Friday, November 16, 2012

ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን አቡነ ፊልጶስን፤ ነዚ ዘመን ዝኸውን ገድላዊ ትምህርቶም(፬ይን መወዳእታን ክፋል)

Click hear to read in PDF
6.0 መዕረፊ ጋዕዝ 

አቡነ ፊልጶስ ንህያባት ንጉሥ ዳዊት ድኅሪ ምንጻጎም፤ ንርስቲ አቡነ ማዕቀበ እግዚእ (ካብ ደቂ ኤዎስጣቴዎስ) ከም ቀደሞም ክምለሰሎምን፤ ንክልቲኡ ሰናብቲ ከኣ ከምቲ ሕጊ ሓዋርያትን ሲኖዶስን ክኽበር ኣዘዘ። ናይ ንጉሥ ዳዊት ቅልጡፍ ለውጢ ኣብ መትከሉ፤ ኃያል ጽልዋ አቡነ ፊልጶስ ዘመልክት እዩ። እታ ዝተጠበቑላ ሰንበት ክትኽበር ድማ ኣወጀ። ብሕጂ ከኣ ኣንጻር ደቂ ኤዎስጣቴዎስ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ማለት ዝኾነ መከራ ከይወርዶም ኣዘዘ። ብፍሉይ ኣዋጅ ድማ ርስቶምን ክብሮም ክዕቀብን፤ ኣብ ዘደልይዎ ገዳማቶም ከስፍሑን ተፈቕደሎም። ብኣንጻሩ ድማ ቤተ ተክለ ሃይማኖትን ግብጻውያንን ተሣዒርና ኢሎም ከይኵርዩ ጎቦ ፍርዲ ሃበ። ከምቲ ዝሓሰብዎን ከም “ትምህርቲ እስክንድርያን” ሰንበት ክትኽበርን (ሰንበተ ክርስቲያን ጥራይ)፤ መሪሕነት ግብጺ ድማ ብጥብቒ ክኽበርን ኣብ መጋባእያን ቤተ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ዘይኮና ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣወጀ። ክልተ ገጽ ዘለዎ እዚ ተገራጫዊ ውሳኒኡ ድማ ነቲ ሽግር መሠረታዊ መፍትሒ ኣየምጽኣሉን። ክልቲኦም ኣባይቲ ድማ ብውሳኒኡ ዕግበት ኣይተሰምዖምን። 

እዚ ጋእዝ’ዚ ኣብ ጥርዙ ካብ ዝበጽሓሉ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣባይቲ (ደቂ ኤዎስጣቴዎስን ደቂ ተክለሃይማኖትን) ፍጹም ፍልልይ ፈጢሩ፤ ደቂ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ርእሶም ኣግሊሎም፤ ዳርጋ ን120 ዓመት ዝኣክል ካብ ጽልዋን ምምሕዳርን ቅብጣዊትን ኢትዮጵያዊትን ቤተ ክርስቲያን ሓራ ኮይኖም ኣብ ኤርትራ ተወሲኖም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። ናቶም ምምሕዳር ከኣ ኣቝሞም ነበሩ። ኣብዚ ጊዜ ድማ ከም ትንሣኤ ገዳማት ክረአ ዝኽእል ብዙኅ መንፈሳዊ ስርሓት ኣብ ምሉእ ኤርትራ ተሳሊጦም እዮም። 

ወዲ ንጉሥ ዳዊት ዝኾነ ሓፀይ ዘርአ ያዕቆብ (1434-68) ናብቲ መንበረ መንግሥቲ ምስ መጸ ግና፤ ነቲ ኣብ ሞንጎ ቤተ ክርስቲያን (ካህናት) ዘሎ ኣፈላላይ ኣጥፊኡ ሓድነት ከስፍን ተዓጢቑ ተበገሰ። በዚ መሠረት ከኣ ንቀዳሚት ሰንበት ዝምልከት ጉባኤ ኣብታ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያኑ ደብረ ምጥማቅ (ሸዋ) ኣብ 1450 ዓ.ም. ኣካየደ። ዘይከም ኣቦኡ ከኣ ባዕሉ ሊቅ ስለዝነበረ ነቲ ጉባኤ መርሖን፤ ነቲ ልዕሊ ክፍለ ዘመን ዝቐጸለ ጉዳይ ከኣ ሓንሳብን ንሓዋሩን መፍትሒ ኣብ ምምጻእ ዓቢ ታራ ተጻወተ። 

