Wednesday, November 21, 2012

ተሐድሶ (እኩይን መደናገርን ዕላማ መናፍቓን)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣
ተሐድሶ
(እኩይን መደናገርን ዕላማ መናፍቓን)
. ትርጕምን ዓይነትን ተሐድሶ
ተሐድሶ ማለት ምሕዳስ፣ ምልዋጥ፣ ሓድሽ ምግባር፣ ምብርታዕ፣ ምጽናዕ፣ ምሥራሕ፣ ምጽጋን ማለት እዩ። ኣብ ዓለም ብምኽያት ምንዋኅ ጊዜን ብዝኂ ኣገልግሎትን ግቡእ ኣገልግሎቱ ኪህብ ንዘይከኣለ ወይ ንዝተበላሸወ ኣሐዲስካ ናብ ንቡር ኣገልግሎቱን ሥራሑን ምምላስ ኣሎ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ድማ ምስ ሃይማኖት፣ ሥርዓትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ዘይዛመድ መንፈሳዊ ተሐድሶ ኪግበር ይከኣል እዩ። ብቀንዱ ድማ ተሓድሶ ዝብል ቃል፣ ነቲ ብሓጢኣት ዝበለየን ዝተበላሸውን ሕይወት፣ ብንስሓ ምሕዳስ፣ ምልዋጥ ዝምልከት እዩ። “ብምሕዳስ ልብኹም ደኣ ተለወጡ እምበር፣ ነዚ ዓለም እዚ ኣይትምሰልዎ” (ሮሜ ፲፪፥፪/12፥2)) ከምዝብል ማለት እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ምኅደራ፣ መገድታት ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ንእኡ ዝመስልን ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብዝተኸተለን ብዝሳነን መገዲ ነቲ ህልዊ ዘመን ብምዕዳግ ምምሕያሽ፣ ምሕዳስ ዝከኣል ነገራት ክህሉን ኣገዳሲን ኮይኑውን ዝርከበሉ እዋን ኣሎ። 


ኮይኑ ግና እዚ ክበሃል ከሎ፣ ተሓድሶ ዝብል ቃል ብመሠረቱ ከም ኣገባቡ ዝተፈላለየ ትርጉም ይሃልዎን፣ ንዝዓበየን ንዝጸፈፈን ኣገባብን መደባትን ኣብ ኣሠራርሓን ሜላን ምሕደራን ቤተ ክርስቲያን፣ ብቀንዱ ድማ ንመንፈሳዊ ሕይወት ዝምልከት ይኹን እምበር ካብ ሓራጥቃውያን ምቕዳሕ ዝፍትዉ መከልአን ዘይትርጉሙ ብምሃብ ነታ ዘይተበልይን ወትሩ ሕያው ንዝኾነትን ቅድስት ዝኾነት መንፈሳዊት ቤተ እግዚአብሔር ኣብ ትምህርተ ሃይማኖታ፣ ሥርዓታ፣ ወቦ ዘተርፈ ከምዝምልከት ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ግና ዓቢይ ጌጋ እዩ። ብዓንዲ ነገሩ ነዚ ቃል’ዚ ኣብ ምንታይ ንጥቐመሉ ኣብ ምንታይ ከኣ ንጥንቀቐሉ ብዝግባእ ምርዳእ የድሊ። ሓደ ሰብ ነታ ወትሩ ተሓድሶ ዝግብኣ ሕይወቱ ገዲፉ፣ ነታ ብደም ክርስቶስ ንዝተመሥረተት እሞ መሠረተ ሕይወት ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ‘ተሓድሶ’ ክገብረላ የድልያ ኣሎ ኢሉ ክብገስ ከሎ፣ ረቂቕን ዓሚቕን ንዝኾነ ምሥጢርን ትርጉምን ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይፈልጥ ባዕሉ ኣብ ርእሱ ይምስክር ከም ዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ብዛዕባ ተሓድሶ ዝብል ቃል ኣፍልጦና ብመጠኑ ከነስፍሕ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ከነቕልበሉ ሰናይ እዩ።
እዚ ድማ፦
በዚ ልዕል ኢልና ኣብ መእተዊ ጽሑፍና ክንርእዮ ከሎና ተሐድሶ ክልተ ዓይነት እዩ።
. ኣድላዪ ተሐድሶ
. ዘየድልን ሓደገኛን ተሐድሶ
. ኣድላዪ ተሐድሶ
ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣድላዪ እዩ ዝበሃል ተሐድሶ በዞም ዚስዕቡ ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል ኢና።

