Monday, September 24, 2012

ማርያም ኣሥመረይቲ! (፪ይ ክፋል)

ታሪኻዊ ድኅረ ባይታን ጥንታውነትን ከባቢ ኣሥመራ  

ዋና ከተማ ሃገርና ዝኾነት ኣሥመራ ሎሚ ብዘመናዊ መልክዕ ቅድሚ ምህንዳሳን ምስፋሓን፤ ኣዝያ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ፤ ዝተፈላለዩ ሕዝቢ ዝቕመጡላ ከባቢ ከምዝነበረት ኣብ ታሪኽ ዝተፈልጠ እዩ። ጥርናፈ ኣብቲ ከባቢ ሰፊረን ዝነበራ ኣርባዕተ ዓድታት (ገዛ/ዓዲ ኣስምዓ ወይ ደብርጽዮን/ደብረጨን፤ ዓዲ ጐረቶም፤ ዓዲ ሽለለ፤ ዓዲ ስርንስር) ከኣ ንስያሜአ መሠረት ከምዝኾነ ይግለጽ። ይኹን ደኣ እምበር ጥንታዊ ታሪኽ ኣሥመራ ምስ ምምሥራት እዞም ዓድታት ጥራይ ዝተወሰነ ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል የድሊ። ካብኡ ዝቕድም ጥንታዊ ታሪኽ’ውን ዝርከበሉ እዩ። እዘን ዓድታት በብቕሩብ ኣብ መበል 982 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከም እተደኰና ይጥቐስ እዩ። ኣብቲ ከባቢ’ውን ንዝነበራ እዝጊ ሓደራ (ምብራቕ)፤ ማይ ጸናጺት (ምዕራብ)፤ ቤተ ኣንበሳ ((ሰሜን)፤ ማይ ጭሆት (ደቡብ) ዝተስየማ ከባቢታት ብዕጭ ውድቕ እዞም ዓድታት ከምዝተኻፋፈልዎም ይፍለጥ።

