Monday, November 26, 2012

ውግዘት ሠመረአብ ምስ ህልዊ ኩነታቱን መጻኢ ኣመታቱን (ቀዳማይ ክፋል)

Click hear to read in PDF
ሠመረኣብ ቀሺ ወልደ ገብርኤል ሕጂ ምቕማጡ ኣብ ኣሥመራ ኮይኑ፣ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ መበቈል ዓዱን ኣብ ዓዲ ከፈለት (ኣቋቋም)ን ማይ ለሓም (ቅኔ)ን ዝተማህረ እዩ። ቅድሚ ናብ ኣሥመራ ምምጻኡ ኣብ ምጽዋዕ ንንውኅ ዝበለ እዋን ዝተቐመጠን ናብ ግብጺ ንትምህርቲ ከይዱ ዝነበረን እዩ። ሕጂ ድማ ኣብ ደብረ ፀሓይ አቡነ ተክለሃይማኖት ከም ሰባኬ ወንጌል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ሓላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኮይኑ ዝሠርሕ ዘሎ ሓለቓ ተሐድሶኣውያን ውሽጢ ሃገር እዩ። 


መእተዊ
ኣብዚ ቀረባ እዋን፤ እቶም ብጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን ዝፍለጡ ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ልዕሊ እቲ ንነዊኅ እዋን እናተለዋወየን ኣዝዩ መንፈሳዊ ብምምሳልን መናፍቃዊ ትምህርቱ ኣብ ፍሉጥን ዘይፍሉጥን ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን፤ ብሓፈሻ ኣብ ደቂቀ ተዋሕዶ ክዝርግሕ ዝጸንሐ ሠመረኣብ ቀሺ ወልደ ገብርኤል ሰይፊ ውግዘቶም ከምዝመልሑ ክቃላሕ ጸኒሑ እዩ። ንሕና’ውን ንዝረኸብናዮ ሓበሬታ ናባኹም ከምዘለዎ ኣኅሊፍናዮ ምንባርና ይዝከር። እምበኣር ብዙኃት ካባኹም ብዝሓተቱናን ድኅረ ውግዘት ሠመረኣብ ንዘሎ ፍጻሜታት ብዝምልከት ንዝበጻሕና ሓበሬታ ኣወሃሂድና ከነቕርበልኩም ምዃንና ብዝኣተናዮ ቃል፤ እነሆ በብኽፋሉ ነቕርበልኩም ኣሎና። 

2. ኣገደስቲ ነጥብታት ናይቲ ውሳነ 

ናብ’ቲ ካልእ ትዕዝብትን ህልዊ ኵነታትን ናይ’ዚ ውግዘት ቅድሚ ምስጋርና፤ ኣገደስቲ ነጥብታት ናይ’ዚ ቃለ ውግዘት ሕፅር ብዝበለ ምስ ተወሳኺ ሓበሬታ ደጊምና ምርኣዩ ተወሳኺ ሥእሊ ክህብ ስለዝኽእል፣ ንገለ ውኁዳት ነጥብታት ስዒብና ክንርኢ ኢና። 

2.1 ትዕግሥትን ጥበብን ኣቦታት 
ኣብ’ዚ ውሳነ እዚ ከም ኣገዳሲ መሥርሕ ክርአ ዝግብኦ ትዕግሥትን ጥበብን ዝተመልኦ ኣተሓሕዛ ጕዳያት ማኅበር ገዳም ደብረ ቢዘን እዩ። ነቲ ዘውጽእዎን ዝዘርግሕዎን ጽሑፍ ዘንብብ ሰብ ቅድሚ ኵሉ፤ ንኸም’ዚ ዓይነት ዓቢይ ሃይማኖታዊ ዕዮ ንዓመታት ብምሥጢር ዓቂቦም፤ ምዕዶን ምኽርን በቲ ሓደ፤ ዕቱብ ምክትታል ድማ በቲ ካልእ እናገበሩ፤ ብዘይካ እቲ ዕረፍቲ ዘይህብ ገዳማዊ ናብርኦም ሕዝቢ ብሃይማኖት ከይጕዳእ፤ ጥዕና ሃይማኖቱ ክሕሎ ሓዋርያዊ ኃላፍነቶም ብዝግባእ ከምዘልዓሉ ክርዳእ ይኽእል። እቲ ጕዳይ ካብ ምጅማሩ ክሳዕ እቲ ውሳነ ዝተዋህበሉ እዋን ድማ ዝነበሮም ኣተሓሕዛ ርቱዕ ሃይማኖታዊ ፍኖት፣ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ዝተኸተለ ምዃኑ ድማ እቲ ካብ ጥንቲ ኣብ ኣቦታት ዝጸንሐ ኣገባብ ሎሚ’ውን ኣብ ልቦና ኣቦታት ተዓቂቡ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። 

እቲ ቤተ ክርስቲያንና ይመርሕ ኣሎ ዝብሃል “ምምሕዳራዊ” ኣካል፤ ካብ ኣቦታት ደብረ ቢዘን ክመሃሮ ዝግባእ ኣዝዩ ብዙኅ ነገር ከምዘሎ ክስሕቶ የብሉን። ሃይማኖታዊ ነገር ዕትበትን ጥንቃቐን ዝሓትት ምዃኑ፤ ከምዚ ዓይነት ክሕደትን ኑፋቄን ክርከብ ከሎ ብጭብጢን ብመጻሕፍትን ገጽ ንገጽ ተመሳኺርካን ረቲዕካን እምበር፤ ውግዘት ዝኣክል ከቢድ ውሳነ ኣብ ዘሎኻዮ ይብጻሕካ ተባሂሉ ንሰብ ስለዝጸላእካዮ ጥራይ ብሰታሪት ወይውን ብተማልእተኛ ዝስደድ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ዘኅዝን ነገር፤ ገለ “ብምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ብዝተዋደደ መሥርሕ ጥራይ፤ ጕዳዮም ከየመሳኸሩ፣ ቃል እምነቶምን ክሕደቶምን ከይሃቡ፤ ብደብዳበ ጥራይ ዝውገዙ እሞ እቲ ደብዳበ’ውን ከይበጽሖም ምውጋዞም ብወረ ወረ ዝሰምዑ መነኮሳት፤ ካህናት ቍጽሮም ውኁድ ኣይኮነን። እዚ ናይ’ቲ “ምምሕዳር” ዝብሃል ዘሎ ኣካል ኣካይዳ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ዘይተኸተለ፤ ንጕዳያት ገጽ ንገጽ ክገጥሞም ዘለዎ ብቕዓትን ትብዓትን ትሕቲ ባዶ ምዃኑን ርቱዕ መገዲ ዘይኽተል ምዃኑን ዝምስክር እዩ። ኣቦታት ደብረ ቢዘን ግና ነቲ ሕግን ሥርዓትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እትእዝዞ መገዲ ተኸቲሎም ንጕዳያት ምምርማሮምን፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ጕዳዩ ዝምልከቶ ሰብ ድማ ነጥብታቶም ኣፍሲሶም ምዝርራቦምን ምምርማሮምን እምበኣር፣ “ሎሚ’ውን ኣቦታት ኣለዉና!” ዘብል እዩ። 