.፩ ምምሕያሽ መንፈሳዊ ሕይወት
ወዲ ሰብ ንዝተጋገዮ ብምእራም፣ ንዘይተማህሮ ተማሂሩ፣ ንዘይፈለጦ ፈሊጡ፣ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ዝያዳ ተጋዲሉ ዓወት ንምጕንጻፍ፣ ብንስሓ እናተሓደሰ ዝተቐደሰ ሕይወት ኪመርሕ ይኽእል። እዚ ድማ ምሕዳስ መንፈሳዊ ሕይወት ይበሃል።

.፪ ምምኅዳራዊ ለውጢ
ኣመኃደርቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣመራርሓ ብቕዓቶም ከመኃይሹ፣ ዘመናዊ ምኅደራ ከተኣታትዉ ምስ ዝኽእሉ፣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሐዋርያዊ ተልእኾኣ ብዝግባእ መገዲ ክትፍጽም ትኽእል፣ ንሳቶምውን ጽባሕ ንግሆ ካብ ተሓታትነት ክድኅኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ በብጊዜኡ ምስ ዘመን ዝኸይድ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝቃዶ ምምኅዳራዊ ተሓድሶ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። “ሃይማኖት ከም ኣቦታትና ኣሠራርሓ ከም ዘመንና” ዝብሃል ነዚ እዩ። እዚ ኪበሃል ከሎ’ውን ነቲ ጥንታዊን ሓዋርያዊን ኣሠራርሓ መሠረት ዝገበረ እምበር፣ ሓድሽ ኣሠራርሓ ብምፍልሳፍ ዝትግበር ክኸውን የብሉን። ካብዚ ብዘመናዊ ምዕባለ ዝተዓበለለ ኣካይዳ እንመሃሮን ክንከስቦ ዝግባእና ብዙኅ ነገር ከምዘሎ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ከም መሠረትን ቀያዲን ካብ ዝኾነ ዝቐደመ መንፈሳዊ ኣካይዳ ብምርሓቕ ዝመጽእ ምምሕደራዊ ለውጢ፣ ፍጻሜኡ ናብ ሥጋዊ ነገር ከይጥቕለል ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ። ስለዚ ኣበየናይ ዓውዲ ናይቲ ኣገባብ ምሕደራ ምሕዳስ ወይውን ለውጢ የድልዮ ኢልካ ምፍታሽ፣ በየናይ መገዲ’ኸ ክትግበር ይግባእ ኢልካ ምሕሳብ ኣዳላዪ እዩ።

. ዘየድልን ሓደገኛን ተሐድሶ
.፩ ትምህርተ ሃይማኖት ዝጠዋዊ
እዚ “መሐደሲ” ጕጅለ እዚ ንትምህርተ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን እናጠዋወየ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ጌጋ ከምዘሎ እናኣምሰለ ብምቕራብ፣ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን መድረኽ ምንፍቕና ኪገብራ ወትሩ ዚጽዕር እዩ። ኣብ ነገረ እግዚአብሔር፣ ነገረ ማርያም፣ ነገረ ቅዱሳን፣ ነገረ መስቀል፣ በዓላት፣ ሥነ ፍጥረትን ካልእን ጥርጥር ብምዝራእ ድማ ንሕንጻ ሃይማኖት ደቂ ሰባት ከዳኽም ላዕልን ታሕትን ይብል። ብዘይካ’ዚ ዝያዳ ኣትኵሮኡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ብምግባር ድማ ንቅዱሳት መጻሕፍት ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጕምን መግለጽን እናሃበ፣ ቅዱሳት መጻሕፍት ንሓድሕዶም ከም “ዝጋጨዉን” ብዙኅ “ጌጋታት” ከምዘለዎምን ኣምሲሉ ብምቕራብ፣ ካብ ልቢ ምእመናን ሓቀኛ ግንዛበ ቅዱሳት መጻሕፍት ከጥፍእ ይፍትን። ምእመናን ኣብ ልዕሊ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ጥርጣረ ከምዘሕድሩ ብምግባር፣ ንዘለዎም “አሜን” ዝብል ጽኑዕ እምነት ከሕጽጽ ይፍትን።

