Monday, November 19, 2012

ክንጽበዮ ዝጸናሕና ብዓል “መድኃኒት”

Click hear to read in PFD
ፖፕ ቴዎድሮስ (ታዋድሮስ) - ክንጽበዮ ዝጸናሕና ብዓል “መድኃኒት”
ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ነዊሕ ጊዜ ድኅሪ ዝወሰደን፤ ሰፊሕ ምጽራይ ዝተገብረሉን፤ ዝተቀላቐሉ ጌጋታት ብጥበብን መንፈሳውነትን ድኅሪ ምስጋር መተካእታ ኣቡነ ሼኑዳ ሣልሳይ ንዝኾኑ ኣቡነ ቴዎድሮስ (ታዋድሮስ) መበል ፻፲፰ ፓትርያርክ ወፖፕ ገይራ ኣብ መንበረ ማርቆስ ኣብ ዕለት ፳፭ ጥቅምቲ ፳፻ወ፭ ዓ.ም. መሪጻቶም ኣላ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብዚ ኣብጺሑና እዩ እሞ ምስጋናን ውዳሴን እናቕረብና፤ ንዝተሰምዓና መንፈሳዊ ሓጐስ ንገልጽ። ሎሚ ዕለት ፱ ሕዳር ፳፻ወ፭ ዓ.ም. (18/11/2012) ኣብ ዝክብከብ በዓለ ሲመቶም ንዘሎና ኣኽብሮትን ፍቕርን ንገልጽ።

ኣብዚ ጽንኩርን፤ ኣብ ታሪኽ ሥጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ ምዕራፍ፤ ፖፕ አቡነ ታዋድሮስ ብፍቓድ እግዚአብሔር ናብዚ መንበር ምምጽኦም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ብዙኅ ነገር ካብኦም ክንጽበ ዝድርኽ እዩ። ብፍላይ ንቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ደቃን እምብዛ ከገድሶም እዩ። ካብኡ ናብኡ ድማ ፖፕ አቡነ ሼኑዳ ዝኣኽሉ ዓቢይ መምህር ተኪኦም ይመጹ ብምህላዎም፤ ብዙኅ ነገራት ንምንጽጻርን፤ ነዚ ጽንኩር ዘመን ብዝግባእ መንፈሳዊ ተጋድሎ ንምስጋርን ዓቢይ ዕዮ ይጽበዮም ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ። አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኃይሉን ጥበቡን ሂቡ፤ ንቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ይኹን ንተዋሕዶ ሃይማኖቶም ተጠቓሲ ሥራሕን ታሪኽን ክገድፉ ጸሎትናን ትምኒትናን እዩ።

ናብ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ግልጽ ኢልና’ውን፤ ኣብ ሞንጎ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ዝሑል ዝምድና ሙቐት ክህብዎ፤ ናብቲ ንቡር ክልተኣዊን ኅውነታዊን ዝምድና ክመልስዎ  ባህግናን ክቱር ድሌትናን እዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ፖፕ አቡነ ታዋድሮስ፤ ከምቲ ብሰፊሑ ዝንገረሎም ዘሎ መምርሒኦም ፍቕሪ፤ ፈታዊ ድኻ፤ ተማቓሊ ሽግር፤ ኣፍቃሪ ዕርቅን ምርድዳእን እዮም። ከም አቡነ ሼኑዳ ዝኣመሰሉ እቶም ዝቐደሙ ኣበው ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን፤ ነዚ መገዲ እዚ እዮም ተኸቲሎም። ሎሚ’ውን ነዞም ኣቦ ብምርካብና ንኣምላኽ እነመስግነሉ ነገር ክህልወና ተስፋን ትጽቢትን ኵልና እዩ።
ኮይኑ ድማ ተስፋና ክሠምር፤ ወረ እቲ ክርዳድ ዝዘርእ ጸላኢ ሰሚዖምን ተደናጊሮምን፤ ነቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ክህሉ ዝግባእ ዝምድና ዳግም ማዕጾኡ ከይዕጾ እቲ ክግበር ዘለዎ ሰናይ ነገራት ክፍጸም ይግባእ። ንሕና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና፤ ኣብ ዘዘለናዮ ነዚ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ፍቕሪ ክንረኽቦን፤ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዘሎ ህልዊ ኵነታት ብዝግባእ ክትርድኦን፤ ብጣቓ ጸለመ ካብ ዝጕልብቡና ድርብ ዝዕላማኦም ጊጉያት ርሒቓ ስለ ፍቕሪ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ክትቐርብ ንዝረኸብናዮ ዕድል ኵሉ ኣብ ምርዳእ ክንጥቐመሉ ይግባእ።

