በስመ
አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣
ተሐድሶ
ሀ.
ትርጕምን ዓይነትን
ተሐድሶ
ተሐድሶ ማለት ምሕዳስ፣ ምልዋጥ፣ ሓድሽ ምግባር፣ ምብርታዕ፣ ምጽናዕ፣ ምሥራሕ፣ ምጽጋን ማለት እዩ። ኣብ ዓለም ብምኽያት ምንዋኅ ጊዜን ብዝኂ ኣገልግሎትን ግቡእ ኣገልግሎቱ ኪህብ ንዘይከኣለ ወይ ንዝተበላሸወ ኣሐዲስካ ናብ ንቡር ኣገልግሎቱን ሥራሑን ምምላስ ኣሎ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ድማ ምስ ሃይማኖት፣ ሥርዓትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ዘይዛመድ መንፈሳዊ ተሐድሶ ኪግበር ይከኣል እዩ። ብቀንዱ ድማ ተሓድሶ ዝብል ቃል፣ ነቲ ብሓጢኣት ዝበለየን ዝተበላሸውን ሕይወት፣ ብንስሓ ምሕዳስ፣ ምልዋጥ ዝምልከት እዩ። “ብምሕዳስ ልብኹም ደኣ ተለወጡ እምበር፣ ነዚ ዓለም እዚ ኣይትምሰልዎ” (ሮሜ ፲፪፥፪/12፥2)) ከምዝብል ማለት እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ምኅደራ፣ መገድታት ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ንእኡ ዝመስልን ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብዝተኸተለን ብዝሳነን መገዲ ነቲ ህልዊ ዘመን ብምዕዳግ ምምሕያሽ፣ ምሕዳስ ዝከኣል ነገራት ክህሉን ኣገዳሲን ኮይኑውን ዝርከበሉ እዋን ኣሎ።
ኮይኑ ግና እዚ ክበሃል ከሎ፣ ተሓድሶ ዝብል ቃል ብመሠረቱ ከም ኣገባቡ ዝተፈላለየ ትርጉም ይሃልዎን፣ ንዝዓበየን ንዝጸፈፈን ኣገባብን መደባትን ኣብ ኣሠራርሓን ሜላን ምሕደራን ቤተ ክርስቲያን፣ ብቀንዱ ድማ ንመንፈሳዊ ሕይወት ዝምልከት ይኹን እምበር ካብ ሓራጥቃውያን ምቕዳሕ ዝፍትዉ መከልአን ዘይትርጉሙ ብምሃብ ነታ ዘይተበልይን ወትሩ ሕያው ንዝኾነትን ቅድስት ዝኾነት መንፈሳዊት ቤተ እግዚአብሔር ኣብ ትምህርተ ሃይማኖታ፣ ሥርዓታ፣ ወቦ ዘተርፈ ከምዝምልከት ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ግና ዓቢይ ጌጋ እዩ። ብዓንዲ ነገሩ ነዚ ቃል’ዚ ኣብ ምንታይ ንጥቐመሉ ኣብ ምንታይ ከኣ ንጥንቀቐሉ ብዝግባእ ምርዳእ የድሊ። ሓደ ሰብ ነታ ወትሩ ተሓድሶ ዝግብኣ ሕይወቱ ገዲፉ፣ ነታ ብደም ክርስቶስ ንዝተመሥረተት እሞ መሠረተ ሕይወት ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ‘ተሓድሶ’ ክገብረላ የድልያ ኣሎ ኢሉ ክብገስ ከሎ፣ ረቂቕን ዓሚቕን ንዝኾነ ምሥጢርን ትርጉምን ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይፈልጥ ባዕሉ ኣብ ርእሱ ይምስክር ከም ዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ብዛዕባ ተሓድሶ ዝብል ቃል ኣፍልጦና ብመጠኑ ከነስፍሕ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ከነቕልበሉ ሰናይ እዩ።