.፪ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝነቅፍ
መስፋሕፋሕቲ ናብ ምንፍቕና ዝቐንዐ ተሐድሶ ቅድሚ ናይ ክሕደት ትምህርታቶም ምዝራኦም፣ ምእመናን ኣቐዲሞም ዝኃዝዎን ዝምርሕሉን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ንኺገድፉ ካብ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ሓደ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ምንቃፍ እዩ። ኣብ ትምህርታቶም ኮነ ጽሑፋቶም ሥርዓት ምሕላው ኦሪታውን ኣሳርን ምዃኑ፣ ሥርዓት ምሕላውን ዘይምሕላውን ጉዳይ ጽድቅን ኩነኔን ከምዘይኮነ፣ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ከምዝደለኻዮ ከተመሓይሾ ከምእትኽእልን ካልእን እናበሉ መውፅኢ ኣፎም ገይሮምዎ ኣለዉ።

.፫ ቀኖና ዝጥሕስ
ኣንቀሳቐስቲ ‘ተሐድሶ’ ነቲ ናይ መወዳእታ ሰይጣናዊ ዕላማኦም ንምውቃዕ ካብ ዝጥቀሙሎም መገድታት ሓደ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓስ ምእመናን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣረኣእያኦም ከምዝቕይሩ ምግባር እዩ። ባዕሎም እናጠሓሱ ድማ “እንታይ ኣለዎ” “እንታይ ከ ሳዕቤን ክህልዎ” እናበሉ ካልኦት ንኸቃልልዎ መገዲ ይኸፍቱ።

.፬ ቅዱስ ትውፊት ዘይምቕባል
ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሠለስተ ነገራት (ዶግማ፣ ቀኖናን ትውፊትን) ዝተመሥረተ እዩ። ትውፊት ቃል ብቓል ወይ ብምስማዕን ብምርኣይን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመኃላለፍ ትምህርትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽሓፉውን ዝነበረን ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ መሠረት ዝኾነን እዩ። ተሐድሶኣውያን ግና “ትውፊት ብመጽሓፍ ቅዱስ ክረጋገጽ ኣለዎ፣ ትውፊት ከም መመሳኸሪ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” እናበሉ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ጐስጓስ የካይዱ ኣለዉ።

ነዚ ኵሉ ክፍኣት ክፍጽሙ ድማ ከምቲ ጐይታና፣ “ካብ ነቢያት ሓሶት ተጠንቀቑ፣ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ክንሶምሲ፣ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዝመጽኡኹም። ብፍሬኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” (ማቴ. 715-16) ዝበለና፣ ናብ ኣብያተ ክርስቲያንን ቅዱሳት ገዳማትን ከይተረፈ ተመሳሲሎም ብምእታው፣ ንምእመናን እናኣደናገሩ ክርዳድ ምንፍቕና ብምዝራእን ብዝተፈላለየ ሥጋዊ ነገራትን ገንዘባዊ ምትህርራፋትን ፖለቲካዊ ሥነ ሓሳባትን ኣዀብሊሎም ናብ ኣዳራሻት መናፍቓን ንምውኃዝን ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መናፍቓን ንምፍራይን ለይትን መዓልትን ይጽዕሩ ኣለዉ። ፍሬኦም ግና ምፍልላይ፣ መናፍቕነትን ጥፍኣትን ምዃኑ ብግስ ከይበሉ ንርእዮም ኣሎና።