ማኅበር ገዳም ደብረ ቢዘን፤ ታሪኽ ቀደምት ኣቦታቶም ዘሕደሰን ዝደገመን ነዚ ኣገዳሲ ውሳነ’ዚ ከሕልፉ ከለዉ ብኸምኡ ወይውን ብቤላ ቤለው ወይውን ይብሃል ኣሎ፤ ይስማዕ ኣሎ ብዝብል ፈሊጥ ዘይኮነስ፤ ብዝግባእ ኣጽኒዖም፤ ንነዊኅ ዓመታት ንዝኣከብዎ ጥርዓናት ተመርኲሶም ብዝረኸብዎ ጭብጢን ሓበሬታን ምዃኑ እዮም ኣብ’ቲ ጽሑፎም ገሊጾምዎ ዘለዉ። እኳ ደኣ ብናቶም መገዲ ነቲ ኣብ ሃገርና ብዝረቐቐ ሜላ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ መናፍቓዊ ትምህርቲ ይኸታተልዎ ምንባሮምን ምህላዎምን ጠቒሶም ኣለዉ። ሓደ ካብ’ቶም ፈነውቱ ንዝኾነ ሠመረኣብ ድማ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚኦም ካብ ዝፈጸሞ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣትሒዞም ብዛዕባኡ ንዝቐርብ ዝነበረ ጥርዓን ሕዝቢ ክምርምሩን ከጽንዑን ከምዝጸንሑ ገሊጾም ኣለዉ። እምበኣር ትዕግሥቲ ኣቦታት ማለት እዚ እዩ! ንነገራት ብህድኣት፤ ብተዓቅቦ ምምርማርን የማን ጸጋም ዘየብልን ዘየማኻንን እኹል ጭብጢ ምስ ተረኽበ ከኣ ኣብ ጊዜኡ ውሳኔ ምሃብን። ንሕና እንተንኸውን፤ ብተባህለ ጥራይ ወይ ጫፍ ኂዝና ወይውን ሓንቲ ጭብጢ ኣብ ኢድና ዘየለ፤ መናፍቕ እናበልና ክንጻረፍን ንሰባት ከነሰንብድን ምነበርና። ካብ ኣቦታት ደብረ ቢዘን እንወስዶ ዓቢይ ትምህርቲ ከኣ ትዕግሥቲ፤ ጥበብ፤ ተዓቅቦ፤ ጭብጢ፤ ንሓደ ዝኃዝካዮ ነገር ክሳዕ መፈጸምታኡ ተጊህካ ምብጻሕ እዩ። እዚ ኵሉ ሥራሕ ድማ ስለ ርቱዕ ሃይማኖት ተዋሕዶን ጕስነት ሕዝብን ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ። 

2.2 ሠመረኣብን ደብረ ቢዘንን 
ቃለ ውግዘት ዝኃዘ ጽሑፍ ደብረ ቢዘን ሓደ ካብ’ቲ ዝምጥወልና ሓበሬታ፤ ገዳም ደብረ ቢዘንን ሠመረ ኣብን ንሓድሕዶም ጽቡቕ ሌላ ዝጸንሖም ምዃኑ እዩ። ካብ ዝረኸብናዮ ጽጹይ ሓበሬታ’ውን፤ ሠመረኣብ ምስ ገዳም ደብረ ቢዘን ንንውኅ ዝበለ ዓመታት ኣፍልጦ ዝጸንሖ ምዃኑ እዩ። ኮይኑ ግና ሃይማኖትን ውልቃዊ ሌላን በበይኖም ምዃኖም ኣቦታትና ብውሳኔኦም ኣርጊጾም ነጊሮምና ኣለዉ። ከም ወዶም መጠን ኣቕሪቦም ክመኽርዎን ክምዕድዎን ከምዝፈተኑ፤ ብጌጋኡ ዘይተጣዕሰ ከም ምዃኑ መጠን ድማ ከም መናፍቕ ዝግባእ ዝበልዎ ውሳነ ሂቦምዎ ኣለዉ። 

ሠመረ ኣብ ኣብ’ዚ ገዳም እዚ ኣይመሃር እምበር፤ ምስ ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ጽቡቕ ሌላ ከምዝጸንሖ ይግለጽ። ካብኡ ናብኡ’ውን ካብ ንእስነቱ ካብ ዘገልገለሉ ኣብያተ ክርስቲያን እቲ ሓደ ኣብ ምጽዋዕ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም (ጥዋለት)፤ ብገዳም ደብረ ቢዘን ዝተተኽለን፤ ክሳዕ ቀረባ እዋን ከኣ ኣብ ትሕቲ ደብረ ቢዘን ዝመሓደር ዝነበረን እዩ። ኣብኡ ዝምደቡ ኣገልገልቲ’ውን ዝበዝኁ ደቂቀ ቢዘን ብምዃኖም ምስ’ቲ ገዳም ዘለዎ ሌላ ጽቡቕ ንኽኸውን መሠረት ኮይንዎ ኣሎ። ኮይኑ ድማ ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ፤ እቶም ኣቦታት’ውን ንዕብየትን ኣካይዳን ሠመረኣብ ብቀረባን ብደቂቑን ክፈልጡ ዘለዎም ተኽእሎ ዓቢይ ምዃኑ እሙን ነገር እዩ። እኳ ደኣ እቲ መናፍቓዊ ትምህርቱን ኣካይድኡን ቅድሚ ኵሉ ንኽፈልጡ፤ እቶም ብቐዳምነት ዝጥቐሱ፣ ኣቦታት ደብረ ቢዘን ምዃኖም ይእመን። ምኽንያቱ ካብ ትምህርቱ ጌጋ ክረአ፤ ካብ ግብሩ’ውን ሕጸጽ ክስትውዓል ከሎ ብቐዳምነት ኣብ ዓይኒ እቶም ትኵራት ኣቦታት ደብረ ቢዘን ከምዝወድቕ ኣይሰሓትን እዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ እዩ፤ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ክህነት ዘይብሉ ክነሱ ከይሓፈረን ከይፈርሀን መንበረ ታቦት ናብ ዝርከቦ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ቅድሚኦም ክኣቱ ከሎ፤ ክርኢዎን ጐቲቶም ካብ መቅደስ ከውጽእዎን ጊዜ ዘየጥፍኡ። 

