Sunday, September 2, 2012

ኃልዮት ዋላስ ሕቡእ ኣጀንዳ ምድኻም ገዳማት? (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ገዳማትና መሠረትን ኣዕኑድን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና

ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ከምዝርድኦን፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን ከኣ ብዝያዳ ኣጸቢቖም ከምዝፈልጥዎን፡ ኣብ ታሪኽን ሕይወትን ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ መሠረትን ኣዕኑድን ተዋሕዶ ሃይማኖትና ኮይነን ብቀዳምነት ዝጥቀሳ ቅዱሳት ገዳማትና እየን።  ክርስትና ብወግዒ ካብ ዝተቐበልናሉ ፬ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ፡ መካናተ ቅዱሳንን መንፈሳዊ ተጋድሎን፡ ማእከላት ሓዋርያዊ ተልእኾን ስብከተ ወንጌልን፡ ጥንታዊያን መንፈሳዊ ኮሌጃትን መካናተ ፍልጠትን፡ ጽኑዓት ዓንድታት ሃይማኖትን ምዕላደ ጥበብን፡ ሕመረት ሓድነትን ሰናይ ግብርን፡ መመሳኸሪ ሕግታትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን፡ መዛግብት ታሪኽን ቅርስን፡ ማእከላት መንፈሳዊ ምምሕዳራትን ዳንነትን፡ መጋባእያ ዕርቅን ሰላምን፡ ምስካየ ሕዙናንን ጸወነ ጽጉማትን ወዘይመስሎ ኮይነን ኣገልግሎተን ክፍጽማ ዝጸንሓን ዘሎዋን ቅዱሳት ገዳማትና እየን። እዘን ገዳማትና ድማ ከም ብሌን ዓይኒ ዝጥመታን፡ ብዝኾነ ዋጋ ዘይሽነና ክቡራት መንፈሳዊ ኣዕንቍ ቤተ ክርስቲያንን ሃብቲ ሃገርን እየን።

ይኹን ደኣ እምበር፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሰናሰለን ኣሽሓት ዓመታት ዘቝጸረን ታሪኽ ዝመዝገቦ ሕያው ኣገልግሎተን ክፍጽማ ዝኽኣላ፡ ብኸምኡ ወይውን ብቀሊሉ ዘይኮነስ፡ መግለጺ ብዘይርከቦ ኃያል ጻዕርን፡ ቃላት ዘይገልጾ መንፈሳዊ ተጋድሎን ምዃኑ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ። ሰማእትነት ክሳብ ምኽፋል ንኵሉ ኣብ ልዕሊኦም ንዝወረደ ጸዋተወ መከራን ስቓይን ብአኰቴትን ብጸጋን ተቐቢለን መንፈሳዊ ዕዮአን ብትዕግሥቲ ስለዝተግበራ እዩ እምበኣር ሎሚ’ውን ታሪኸንን ሃብተንን ዓቂበን ብተጋድሎ ሃይማኖት ጸኒዐን ጕዕዞአን ክቕጽላ ንርእየን ዘለና። እቲ ፈተናን መከራን በብጊዜኡ ይቐጽል እምበር፡ ምትንሣእን ምድኻምን መናብርተን እንተኾነ’ውን፡ ብኃይሊ እግዚአብሔር እቲ ጕዕዞ ገዳማትና ተቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ናይ ሎሚ ወለዶ ብዛዕባ ገዳማት ብታሪኽ “ነይረን” እናበለ ከዘንቱ እምበር ብግብሪ ክርኢን ክሳተፍን፡ ኣይመኸኣለን ነይሩ። ንምሳሌ ዝጠቕሰን’ውን ኣይምረኸበንን፡ ብዛዕባ ናብራ ፍጽምና ገዳማት ንከመሳኽርውን ንወጻኢ ሃገራት መማዕደወ ነይሩ። እግዚአብሔር ግና ኣይገደፈናን፡ ኣቦታትና ተጋዲሎም ሎሚ ንእንረኽበን ገዳማት ኣጽኒሖሙልና ኣለዉ።

ገዳማትና ሎሚን ናትና ተገዳስነትን?!