. ዕላማን ሓደገኛነትን “ተሐድሶ”
ሕፅር ብዝበለ ኣገላልጻ ዕላማ “ተሐድሶ” ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተስ መቓቒልካ እንተስ ጠቕሊልካ ፕሮተስታንታዊት ምግባር እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ “ተሐድሶ” ምዃኑ እኳ ዘይፈልጥ ወለዶ ንምፍራይን ብዘይፍላጥ ዝድግፍ “ቲፎዞ” ንምፍራይን ዘይግልብጥዎ እምኒ የልቦን። “ተሐድሶ” ቅድሚ ናጽነት ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ዝቖጻጸርዎም መድረኻት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ማኅበራትን፣ “ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅንዕቲ ኣይኮነትን” ይብሉ እኳ እንተነበሩ፣ በዚ መገዲ እዚ ግና ጕዕዞኦም ክቃንዓሎም ስለዘይከኣለ፣ ሎሚ ሎሚ፣ “እታ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅንዕቲ እያ ነይራ፣ ድኂራ ግና ስለዝተበላሸወት ምሕዳስ የድልያ ኣሎ” እናበሉ ሜላኦም ቀይሮም ስትራተጂካዊ ዝብልዎ ናይ ጥፍኣት ውግእ ብዝረቀቐ ምውድዳብ የካይዱ ኣለዉ።

በዚ ኣካይዳኦም እዚ ድማ ንብዙኃን ውሉደ ቤተ ክርስቲያን የደናግሩ ኣለዉ። ዝያዳ ድማ ተመሳሲሎም እናኣተዉ፣ ኃይሊ ገንዘብ ተጠቒሞም ሰባት እናኣስድዑ፣ ኣብ ሰበ-ሥልጣንን ሃብታማትን እናተጸግዑ፣ ኣብ ውሽጢ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ሥርዓተ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን ብምጽያቕን ኣብ መንጎ መራሕትን ተመራሕትን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምፍልላይ ብምፍጣርን ባይታ “ምንባሮም” የጣጥሑ ኣለዉ።

ተሐድሶ” ንሃይማኖትን ሃገርን ሓደገኛ እዩ። እዚ ከኣ ጽልዋኡ ኣብ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ባህልን ክብርታትን ኅብረተ-ሰብ (ስለዘይግደስን ዘይዕቅብን ጥራይ ዘይኮነ ባህሊ ምዕራባውያን ከተኣታቱ ብዙኅ ስለዝጽዕርውን)፣ ኣብ ታሪኽ (ታሪኽ ስለዘፋልስን ዝብርዝን)፣ ቍጠባን ሞራልን (ተጸባዪን ተመጽዋትን ስለዝገብር) ዓቢይ ሃጓፍ ዝፈጥር ሥዉርን ኣዕናውን ምንቅስቓስ እዩ። ስለዚ ሓደገኛነቱ ተረዲእና ክንነቅሕ፣ ሜላታቱን ኣካይዳኡን ኣጽኒዕና ድማ ክንቃለስ ይግብኣና።