ምስ ኣቦታት ደብረ ቢዘን ካብ ዘለዎ ጥቡቕ ርክብ ይመስል፤ ከም’ቲ ኣብ’ቲ ጽሑፍ ዝተገልጸ’ውን፤ ብቀጻሊ ኣብ ክብረ በዓል አቡነ ፊልጶስ (ገዳም ደብረ ቢዘን) እናተረኽበ፤ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ኽቕበል ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ኣቦታት ደብረ ቢዘን ግና ናይ ውሽጦም ኣብ ውሽጦም ገይሮም ብዘይ እኹል ዝብልዎ መርትዖ፤ ንፈልጦ ኢና፤ ንሱ’ውን ይፈልጠና እዩ ከይበሉ ተቐዳዲሞም ናብ ውሳነ ከይከዱ ካብ ጌጋኡ ክምለስ፤ ኣካይድኡ ከመሓይሽ ክመኽርዎን ክምዕድዎን ከምዝጸንሑ ብዙኃት ይዛረቡ እዮም። ኮይኑ ግና ንሱ ሰማዒ እዝነ ልቦና ስለዘይሓነፀ፤ እቲ ንሱ ዝገብሮ ጥራይ ቅኑዕን መገዲ ጽድቅን እናመሰሎን፤ “ኣይተፈለጥኩን” ብዝብል ኣተሓሳስባ በቲ ረቂቕ ሜላታቱ ምስ ኑፋቄኡ ንቕድሚት ጥራይ ክጋልብ ምስ ረኣይዎ፤ ከም ቀዳማይ መጠንቀቕታ ብ፭ ነሓሰ ፳፻ወ፬ ዓ.ም. ከም’ቲ ልማዱ ክቕበል ምስ መጽአ ኣገድዎ። እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ኣቦታት’ውን ውሽጡ ክምርምር ኣምሪሮም ከምእተዛረብዎን፤ ናይ ንስሓ ጊዜ ከምዝሃብዎን ይጥቐስ እዩ። “ከሊኦምኒ” እናበለ ብቀጻሊ ንዝተፈላለየ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተወከሰሉ እዋን’ውን፤ “ገለ ነገር ሒዞምልካ እዮም እምበር፣ ኣቦታት ደብረ ቢዘን ብዘይ ምኽንያት ኣይምኸልከሉኻን፤ የግዳስ ርእስኻ ፈትሽ” እናበሉ ዝመኸርዎ ኣቦታት ውኁዳት ኣይኮኑን። ንሱ ግና በዲለ እየ ኢሉ ርእሱ ኣብ ክንዲ ዝፍትሽን፤ ተፈሊጠ ኢሉውን ቍሩብ ኣብ ክንዲ ዝሓንኽን፤ ብቀጻሊ ነቶም ኣቦታት፣ “ስለምንታይ ከልኪልኩምኒ፧” እናበለ ክተናኽፎም ከምዝጸንሐ፣ ኣብ’ቲ ጽሑፎም ገሊጾምዎ ኣለዉ። እምበኣር እዚ ኵሉ ዘርእየና፤ ገዳም ደብረ ቢዘን ንሠመረ ኣብ ንዓሠርተታት ዓመታት ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ምዃኖምን፤ ንሱ’ውን ምስኣቶም ጥቡቕ ሌላ ከምዝጸንሖን እዩ። 

ብገለ ተወሳኺ ሓበሬታ ድማ፤ ኣቦታት ደብረ ቢዘን ንሠመረ ኣብ ኣብ ምጽዋዕ ከሎ ምፍላጦም ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንሱ ኣብ’ቲ ከተማ ምስ ዝነበሩ ማኅበራት መናፍቓን ናይ ትምህርት ዝምድና ኣብ ዝፈጠረሉን፤ እሞ ዳኅራይ ወከልቲ ገዳም ዝኾኑ ኣቦታት ነቶም ንሱ ዝራኸቦም ማኅበር ብትምህርቲ ኑፋቄኦም ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ክሰጕዎም ከለዉ፤ ብተዛማዲ ንእኡ’ውን የጽንዕዎን ይምዕድዎን የጠንቕቕዎን ምንባሮም እዩ። ንሱ ግና ነቲ ዕላማ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ዘመን ዝወለዶም እምነታት ተኣኻኺቦም ኣብ እንዳ ማርያም ምጽዋዕ ጽቡቕ መአከቢ ባይታ ረኺቦም ንዝነበሩ መናፍቓን ይድግፎም ምንባሩ ይፍለጥ። ምስ’ቶም ኣብ ምጽዋዕ ዝነበሩ ዕሉላት መናፍቓን፤ ውሽጣዊ ርክብ የካይደሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን፤ ኣቦታት ቢዘን ከይጸልእዎ ኣዝዩ ይጥንቀቕ ምንባሩ ይጥቀስ። ኣመሓደርትን ኣገልገልትን እታ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝነበሩ ኣቦታት ቢዘን እናተኸወለን ውሽጡ ሓቢኡን፤ ብጥበብን ብጥዑም መልሓስን ምስ ኣቦታት ሓዋርያ መሲልካ ናይ ምምልላስ ተኽእሎ ኣጸቢቑ ዝተለማመዶን ዘዕበዮን ሽዑ ኣብ ምጽዋዕ ከሎ ምዃኑ ይጠቕሱ። 

