምሕጓሱ’ሲ ኣይተርፍን። ኣዲኡ ሰኢኑ ክውጭጭ ዝጸንሐ ቆልዓ፤ ምስማዕ ድምፂ ኣዲኡ፤ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ነገር ክሳብ ክንደይ ከምዝዕብዶ ዘይፈልጥ ሰብ’ውን ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እንት ምንታይ እቲ ህጻን ገና በቲ ንጹህ ዝኾነ እሞ ኣብ ፍልጠትን ምምርማርን ዘየበጽሐ ኣእምሮኡ፤ ኣዲኡ ንዕኡ ኵለንተንኡ ምዃና ስለዝፈልጥ። እዚ ትውክልትን ፍቕሪን ወለዲ እዩ እምበኣር ዳኅራይ ልቢ ምስ ኣጥረየ ኣብ ዝፍጽሞ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፤ ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር ኣቦነትን ፍቕርን ክንገሮ ከሎ መሠረት ኮይኑ ብቀሊሉ ክስቆሮን ከስተማቕሮን ዝኽእል። እዚ መሠረታዊ ሥነ ምግባር እዩ እምበኣር ኣቦኻን ኣዴኻን ምኽባርን፤ ንሓውኻ ምፍቓርን፤ ናይቲ ንእግዚአብሔር ከም ፈጣሪናን ኣምላኽናን ኣቦናን ከነኽብሮን ከነፍቕሮን ከምዝግባእና ዝተዋህበና ሕግን ትእዛዝን መሠረት ምዃኑ እነስትውዕሎ። ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣቦን ኣደን ከይተወሃሃዶ ዝዓቢ ውሉድ፤ ፍጹም ፍቕርን ለውሃትን እግዚአብሔር  ክሳብ ክንደይ ንምርድኡ ከምዝሽገረሉ እንነብረሉ ዘሎና ምዕራባዊ ዓለም ጽቡቕ ኣብነትና ክኾነና ይኽእል።
እምበኣር ስምን ግብርን ኣዴና ቅድስት ድንግል ክንሰምዕ ከሎና፤ ንሕና ምእመናንን ምእመናትን ኤርትራውያን ኣዚና ምሕጓስና ድሉድል ታሪኻዊን መንፈሳዊን መሠረት ዘለዎ እዩ። ኣደ ኵላትና ኮይና ናይ ዝተዋሀበትና ቅድስት ድንግል ተራዳእነትን ማልዶን ልዕሊ ኵሉ ኣብ ሕይወትናን ታሪኽናን ስለዝረኣና፤ ፍቕራን ለውሃታን ኣጸቢቕና ንርድኦ ኢና። ክብረትና ባዕልና ከይንቕንጥጦን ከይነሕስሮን እምበር፤ ጥንታዊ ይኹን ዘመናዊ ታሪኽና ምስ እንፍትሽ፤ ዝምስክረልና ሓቂ እንተሎ’ውን ግብራዊን ዘይበርስን ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ኣዴና ከምዘሎና እዩ። ስለዚ ነታ ጥንታዊት ከተማና ምስ ስም ድንግል ማርያም ኣተኣሳሲርና “ማርያም ኣሥመረይቲ” እንተበልና’ውን ዝግባእና ሕዝቢ ኢና። በቲ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ነዛ እንፈትዋ ሃገር’ዚኣ ዝገበረቶ እንርስዖ፤ ብሕጂ’ውን ንእትገብረልና ነገር እንጠልሞ ኣይኮናን። (መዝ ፵፫፥፲፯/44፥17)