. ታሪኽን ኣመጻጽኣን “ተሐድሶ”
.፩ ፕሮተስታንታዊ ተሐድሶ ኣብ ኤውሮጳ
ምንቅስቓስ ተሐድሶ ኣብ መበል ዓሠርተው ኃሙሽተ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ እዩ ተጀሚሩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ብሓሳብ ጠኒሱ፣ ብነቢብ (ብዘረባ) ወሊዱ፣ ብተግባር ዘዕበዮ ኣቐዲሙ ናይ ካቶሊክ “መነኮስ” ዝነበረ እሞ ‘ቆቢዑ’ ዝደርበየ ጀርመናዊ ማርቲን ሉተር እዩ። ሉተር ንናይ ዘርእን ፖለቲካን ጸገሙ ብምሕዋስ፣ “ፖፕ ሮም ኣይጋገን እዩ፣ ካርድ ገዚእካ ስርየት ኃጢኣት ትረክብ፣ ነፍስ ካብ ኃጢኣታ ክሳዕ እትነጽሕ ኣብ መካነ ንስሓ እያ ትጸንሕ” ዝብሉን ካልኦትን ትምህርቲ ካቶሊክ ተቛዊሙ እዩ ናይ ምሕዳስ ሓሳብ ዘንቀለ። ንሱ ብዝኸፈቶ ግና ሎሚ ኣሽሓት ሉተራውያን ንዓለም ኣዕለቕሊቖምዋ ኣለዉ።
ሉተራውያን ንካቶሊክ ከሕድሱ እዮም ተላዒሎም ነይሮም። ንሳቶምውን ብተራኦም ስለዝተባላሸዉ ግና ንኣኣቶም ንምሕዳስ ድማ ብዙኃን ሰባትን ማኅበራትን ኣብ መበል ዓሠርተው ሸሞንተን ዓሠርተው ትሽዓተን ክፍለ ዘመን ተላዒሎም እዮም። ዕላማ እዞም ውልቀ ሰባትን ማኅበራትን እዚኣቶም ድማ እዚ ዚስዕብ እዩ፦
. ኣብ መንፈሳዊ ድኽመት ንዝተሸመሙ ኤውሮጳውያን ተኸተልቲ ፕሮተስታንት ንምሕዳስ፣
. ንዅለን ምሥራቓውያን አብያተ ክርስቲያን ምሕዳስ፣
. ብስም ምስፍሕፋሕ ክርስትና ንኣፍሪቃ ብተዘዋዋሪ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምእታው።
ወዘይመስሎ

ኮይኑ ድማ እቲ ካብ መሠረቱ ዘይቀደወ “ተሓድሶ” ንኣሽሓት ብስም ‘ቤተ ክርስቲያን’ ንዝጽውዓ “ማኅበራት ተሓድሶ” ፈልፊሉን ይፈልፍልን ኣሎ። እዚ ሽግር’ዚ ኣብ ምዕራባዊ ደምበ እምነት ከይተሓጽረ፣ ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ምብራቕ’ውን ከምዝልሕም ከቢድ ጻዕሪ እዩ ብወገኖም ተገይሩሉ። ነናቶም ዕላማን ኣጀንዳታትን ዘለዎም ኢድ ካልኦት ዓለማውያንን ፓለቲካውያንን እናተሓወሶ ድማ ብቀሊሉ ዘይጠፍእ ሓዊ ኣብ ውሽጢ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት ንምስዋሩ ድማ እዩ ተፈቲኑ። ከምቲ ኣብ ካቶሊካዊት እምነት ዝተወለዐ ምፍንጫል ድማ ናብ ካልኦት ብምስጋር ንምድኻመን ብዙኅ ጸዓት ፈሲሱ እዩ።
ያኢ ጽቡቕ ሞያን ተሞክሮን ተረኺቢሉየስ፣ ነዚ እኩይ ፈተነ’ውን ብፍላይ ኣብተን ጥንታዊያን ዝኾና ኦሪየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ንምትእትታዉን፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ንምድኻመንን፣ ንምኽፍፋለንን፣ ጥንታዊ ትምህርተንን ሥርዓተንን ብዝብርዝ ኣገባብ ብዝተወደበ መልክዕ ብምዕራባውያን ጐስጐስቲ “ተሓድሶ” ዝተገብረ ፈተነ ታሪኽ እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝሰነዶን፣ ገሊአን’ውን ክሳዕ ሕጂ ዝቐንዛወሉ ሕማም ኮይኑ ኣሎ።

