በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፤
ምስ ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ጸብጺባ ካብ እተኽብሮም እቲ ሓደ በዓል፤ ትንቢት ነቢያት እተፈጸመሉ፤ ትጽቢት ኣዳምን ደቁን ክውን ዝኾነሉ
ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ልደት ጐይታ ከም ታራ ልደት ደቂ ሰባት ዘይኮነስ፤ ብልሳን ሰባት ተዘርዚሮምን
ተተንቲኖምን ዘይውድኡ ዕፁብ ዝኾኑ ምሥጢራት ዝተመሥጠሩሉ፤ ቅድሚኡ ዘይተራእየ ድኅሪኡ ዘይድገም ዘደንቕ ድንግልናዊ ልደት ዝተፈጸመሉ፤
ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ቤዛ ክኸውን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንዓለም ዝተጋህደሉ ብምዃኑ ወትሩ “አማን በአማን
መንክር ስብሐተ ልደቱ” እናበለት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስ ደቃ ክትውድሶን ከተስተንክሮን ትነብር ኣላ።
ኣቦና ኣዳም ፯ተ
ዓመት ኣብ ገነት ብተድላን ብፍስሓን ድኅሪ ምንባር፤ ብክፉእ ምኽሪ ዲያብሎስ ተታሊሉ ትእዛዝ እግዚአብሔር ብምፍራሱ፤ ባዕሉ ብዘመጽኦ
ውድቀት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተነግሮ ኣብ ልዕሊኡ ሞት ተዓወጀ። ኣምላኹ መሲሉ፤ ብርሃን ለቢሱ ክነብር ዝተፈጥረ ኣዳም ብሰንኪ ዝፈጸሞ
በደል፤ ጸጋኡ ተገፊፉ ጸልማት ወሓጦ። ነዛ ምድሪ ድማ ብዘይወግሕ “ጸልማት” ንኽትጽልምት፤ “እሾኽን ተዀርባን” ንኽተበቝል ምኽንያት
ኮነ።