ኣብዚ ጉባኤ እቶም ብድኅሪ እቶም ቅድም ዝነበሩ ጳጳሳት መራሕቲ ኮይኖም ዝመጹ ክልተ ጳጳሳት ግብጺ፤ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን፤ አበምኔታት እቶም ዓበይቲ ገዳማት ተሳቲፎም ነይሮም። እቲ ክትዕ ኣቐዲሙ ዝተወደአን ብዙኅ ዝተባህለሉን ስለዝነበረ፤ እቲ ጉባኤ ወግዓዊ ዕርቂ ኣብ ሞንጎ ብዝበዘኀ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ደቂ ኤዎስጣቴዎስን ብሓደ ወገን፤ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን፤ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን በቲ ካልእ ወገን ዝተኻየደሉ እዩ ነይሩ። እቶም ጳጳሳት ግብጺ’ውን እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ጳጳሳት ግብጺ ብኵሉ ተረቲዖም ብምንባሮም፤ ብወግዒ ቀዳሚት ሰንበት ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ክትኽበር ኣዘዙ። እቶም ደቂ ኤዎስጣታቴዎስ ድማ ካብ ግብጻውያን ጳጳሳት ክህነት ክቕበሉ ተሰማሚዖም። ብኸምዚ ድማ እቲ ክርክር ኣብቕዐ። ብግልጺ ድማ እቲ ብግብጻውያን ኣቦታት ክተኣታቶ ዝተፈተነ ሓድሽ ትምህርቲ፤ ጊዜን ጉልበትን ኣቦታት፤ ወርቃዊ ጊዜን ዓቕምን ቤተ ክርስቲያን ይብላዕ እምበር ኣብ መወዳእታሲ በቲ ግቡእን ሓቀኛ መንገዱን መዕለቢ ተገብረሉ። ጥንታዊ መገዲን ትምህርቲ ሓዋርያትን ድማ ጸኒዑ ክቕጽል ምኽንያት ኮነ። እቶም ግብጻውያን’ውን ከይፈተዉ ተቐቢሎም ኣርጊዖሞ። ብምስክርነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይኹን ብግብሪ ተኣምራት ቅዱሳን ኣቦታት ስለዝተረትዑ ዝግብርዎን ዝብልዎውን ክህሉ ስለዘይከኣሉ፤ ነታ ሓቂ ቆርጢሞማ ትም ኢሎም። 

7.0 መደምደምታ 

እምበኣር በብክፍሉ ክንዝርዝሮ ካብ ዝጸናሕና ታሪኽ እዞም ክልተ ኣቦታት፤ ብዙኅ ትምህርቲ ቀሲምና ከም እንኸውን ተስፋ ንገብር። ካብ ታሪኻቶም ድማ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ዝተገብረ ይገበር፤ ኃይልን ሥልጣንን መንፈሳውያን ይኹኑ ሥጋውያን ሰባት፤ መጠንን ዓይነትን ብዝኂ ደገፍቲ ብዘይገድስ፤ እቲ ክቕበር ዘይከኣል ሓቂ ምስቲ ብዓል ሓቂ ምዃኑ እዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዝሓዘ ድማ እግዚአብሔር ምስ ቃሉ ስለዝኾነ ምዕዋቱ ዘይተርፍ ምዃኑ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘዘመና ካብ ግዳም ይኹን ካብ ውሽጣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝተኣታቶን ካብ መገዲ ሓዋርያት ወጻኢ ንዝኾነ ሓድሽ ትምህርቲ፤ ብኸመይ መገዲ ክትጥምቶን ክትኣልኣዮን ከምዝግባእ ታሪኽ እዞም ኣቦታት ሕያው ምስክር እዩ። 

