Monday, November 5, 2012

ማርያም ኣሥመረይቲ! (፬ይን መወዳእታን ክፋል)

ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ድኅሪ ናጽነትን ሎምን

Click Here To Read in PDF
እምበኣር ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን፤ ብኸምዚ ኣገባብ ጥንታውነታ ዓቂባ፤ ምስ ምምዕባል ከተማ ኣሥመራ ከኣ ዝያዳ ኣገልግሎታ እናስፍሐት ክትመጽእ ክኢላ እያ። በብዘመኑ’ውን ብዘይካ እቲ ሓንሳብ ብጽቡቕ መገዲ እተሓንጸ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነሲ፤ ካልእ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣብያተ ጽሕፈትን፤ መአከቢ ኣዳራሻት፤ ኣብያተ ትምህርቲ ወቦ ዘተርፈ ክትሓንጽን ነቲ ሕንጻዊ ስጉማ ዝያዳ ከተቐላጥፎን ክኢላ ነይራ። ድኅሪ ናጽነት’ውን ብዝያዳ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ሃገርና ምዃና ተኣሚኑላ፤ ነቲ ጥንታዊነታ ብዘጐልሕ ኣገባብ ኣብ 1998 መንበር ፓትርያርክ ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኸውን ተገይሩ ኣሎ፤ ዝግብኣ ድማ እዩ። ይኹን እምበር እቲ መንበር ነጆው፤ እቲ ሥራሕ ድማ ንየው ኮይኑ በበይኑን ዘይምእኩልን ኣገባባት ይረአ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያክ ብፍሉይ ንፓትርያርክ ብዝግባእ ቤት ጽሕፈትን ኣገልግሎትን፤ ምስቲ መንበር ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ተዛሚዱ ክኸይድ ምተገብኦ ነይሩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ካብቲ ብመንጽር ምሕደራዊ ቅርጹ፤ ገና መልክዑ ዘይሓዘን፤ ኣብ ሞንጎ ብቅዱስ ፓትርያርክ ዝምራሕ ላዕለዋይ ሓጋጌ ኣካል ቅዱስ ሲኖዶስን፤ እቲ ኣተግባሪን ኣፈጻሚን ዘሎ ናይ ሥራሕ ኣካላትን ዘሎ ዘይንጹር ናይ ሥራሕ ዝምድናታትን ኣገባባታትን እዩ። ካብ ስም ጀሚርካ፤ ዘለዎ ቤት ጽሕፍት ወሲኽካ መንበረ ፓትርያክን ምምሕዳር ቤተ ክህነትን ከም ሓደ ኣካል ገይሩ እዩ ዝረአ ዘሎ። እዚ ግና ብመሠረቱ ዝዛመድን ምስቲ ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን ዝቖመሉ ኣገባብ ዝኸይድ’ውን ኣይኮነን። ንቅዱስ ፓትርያርክን፤ ሕግን መምርሒን ቤተ ክርስቲያን ንዝሕግግን ንዘጽድቅን ከምኡውን ሓላዊ ሃይማኖት ንዝኾነ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ማለት ቅዱስ ሲኖዶስን ዝምልከት በይኑ፤ ካልእ ኢዱ ዘየእተወሉ ቤት ጽሕፈትን ኣሠራርሓን ክህሉ ይግባእ። እቲ ንምሕደራን ናይ ሥራሕ ኣካላቱን ጨናፍራቱን ዝምልከት፤ ከምኡውን ንምሉእ ቤተ ክህነት (መናብርተ ጵጵስና) ዝቖጻጸርን ዝከታተልን ዘሥርሕን ከኣ ካብ ሊቃነ ጳጳሳት ሓደ በብእዋኑ ብሲኖዶስ ዝምደብ ከመሓድሮ ምተገብአ። ጸብጻባቱ ከኣ ከምቲ መምርሒ ንቅዱስ ሲኖዶስን ንፓትርያርክን መቕረበ። ዋሕዲ ዓቕሚ ወይውን ሓጓፍ እንተጋጠመ’ኳ፤ ብትምህርቶምን ሥነ ምግባሮምን ዝተመስከረሎም ሰብ ሞያን ክኢላታትን ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ከም ተሓጋጋዝቲ ኣብ ትሕቲኦም ኮይኖም ክሠርሑ ባይታ ምጥጣሕ ምተኻእለ ነይሩ። ጉባኤ ሊቃውንቲ ከኣ ኣብ ጐድኒ ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኖም ከም ኣማኸርቲ ክቖሙ ምተገብኦ ነይሩ። ቅዱስ ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን ከኣ ብመሠረት ቃለ ዓዋዲ ክፍጽምዎ ዝግባእ ሕጊ ናይ ምንዳፍን ምጽዳቅን፤ ሃይማኖት ናይ ምሕላውን ምስፋሕን፤ ኣገባብን ስታራቴጂን ዝምልከት ዓበይቲ ውጥናትን መደባትን ናይ ምንዳፍን ወዘይመስሎ ተግባራት በብቲ ካብ ውሽጦም ብዘቝሞም ንኡሳን ኮሚቴታትን ዝምልከቶም ክፍልታትን ኣቢሎም ዓበይቲ ስርሓት ክሰርሕን ከሰርሕን ምተኻእለ። ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣካይዳ ግና ፈጺሙ ዝተሓዋወሰ ኮይኑ፤ ንኵሎም ኣካላት ሥራሕ እቲ ዓቢይ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዘልመሱ “ኣመሓደርቲ” ከመሓድርዎ ዝፍትኑሉን ኣገባብ እዩ ዚስተውዓል ዘሎ። መንፈሳዊ ሥራሕ ብመንፈሳዊ ኣካል ጥራይ ክምርመርን ክተሓዝን ዘለዎ ክሳብ ዝኾነ ኸኣ ዘይምልከቶምን ዘይዓቕሞምን ቅብኣት ዘይብሎም ዓለማውያን ሰባት ከቋምጥዕዎን፤ ክሃላልኽዎ ኣይምተገብኦምን። ካብኡ ናብኡ ኸኣ እቲ ዝገደደ፤ ብግብሮምን እምነቶምን ተምሳል ሕማቕ ኣርኣያ ቤተ ክህነት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቅድሚኦምን ድኅሪኦምን ምስላፎም እዩ። እምበኣር ኣብ ካልእ ጕዳይ ተሳሒብና እምበር፤ መበገሲናስ መንበረ ፓትርያርክሲ ምስ መንበሩ እዩ ክኸብር ነይርዎ ንምባል እዩ።

እዛ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት’ውን ከምቲ ስማ በብእዋኑ ዕብየታ ከተመስክርን ከተርእይን ይግባኣ እዩ። ሎሚ ጒዳይ ቀንዲ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ስብከተ ወንጌል ተረሲዑ፤ ብስም “ማእከልነት” ገንዘብ ምእካብን፤ ኣብ ልኲቶ ምዕጻውን ምቍጽጻርን ከም ዓቢይን ቀዳማይን ሥራሕ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኮይኑ ኣብ ዝስርሓሉ ዘመን፤ እዛ ልዕልቲ ርእሰ ኣድባራት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ኣብ ሕሱድ ዓይኒ እቶም “ወንጌል” ዘይኮነ “ገንዘብ” ዝቀዳምነቶም ኣመሓደርቲ መንበረ ፓትርያርክ ከምዝወደቐት ድማ ዘይስሓት እዩ። ደኺምካ ንዘየምጻእኻዮን ካብ መናዲል ኣዳኖታታ እናተፈተሐ ንዝተዋህለለ ገንዘባን እቶታትን ንምእካብ ካብ ምጕያይ፤ ብፍሉይ እኳ ንዕብየት እዛ ጥንታዊትን ዓባይ ደብሪ ሃገርና ትልሚ ምንዳፍን ውጥን ምሕንጻጽን እቲ ክግበር ዝግብኦ ቀዳማይ ሥራሕ ክኸውን ምተገብአ ነይሩ። ዕብየትን ምዕባለን እዛ ደብሪ’ዚኣ፤ ምልክትን ተምሳልን ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና እዩ። ካብ ኮነ ድማ ምስቲ ዘሎናዮ ዘመን ዝምጥን፤ ንዝያዳ ዕብየታን ሃገራዊ ኣገልግሎታን ዝምልከት ውጥናት ክሕንጸጹን ክትግበሩን ምተገበአ ነይሩ። ካልእ ብዙኅ ክብሃል ዝከኣል እኳ እንተኾነ፤ ንኣብነት ሓደ ካብቲ ክግበር ዝግብኦ ዝነበረ እንብሎ፤ ነዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዙርያኣ ተቐኒትዋ ንዘሎ እሞ ምስ ቅድስናኣ ዘይከይድ ዓለማዊ ንግዳዊ ትካላትን፤ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ብሕጋዊን ብስምምዕን ዝሓሸ ተቐያሪ ወይውን ካልእ ተተካኢ ቦታ ብምሃብ ኣጣይስካ፤ ንኵሉ እቲ ካብኡ ዝርከብ ኣባይቲ ንዝተፈላለየ ምስ መንበረ ፓትርያክ ዝምጥን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝውዕለሉ፤ ኣብ ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌኡ ዘኀይለሉ ኣገባብ ምትእትታው ሓደ ካብቲ ትልሚ ክኸውን ምተገብኦ ነይሩ።

ይኹን ደኣ እምበር ከምዝን ካልእ ዝሓሹ ዓበይቲ ሓሳባትን ካብቲ ጽባሕ ግድነት ክመጽእ ዘለዎ ምምሕዳር እምበር፤ ሎሚ ካብ ዘሎ ምምሕዳር ምጽባይ ዝከኣል ኣይኮነን። ናይ ሎሚ “ምምሕዳር” ግና ብስም “መደባት ኮሌጅ” ኣቦታትን ሊቃውንትን ባዕሉ ካብ ዘይሃነጾን ዘይደኸመሉን ኣባይቲ ቤተ ክርስቲያን እናልቀቐ ኣብ ጽርጊያ ብምድርባይ፤ ካብቶም መዋዕሎምን ሕይወቶምን ንቤተ ክርስቲያን ዝወፈዩ ኣቦታትን ሊቃውንትን ንሱ ዝሓሸን ዝያዳ ዘበረክተን ኮይኑ ባዕሉ ክኣትዎን ክሰፍሮን ንገሊኡ መውዓል ጥሪት ክገብሮን ዘየጒሂ ኣይኮነን። ምዝራቡ ከየኽፍኣልና እምበር ንገሊኡ ንዝጸንሐ ንብረት ናይቲ ኣባይቲ ብተዘዋዋሪ ኣብ ዕዳጋ ምሻጡስ፤ መዝገብ ሕሳብ መንበረ ፓትርያርክ የፈልጦ’ዶ ይኸውን? እንታይ ይፍለጥ? ምናልባሽ’ውን ኣይግበሮ ደኣ እምበር፤ ናይ ሎሚ “ምምሕዳር”፤ ቤተ ክርስቲያን እትሠርሖ መንፈሳዊ ሥራሕ ከምዝሰኣነት፤ ኣብ ገሊኡ ከባቢ እንዳማርያም ንዘሎ ኣባይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪሱስ “ሆቴል” ክሰርሖ መደብ ይህልዎ ይኸውን። ከምዚ ዚኣመሰለ ሓሳባት፤ ገንዘብ ሓጺሩዎም ይኸውን ደኣ እምበር ዘይተሓስበ’ውን ኣይኮነን። ምእመናንን ምእመናትን ጓሶት ስኢኖም ኣደዳ ተኳሉን ኣዛብእን እናኾኑ፤ ንገሊኡ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን’ውን ኣካሪኻ ገንዘብ ምውህላል ዝብል ሓሳብ’ውን ዘይተሓስበን ዘይተተግበረ’ውን ኣይኮነን። መቸስ ከክፍኡ እምበር ጥዑም ዜና ካብዚ ቤት ጽሕፈት ንምስማዕ ኣይተዓደልናን።  

ብዝኾነ ብሓቂ ሕማማ ዘሕምሞ፤ ቃንዛኣ ዘቕንዝዎ፤ ሓጐሳ ዘሕጕሶ፤ ንቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ሓቀኛን ትጉህን ሰፊሕ ልቦና ዘለዎ፤ ዝርእን ዝሰምዕን ጓሳን ምምሕዳርን ክህባ ጸሎትን ምህልላን ግድነት ከድልየና እዩ። ገንዘብ ምስ ተዋህለለ፤ ወንጌል ክዕድግን ክሰብኽን ዝትልም ዘይኮነስ፤ ብወንጌል ሰባት ዘጥርይን፤ ገንዘብ ካልኣዊ ገይሩ ዝሓስብን ምምሕዳር ክመጸና ተስፋ ንገብር። ሰባት ዘይኮነስ ዓሣ ክገፍፍ ንዝተዓጥቐ ምምሕዳር ኣይፋልካን፤ እቲ ወንጌል ከምኡ ኣይኮነን ዝብል ክንብሎ ይግባእ። ኣይኮነን ግና ብመንጽር ዕብየት ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ንዛረቦ ዘሎና ሓሳባት፤ ንኵሉ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ እሞ፤ ርእሲ ግና ብዝያዳ ክዓብን ክምዕብልን ከምዘለዎ ግና ኣይሰሓትን እዩ። ስለዚ ነዛ ቅድስት ደብሪ፤ ብብዙኅ መገዲ ካብ ምፍትታትን ምጽራርን፤ ንዕብየታ ምስቶም ኣገልግልታ ብሓባር ኮይንካ ምዕያይ ዝግባእ እዩ። ታሪኻን ጥንታዊነታን ኣብዚ ዘመን’ውን ዓቂባ ክትከይድ ኵሉ ክጽዕረሉ ዝግባእ ጕዳይ ከኣ እዩ። እታ ናይ ጥንቲ ማርያም ኣሥመረይቲ ሎሚ’ውን ንሳ ስለዝኾነት፤ ከነኽብራን ወትሩ ክንዝክራን የድሊ እዩ። ካብዚ ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ዝጠሓለቶ ሽግር፤ ባዕላ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ብቃል ኪዳና ከተርኅዎ ንምኅጸን። ማርያም ኣሥመረይቲ ኢልና ጸዊዕናን ተኣሚንናን፤ ንሳ’ውን በቲ ንኣቦታትናን ኣዴታትናን ዝገበረትሎም ረድኤት ንዓና’ውን ክትራድኣና ኣማላድነታ ንልምን።


ገባሪ ኵሉ እግዚብሔር ሃገርናን ማኅደርናን ይባርኽ።             

No comments:

Post a Comment