እቶም ኣብ ምጽዋዕ ዝነበሩ መናፍቓን ካብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተሰጕን፤ ምስ ብዓል “ቀሺ” ገብረመድኅን ኣብ ግብጺ ንትምህርቲ ተላኢኹ፤ ሰፊሕን ናይ ነዊኅን መደባት ሓንጺጾም ድኅሪ ምምላሶም፤ ጸኒሑ ድማ ብኣሳሰይቲ ማኅበር መካነ ሕይወት ነበር ኣብ ኣሥመራ ተሪፉሉ ኣብ ዝነበረሉን እዋን፤ ሓድሽ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ቅዱስ ሚካኤል (ምጽዋዕ) ምስ ተኸፍተን፤ ነቶም ብትምህርቱ ዝለከሞም ሥድርኡን ገለ ዲያቆናትን ካህናትን ከምኡ’ውን መንእሰያት ወዲቡ ነቲ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኸፍተ ትምህርቲ ሰንበት ካብ ምጅማሩ ብመናፍቓዊ ትምህርቱ የናውጾ ምንባሩ ይጠቕሱ። ኣብ ኣባይቲ ኣባላቱ ኣብ ምጽዋዕ’ውን፤ ነቶም ናቱ መገዲ ዘትሓዞም ገለ ኣዋልድ ዝርከበኦም ውሉደ ክህነትን መንእሰያትን፤ ብስቱር ካብ ኣሥመራ እናተመላለሰ ፍሉይ ሥልጠና ይህቦም ከምዝነበረ ሽዑ እዋን ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ዝነበሩ ዝዛረቡሉን ዝምስክሩሉን እዩ። እቶም ደቂ መዛሙርቱ ዝነበሩ ኣባላቱ፤ ኣብቲ ሓድሽ ማኅበር’ውን ዕግርግር ድኅሪ ምፍጣሮም ትምህርቶምን ግብሮምን ተራእዩ ገሊኦም ብካህናት ዝተወገዙ፤ ገሊኦም’ውን ጠቕሊሎም ናብ መናፍቓን ዝኣተዉ፤ ገሊኦም’ውን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ’ዚ ኣብ ደገ (ኣብ ወፃኢ ሃገር) ብዕሊ ብመናፍቓዊ ትምህርቶም ዝፍለጡ እዮም። እምበኣር ኣቦታት ደብረ ቢዘን፤ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምጽዋዕ ብምንባሮም፣ ነቲ ጕዳይ ብደቂቀ ቢዘን (ተማሃሮ) ኣቢሎም ኣጸቢቖም ይከታተልዎ ምንባሮም ይጥቀስ። 

2.3 ዳንነት ቢዘን 
እምበኣር ድኅሪ ምእጋድ ሠመረ ኣብ ካብ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ደብረ ቢዘን (፭ ነሓሰ ፳፻ወ፬ ዓ.ም)፤ ደጋጊሙ ብዛዕባ ጕዳዩ ሓቲቱ፤ በብነጥብታቱ ምስ ተነግሮ፤ ንገሊኦም ክእመነሎም እንከሎ፤ ንገሊኦም ግና፣ “ጸለመ እዩ” ብዝብል ምኽንያት ክሓልፎም ምፍታኑ ተገሊጹ ኣሎ። ሠመረ ኣብ ኣብ ጥንቍቕን ስቱርን ኣዘራርብኡ ስለዝምካሕ፤ “ጭብጢ ኣይርከበለይን እዩ” ብዝብል እምነቱ፤ ከም’ቲ ብቐጻሊ፣ “ከም’ዚ ትብሃል ኣሎኻ” እናበሉ ክመኽርዎን ክዛረብዎን ንዝፍትኑ፤ “ጸላእተይን ጸላእቲ ዓሌተይን እዮም” “ጸለመ እዩ” … እናበለ ከምዘዳቕሶን፤ ምስ’ቲ ዘመስሎ “መንፈሳዊ” ባህርያቱ እናተኣመነ ነዊኅ ዓመታት ሰለይ ከምዘበሎ፤ ሕጂ’ውን ኣብ ቅድሚ ኣቦታት ደብረ ቢዘን፤ ብኸም’ዚ ልሙድ መመኽነይትኡ እዩ ንዝበዝኀ ዝቐረበሉ ነጥብታት ክሰግሮ ፈቲኑ። እኳ ደኣ፣ “ክብል ሰሚዐዮ” ዝብል እንተደኣ ሃልዩ፣ ኣብ ቅድሚኡ ክመሳኸር ከምዝደሊ፤ ብዛዕባ እቲ ዝሕመየሉ ጉዳይ ብቀጻሊ ዳንነት ከምዝሰኣነን፤ ዳንነት ቢዘን ድማ ከምዝደሊን ብሓጐስ ከምዝቕበሎን እዩ ገሊጹ። 

እዚ ሰብ እዚ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ሓላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲን ክነሱ፤ ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ክዳነ ምድላዩ ዘየገርም ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ጠቒስናዮ ዝነበርና’ውን ካብ ዝተፈላለየ ሃገረ ስብከትን፤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን፤ ውልቀ ሰባትን ዝተበገሰ ምስ መርትዖኡ ዝተተሓሓዘ ክስታት ኑፋቄኡ ናብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ከምዝበጽሐ ይጥቀስ እዩ። ኵሉ ጥርዓናት ግና መልሲ ከይተረኽቦ ሽታ ማይ ኮይኑ ከምዝተረፈ ብዙኃን ከምዝዛረቡ ይንገር። ምኽንያቱ ድማ ኣብ’ቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዝተዘርገሐ መርበብ መናፍቓንን ኣሳሰይቱን ንኸም’ዚ ዓይነት ክስታት ዘሕቅቕ ጋህሲ ስለዘለዎ እዩ። እቲ ዝቐደመ ታሪኽ ገዲፍና፤ እዚ ሎሚ ዘሎ “ምምሕዳራዊ” ኣካል’ውን ኣቐሚጥዎን ዘርጊሕዎን ዘሎ መርበብ፤ ንመናፍቓን እምበር ንደቂ ሃይማኖት ዝኸውን ከምዘይኮነ እዮም ዝገልጹ። ኣብ ገሊኡ’ውን እቲ ዘይሕምበስ ባሕሪ ብዛዕባ ዝኾነ ትምህርተ ሃይማኖት፤ ናይ ኣፍልጦ እንዶ ዘይብሉ “ኣመሓዳሪ” (ኣቶ ዮፍታሔ ቀሺ ድሜጥሮስ) ባዕሉ ክውስንን፤ “ካብ ሠመረ ኣብ ንላዕሊ ሊቅ የልቦን” እናበለ ከመጕስን ይስማዕ እዩ። ሃይማኖት ማለት ብዛዕባ ጥዑም ቃላት ከምዘይኮነ ዘይፈልጥ ሰብ ንቤተ ክርስቲያን ከመሓድር ምፍታኑ፤ ቤተ ክርስቲያንና ንዘላቶ ኩነታት ዘረድእ እዩ። ኣብ’ዚ ናይ መወዳእታ እዋን’ውን ብሊቀ ካህናት ቀሺ ሳሙኤል መሪጌታ ፀጋይ ምስ መርትዖኡን መሳኻኽሩን ዝቐረበ ከባቢ ፮ ዝኾኑ ነጥብታት ዘለዎም ክስታት ኑፋቄ ሠመረ ኣብ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘመሓድር ዘሎ ኣካል ቀሪቡ ከምዝመኸነ ኣብ እዋኑ ጠቒስና ነይርና። 

