በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
መልእኽትና ‘ማዕዶት’ ኢልና ብዝሰመናያ ጦማርና ኣቢልና ምምሕልላፍ ካብ እንጅምር ድሮ
ክልተ ዓመት ኣቝጺርና ኣሎና። ቅድምን ልዕልን ኵሉ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ኅሊናና ኣንቑሑ ንዘጀመረና፤ ኣብ ድኻምና ኃይሊ ኣብ ስንፍናና
ጥበብ ንዝሃበና፤ ብዛዕባ ቃሉን ቤቱን ክንዛረብ ልሳነ ኢድና ንዝኸፈተልና እግዚአብሔር ኣምላኽ ስብሐት ይኹኖ ንብል። አምላከ ቅዱሳን
እግዚአብሔር ምሳና እንተዘይከውን ነይሩ፤ ጸሎት ቅዱሳን እንተዘይድግፈና ነይሩ፤ ዋላ ይውሓድ ብርግጽ ኣብዚ ዘሎናዮ ክንበጽሕ ይትረፍ፤
ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ክነሳጉም’ውን ንኽእል ከምዘይነበርና እምነትና እዩ። ሕጂ’ውን ተስፋና ንሱ ሓደ እግዚአብሔር እዩ።
ኣብዘን ዝኃለፋ ክልተ ዓመታት ኣገደስቲ ዝበልናዮምን ቀዳምነት ክወሃቦም ንዘለዎም ጕዳያት
ቤተ ክርስቲያን ትንክፍክፍ ከነብል ጸኒሕና ኢና። ምስቲ ዘሎና ብዙኅ መዳያዊ ሕጽረታት፤ ዓቕምና ውሱን፤ ዝርገሐና ድሩት ብምዃኑ
ከምቲ ክንኮኖ እንደልዪን፤ ክንኮኖ ዝግባእን ንኸውንን ንገብርን ከምዘየለና እቲ ዝዓበየ ስክፍታና እዩ። ምስቲ ዝውጥጠና ካልእ ብዙኅ
ነገራት፤ ካብ ትም ምባል ነቲ ዘሎና ውሑድ ምብርካት ይሓይሽ እናበልና ብኃይሊ ኣምላኽ ንቕጽል ኣሎና። ስለዚ እዩ ድማ ናታትኩም
ሱታፌ ብቀጻሊ ክንሓትት ዝጸናሕና።