ሓፈሻዊ ታሪኽን ምትካልን ሎሚ እዛ መንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝርከባላ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ምስ ምስፋር ዝቐደመ ሕዝቢ ኣብዚ ከባቢ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ተመራመርቲ ታሪኽ ዝገልጽዎ እዩ። ገለ ጥንታውያን ብራናታት ከምዝጠቐስዎን፤ ዓበይቲ ዓድ’ውን ብኣፈ ታሪኽ ከምዘዘንትዉዎን ከባቢ ኣሥመራ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፤ ዕሙር ዕዳጋን መጋብእያን ናይ ስፍሕ ዘበለ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሕዝብታት ምንባሩ ኣርጊጾም ይገልጹ እዮም። ኣብ ታሪኽ ዓለም፤ ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም፤ ምስ ምዕዳውን ምስፋሕ ዓድታትን፤ ንኣምልኾት፤ ንዕዳጋን መጋብእያን ዝኸውን  ስፍራ ከም ማእከልን ሕመረት ባህልታቶምን ይጥቐሙ ምንባሮም ከኣ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ሃገርና ኤርትራ’ውን ብዘለዋ ቅርበትን ኣፍደገ ባሕርን ነቲ ማእከል እምነት ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ብምዃና ዘይኮነትሲ፤ ብርእሳ’ውን ኣሽሓት ዓመታት ዘቝጸረ ዳርጋ ባዕላዊን መበቖላዊን ዝብሃል ሥልጣነን፤ ነዚ ከኣ ዋንኡ ባዕሉ ዝኾነ ሕግን ሥርዓትን ዝውንን ሕዝብን ከምዝነበራን ከምዘለዋን መመሊሱ ዝዅላዕ ዘሎ ታሪኻዊ ርኸበታት ዘረጋግጾ ዘሎ ሓቂ እዩ። ልዕሊ ፪ሺሕ ፭፻ (2500) ዓመታት ከምዘቑጸረ ዝንገረሉ ዓዳዊ ኣሰፋፍራን፤ ሥልጣነታትን ኣብ ሕምብርቲ ሎሚ ኣሥመራ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማን ከባቢ ዓድታትን ተደኲኑ ከምዝነበረ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ብሥነ ኵዕታ ዝተረኽበ ጭብጢ ዝምክስሮ እዩ። ይትረፍ ገና ብዘመን ዘይተነጸረ ናይ ብዓል ቅድመን ድኅረን ኣዝዩ ጥንታዊ ኣዱሊሳዊ ታሪኽን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገርና ፋሕ ኢሉ ኣሰሩ ዝረአ ሥልጣነታትን፤ እቲ ኣብ ጥንታውያን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያና’ውን ምስታ ንግሥተ ኣዜብ ተባሂላ ዝተጸወዐት ንግሥት ሳባ/ማክዳን፤ ብስማ ተጸዊዑ ኣብ ዝርከብ ምድረ ሳባን ዝነበረ ታሪኽ ልዕሊ ፫ ሺሕ (3000) ዓመታትን፤ ከምኡውን ቅድሚ ሥልጣነ ግብጺ (፭/5000 ሺሕ ዓመታት) ዝነበረ ምዕቡል ኣቃውማ ኅብረተሰብን ኣጠቓቕማ ቋንቋታትን፤ ብዝበዘኀ ምስዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራና ዘሎ ምድሪ ብዝተፈላለየ መዐቀኒታቱ ዝዛመድን ዝተኣሳሰረን ምዃኑ ታሪኻዊ መርትዖታት ጥራይ ዘይኮነስ ብምዕቡል ሥነ ፍልጠታዊ ኣገባብ ዝግበሩ መጽናዕትታት’ውን ዝያዳ እናጕልሕዎን እናደርዕዎን ዝርከቡ ሓቂ እዩ። (ካልኣይ ዜና ፱/9 ቀዳማይ ነገ ፲/10፤ መዝ ፸፪፥፲/73፥10 ኢሳ ፵፫፥፫/43፥3 ፵፭፥፲፬/45፥14 ኢሳ ፷፥፮/60፥6 ኤር ፮፥፳/6፥20 ሕዝ ፳፯፥፳፪/27፥22 ድርሳነ ጽዮን፤ ገድለ ጻድቃን፤ ክብረ ነገሥት) ካልኦት ጨወይቲ ታሪኽ ከባቢናን፤ ፈጣራዊ ቀመርትን “ኣማእዘንትን” ታሪኽ ዓለም ዝኾኑ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝሓለፉ ክፍለ ዘመናት ሃብታም ታሪኽና በብቲ ዝደለይዎ ከእንፍትዎ፤ ሓሓንሳብ ከም ዛንታ ልቢ ወለድ ክደርስዎ፤ ሓሓንሳብ’ውን ክቐብርዎን ይፈትኑ ደኣ እምበር፤ እቲ ሓቂስ መመሊሱ እናተቐልቀለ ነቲ ሓቀኛን ንቡርን ታሪኽና ዝያዳ የግህዶ ኣሎ።
ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር እዩ እሞ፤ ናብ ዝቀደመ ነገርና ክንምለስ ከሎና፤ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ (ማይተመናይ፤ ሰምበል፤ ማይ ጭሆት፤ ጐዳይፍ ወቦ ዘተርፈ) ዝተረኽቡ ሥነ ቅርሳዊ ሓቅታት፤ ንጥንታውነት ከተማ ኣሥመራ ዘጕልሕ እዩ ጥራይ ዘይኮነሲ ኣሥመራ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጥንታዊያን መዛግብ ዝኾኑ ዓድታት ዝተደኰነት ከተማ ከም ዘስምያ ይግለጽ እዩ። እዚ ካብ ኮነ ድማ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ጥራይ ዘይኮነሲ፤ ብዘመነ ብሉይ’ውን እንተኾነ እቶም ቀዳሞት ወለድና፤ ምስቲ ብኣምልኮቱ ሕዝበ እግዚአብሔር እናተባህለ ምስ ዝጽዋዕ ሕዝበ እስራኤል ዝዛመድ ታሪኽን፤ ኣብ ኣምልኮት ሓደ ልዑል ኣምላኽ ጸኒዖም ምንባሮም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ጥንታዊ ምስሊ ወይውን ጣኦት ኣብዚ ሓውልቲ ተረኽበ ተባሂሉ ንምሉእ መዋዕል ታሪኽ ሕዝቢ ክቕይሮ ዝግባእ ኣይኮነን። ይትረፍ ንሕና ኣብ ልዕሊ እቶም እስራኤላውያን ዝነገሡ ብዙኅ ተኣምራት ዝተገብረሎም ነገሥታት ከይተረፉ ክንደይ ጊዜ ካብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ርሒቖም ኣብ ባዕድ ኣምልኾ ኣትዮም ምንባሮም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ድማ ገሊኦም ውሑዳት ነገሥታት ብዝፈጸምዎ ባዕድ ኣምልኾ፤ ጠቕላላ ታሪኽ ሕዝቦም ደምሲሱ ብድብድቡ ኣምልኸቲ ጣኦት ነይሮም ዘስምዮም ኣይኮነን። እግዚአብሔር፤ ኣምላከ እስራኤል (ሕዝበ እግዚአብሔር) ተባህለ እምበር ኣምላኽ እቶም መመልኽቲ ጣዖት ዝነበሩ ኣሕዛብ ኣይተባህለን። ናትና ታሪኽ’ውን ካብዚ ዚፍለ ኣይኮነን። እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ንዝመዝገቦ ንግደት ኢየሩሳሌም ንግሥት ሳባን ኣምልኾኣን ብሰፊሑ ዝትርኹ ገለ መጽሓፍቲ ጥንታውያን ብራናታት’ውን ከምዘረድእዎ፤ ጕዕዞኣን ብድኅሪኣ’ውን ጕዕዞ ወዳን እንተኾነ ምስቲ ከባቢታትን ዓድታትን ኤርትራ ዝተዛመደ ምዃኑ ከነስተውዕል ንኽእል። ሓደ ካብኡ ኸኣ ንኣሥመራን ከባቢኣን ዝምልከትን ዝጠቕስን እዩ። ስለዚ ከባቢ ኣሥመራ ኣብቲ ጥንታዊ ዘመን ሕዝቢ ዝሰፈሮ፤ ታሪኽ ዘለዎ፤ ሕግን ሥርዓትን መነባብሮ ዝጸንሖ ሕዝቢ ምንባሩ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ገለ ምሁራትን ዘይምሁራት መደርትን ዝረአ፤ ነዚ ታሪኽን ካልእ ጥንታዊ ታሪኽናን ንናይ ሎሚ ኢትዮጲያ ጥራይ ኣኅሊፍካ ናይ ምሃቡ ሕዱር ሕማም፤ ሓደው ጥንታዊ ታሪኽካ ከምቲ ዝግባእ ከይፈለጥካ ብገሊኦም ንዝተደርሰልካ ታሪኽ ከይመርመርካ ከም ፓፓ ጋሎ ካብ ምድጋም፤ ሓደው ከኣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝጥቐስናዮ ንዝተረቀዓልና ምህዞ ታሪኽ ገዛእቲ ብምርዓምን ታሪኽካ ኣነኣኢስካ ብምርኣይን ካብ ዝመጽእ ድኹም ኣተሓሳስባ ዝነቐለ እዩ።