እዚ ዅሉ ጸግዕታት ኣያታቱ ዘለዎ ሠመረኣብ፤ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክጋባእ ዝኽእል ዳንነት ንረብሓኡ ዋላ ይኹን እምበር፣ ዕበጦ ዕበጦ ስለዝኾነ፤ ኣብ ምእመናን ይኹን ኣብ ቤተ ክህነት ተቐባልነትን ተኣማንነትን ከምዘይብሉ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦ፤ ጕዳዩ ክረኣየሉ ምእንቲ ዳንነት ቢዘን ምምራጹ ብኽልተ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ከምቲ ክንገልጾ ዝጸናሕና፤ ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን በቲ ኣብ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ቤተ ክህነት ዘለዎም ተኣማንነት፤ ዝሕመየሉ ነገር ኣብኦም እንተደኣ ተመጻርዩን ካብ’ቲ ዝቐረበሉ ክሲ’ውን መሰስ ኢሉ ክወጽእ እንተኽኢሉን፤ “ዝኾነ ኣካል ብሕጂ ዝኸሰኒ የልቦን፤ እንተኸሰሰ’ውን ተቐባልነት የብሉን፤ ዝኣምኖ’ውን ኣይርከብን” ካብ ዝብል ወይውን ድማ ቅድም ኣቢልና ከም ዝገለጽናዮ፤ ኣቦታት ደብረ ቢዘን ኣጸቢቐ እፈልጦም እየ እሞ “ካብ ሕሜታ ንላዕሊ” ጭብጢ የብሎምን፤ ሕጂ’ውን እቲ ልሙድ ምዕዶን ምኽርን ሂቦም ከፋንዉኒ ካብ ዝብል ጊጉይ ቀመር ክኸውን ይኽእል። 

ሠመረአብ ዘየስተውዓሎ ግና ኣቦታት ደብረ ቢዘን ከምቶም ዝቐደሙ ኣቦታቶም ቃል ጐይታ ተኸቲሎም፤ ኣብ ጸሎት ቅዱሳኖም ተኣሚኖም፤ ኣብ’ዚ ተዅላ ዝኾነ ዓለም፣ “ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፤ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ” ንዝብል ቃል መምርሒኦም ገይሮም ሕጂ’ውን ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ይፍጽሙ ምህላዎም እዩ። ብኻልእ ድማ ሕጂ’ውን ገዳማት ሳሕቲ ብዝረኣዩን፤ ብስውራንን ቅዱሳን ዝተመልኡ፤ ምሥጢር ብዝኸሥቱ ኣቦታት ዘጌጹ ምዃኖም እዩ። 

ንሱ ብዝተራቐቐሉ ጥበበ ሥጋን ንብዙኃን ብዘጋገየሉ ምስሉይ መንፈሳዊነቱን፣ “ሕጂ’ውን ዳንነተይ ክሰግራ እየ፤ ክሓባበሎም እየ” ኢሉ ብልቡ ክምካሕ፤ ንሶም ግና ብጥበበ መንፈስ ቀሊዖሞ። ክበልዕ ኢልካ ተበሊዕካ ምትራፍ፤ ክጻወተሎም እየ ኢልካ መጻወቲ ኮይንካ ምትራፍ እንሀ ኣብ ሠመረኣብ ተራእዩ። ዳንነት ቢዘን ካብ ጥንቱ ፍትሓዊን ርቱዕን እዩ። ኣቦታት ደብረ ቢዘን መዋዕሎም ፍትሒን መንፈሳዊ ጥበብን ብዝተመልኦ ዳንነቶም ንሕዝበ ክርስቲያን ንኣማኢት ዓመታት ዝዳነዩ እዮም። “ኣይበሉን ቢዘን” እናተባህለ ዝምሰል’ውን ካብ’ዚ ዝነቐለ እዩ። ዳንነቶም ወትሩ ምስጉን ዝገብሮ ኣብ ሰብን መንነቱን ዝተመርኰሰ ዘይኮነስ፤ ኣብ ቃለ እግዚአብሔርን መንፈሱን ጥራይ ዝተመርኰሰ ብምዃኑ እዩ። ሰብ ኣብ ልቡ ብተንኮል ዝሠወሮን ዝሓብኦን፤ ብጸሎትን መንፈሳዊ ጥበብን ዝቐልዑ ኣቦታት እዮም አበው ደብረ ቢዘን። እምበኣር ሠመረ አብ እቲ ወትሩ ዘዕውቶ ምሒር ጕርሑን ምልስላሱን፤ ኣብ ቅድሚ መንፈስ እግዚአብሔር ዝተዓጥቁ ገዳማውያን ኣቦታት ክጥቀመሉ እንተፈተነ እኳ ኣይሰለጦን። “ሞታ ዝቐረበ ኣንጭዋሲ . . . ” ዝብል ምስላሲ ኣብ ሠመረ አብ ክፍጸም ርኢናዮ። እምበኣር ንነዊኅ ዓመታት እናተጠዋወየን እናመሳመሰን ብዕሊ መንነቱ ከይተጋህደ ዝጸንሐ ሠመረአብ፤ ነታ ዝሰኣና “ፍትሒ” ኣብ መወዳእታ’ሲ ባዕሉ ደልዩ ኣብ ዳንነት ቢዘን ረኺብዋ። 

መንፈሳዊ ሰብ ብመንፈሳዊ ኣገባብ ክዳነ ግቡእ እዩ። ናይ ኣቦታትና ኣቀራርባውን ይበል ዘብል እዩ። ሠመረ ኣብ ሥጋዊ ምዃኑ ግና ባዕሉ መስኪሩ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ከም ዓለማዊ ቤት ፍርዲ፤ ብኸሳስን ተኸሳስን፤ ብጠበቓን ብወረቐት ክስታትን፤ ቈጸራን ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ መሥርሓት እዩ ክዳነ ሓቲቱ። “ሃይማኖታዊ ክሕደት ፈጺምካን ምሂርካን” እናተባህለ፤ እምነቱ ኣብ ቅድሚ ኣቦታት እናተሓተ፣ “ወረቐት ክሲ ሃቡኒ” ኢልካ ምምጓት ቍንቍኛኡ እንታይ እዩ፧! እቶም ፈለጥቲ ሕጊ ኢና ኢሎም ዘማኸርዎ ደቂ ማኅበሩ ኣይጠቐምዎን። ልቢን ኣፍን ንዝማኅደሩ ሃይማኖት ብምምልላስ ወረቐትን ጕዳይ ምስንጣቕ ቃላትን ክገብሮ ምፍታኑ ዘየደንፁ ኣይኮነን። በዓል ኣርዮስ፤ መቅዶንዮስ . . . እኳ ከምኡ ክብሉ ኣይሰማዕናዮምን። 