ብወገን ቤተ ክርስቲያን ሃገርናን ኣቦታትና’ውን፤ ካብ ምፍልላይን ምርሕሓቕን ዝኸሰብ ጸላኢ ሰናያት ጥራይ ስለዝኾነ፤ ክብረትናን ልዑላዊነትናን ዓቂብና፤ ኣዴና ምስ ዝኾነት ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ስለ ፍቕሪን ምርድዳእን ክንገብሮ ዝግባእና ነገራት ብኣግኡ መኺርና፤ ንሕና’ውን ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ክንቀርብ ይግባእ። ኣብቲ ናቶም ሥርዓተ ምርጫ ዘይምስታፍና፤ ብዙኅ ከምዘጕደልና ክንስሕቶ የብልናን። ይኹን እምበር ነቲ ዝቐለለ መገዲ ፍቕሪ እንተረሓቕናዮ’ውን፤ ነቲ ዝተረረ መገዲ ክንቐርቦ ግና ማይ ኣይሓለፎን  እሞ ሕጂ’ውን እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ኣስተውዒልና ንፍቕሪን ሰላምን  ዝከኣለና ክንገብር ንጽበየኩም፤ ዘይከኣል ድማ ኣይኮነን። ኣንጻር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ምስ ዝተሰለፉ ከም አቡን መቃርዮስ ንዝኣመሰሉ መስሓቕ ሸራፋት ከይንከውን፤ ብሰንኩ’ውን ኣብ ሕዝበ ክርስቲያን ንዘሎ ምኽንያት ምድንጋራት ክንዓጹ እጃምና ከነበርክት ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ደቅኹም ንጽበይኩም ኣሎና። ኵሉ ኣብ ጊዜኡ እግዚአብሔር ዝገብሮ ምዃኑ ንኣምን እንተኾንናውን፤ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግባእና ተቢዕና ክንገብር ግና ብቃለ ወንጌል ግዱዳት ኢና።

ካብቲ ዕለትን ሰዓትን ምርጫ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ታዋድሮስ ኣትሒዙ፤ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝኾኑ አቡን መቃርዮስ ባይታ ንምንጽፍ ዝዋደድ ዘሎ፤ ጽልእን ጸርፍን ዝቀርኑ ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝቀንዐ ልሙድ ጠቐነ ንምፍሻሉን፤ ጽልኢ ብዝነቕፉን ፍቕርን ስምምዕን ብዝስብከቶም እዞም ሓድሽ ኣቦ ጕዳይ ዝምድናታት ክልቴና ዘይማእዘኑ ከይሕዝ፤ ምስሊ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ድማ ግቡእ ክብሩን ምስሉን ኣብ ቅድሚ እዞም ቅዱስ ኣቦ ክረክብ ኵልና ብፍላይ ድማ ኣብ ግብጺ እንቕመጥ ዘሎና ደቂቀ ቤተ ክርስቲያን ዝከኣለና ክንገብር ንላቦ ኣሎና። 

ብዝተረፈ ኣብዚ ክቡር ታሪኻዊ ዕለት’ዚ፤ እግዚአብሔር ኢዱ ኣንቢሩ፤ ንዕብየትን ቅድስናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ኃይሊ ከልብሶም ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹን ንብል። ፖፕ ታዋድሮስ ብሥጋ ይኹን ብመንፈስ ትምህርቶም’ውን “ሥነ መድኃኒት” እዩ እሞ፤ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቴአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣትዩ ዘሎ ሕማም መንሽሮ ክኣልይዎን ፈውሲ ከቃምሙሉን ተስፋና ንገልጽ።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

1 comment:

  1. እግዚኣብሄር ከምቲ ንቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ፍቅርን ትግሃትን ዝዓደሎም ንቦና ይዓድሎም፤ ነቶም ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ዝዓዩ ዘለዉ ኽኣ ናብ ልቦም ክምለሱ ስሌኦም ንጽሊ።

    ReplyDelete