ሓደ ኣብነት ሓደገኛነት ተሐድሶ ናይ ህንዲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክንርኢ ንኽእል ኢና።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕንድ ክሳዕ ዓሠርተው ኃሙሽተ ክፍለ ዘመን ብሓድነት ጸኒዓ ትነብር ነይራ። ናይ ፖርቱጓል ሚስዮናውያን ነታ ቤተ ክርስቲያን ላቲናዊት ንምግባር ኣብዝጸዓሩሉ ጊዜ ግና ኵሉ ሰባን ንብረታን ናብ ክልተ ክሳዕ ዝምቀል በጽሐት። ሓደ ጕጅለ ኣብ ትሕቲ ምምኅዳር ፓትርያርክ ኣብ ኣንጾኪያ ዘላ ያዕቆባዊት ተባሂላ እትጽዋዕ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክመኃደር ከሎ፣ እቲ ሓደ ጕጅለ ድማ ተፈልዩ ኣብ ትሕቲ ናይ ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንበር ይመኃደር ነይሩ።

ነዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ዝመቓቐላ ናይ “ተሐድሶ” ምንቅስቓስ ብዙኃን ነገራት ኪልወጡ ሥራሐይ ኢሎም ተታኃኂዞምዎ እዮም። ንኣብነት፦
  • ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝገልጹ ቃላት ምልዋጥ፣
  • ንክርስቶስ ኣማላዲ ኣምሲልካ ምቕራብ፣
  • ብጥንታዊ ቋንቋ ንዝዝየም ዝነበረ ምልዋጥን ጥንታዊ ትውፊት ምርሳዕን፣
  • ኣብ’ቶም ስም ቅድስት ድንግል ማርያምን ስም ቅዱሳንን ጸዊዕካ ዝበጽሑ ጸሎታት ናይ ትኅዝቶ ለውጢ ምግባር፣
  • ምትራፍ ጸሎተ ፍትሐት፣
  • መሥዋዕተ ዕጣን ትርጕም ከምዘይብሉ ምምሃር፣
  • ቅዱስ ቍርባን ምሥጢር ምዃኑ ዝገልጹ ቃላት ካብ ቅዳሴ ምሕካኽ፣
  • ኣብ ቅዳሴን ካልኦት ጸሎታትን ካህን ብሥልጣኑ ጸሎት ከዕርግ ከምዝኽእል ዘረድኡ፣ “አነ፣ ኣባይ” ዝብሉ ቃላት፣ ‘ኵሉ ሕዝቢ ካህን እዩ’ ናብ ዝብል ፕሮተስታንታዊ ትምህርቲ ንምርዓም፣ “ንሕና፣ ኣባና” ብዝብሉ ቃላት ምትካእ፣
  • ኣማላድነት ቅዱሳን ዘርእዩን ዝምህሩን ጥቕስታት ቅዳሴ ምውጋድን ካልኦትን ኪጥቀሱ ይኽእሉ።
እዚ ብኣዝዩ ሓጺር ኣገባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህንዲ ዝተፈተነ ሜላ “ተሓድሶ” ከም ኣብነት ኣምጻእናዮ እምበር፣ ብተመሳሳሊ ግና መምስቲ ዘለዉዎ ከባቢ ብዝዛመድ ኣገባብ ዳርጋ ኣብ ኵለን ኣብያት ክርስቲያናት ተዋሕዶ ይውሓድ ይብዛኅ ተፈቲኑ እዩ። እስከ ነዚ ሎሚ ምስ ኣብ ሃገርናን ኣብ መላእ ዓለምን ዘንጸላሉ ዘሎ ምንቅስቓስ ተሐድሶ ነገናዝቦ!!!