እዚ ጥራይ ዘይኮነውን፣ ሠመረ ኣብ እንታይ ስለዝኾነ እዩ ንምምጻእ መሰኻኽር ከም ሰይፊ ፈሪህዎ፧! ንክሕደታዊ ትምህርቱን ተግባሩን፣ “ኣይወዓልክዎን” ኢሉ ክማጐት ከምዘይነበረ ካብ’ቶም፣ “በዚ ዕለት እዚ፣ ኣብ’ዚ ቦታ እዚ፣ ሰዓት ክንድ’ዚ ውዒልካዮ፤ ፈጺምካዮ፤ ተዛሪብካዮ” ክብልዎ ዝተቐረቡ ሥዩማን ካህናትን ዲያቆናትን ከምኡውን ሰብ ማዕተብ መንእሰያንን መንእሰያትን መሰኻኽር እንታይ ኮይኑ ሃዲሙ፧! ንዘስተውዕሎ ሰብ ዓቢይ መርትዖ እዩ። ካብኡ ኃሊፉ’ውን መንበረ አበው ረጊጹ ምውጽኡ እንታይነቱ ዘቃልዐ፤ ምስሉይ ትሕትንኡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ሓዊ ዝተጋህደሉን ምንባሩ ኵሉ ዝዛረበሉ ሓቂ እዩ። እኳ ደኣ ከም’ቲ ዝብሃል፤ እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ኣቦታት ቢዘን ኣብ’ቲ ዝተጋብአ ጉባኤ ከይተረፈ፣ “ግደፍ፤ ተመለስ፤ ኣይትሕሸካን እያ!” እናበሉ ተማኅፂኖሞ ከምዝነበሩ ይጥቀስ። ንሱ ግና ቅጭጭ ከይበሎ ዝባኑ እዩ ሂብዎም። 

2.4 ዝቐረቡ ነጥብታት 
ኣቦታት ደብረ ቢዘን ሸሞንተ ዝኾነ ኑፋቄኣውያን ነጥብታት እዮም ኣቕሪቦሙሉ። ብዛዕባ እዘን ነጥብታት ኵለን ክንዝርዝር ዝከኣለና ኣይኮነን፤ ንባዕለን ግና ግሉጻት ብምዃነን እዚ ሰብ’ዚ ክሳዕ ክንደይ ዓበይቲ ሃይማኖታዊን ሥርዓታዊን ዶግማዊን ቀኖናዊን ክሕደት ክፍጽም ከምዝጸንሐ ክፍለጥ ይከኣል። ነዞም ዝተጠቕሱ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ከመሓላልፍ ዝጸንሐ ሰብ፤ ብመሠረቱ ካልእ ድጉል ዕላማ ከተግብር ዝጸንሐ ሰብ ምዃኑ ንጹር ነገር እዩ። ኣቦታትና ነዚኦም መሰኻኽር ዝተረኽቡሎም ኑፋቄታቱ ጠቒሶም እምበር፤ ምስክር ዘይርከቦ ካልእ ድጉል ክሕደትን ዕላማን ኣብ ልቡ ተዓቚሩ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዞም ኵሎም ዝቐረቡ ነጥብታት ብወገን ፕሮቴስታንታዊ እምነት ከም መትከል እምነት ዝውሰዱን ዝእመነሎምን ብምዃኖም፤ “እዚ ሰብ’ዚ እምበር’ዶ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ ኣለዎ እዩ፧” ዘብል እዩ። ይእመነሉ ኣይእምነሉ፤ ከም’ዚ ኢልካ ትምህር ተባሂልካ ኣብ ቅድሚ ኣቦታት ብመርትዖን ብመሰኻኽርን ክሳዕ ምቕራብ ምብጽሑ እንታይ ኣምጽኦ፧ ነዘን ከበድቲ ክሕደታት’ከ፣ “ጸላኢ እዩ ጠቂኑኒ” ብዝብል ምኽኒት ከመይ ገይሩ ክሰግረን ይኽእል፧ ነቲ መርትዖን ጭብጥን’ከ ስለምንታይ ፈርሆ፧ ብዘይካ ሃይማኖታዊ ክሕደቱ፤ እንታይ ስለዘለዎ፣ “ጸላኢ” ክህልዎ ይኽእል፧ ንዝሕመዮ ኑፋቄ፤ ምስቲ ካህን ኣቦኡን ኣባ ሓጐታቱን ዝነበሮም ጽንዓትን ፍቕርን ሃይማኖት ተዋሕዶ ብምንጽጻር ዝጓሃዩ ኣዝማዱ፣ “እንታይ ኢና ንሰምዕ ዘሎና፧” ኢሎም ምስ ተዛረብዎ ብቐጻሊ፣ “ጸላእቲ ሥድራና” “ጸላእቲ ዓሌትና” እዮም እናበለ ናብ ወገናዊነት ዝወስድ ሥጋዊ ጽልኢ ዝዘርእ መልሲ ይህብ ምንባሩ ካብ ኣፍ እቶም ኣዝማዱ ክረጋገጽውን ክኢሉ ኣሎ። ወትሩ ነቲ ዝቐርበሉ ነጥቢ፤ መምስቲ ዘቕርበሉ ሰብ ዝለዋወጥ፤ ኣንፈት ዘቐይር ግና፣ “ጸላእቲ እዮም” ካብ ዝብል ቃላት ዘይርኅቕ ምዃኑ ምንጭታትና ብመርትዖ ኣረጋጊጾም ሓቢሮምና ኣለዉ። 

ብዓቢኡ ግና ኣብ’ቲ ጽሑፍ ተጠቒሱ ከምዘሎ ሠመረኣብ መመሳመሲ ምኽንያት የቕርበሉ እምበር፣ ነቶም ሠለስተተ ኣብ ቅድሚ ኣቦታት መንፈስ ቅዱስ ገጹ ጸፊዑ ኣፉ ከፊቱ ከምዝተኣመነሉ ተገሊጹ እዩ። እተን ሠለስተ ነጥብታት ድማ ብጽሑፍን ብግብርን ዝተፈጸማ ስለዝኾና ናብ ዘብሎ’ውን ኣይነበሮን። ከም’ቲ ኣብ’ቲ ጽሑፍ ዝተጠቕሰ’ውን ዝኾነ መመሳመሲ እንተኣቕረበ’ውን፤ ንኻልኦት ይልክም እምበር ተሓታቲ ካብ ምዃን ኣየድኅኖን እዩ። “ተኣዚዘ እየ ፈጺመዮ” እንተበለ’ውን ሕገ ቤተ ክርስቲያን ክጥሕስ ዘፍቀደሉ ኣካል ክህሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ንዝፈጸሞ ጌጋ ተኣማኒ ምዃን እምበር፣ “ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ” ዝዓይነቱ ንኻልኦት ከም መመኽነይታ ምቕራብ ዘናግፎ ኣይነበረን። ነተን ዝተረፋ ድማ ክመሳኸር ዝደሊ ምዃኑ ባዕሉ ኣቐዲሙ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፤ እቶም መሳኻኽር ኣብ ዝቐረቡሉ ግና ብዙኅ ምዕግርጋር ብምግባር ሓሳቡ ለዊጡ ከምዝሃደመ ተገሊጹ ኣሎ። 

