Tuesday, November 13, 2012

ውግዘት ሠመረአብን ህልውን መጻኢን ኣመታቱ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጦማርና፦

Click Here To Read in PDF
ዜና ውግዘት ሠመረአብ ወልደገብርኤል ካብ ዝተቓልሓሉ ሰዓት ኣትሒዙ፤ ብዙኅ ተስፋ ዝዘርኡ ስጉምትታትን ምንቅቓሕን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ዳርጋ ኣብ ኵለን ኣህጉራተ ስብከት ቤተ ክርስቲያንና በብኵርንዑ፤ ኣብ ቤተ ክህነት ይኹን ኣብ ምእመናን፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገርና ይረኣዩን ይውሰዱን ምህላዎም ተብጽሑልና ካብ ዘሎኹም መልእኽትታትኩምን፤ ከምኡውን ብወገንና ካብ እንገብሮ ምክትታል ክንርዳእ ክኢልና ኣሎና።

ብኣንጻሩ ድማ ሰይፊ ውግዘት ገዳማውያን ኣቦታት ከም ኢምንትን ትርጉም ኣልቦ ገይሩ ብምቍጻርን፤ ትምህርቱ ብወግዒ ኣብ ጉባኤያት ዝቐጸለ መናፍቅ ሠመረአብ፤ በቲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምዕግርጋርን ምድንጋርን ነቲ ንጹር ሃይማኖታዊ ውግዘት ዘይትርጉሙ ብምሃብን፤ ብቀረባ ንዝተዛመዶም “ጸግዐይ” ዝብሎም ክልተ ጳጳሳት ከይተረፈ ብምድንጋር ካልእ ፓለቲካዊ ኣጀንዳ ከልብሶን ደገፍቱ ብምውዳብ፤ ኣቐዲሙ ክሰርሓሉን ከዋድዶን ብዝጸንሐ መርበባቱ ኣቢሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዕግርግርን ምኽፍፋልን ንምፍጣር ዝከኣሎ ይገብር ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዓለበ ሃይማኖታዊ ሰይፊ ኣንፈቱን ነዊሕ መደባቱን ኣጥፊኡሉ ዘሎ እዚ ውጉዝ መናፍቕ፤ ንርእሱ ክህነት ኣልቦ ክንሱ ቃለ ውግዘት ኣቦታት ጥሒሱ ብምኻድ ዝፍጽሞ ዘሎ ተግባር፤ ልዕሊ ኵሉ ንክብርቲ ሃይማኖት ተዋሕዶን ሥልጣን ኣቦታትን፤ ከምኡውን ነዚ ሰማያዊ ሥልጣን እዚ ንዝሃቦም እግዚአብሔር ብምቕላል ይፍጸም ብምህላዉ፤ ካብ ቀዳማይ ጌግኡ ዳሕራዋይ በደሉ ከምዝገደደ ኣባላት ቤተ ክህነት ይዛረቡሉን ንኵሉ ኣስደሚሙ ምህላዉን ከነረጋግጽ ክኢልና ኣሎና።

እንተስ ንየማን እንተስ ንጸጋም፤ ምእመናን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ግጉይ ርድኢት ክህልዎም ይጽዕር ዘሎ ሠመረኣብ፤ ነቲ ሰፍ ዘይብል ውግዘት ከነኣእሶ እኳ እንተፈተነን፤ ንገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን’ውን ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ከባእስ ነገር ክሰርሕ ፈቲኑ እኳ እንተነበረ፤ ብዙኅ ኣይሰለጦን ጥራይ ዘይኮነስ፤ እቲ ጉዳይ ነቲ የማናይ ኢዱ ኮይኑ ከም ድሌቱ ክዕንድር ንዝፈቐደሉ “ኣማሓዳሪ”ን ካልኦት ደገፍቱን ሰዓብቱን ንክቓልዑ መገዲ ይጸርግ ከምዘሎ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። ብዓቢኡ ኣብ ምሉእ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ፤ እቲ ዜና ምስ ተሰምዐ፤ ኣብ ቤተ ክህነትን ምእመናን ፈጢርዎ ዘሎ ስለ ሃይማኖትካ ደው ናይ ምባልን ምጽናዕን ተስፋ ኣበሪኽዎን፤ ኣብ ጽላል “ምምሕዳር” ዝብሃል ኣካልን ደገፍቱን ኣጽሊሉ ውሽጢ ውሽጢ መናፍቓዊ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዝርግሕ ንዝጸንሐ ጉጅልኡ ስንባደ ፈጢሩሉ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እምበኣር ብዛዕባ’ዚን ካልእ ዝበጻሕና ሓበሬታታትን ኣተሓሕዚና፤ ህልው ኵነታቱን መጻኢ ኣመታቱን ዝምልከት ጽሑፋት ኣብ ቀረባ እዋን ኣዋዲድና ከነቕርበልኩም ምዃንና ኣቐዲምና ንሕብር። ስለቲ ትሰዱልና ዘሎኹም ሓበሬታን ርእይቶን ድማ ብስም ቤተ ክርስቲያን ነመስግን።

አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ካብ እኩያንን መሠረያንን ይሠወረልና! 

5 comments:

  1. ክቡራት ኣዳለውቲ ጦማረ ማዕዶት ኣዝዩ ጽቡቕ ሓበሬታ እዩ። ኣስፍሕ ኣቢልኩም እንተተዳልዉልና ድማ ዝያዳ ምተረደኣና። ሓንቲ ኣገዳሲት ግን ከኣ ቀላል ጉዳይ ግና፣ ነዚ ኩሉ ጽሑፋትኩም ብፒ.ዲ.ኤፍ እንተትውስኹሉ፣ ግእዝ ኣብ ብዙሓት ኮምፕዩተራት ስለዘየሎ ምሓሸ ነይሩ፣
    እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ሃይማኖትና የጽንዓና።

    ReplyDelete
  2. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  3. ተወልደብርሃንNovember 14, 2012 at 6:07 AM

    ናብ ኣዳለውቲ ማዕዶት

    ተቕርብዎ ዘሎኹም ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ፤ ንሕዝበ ክርስቲያን ይጠቕሞ ምህላዉ ዘየከሓድ ሓቂ እዩ። እሞ እግዚአብሔር ሓይሊ ሂቡ ክትቕጽልዎ ንላበወኩም። ይኹን እምበር ጽሑፋትኩም ብፒዴፍ ከም ኣማራጺ ስለዘይተቕምጥዎ ግእዝ ፎንት ኣብ ኮምፒተሮም ዘይብሎም ሰባት ይሽገሩ ከምዘለዉ እዮም ሰባት ዝዛረቡ። እሞ ብዝቐልጠፈ ፍታሕ ክትህቡና፤ ነቲ ዝሓለፉ ጽሑፋትኩም'ውን ብኸምኡ ከተቕምጡልና ንላበወኩም። ነዚ ንምግባር ድማ ዘጸግመኩም ኣይመስለናን።

    እግዚE ወደሓንኩም፣

    ሓውኹም ካብ ኣስመራ

    ReplyDelete
  4. ቦ ጊዜ ገቢር ለእግዚኣብሔር . . . ኣምላኽ ነቲ ዝመደቦ ስራሕ ዝትግብረሉ ናቱ እዋን ኣለዎ። እነሆ እቲ ግዜ ኣኺሉ ንርእዮ ኣለና ንሕና ኽኣ ስቕ ኢልና ብዓቅሊ ንጸበ...

    ReplyDelete
  5. ማዕዶታውያን ስለቲ ተገድስነትኩም የመስግን።ነዛ ሓመረ ኖህ ዝኮነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ አምነትና ማዕበል (መናፍቕነት) ከቶ ኣይከናውጻን አዩ ምክንያቱ መሰረታን ጉልላታን ባዕሉ እግዚአብሔር ስለ ዝኮነ።ሕዝበ ተዋህዶ አዚ ኩሉ ዝመጽእ ዘሎ ማዕበል ብሰሪ ዘይምጽላይና አዩ’ሞ፥እስከ ብሓባር ‘እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ ንበል’ሓደራ፣ምክንያቱ “ጸልዩ በእንተ ሰላመ ቤተክርስቲያን”ኢሉ ስለ ዝእዝዘና።

    ReplyDelete