ብምጽናዕ ውሑዳት ግና ሓቀኛታት ኣቦታት ታሪኽ ክልወጥ ከምዝኽእል፤ ታሪኽ እዞም ክልተ ኣቦታት ምስክር እዩ። ነቶም ዘመንን ሚዛንን እናረኣዩ ዝገማጠሉን፤ ዝጋገዩን ድማ ዓቢይ ትምህርቲ ከምዝህብ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ሎሚ ሰብ ዘመንና፤ ንሃይማኖታዊ ይኹን ሥርዓታዊ ጕዳያት ብመንጽር ሥጋዊ ምርኡይነትን፤ ዕብላለን፤ ሥልጣነን ኃይልን ጥራይ ዝመዝነሉ ጊዜ ስለዝኾነ፤ እዞም ቅዱሳን ኣበው ብኸመይ መገዲ ነቲ ሓቂ ከምዘግሃድዎ ምርኣዩ፤ ነዚ ወለዶ’ዚ ዓቢይ ትምህርቲ እናሃበ ምንባሩ ወትሩ ዘይተርፍ ሓቂ እዩ። 

ሓቂ ክወጽእን ክገሃድን ግን፤ ኃያል ተጋድሎ ከምዘድሊ ካብዞም ኣቦታት ክንመሃር ንኽእል። ኣብ ዘደናግር ዘመን ዝርከብ ወለዶ፤ ናብቲ ከደናግሮ ዝኽእል መገዲ ቀልጢፉ ዝሰሓበሉ ተኽእሎ ብዙኅ እዩ። እቲ ካልእ ወገን’ውን ነቲ ሓቂ እናፈለጠ፤ ስቕ ስለዝበለ ጥራይ ሓቂ ቀልጢፉ ክዕወት ይኽእል ማለት ኣይኮነን። ሓቂ ብኃይሊ ኣምላኽ ኣብ ጊዜኡ ዝወጽእ እኳ እንተኾነ፤ ተቢዑ ዝጋደለሉ ሰብ ግና ይደሊ እዩ። ታሪኽ እዞም ቅዱሳን ኣበው ድማ ነዚ ክውንነት ብዝግባእ ዘንጸባርቕ እዩ። 

ኣብ መወዳእታ ድማ ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፍና ዝበልናዮ፤ “ግብጺ ኢሎሞ” ኢልና ጥራይ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና መጽሓፋዊ ሓቂን፤ ኣቦታት ዘረከቡልና ወርቃዊ ትምህርቲ እንተገደፍና፤ ከሰርቲ እምበር ረባሕቲ ክንኸውን ኣይንኽእልን ኢና። ወትሩ ታሪኽ ኣቦታት ምምርማሩ፤ ነኸምዚ ዓይነት ሓቅታት ኣጕሊሑ ከርእየና ስለዝኽእል ሸለል ክንብሎ ኣይግባእን እዩ። ናትካ ዝኾነ ምንዓቕን፤ ክብሪ ቅዱሳን ኣቦታትካ ምንእኣስን ትሕትና ዘይኮነስ ካብ ሥጋዊ ኣተሓሳስባን ርእሰ ምትሓትን ዝመጽእ ሕማም ምዃኑ ድማ ከነስተውዕሎ ይግባእና። ምኽንያቱ ግብጻውያን ይኹኑ ካልኦት ዘይጋገይ ሰብ የልቦን። ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ግና፤ ኣብቲ መሠረት ሓቂ ዝኾነ ቅዱስ መጻሕፍን ቃሉን ምርኣይን ምዝማድን እምበር፤ ብድፍኑ ተቐቢልካ ምኻድ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይካዳ ኣይኮነን። ብዕሙትካ “ግብጺ ግብጺ” እናበልካ ካልእ ጕዳይካ ከም መጐልበቢ ክትጥቐመሉ ምፍታን ነቲ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ንዝነበራን ንዘለዋን ክህልዋ ንዝኽእልን ክውንነት ምኽሓድ እዩ። ከምዚ እዮም ዝኽደኑ ኢልካ፤ ከም ዕብየትን መልክዕን ወሲድካ ከምኦም ንምዃን ምፍታን፤ ከምዚ እዩ “ቅዳሴኦም” ኢልካ ከምኦም ክትከውን ምድላይ፤ ከምዚ እዮም ዝበልዑ እናበልካ … እቲ ዝርዝር ዝውዳእ ኣይኮነን። ቅድሚ ኵሉ እግዚአብሔር ኣዕዚዙ ንዘጸገወናን ንዝሃበናን ብዝሃበና መገዲ ንርእስና ንምሰል። ንርእስና ኣጥፊእና ካልኦት ክንመስሎም ብዘይግባእና መገዲ ክንመስሎም ምፍታን ዕብየት ኣየመጽእን ጥራይ ዘይኮነስ፤ መንነትካ’ውን ምኽሓድ እዩ። 