ዋላ ይህደም እምበር፤ ነተን ነጥብታት ንምብዛኅን ዝያዳ መንነቱ ንምቅላዕን እንተዘይኮይኑ፤ ሠለስተ ክሕደት ልዕሊ እኹል ኮይኑ ይስምዓና። ብዛዕባ ብዝኂ ቍጽሪ መጺእና ሓደ’ውን እኹል እዩ። መብዛኅትኦም መናፍቓን ብሓደ ናይ ክሕደት ትምህርቲ እዮም ኣብ ውግዘት በጺሖም። ኣብ ብዝኂ ጌጋታት መጺእና ክንዛረብ እንተኾይንና’ውን፤ ክሕደት ሠመረአብ ፍቕዲ’ውን ዝርከቦ ኣይኮነን። ንሕና ብወገንና እንፈልጦን ዘሎና ሓበሬታን’ውን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ኣቦታት ደብረ ቢዘን ግና ነዚኦም ጥራይ ምምራጾም ናቶም ምኽንያት ይህልዎም። ከም’ቲ ዝበልዎ ኣብ ኢዶም ዝኣተወ ጭቡጥ መርትዖን ምስክርን ዝረኸበሉ ጥራይ መሪጾም ወይውን ካብ ምብዛኅ ነጥብታት ብውኁድ ነጥብታት ምዝራቡ መሪጾም ይኾኑ ወይውን ነዞም ነጥብታት ከም ቀዳማይ መርትዖ ኂዞም ነቶም ካልኦት ድኂሮም ከስዕብሉ ወጢኖም ነይሮም ይኾኑ። በዚ ይኹን በቲ ግና ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ መዛዘሚ ጽሑፎም ካብ ዝጠቐስዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ግና፤ ኣዝዩ ብዙኅ መርትዖ ኂዞሙሉ ከምዘለዉ እዩ። ብግልጺ እኳ ምስ ካልኦት ቤተ ክርስቲያን መናፍቓን ኢላ ዘውገዘቶም መናፍቓን ብጽሑፋቶምን ብትምህርቶምን ምሥማሩን፤ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ጽሑፍ ዘይተጠቕሱ ካልእ ነገራት ከምዘለውዎም ኣንፊቶምልና ኣለዉ። መዓልቶም ኣኺሉ ክንሰምዖም ንትምህርቲ ክኾኑና ድማ ተስፋ ንገብር። 

3.0 ውሳነ 
ኣብ’ቲ ጽሑፍ ከም ዝተገልጸ፤ ዘሎና ጥሉል ሓበሬታ’ውን ዘመልክቶ፤ ሠመረአብ ድኅሪ ንኣቦታት ዝባኑ ምሃቡ፤ ክኽወል እንተፈተነ’ውን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፤ ዳግማይ ዕድል ንምሃብ በታ ዓቃል ጠባዮምን ትዕግሥቶምን ክረኽብዎ እንተፈተኑ እኳ ክረኽቦም ፍቓደኛ ኣይነበረን። ውሳነ ንምሃብ እኹል ጭብጥን መርትዖን እኳ እንተነበሮም፤ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚኦም ቀሪቡ ንገሊኡ’ውን ኣሚኑሎም ብምንባሩ፤ እንተሃደመ’ውን ከም ኣቦታት መጠን፤ ክብደት ናይ’ቲ ዝውስንዎ ውሳነ ስለዝርድኦም መሊሱ ርግእ ኢሉ ክሓስብን፤ በቲ ዝገበሮ ክጠዓስን ዕድል ንምሃብ ዝፈተኑ ይመስሉ። ንሳቶም ግብሪ ሓቀኛታት ኣቦታት እዮም ክገብሩ ፈቲኖም፤ ክሳዕ ክንደይ ድማ ነቲ ድኂሮም ዝወሰንዎ ውሳነ ከርኅቑሉ ምእንቲ ከምዘቀባጠሩሉ ክንርዳእ’ውን የኽእለና እዩ። ንሱ ግና ዕጭ ሓንፊፉ።! 

3.1 ውግዘት 
ውግዘት ኣብ ክሕደት ሃይማኖትን፤ ዕንወት ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያንን ንዝተዋፈረ ሰብ ዝለዓለን ዝኸበደን ውሳነ እዩ። ኣብ ምድሪ ይተግበር እምበር ሰማያዊ ሥልጣን እዩ። ወሃቢኡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ምድሪ ንክህነት ሓደ ካብ’ቲ ዝለዓለ ሥልጣን ዝገብሮ፤ ካህናት ካብ እግዚአብሔር ፍሉይ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ስለዝተወሃቦም እዩ። ውግዘት ካብ መንግሥተ እግዚአብሔር ዝፈሊ ኣብ ኢድ ካህናት ዘሎ ሥልጣን (መፍትሕ) እዩ። ረቂቕ መንፈሳዊ ሥልጣን ስለዝኾነ ድማ ብጥንቃቐን ብዝግባእን ክጥቀሙሉ ካህናት ተኣዚዞም እዮም። ብዘይጠቅም ምኽንያት ሰብ ኣይውገዝን እዩ። ንሰብ ከወግዞ ዝኽእልን፤ ከወግዞ ዘይክእልን በደል ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ብኸመይ ይውገዝ፧ ብኸመይ’ከ ይፍታሕ፧ ኣብ ዝብል ትምህርቲ፣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጹር ሥርዓት ኣለዋ። ነዚ ሥርዓትን ኣገባብን ውግዘት ጥሒስካ ብዘይጠቅም ውልቃዊ ሓሳብን ምኽንያትን ንሰብ ምውጋዝ ነቲ ኣውጋዚኡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዘሕትቶን፤ ነቲ ውግዘት’ውን ወፈ ግዝት (ከንቱ) ዝገብር እዩ። ሓደ ካህን ንሓደ በደለኛ ዘውግዘሉ እኹል ምኽንያት እንተለዎ፤ ከውግዞ ምሉእ ሥልጣን ኣለዎ። ካብ’ቲ በዳሊ እኹል ጣዕሳን ምምላስን ኣስተውዒሉ ድማ ክፍትሖ ምሉእ ሥልጣን ዘለዎ ንሱ ባዕሉ እቲ ዘውገዞ ካህን እዩ። ካልእ ካህን እየ ጳጳስ እየ ኢሉ ብገዛእ ርእሱ ክፈትሖ ዝከኣል ኣይኮነን። 