እቲ ትማሊ መልክዑን መገዱን እናቐያየረ ንኣገልግሎተን ዕብየተንን ዝተጻብአ፡ ንህላዌአን ዝተፈታተነ ጸላኢ ሎሚ’ውን ብርግጽ ኣሎ። መካነ ቅድስናን፡ ፍኖተ እግዚአብሔርን ንዝኾና ገዳማትና፡ ቀንዲ ጸላኢአን ካልእ ዘይኮነስ ጸላኢ ሰናይ ዲያብሎስ እዩ። በብዘመኑ ከኣ ንዕንወትን ዓመጻን ብዝተዓደለ ሕሱር ኣእምሮ ብዝናበሩ መጋብርቱ ኣቢሉ፡ ነተን ብርሃነ ወንጌል ደሚቑ ንዝበርሃለን፡ ዓጽሚ ቅዱሳን ንዝዓረፈለን፡ ቅዱሳት መካናት ክፈታተንን፡ ብዝተፍላለየ ረቂቕ መገዲ ከኣ ንምድኻመን ክጽዕት ተራእዩ እዩ። ገዳማት ብዘይካ እቲ ሓደ ሕያው እግዚአብሔር ኣምላኽን፡ ቃል ኪዳን እቶም ቅዱሳንን ካልእ ጸግእን መምክሒን የብለንን። ስለዝኾነ ድማ በብዘመኑ ክስገር ንዘይመስል፡ ኣብ ልዕሊአን ንዝተዋደደ መፈንጠራን፡ ትምክሕትን ምፍርራህን ኃያላት፡ ተንኮል ዲያብሎስን ውዲት ገበርቲ እከይን ብመንፈሳዊ ተጋድሎ እናሰገራ፡ ዘመናትን ወለዶታትን ኣሕሊፈን ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን’ዚ በጺሐን ኣለዋ።

እምበኣር ካብ ርእሰን ኃለፈን፡ ንሕዝብን ንዓለምን ጸሎትን ኣስተብቝዖትን ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሓ፡ ምሕረትን ረድኤትን ንብምሉእ ዓለም ዝልመና እዘን ገዳማትና እዚአን፡ ንዅሉ እቲ በብሓደ ተዘርዚሩን ተገሊጹን ዘይውዳእ መስገደል ኣኅሊፈን፡ ኣብ ዘመንና ካብ በጽሓ፡ ሎሚ’ከ ስለ ዕብየተንን ዝያዳ ኣበርክቶአንን እንታይ ቆላሕታ ይግበረለን ኣሎ? እንታይ’ከ ሽግር የጋጥመን ኣሎ? ኢልካ ምሕታት ንኵሉ ስለ ቤተ ክርስቲያኑ ዝቀንእ፡ ብታሪኹ ዝግደስ ዝኾነ ሰብ ክሓቶ ዝግባእ መሠረታዊ ሕቶ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ብዘይካ እቶም ምስ ገዳማት ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎም ዓድታትን ታሪኽ ዝፈልጡ ዓበይቲ ሰባትን፡ ብፍላይ መብዛኅቲኡ ሓድሽ ወለዶ ንገዳማት ነጊድካ ካብ ምብጻሕን በረኸት ካብ ምስታፍን ዝሓልፍ ኣፍልጦ ወይውን ተገዳስነት ኣለዎ ክብሃል ኣየድፍርን እዩ። ፍቕሪ ገዳማት ዘይብሉ ኣማኒ ኣሎ እኳ እንተዘይተባህለውን፡ ብዘይካ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ግዱሳት፡ ኣጥቢቑ ታሪኸን ክፈልጥን፡ ንዘለዉዎ ህልዊ ኵነታት ክርዳእን፡ እጃሙ ከበርክትን ዝብገስ ወለዶ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ዝድለ ኣሎ ክብሃል የጸግም እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ይትረፍ ናይቲ ኣብ ዝኃለፉ ዘመናት ገዳማትናን ኣቦታትናን ንዘሕለፍዎ ጸዋተወ መከራን ተጋድሎን ብዝግባእ ክርዳእን ክስቖሮን፡ ሎሚ ኣብ ጊዜና፡ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትና ገዳማትናን አበው መነኮሳትን “ብሰብ ቤቶም” ይኹን ብዝተፈላለየ ኣካላት ንዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን፡ ዘሕልፍዎ ሕማምን ቃንዛን ዝሰምዕ እዝነ ልቦና ዝርእይ ትኵር ዓይነ ኅሊና ከምቲ ዝድለ ዝርከብ ኣይኮነን።