ስለ ሓደ ስድራ ተዋሕዶ ምዃናን፤ መሠረትና ኣቦታትና ምዃኖምን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ሓቂ ዘረባ፤ ካብ ግብጻውያን ኣቦታት ኣብ ብዙኅ መዳያት ክንመሃሮ ዝግብኡና ነገራት ፍቕዲ የብሎምን። እዚ ክብሃል ከሎ ግና ንሕና ስለ ብዙኅ ታሪኻዊ ክውንነትን ድኅረ ባይታን ካብኦም እንሕሸሉ፤ ወይውን ኣቦታትና ብጽንዓቶም ካብ ግብጻውያን ብዝበለጸ ዝዓቀብዎ ንሳቶም’ውን ሃረር ዝብሉሉ ኣዝዩ ብዙኅ መንፈሳዊ ሃብቲ ከምዘሎና ድማ ክንስሕቶ የብልናን። በቲ ይኹን በቲ ግና፤ ሓድነትና ክንዕቀበሉ እንኽእል ሓደን ዝበለጸን መገዲ ድማ ታሪኻዊን ጥንታዊን ቤተ ክርስቲያንካ ዓቂብካ፤ ሃይማኖትን ሥርዓትን ኣቦታትካ ኣጽኒዕካ፤ ከም ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝምድናኻ ብዕሪና (ማዕርነት) ምድልዳል እምበር፤ ናይ በሃልን ተበሃልን፤ ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን፤ ናይ ጐይታን ባርያን ዝምድና ኣብ ኣእምሮኻ ፈጢርካ ብዝበልዎን ብዝምህርዎን ጥራይ “ሕራይ” “አሜን” እናበልካ ብምኻድ ኣይኮነን። ካብኦም ክንመሃሮ ዝግብኡና፤ ክንወስዶም ዝግብኡና ሃብቲ ከምዘለዎም ኣይንጠራጠርን፤ ካባና ክወስድዎ ዝግባእ ብዙኅ መንፈሳዊ ትምህርትን ሃብትን ከምዘሎ ድማ ብርእስና ክንእመን ይግባእና። እዚ ውሕደትን ምክብባር እዩ ድማ ናብ ሓባራዊ ራእይን ጉዕዞን ዘብጽሕን ዘሥምርን። 

ካብዚ ወጻኢ ግና መናፍቃዊ ጕጅለ፤ ግብጺ ዝበልዎ “እግዚእ ከምዝበለ” ኣምሲሉ፤ ንካልእ ኣጀንዳ ምኽፍፋል ምእመናን ሃገርና ክጥቐሙሉ ዝፍትን ዘሎ ናትካ ንዒቕካ ከምትድርቢ ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ ግና “ክበልዕዋ ዝደልዩ … ይብልዋ” ከምዝብልዎ ዓይነት እዩ እሞ ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታትና መለበሚ ክኾነና ደጋጊምና ከነንብቦን ክንምርምሮን ንኣንበብትና ንሓድጎ። 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

2 comments:

  1. very enlightening,maeadot people,our problem seems to be about to be solved.God be with u for more service.

    ReplyDelete
  2. ጽቡቕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ እዩ፤ ቀጽልዎ። ኵልና'ውን ተገዲስና ነንብቦም።

    ReplyDelete