ኮይኑ ድማ ብርግጽ ኣብ ኣሥመራን ከባቢኣን ስፍሕ ዝበለ ዝርገሐ ዝነበሮ ሕዝቢ ሰፊርዎ ከምዝጸንሐን፤ እቲ ሕዝቢ’ውን ኣብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነበረ ምዃኑ ናብ ሓዲስ ኪዳን’ውን ዝሰገረ ገለ ታሪኽ ክርከብ ዝከኣለሉ ሓቂ እዩ። ሓደ ካብኡ ኣብ ገለ ጥንታውያን ከባቢታት ሃገርና እቲ ሕዝቢ በብእዋኑ ብዝመጹ ሕዝብታት እስራኤል ብዘውረስዎን፤ ነጊዱ’ውን ብዝተማህሮን ፍሉያት መሥዋዕተ ኦሪት ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘቕርበሉ መካናት ከም ዝነበሮ እዩ። ከምቲ ሥርዓተ ኦሪት ዝበደሉ ዝዕቖቡሎምን ምሕረት ዝለምኑሎምን መካነ ምስካያት ዝኾኑ ዓድታት ከምዝነበሩ’ውን ዝተፈልጠ እዩ። ግዝረት ልክዕ ከምቲ ሕገ ብሉይ ዓቂብና ምጽናሕናውን ነዚ ኣበሃህላ ሕያው ምስክር ኮይኑ ዝጥቐስ እዩ። ካብ ደቂ ኖኅ ዝጅምር ወለዶኣዊ ምጽብጻብ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፤ ገለ ዓድታትን ማይ ቤትን ሕዝብታት ሃገርና’ውን መበቈላዊ ዓሌቶም ካብ ነገዳት እስራኤል ምዃኖም ወለዶ ብወለዶ ጸብጺቦም ምዝራቦምን፤ ኣብ ነዊሕ መዋዕል ታሪኾም’ውን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዘሎ እዋናት ካብ-ናብ ዓድታት ዝገበርዎ ጕዕዞታትን ምስ ዝጸንሐ ሕዝቢ ምውሳቦም’ውን ብንጹር ከረድኡ ምኽኣሎም ኣሉ ዘይብሃለሉ እሙን ኣፋዊ መረዳእታ’ውን ዓቢይ ሚዛን ዝወሃቦ እዩ። ካልኦት ብዙኃት ኣገደስቲ ባህልታት ሕዝብናን፤ ሥርዓት ኣምልኾትናን ዕብራዊ ሠረት ከምዘለዎም ምርግጋጹ ጥራይ ነዚ ብሂል ሓቅነቱን ሕያውነቱን ዝድርዕ እዩ። ታሪኽ ሃገርና ኣዕሚቖም ዝተመራመሩ ምሁራት ታሪኽ’ውን፤ ታሪኽ ሕዝብናን ብሂላቱን ተጐስዩ ክሓልፍ ዘይክእል ኣዝዩ ጥንታዊ ምዃኑ እዮም ኣብ ጽሑፋቶም ኣስፊሮም ዘለዉ።