. ተሐድሶ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ምስቲ ሃገርና እትርከበሉ ኣገዳሲ ስትራቴጂካዊ ኣቐማምጣ፣ ዘይከምቲ ዝቐደመ ዘመነ ሓዋርያት፣ ዝተፈላለየ ድርብ ዕላማታት ዝተሓንገጡ ‘ሃይማኖታውያን ሰበኽቲ” ካብ ዓሠርተው ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ብዝተፈላለየ መገድን ሜላን ናብ ኤርትራ ኣትዮም እዮም። በብእዋኑ ዝኣተዉ እዞም ሚስዮናውያን ኤውሮጳውያን ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሮሙላን፣ ብዙኅ ዕንወት ድማ ኣኸቲሎም እዮም። እዚ ዕንወት እዚ ከኣ ሃይማኖታዊ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሃገራዊ ዕንወትውን እዩ። ንኣብነት ንሃገርና ንመግዛእቲ ጥልያን ዘቃለዓ ተግባር ሓደ ንሱ እዩ። ‘አባ’ ጀሴፔ ሳፔቶ ኣብ ዓሰብ ብዝገዝኣ ንእሽቶይ መሬት ክሳዕ ንሃገርና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ምእታው ዓብያ። እዚ ሓደ ካብ’ቲ ብዙኅ “ካብ ባሕሪ ብጭልፋ” ከምዝብሃል ኢና ጠቒስናዮ።

ብድኅሪኡውን ብቅንኣት ሃይማኖት ዝተደረኹ ኣቦታትን ዓበይቲ ዓድን ምእመናን ብዝፈጠርዎ ባይታ፣ ኣብ ኣርብዓታት መንእሰያት ተኣኪቦም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደረጃ ትምህርቲ ሰንበትን ማኅበራትን ክመሃሩ ምስ ጀመሩ፣ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝጓዝም ዝነበረ መንፈስ ተሐድሶ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሰሊዅ ብምእታው ነተን ዝነበራ ማኅበራት ኦተቤ ብኸመይ ክሳዕ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸረንን፣ ንማኅበራትን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ሃገርና ናብ ካልኦት እምነታት ከም “መሰጋገሪ” መድረኽ ገይሩ ከምዝሓነጾን ከምዝተጠቕመሉን ምርኣዩ ብዛዕባ ዕላማን ሜላን ተሓድሶ ጽቡቕ ሥዕሊ ዝህብ እዩ። ዝኾነ ግዱስ ኣካል ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሃገርና ዝነበረ መስርሕ ተሓድሶን ዕብየቱን ክምርምር ምስ ዝጅምር ዝገሃደሉ ሓቂ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግዳይ ዓውለማዊ ምንቅስቓስ “ተሓድሶ” ኮይና ከምዝነበረት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሎሚ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ዝርከቡ ብኤርትራውያን ዝቖሙ ሓደሽቲ እምነታት፣ ፍረ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ምንቅስቓስ ‘ተሓድሶ’ ምዃኖም ብጭቡጥ ክንርዳእ ንኽእል። ሕጂ’ውን ኦርቶዶክሳውያን ኢና እናበሉ መሳሰዪን መጋበሪን ድርብ ዕላማታት ዝኾኑ ዘለዉ ተረፍ መረፍ ናይ ዝቐደሙ ማኅበራት’ውን፣ ነቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመታት ዝነበረ ታሪኽ ሃገርና ዘዘካኽሩ መርኣያ ኣሰራት እዮም።

ሕጂውን እንተኾነ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን “ብትምህርታት” ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ብአቡነ እንጦንዮስን እናኣሳበብካ ንሰብ ጥንታዊትን ሐዋርያዊትን ሃይማኖቱን ሥርዓቱን ትውፊቱን ገዲፉ ሰዓብን ኣሳሳይን ተሐድሶ ኪኸውን ዝግበር ዘሎ ፈንጠርጠር ንርእዮ ኣሎና። ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳ፣ ርኁቕ ምብራቕን ብሥዉር ኣካይዳ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ኣሐዲስካ ፕሮተስታንታዊት ንምግባር” ዝግበር ዘሎ ምጉያያትን ምወላታትን መስክሩለይ ዘየድልዮ ነገር እዩ።