“ገዳማትና - ኣቦታትና” ብምባል ጥራይ ምንያት፡ ጸጋ ዘውህብ ክብሪ ዘውስኽ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሽግሮም ሽግርና፡ ሓጐሶም ሓጐስና፡ ሕማሞም ሕማምና፡ ቃንዛኦም ቃንዛና ምዃኑ ብዝግባእ ተረዲእና፡ ብልሳን ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ተኻፈልቲ ሽግሮምን ሓጐሶምን ኮይንና ምስ እንርከብ ጥራይ እዩ ኣካላቶም ምዃንና ከነረጋግጽ እንኽእል። እሙንን ፈታዊን ሰብ ዝብሃል ኣብ ጊዜ ሓጐስ ዝርከብ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጊዜ ሽግር ዝርከብን ጸገም ዝኻፈልን ዘቕልልን እዩ። ኣብ ጊዜ ሓጐስ ይትረፍ ጸዊዕካዮ፡ ከይጸውዓካዮ ዝምጽእ’ውን ኣይሰኣንን እዩ። እምበኣር ካብ ሰብ ‘ወረ’ ምዃን ሓሊፍና፡ ኣዕኑድ ሃይማኖትና ንዝኾኑ ገዳማትና ከመይ ኣለዋ፡ እንታይ’ከ የጋጥመን ኣሎ፡ እንታይ’ከ ይሽግረን ኣሎ ኢልና ክንሓትትን፡ ክንፈልጥን፡ ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ነገር ድማ ክንመክርን፡ ዓቕምና ድማ ብዝተፈላለየን መገድን ብዝተኻእለን መጠንን ምብርካትን ይግባእ እምበር፡ ከምዘይምልከተና ድምፂ ኣውጺኡ ንዘእዕዊ ዘሎ ጸገማቶም ጸማም እዝኒ ምሃብ ካብ ዝኾነ ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን ትጽቢት ዝግበር ኣይኮነን። ካብ ታሪኽ ተወቓስነት ድማ ዘናግፍና ኣይኮናን። ኣበው መነኮሳት፡ ምእንታናን ምእንቲ ድኅነት ዓለምን ለይትን መዓልትን ዝጽልዩ፡ ሓለውቲ መቓብር እምበር፡ ስለ ምድራዊ ሃብትን ርስትን ዝጭነቑ ኣይኮነን። እታ ርትዕቲ ሃይማኖትን፡ ግብረ ጽድቅን፡ ርስቲ መንግሥተ ሰማይ እምበር ካልእ ዋኒን የብሎምን። እቲ ዘለዎም’ውን ንሶም ከለዉ ዝናበሩሉ፡ ናይ ሕዝብን ናይ ሃገርን ሃብቲ እምበር ብሥጋ ውላድ ሃልይዎም ዝጽባጸብዎ ውርሲ ኣይኮነን። ትማሊ ብኣማይት ዝቝጸሩ ገዳማት ሃገርና ብእንፈልጦ ድዩ ብዘይንፈልጦ ምኽንያት ህላዌአን ኣብቒዑ እዩ። ብዛዕበአን እኳ ደፊርና እንዛረበሉ ምሉእ ታሪኽ የብልናን። ናይ ትማሊ ትማሊ ኃሊፉ እዩ። ሎሚ ንዘለዉን ዝተረፉን ውሑዳት ገዳማት’ከ ዘሎና ተገዳስነትን ኣበርክቶን እንታይ ይመስል ኢልና ርእስና ክንፍትሽ ይግባእ። ጽባሕ ተጣዒስና ንዘይንረኽቦ መንፈሳዊ ጸጋን ሃብትን ከይሰኣንናዮ ከሎና፡ ሎሚ ብእዋኑ ኣብ ህላዌአን ይኹን ኣብ ዕብየተን ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ክንገብር እንተዘይክኢልና፡ እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ ኣሰር ዝቐደሙ ከይስዕባ ዘየፍርህ ኣይኮነን። እቲ ዝምልከቶ ዘሎ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያንና’ከ ብዛዕባ ገዳማትና እንታይ ይገብር ኣሎ?