እምበኣር ኣብ ልዕሊ ሠመረኣብ ዝኃለፈ ውግዘት፤ ቅኑዕ ሥርዓት ዝተኸተለ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብመልእኽተኛ’ውን ኣይኮነን ዝበጽሖ። ኣቦታት ደብረ ቢዘን ብድኅሪኡ ብምምካር፣ ኣብ’ቲ ጽሑፍ ዘሎ ውሳነኦም (ውግዘት) ድኅሪ ምምኅልላፎም፤ ድኅሪ ቍሩብ መዓልታትት ኣብ’ቲ ቃለ ውግዘት ኣቦታት ኣቃሊሉን ጥሒሱን ኣብ ዝምህረሉ ጉባኤ ፍኖተ ብርሃን ርእሰ አድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ብኣካል ተረኺቦም ኣብ ቅድሚ ኵሉ ተጋባእን፤ ኣብ ቅድሚ ሊቃውንትን መምህራንን ኣረኪቦምዎ። ብድኅሪኡ ድማ ቅዳሕ ናይ’ዚ ውሳነ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስን ናብ ኵሉ ሃገረ ስብከትን ዘርጊሖም። ኣብያተ ክርስቲያናትን ጉባኤያትን፤ ቤተ ክህነትን ሕዝብን ድማ እናተቐባበለ ነቲ ዜና ኣጋውሖ። 

እምበኣር ኣቦታት ደብረ ቢዘን ዝወሰድዎ ናይ ውግዘት ውሳነ፤ ቅኑዕ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ዝተኸተለ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል። ነዚ ውግዘት ድማ ከልዕልዎ ዝኽእሉ ባዕሎም እቶም ዘውገዝዎ ኣቦታት ጥራይ እዮም። ካልእ ግዱስ ኣካል ክሓትትን ክውከስን፤ ክምርምርን ደኣ እምበር፤ ብገዛእ ርእሱ እንተደኣ ክፈትሖ ወሲኑ፤ ሓደ ዘይሕጋዊ ተግባር ይፍጽም ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንርእሱ’ውን ብሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተሓታቲ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ሊቀ ጳጳስ ናይ ሓደ ሃገረ ስብከት ዝተወገዙ መናፍቃን፤ ናብ’ቶም መቕርቦም ዝኾኑ ካልኦት ጳጳሳት ናይ ካልእ ሃገረ ስብከት ብምኻድ ክፍትሑ ብምፍታኖም፤ እቶም ዝፈትሕዎም ዝተወገዙሉ እዋን ኣሎ። እዚ ከም’ዚ ዘይሕጋዊ ተግባር’ውን ኣብ መንጎ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ምፍልላይን ምንቛርን ይፈጥር ምንባሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝምስክሮ እዩ። ሠመረአብ ግና ነቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞንጎ ኣቦታት መፈላለዪ ምኽንያት ዝኾነ ኣካይዳ እዩ ብወግዒ ተኸቲሉ። ናብ’ቶም መቕርቡ ዝኾኑ ብምኻድ፤ ጊጉይ ሓበሬታ ብምምሕልላፍን፤ ኣብ ሞንጎ ኣቦታት ንዘሎ ፍልልይ መዝሚዙን ክጥቀመሉ ፈቲኑ። እዚ ኸኣ ነቲ ሓቐኛ መንነቱ ዘግህድን ንዘሎዎ ድጉል ዕላማ ዘነጽርን እዩ። 

3.2 ጥሕሰት ሕጊ 
ሠመረአብ ካብ ቀዳማይ ጌጋኡ፤ ካልኣይ ጌጋኡ ይጸንዕ። ካብ ቀዳማይ ክሕደቱውን እዚ ዳኅረዋይ ክሕደቱ ይኸብድ። ገዳማውያን ኣቦታት መነኮሳት ብጸሎትን ብጭቡጥ መርትዖን ብምስክርን ኣጽኒዖም ንዘኅለፉሉ ውግዘት ከም ኢምንት ብምቝጻር፤ ኣብ ጉባኤያት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቱ ይቕጽል ኣሎ። 

ከም ቀዳማይ ጌጋኡ ኮይኑ ቀሪቡሉ ዝነበረ፤ ቅድስተ ቅዱሳን ምድፋሩ እዩ ነይሩ። ከም’ቲ ዝብሃል’ውን፣ “ኣቦታት” ፈቒዶምለይ እዮም ዝብል ልሙስ ምኽንያት እዩ ኣቕሪቡ። ሕጂ’ውን እቲ ቀዳማይ ጌጋኡ ከይኣኽሎ፤ ነቲ ኣቦታት ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህቦም ዝለዓለ ሰማያዊ ሥልጣን ተጠቒሞም ዝበየንሉ ብይን (ውግዘት) ጥሒሱ፤ ዝገደደ ጌጋ ፈጺሙ። ሕጂ’ውን ኣቕሪብዎ ዝብሃል ዘሎ ምኽንያት፣ “ኣቦታት ፈቲሖሙኒ” ዝብል እዩ። በየናይ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን፧ በየናይ ቅዱስ ጽሑፍ ነዚ ዓቢይ ሥልጣን’ዚ ክስዕሮ ከምዝደፈረ ዘየደንፁ ኣይኮነን። ብዙኃት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፤ “በቲ ዳኅረዋይ ጌጋኡ ጥራይ እዚ ሰብ እዚ ናይ ሃይማኖት ሰብ ከምዘይኮነ ክፍለጥን ውግዘት ክጸንዓሉን ይከኣል” ይብሉ ኣለዉ። 

ብመሠረት ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ይትረፍ ገዳማውያን ኣቦታት ብደረጃ ማኅበርን ገዳምን፤ ሓደ ካህን ንበይኑ ብቝዕ መርትዖ ወይውን ካብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ክግብር ርእዩ ክግዝትን ከውግዝን ምሉእ ሥልጣን ኣለዎ። እቲ ክፈትሕ ዝኽእል’ውን እቲ ዝኣሰረ ጥራይ እዩ። 

ልዑል እግዚአብሔር ርትዕት ሃይማኖትናን ርቱዓነ ሃይማኖት ኣቦታትናን የዓቅበልና። 

. . . ይቕጽል

No comments:

Post a Comment