እምበኣርከስ፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ “ዘይቅላዕ ክዱን፣ ዘይፍለጥ ድማ ሥዉር የልቦን” (ማቴ. ፲፥፳፮/1026) ከምዝበሎ፣ ጽባሕ ንግሆ ኵሉ ከም ፀሓይ ቀትሪ ግልጽልጽ ኢሉ ክረአ እዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ግና ብምኅደራ ወይ ድማ ሓደ ሓደ ጸገማት ቤተ ክርስቲያን ኣመኽኒኻ ካብ ሃይማኖትካ ምዝንባል ክህሉ የብሉን። ሎሚ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘይሃስስ በሰላ ንምግዳፍ ብተሐድሶኣውያን ዝግበር ዘሎ ሃነፍነፍ መወዳእታኡ ዕርበትን ጥፍኣትን ደኣ እምበር፣ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፣ “ዲያብሎስ ንቤተ ክርስቲያን ኪወግኣ ዝናሩ ወድአ፣ ንቤተ ክርስቲያን ግና ኪጐድኣ ኣይከኣለን” ከምዝበሎ፣ ንቤተ ክርስቲያን ኪመቓቕልዋ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደም ክርስቶስ ብከውሒ ኣብ ዝተመሰለ ጸኑዕ እምነት ዝተመሥረተት፣ ብትንቢት ነቢያትን ስብከተ ሐዋርያትን ጸኒዓ እትነብር፣ “ኣፍ ደጌታት ሲኦል ኣይኪኅይልዋን እዮም” ዝብል ቃል ኪዳን ዝኣተወላን እያ። (ማቴ. ፲፮፥፲፮\-፲፰/1616-18፣ ግብ. ሐዋ. ፳፥፳፰/2028)

እምበኣርከስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጥንታዊት፣ ሐዋርያዊት ኮይና ሓንሳብን ንሓዋሩን ንቅዱሳን ዝተዋህበት፣ ኣብ ዶግማኣ፣ ሥርዓታ፣ ትውፊታ፣ ባህላን ታሪኻን ምምሕያሽ፣ ምኽላስ፣ ምሕዳስ ዘየድልያ እንኮ መገዲ እግዚአብሔር ምዃና ብምእማን፣ ካብ’ዚ ክፉእ ናይ ምፍልላይን ሓሰውቲ ነቢያት ዝበዝኁሉ ዘመንን ወፂእና፣ ብቅድስት ሃይማኖትና ጸኒዕና ብቅዱስ ሥነ ምግባር ኣጕላዕሊዕና፣ ተኻፈልቲ ሰማያዊ ርስቲ እግዚአብሔር ኣምላኽና ክንከውን ምሕረት እግዚአብሔር፣ ጸሎትን ኣማላድነትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ተራዳእነት ኵሎም ቅዱሳን መላእክትን፣ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔርን ምስ ኵላትና ይኹን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።
ኃውኹም ወልደ ተዋሕዶ

3 comments:

  1. edmen tenan amelak semay wmwder yhabka kal hiwet ysmealna amen . from usa.

    ReplyDelete
  2. Amlake kedusan tsegue yebzhalkum...

    ReplyDelete
  3. በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን፡ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ፡ እንሆ ዘይቅላዕ ክዱን የሎን ከም ዝብሃል ፡ ዘርኢ ክርዳድ ካብ እክሊ ዝፈለየሎ ግዜ ኣኺሉ ኣቦታት ነቒሖም ህዝቢ ነቒሑ ኣብ ጽዑቕ ዳግመ ትንሳኤ ቤተክርስትያን ይርከብ ፡፡ መጋበሪያ ባዕዳዊ ሃይማኖትን ባህልን ኴንና ኣብ ክንራኸብሉ ዘይንኽእለሉ ጫፍ ከብጽሑና ዝተጓየዩ ፡ ጸረ እምነት ኦ.ተ. ውዲቶም ብሓይሊ እግዚኣብሔር ኣምላኽን ብተራዳእነት ቅድስተ ቅዱሳን ንጽህተ ንጹሃን ድንግል ማርያም ፈሽሉ ተሪፉ ፡፡ ከም ወትሩ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ህዝብናን ሃገርናን ሓሉ ፡፡ ኢትባረኽ እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣበዊነ ፡፡ስብሐት ለእግዚአብሔር፣
    ወለወላዲቱ ድንግል፣
    ወለመስቀሉ ክቡር።

    ReplyDelete