ናብቲ ዝቐደመ እዋን ዘመነ ክርስትና’ውን ክንሰግር ከሎና ወንጌላዊ ሉቃስ ጠቒሱልና ዘሎ እቲ ብዓል ሥልጣን ስሉብ’ውን ከምቲ ሕጊ ኦሪት ናብ ኢየሩሳሌም ክነገድ ምኻዱን፤ መጽሓፈ ኢሳይያስ የንብብ ምንባሩን ከነስተውዕል ከሎና፤ ክሳዕ ክንደይ ንሕናን ከባቢና ኣብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነብር ጥራይ ዘይኮነሲ፤ ብግብሪ’ውን ከምቶም እስራኤላውያን ብሕገ ኦሪት ተመሪሑ ኣምልኾቱ ይፍጽም ከምዝነበረ እኹል መረዳእታ ዝህበና እዩ። (ሓዋ ፰/8) ብተዛማዲ ታሪኽ ክንርእዮ ከሎና’ውን፤ ካብ ዝኾኑ ሕዝብታት ከባቢና ንላዕሊ ክሳዕ ቀረባ እዋን፤ ኣቦታትናን ኣባሓጐታትናን ዝተፈላለየ መንፈሳዊ በረኸትን ጸጋን ንምስታፍ በረኻታት ኣቋሪጾምን፤ ባሕሪ ሰጊሮምን ናብ ምድረ ግብጽን ኢየሩሳሌምን ናይ ምኻድ ልምድን ተሞክሮን ከምዝነበሮም ዝተፈልጠ እዩ። ካልእ ይትረፍ ብደቡብ ካብ ኢትዮጲያ ንዝመጹ ገየሽትን ነገድትን ኢየሩሳሌም መገዲ ዝሕብሩን ዘብጽሑን ኣባሓጐታትና ምንባሮም ኣብ ታሪኽ ብሰፊሑ ዝዝንቶ እዩ። ኣብ ኣዱሊስን ከባቢኣን ኣቐዲሞም ዝተረኽቡን ብቀጻሊ’ውን ዝርከቡ ዘለው ሃይማኖታዊያን ቅርስታት ከም እኒ ስም ጳጳሳት ዝተጻሕፈሎም መሳቕል፤ ኣዕኑድን ገለ ክፋል ተረፍ መናድቕ ኣብያተ መቅደስ’ውን ኣምልኮተ እግዚአብሔር ኣብ ሃገርና ገና ብጊሓቱ ተኣታትዩ ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል። ኣሥመራን ከባቢኣን’ውን ምስቲ ምቹእ ንናብራ ዝኸውን ቅርጺ ምድራን፤ ጠባያት ንፋሳን ወቦ ብዘይካ ንሳ ዘማዕበለቶን እትውንኖን ሥልጣነ ናይቲ ብባሕሪ ይኹን ብምድሪ ዝመጽእ ዝነበረ ዜናታትን ሥልጣነታትን ቀልጢፋ ክትረኽብ ዝነበራ ተኽእሎ ከኣ ርሒብ ምንባሩ ምስትውዓል የከኣል። 

1 comment:

  1. amen leli kulu zekone amelak medhane alem krston aglgltkum ybrk eme amelak maryam bmlgea aytflyekum amen

    ReplyDelete