“ምምሕዳርን” ገዳማትናን

እቲ ቅድመ ናጽነት ዝነበረ ታሪኽ ገዲፍና፡ ርእስና ክኢልና ክንመሓድር ካብ ዝጀመርናሉ ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት ፳ ዓመት፡ ነዘን ኣእማድ ሃይማኖትናን ቤተ ክርስቲያናን ዝኾና፡ ዘመናት ሰጊረን ንዝመጻ ገዳማት ብርግጽ ካብቲ ወዲቐናሉን ደኺመናሉን ዘለዋ ሽግራት ንምሕዋየን እንታይ ገይሩለን ኢሉ ዝሓትት ሰብ ዝረአ ጭቡጥ መልሲ ዘይረኽበሉ፡ ዘደንጹ ነገራት እዩ ዝገጥሞ። ዋላ ሓንቲ ምባል ዝቐለለ እኳ እንተኾነ፡ እቲ “ምምሕዳር” ባዕሉ ኣብ ምድኻምን ምብትታንን ገዳማት ኢዱ ብምእታው ተሳታፊ ይኸውን ምህላዉ እዩ እቲ ጉድ!

ኣብ ህጹጽ ጸገማት ገዳማትና፡ እግዚአብሔር ኣብ ዓምደ ወርቅ ይጽሓፈሎም እምበር፡ እቲ ውሑድ ዝተገብረ’ውን ብዝምልከቶ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ፡ ክፉእ ብዝረኣዩ፡ ድጽቂ ብዝብህጉ ደቂ ሃገር ገበርቲ ሰናይ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ኣብ ዝኾነ ገዳም ከይድካ፡ እዚ ባስካ ማይ መን ሰሪሕዎ፡ እዚ ሕንጻ’ዚ ከ መን ሰሪሕዎ፡ እዚ … ኢሉ ንዝሓትት ሰብ “ክስቶ” “ክስቶ” ዝብሃል ገባሪ ሰናይ ዝብል መልሲ እምበር ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሠሪሑ ዝብል ንጋዶ እኳ መልሲ ዘይተረኽበሉ ዘሕፍር ሓቂ እዩ። ሃብቲ ሃገር ከም ምዃነን’ውን ዝምልከቶም መንግሥታዊያን ኣካላት፡ ብዙኅ ክገብርዎ ዝግባእ ነገር እንተነበረን እንተሎ’ውን፡ መመጺኻ ካብ ምድህሳስን ምዅላልን ዝሓልፍ ነገር ገይሮም ወይውን ኣንፊቶም ኢልና ክንዛረብ’ውን ዘኽእለና ጭቡጥ ግብሪ የልቦን። ሓደ ሓቂ ግና ኣሎ፡ እዘን ገዳማትና ሎሚ’ውን ብዙኅ ነገር ይጽቕጠን ደኣ እምበር፡ ሰለይ እናበላ ዝካየዳን ዝናበራን ዘለዋ፡ ንእግዚአብሔር ኣሚነን፡ ንቃል ኪዳን ቅዱሳን ዘኪረን፡ ብጽፍረንን ሓርኮትኮተንን ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። ላዕለዋይ ኣካል “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን፡ ክንዲ’ቶም ውሑዳት ገበርቲ ሰናይ ቤተ ክርስቲያንና ይትረፍ፡ ክንዲ ዝኾነ ታራ ነጋዲ ከበርክቶ ዝኽእል ዘይምብርካቱ ዘይምሕጋዙን ዘየሕፍር ኣይኮነን። እቲ ሓገዝ’ውን ተሪፉ፡ ካብቲ ንኵሉ ተረኻኽብ ዘላ ኣዕናዊ ግብሩ፡ ኢዱ እንተዝእክብውን ዝጸልኡ ውሑዳት ኣይኮኑን።   