ብብስራት ቅዱስ ገብርኤል ዝተጸንሰን፤ መንፈስ ቅዱስ ዝባረኾን ዕሸል ቅዱስ ዮሐንስ ገና ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ከሎ ኣዴኡ ኤልሳቤጥ ድምፂ ሰላምታ ናይታ ክትበጽሓ ዝመጸት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም ምስ ሰምዐት ብሓጐስ ከምዝተሰራሰረ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። (ሉቃ ፩፥፵፬/1፥44) ከም ቅዱስ ዮሐንስ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሉ ሰብ ገና ከይተወልደ ኣብ ማኅጸን ኣዴኡ ከሎ ብድምፂ ሰላምታ ኣደ ጐይታ ይሕጐስን ይሰግድን፤ ሎሚ ድማ “መጽሓፍ ፈሊጥናን ተራቂቕና” እንብል ዘሎና ውሉድ እዚ ዘመን ግና ምስ “ልብና” ከሎና ይትረፍ ብድምፅን ስምን ወላዲተ ኣምላኽ ክንሕጐስ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ተኣምራታን ቃል ኪዳናን ክሰምዑ ባህታ ዝፈጥረሎም ደቃ እኳ ክንባጮ እንርከበሉ ዘመን ኢና በጺሕና። “እንታይ እያ’ኸ ኪዳነ ምሕረት?” እናበልካ እግዚአብሔር ንዝኣተወላ ዘይጠፍእ ቃል ኪዳን ምስትንዓቕ፤ ብፍላይ ካብዛ ምድሪ’ዚ ንዝበቖለስ ብሥጋን ብነፍስን ክልተ ሞት እዩ። (መዝ ፹፰፥፫/89፥3) እቶም ለባማት ወለድና ግና ንመን ከምዘምልኹ፤ ንመን ከኣ እንታይ ዓይነት ክብሪ ከምዝግብኦ ፈሊጦም ብሕይወት’ውን ዝነብሩሉ ስለዝኾኑ ኣደ ክትኾኖም ንዝተዋበቶም ህያብ መስቀሉ ንዝኾነት ኣዴኡ፤ ምስታ ታሪኻዊትን ጥንታዊትን ቤተ ክርስቲያን ዋና ከተምኦም ኣዛሚዶም “ማርያም ኣሥመረይቲ” ክብሉ ከለዉ ግብራዊ ትርጉሙን ክብሩን ኣጸቢቖም ስለዝርድኦም እዩ።

ስም ቅዱሳንን ሊቃውንትን ብትውልዶምን፤ ብዝፈጸምዎ ግብሪን ተኣምራትን ተጋድሎን …. ጥራይ ዘይኮነሲ ምስ ስም ሃገረ ትውልዶም፤ ሃገረ ስብከቶም፤ ሃገረ ተኣምራቶም ወዘይመስሎ ብምዝማድን ብምቕጻልን ዝጽውዕሉ ኣገባባት ከምዘሎ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሰፊሑ እንረኽቦ ልማድ መጻሕፍቲ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ምጽናዕን ምልላይን እዞም ቅዱሳንን ሊቃውንትን ብዙኅ ረብሓ ዘለዎ ኣገባብ ኣጸዋውዓ እዩ። ኣብ ሃገርና’ውን እዚ ጸኒሕ መጽሓፋዊ ልማድ ብሰፊሑ ክንጥቀመሉ ጸኒሕና ኢና። ንገለ ዓድታት ምስ ስም ታቦቶምን ወይ ድማ ኣብቲ ዓዲ ተኣምራትን ታሪኽን ብዝሰርሑ ቅዱሳን ኣተሓሒዝካ ምጽዋዕ ጋሻ ነገር ኣይኮነን። ንስም ቅድስት ድንግል ማርያም ምስታ ምጭውቲ ዋና ከተማ ሃገርና ዝኾነት ኣሥመራ ኣልጊብካ ምጽዋዕ ከኣ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑን፤ ምስቲ ኣማኒ ሕዝብና ኣብ ልዕሊ ቅድስት ድንግል ዘለዎ ፍቕርን ጸወንን ዝተኣሳሰር ምዃኑን ከኣ ከነስተውዕሎ ይግባእ። ብፍላይ እዚ ስም’ዚ ምስቲ ሕዝብና ኣብ ቅድስት ድንግል ንዘለዎ ፍቕርን በረኸትን ከምእውን ተራዳእነትን ጸግእን ብዝግባእ ዘመላኽት ስለዝኾነ፤ ኣብ ልቢ ኵሉ እቲ ረድኤት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝጠዓመ፤ ዘይንቕነቕ ጽኑዕ ሓወልቲን ተዘክሮን ኣብ ልቡ ዝተኸለ ብምዃኑ “ማርያም ኣሥመረይቲ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ተዘክሮኡ ዘየሐድስ፤ ቃል ኪዳና ዘይዝክር፤ ፍቕሪ እመ ብርሃንን ሃገሩን ዘየበራብር የልቦን። ሰባት ኣብዚ ርኽሰት ዝዕብልሎ ዘሎ ምዕራባዊ ዓለም መለለዪ መንነቶምን እንታይነቶምን ብኣዝዩ ጽዩፉ ነገር ከሰንዩዎ ዘየሕፈሮም፤ ንሕና ደኣ ብስማ ክንጽዋዕ ከሎና ክንደየናይ ኣብሊጽና ባህታ ዘይፈጥረልና?! ሓቂ ብሓቂ ማርያም ኣሥመረይቲ!

እምበኣር ንሎሚ ነዚ ስም’ዚ መሠረት ዝኾነት፤ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ አድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ታሪኻ ካብ ትማሊ ክሳዕ ሎሚ እንታይ ከምዝመስል ኣሕጽር ኣቢልና ክንድህስስ ኢና። ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና።

2 comments: