Thursday, November 1, 2012

“መሪጌታ” ሠመረ አብ ወልደ ገብርኤል ተወጊዙ!


Click Here To Read in PDF
ኣብ ኣብያተ ቤተ ክርስቲያናት ኣሥመራ ተዘርጊሑ ካብ ዘሎ ቃለ ውግዘት ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፤ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ቈርበት በጊዕ ተኸዲኑ፤ ሓቀኛ መንነቱ ከዊሉ፤ ብጥዑምን ጠባሪን ቃላት፤ መናፍቓዊ ትምህርትታት ብምስባኽ ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ክፈላሊ ዝጸንሐ፤ ሎሚ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘላ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ መናፍቅ ተባሂሉ ክጽውዕ ዝኽእል “መሪጌታ” ሠመረ አብ ወልደ ገብርኤል፤ ሓርበኛታት ተዋሕዶ ሃይማኖት ብዝኾኑ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ከምዝተወግዘ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሓቢርናዮ ዝጸናሕና፤ ዝሓለፈ ክብረ በዓል ኣቡነ ፊልጶስ (፭ ነሓሰ ፳፻ወ፬ ዓ..) ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ከይቕበል ዝተኣገደ እዚ መሪጌታ’ዚ፤ ሎሚ ድማ ሰይፈ ውግዘት ኣብ ልዕሊኡ ከምዝዓለበ ንሰምዕ ኣሎና። እምበኣር እዚ ዝስማዕ ዘሎ ውሳነ፤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ከም ዓቢን ኣገዳሲን ፍጻመ ከምዝረአ፤ ነቶም ቅንኢ ሃይማኖት ኣቦታቶም ዘንድዶም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሰማይ ዝወረደ ተኣምር ኮይኑ ክርከብ ከምዝኽእል ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዘብጽሑልና ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ወሲኾም ገሊጾምልና ኣለዉ።

ንሕና’ውን ብወገንና፤ ብዛዕባ’ዚ መሪጌታ ብቀጻሊ ክንዛረብ ከምዝጸናሕና፤ ንሱ ምስቶም ኣብዚ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ካልእ ድርብ ዕላማታት ተሓንጊጦም ሕዝብና ንምድንጋርን፤ ብሃይማኖቱ ንምፍልላይን ምስ ዝጓየዩ ዘለዉ ተረፍ መረፍ ናይ ዝቐደሙ መናፍቓን ጥቡቕ ናይ ዕላማን ሥራሕን ምትእስሳርን ከምዘለዎ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና። እምበኣር ገዳማውያን ኣቦታትና፤ ከምቶም ዝቐደሙ ኣቦታቶም ነዛ ቅድስት ሃይማኖትና ካብ መናፍቓንን ካልኦት ተጻባእትን ተጋዲሎም ብኃይሊ ኣምላኽ ዘጽንሑልና፤ ሎሚ’ውን ኣብ ኣሰሮም ዘለዉ ኣቦታት ነታ መንፈሳዊት ሰይፎም ኣልዒሎም ብዛዕባ ሃይማኖቶም ተባዕ ስጉምቲ ክወስዱ ምርኣይ ዘየሕጉሶ ውሉድ ቤተ ክርስቲያን፤ ዘየሰንብዶን ዘይደሃልን መናፍቕ ክህሉ ኣይክልን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ከነተሓሳስቦ እንደሊ ነገር፤ ንሕና ብዝኾነ መገዲ ቤተ ክርስቲያን ብ፵ን ብ፹ን መዓልቲ ንዝወለደቶ ኃውናን ኃውትናን ክንብል እምበር፤ ብኸመዚ መገዲ ውግዘቱ ከንጠቕስ፤ ከም ቢጽ ሓሳውያን’ውን ክንዝክሮ’ውን ደሊና ኣይኮነን። ግና ተመኺሩን ተነጊሩን ንዘይሰምዐ፤ “ሓቀኛ ሓዋርያ” መሲሉ ብዕላማ፤ ቤተ ክርስቲያን ንምፍራስ ንዝተዓጥቐ ወዲ ጥፍኣት ግና ከምቶም ዝቐደሙ አበው ዝግባእ ስጉምቲ ምውሳድ መጽሓፍ ቅዱሳዊን ሓዋርያዊን ተግባር ምዃኑ ክንጠቕስ ንፈቱ።
ትንታነ እዚ ኣገዳሲ ውሳነን፤ ተወሳኺ ሓበሬታን ድማ ምስ በጻሕና ከነመሓላልፎ ምዃንና ክንሕብር ንፈቱ።


4 comments:

  1. ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ኩቡራት ኣዳለውቲ ማዕዶት
    ብመጀመርያ ስለ እቲ እትገብርዎ ዘለኹም አገልግሎት እግዚኣብሔር አምላኽ ይቀበለልኩም. ስለ እቲ ጽቡቕ ዜና ከኣ እግዚኣብሔር አምላኽ ይሃበልና፣፣ አይትናወጽን እያ ተዋሕዶ!

    ReplyDelete
  2. fore every thing thanks GOD MAY GOD BLESS FOR ALL OF U MAEADOT AMEN.

    ReplyDelete
  3. ሰላም ኣሕዋትን ኣሕትን። ከመይ ኣሎኹም፧

    መስሓትትን መናፍቓንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣይቅጽሉን እዮም። እዚ ዝድነቕ ቢዘናዊ ትብዓት እዚ ናብ መላእ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዚልሕመሉ መዓልቲ ብሃንቀውት ንጽበ ኣሎና።

    ReplyDelete
  4. እዋእእእእእእእእእእእእእእእ!!!!!!!!!!!

    እንታ ከመይ ዝበለ መምህር እናበልናዮስ!!! ኣየ!! ከምኡ ኮይኑ ተሪፉ። ምኽንያቱ እቲ ደብዳቤ ናይ ቢዘን ኣንቢበዮ። ንጉዳዩ ጸኒዑ ዘይተኻትዓሉ ግና ኣስደሚሙኒ ኣሎ።

    ስለምንታይ ግና ካን መሰኻኽር ሃዲሙ?????

    ReplyDelete