ሓደ ዝተወልደ ቆልዓ፡ እኹል ጐበዝ ኮይኑ፡ ድልዱል ሓረስታይ ዝኾነሉ፡ ወይውን እንተደኣ ተማሂሩ ዩኒቨርስቲ ዝውድኣሉ፡ ወይውን ካልእ ሞያ ዘጥርየሉን ነፍሱ ዝኽእለሉን ፳፩ ዓመታት ናጽነት ኣኅሊፍና ኣሎና። ኣብ ሓቂ መጺእና፡ ንገዳማት ምሕጋዝ ኣይኮነን፡ ኣብዘን ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተው ዓመታት፡ ቤተ ክርስቲያንና ንርእሳ’ውን ክኢላ ብክልተ እግራ ኣደልዲላ ክትከይድ ፈጺማ ዘይከኣለትሉ፡ ታተ ምባል ኸቢድዋ፡ ጡብ ከም ዘይሓደገ ሕጻን ኮይና ጌና ትሕዘል ዘላትሉ ኵነታት ከምዘላ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝተሠወረ ኣይኮነን። እዛ ጥንታዊት ግና ድማ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ፳፩ ዓመት ኣኅሊፋ እናበልና፡ ክንዲ ፳፩ ዓመት ክትኮኖ ዝግባእ፡ ኣካላታ ክንዲቲ ዕድሜኣ፡ ክኸውን እንተዘይክኢሉ፡ ሎሚ’ውን ፍሒግ ምባል ከቢድዋ እንተደኣ ደቂሳ ኣላ፡ ርኡይ ሕማም “ተዛሚድዋ” ከም ዘሎ መርኣያ ስለዝኾነ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ምኽዋል ኣይከኣልን እዩ። እቲ ዝዓበየን ዝኸፈአን ናይ ሎሚ ሽግር ግና ጸገም ከምዘለዋ ምዝራብን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዋን ምርኣይ ዘይኮነስ፡ ነዚ ሽግር ኣለልዩ ንመፍትሒኡ ዝብገስ ብቕዓትን መንፈስ ዘለዎን መሪሕነት “ምምሕዳር” ዘይተዓደለት ምዃና እዩ።

ንቤተ ክርስቲያን ናብቲ ቅኑዕ ማእዘን ክመርሓን ክኣልያን፡ ከም ሓደ ኣካል ኣመንታን ኣገልገልታን ኣሥሚሩ፡ ምምሕዳራዊ ይኹን መንፈሳዊ፡ ከምኡውን ልምዓታዊ መደባት ሓንጺጹ ንርእሱ ከተግብር ዘይከኣለ ድኹም ኣካል፡ ንገዳማት ዝምልከት ክፍሊ ኣቝሙ፡ ንዕብየት ገዳማት ዝኸውን ትልሚ ኣውጺኡ፡ መርሓ ግብርታት ብኵሉ እቲ ዘድልዮም ነገራት ኣማሊኡን ኣወሃሂዱን ክሰርሕ እዩ ኢልካ ምትስፋው፡ ማይ ሓቝንካ ጸባ ከም ምጽባይ ኮይኑ ኣሎ ምባል ይሓይሽ። ኣብ ከተማ ኣሥመራ ጥራይ ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ክርስቲያናት ብውሑድ ድምር ገምጋም ወርሓዊ 3-5 ሚሊዮን ናቕፋ ዝእክብ ኣካል፡ (ንሱ’ውን ስለዝጸንሖ) ንነፍስ ወከፍ ገዳማት (ንመምህራን ዝወሃብ ገዲፍና) ንነፍስ ወከፍ ገዳም ኣስታት 500 ናቕፋ (ብጠቕላላ ኣስታት 10,000 ሽሕ ናቕፋ) ጥራይ ሓገዝ ኢሉ ምሃቡ ኣየበክይን ዶ ትብሉ?! ነዞም ብኵሉ መዳያት ዓቢ ኣቓልቦን ክብርን ዝግብኦም ገዳማት ይትረፍ ብደረጃ ሃገር ንዝእከብ እትዋት፡ ብናይ  ኣሥመራ ኣብያተ ክርስቲያናት እትዋት እኳ ክንዛረብ እንተኾይንና ንኵለን ብጠቕላላ ብማእከላይ ገምጋም 0.3% ናይቲ እትዋት ይስልዓለን ኣሎ ማለት እዩ። ፍረ ንዘይርከቦ እናመሳመስካ ዝግበር ናይ ወጻኢ ዑደት “ምምሕዳር” ግና ኣብ ሓንቲ ጉዕዞ ኣማይት ኣሽሓት ገንዘብ ክጠፍእ  ሓታቲ’ውን የብሉን። ብፁዓን ጳጳሳት ገዳማት እኳ ከይበጽሑ ብምኽንያት ነዳዲ ዝክልክል ምምሕዳር፡ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኖም ግና መካይን ቤተ ክርስቲያን ክልእኽወንን ክጥቀሙለንን ግና ዝጸባጸቦም’ውን የልቦን። እምበኣር ነዚ ጕድ ንማለቱ ኢልና ጠቐስና እምበር፡ ናይ ሎሚ ምምሕዳር ካብቶም ዝቐደሙ፡ ኣብ ጕዳይ ገዳማት መጺእና፡ ሽግር ገዳማት ክፈትሕ ክብገስ ይትረፍ፡ ባዕሉ ፈጣሪን ኣሳሳዪ ሽግርን ኮይኑ እዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብቶም ዓበይቲ ገዳማት ዝብሃሉ (ብመጠን ህልዊ ኵነታቶም) ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎ ኣሉታዊ ምትእትታው መዝገብ ታሪኽ እቶም ገዳማት ዘዘንትዎ ሓቂ እዩ። 

ሎሚ ድማ እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ? እንታይ’ከ ይብሃሉ ኣለዉ?

2 comments:

  1. ዘሕዝን ኢዩ፡ ኣምላከ ሰላም መድኃኔ ዓለም ንቤተክርስቲያንና ሰላምን ዕብየትን የሃበና።

    ReplyDelete
  2. ወልደ ተዋሕዶSeptember 5, 2012 at 10:36 PM

    እግዚአብሔር ምሕረቱ የሃበና እምበር ካብ ሰባትሲ ተሪፍና ኣሎና። ምኽንያቱ እዞም ንቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዘመሓድርዋ ዘለዉ ሰባት ካብ ቀደሞም ምስ ጥቕሞም ዝኸዱ እዮም እምበር፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣይጠቕሙን እዮም፥፡ ንሳቶም ብፍላይ ድማ ዮፍታሔን ቀሺ ሃብቶምን በተን ካብ ኣትላንታ (ካብ በዓል ቀሺ ገብረሚካኤል)ን ካብ ካቶሊክ ከምኡውን ካልኦት ፕሮተስታንታውያንን ዝረኽብዎ ገንዘብ፡ ካብ ሓደ ሓደ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ድማ ዝረኽብዎ ሓለፋታት ንቤተ ክርስቲያን ይሸጥዋ ኣለዉ። ንኣቦታትና ጳጳሳት ድማ ብዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እናኣፈራርሁ ድላዮም ይገብርዎም ኣለዉ።

    ስለዚ ኣብ ከቢድ ኩነታት ኣሎና። መንፈሳዊ ዕጥቂ ጥራይ ተዕእጢቕና ክንቃለስ ይግብኣና። ምኽንያቱ ገለ ገለ ሰባት ምስ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራን ካልኦት ኣካላትን እናተሓባበሩ "ንቃለስ ኣሎና" ይብሉ ኣለዉ። ግና ንቤተ ክርስቲያን ኣይጠቅምን እዩ። ዝጠቅም ብጾምን ጸሎትን ተወሲንና፡ ብመንፈሳዊ ስራሕ ተጊህና ንሓድሕድና እናተበላላሕና ምስራሕ እዩ።

    ክቡራን ማዕዶታውያን ኣጆኹም። ነዚ ቅዱስ ተግባር ቀጽልዎ። ብኹሉ ነገር ድማ ኩልና ደቂ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንተሓጋዝ እሞ፡ ትንሳኤ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ቀረባ እዋን ክንርኢ ኢና።

    ሓውኹም ወልደ ተዋሕዶ ካብ ኣስመራ

    ReplyDelete