በስመ
አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ውግዘት
ሠመረአብ ተኸቲሉ ሒደት ዘይኮኑ ግና ኣገደስቲ፤ ተስፋ ውሉደ ክህነትን ኣገልገልትን ዘለምልሙ፤ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ዘበጋግሱ
ኵነታትን ምንቅቓሕን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ይክስቱ ከምዘለዉ ካብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ብፍላይ ድማ ካብ ውሽጢ ሃገር
ዝበጻሕና ሓበሬታታት ይእንፍተና ኣሎ። ይኹን እምበር መንፈሳዊ ጸጋ ብዘይ ፈተና ስለዘይስነይ፤ ድሮ እኳ እቶም ከም ቍርዲድ ንቤተ
ክርስቲያንና ዝመጽዋ ዘለዉ ኣካላት “ምምሕዳር” ነዚ ዝረአ ዘሎ ምብርባራትን ምንቅቓሕ ተስፋ ቤተ ክህነትን ኣንፈቱ ንምጥዋይ፤ ናይ ምፍልላይን
ካልእ ተንኮላትን ይፍሕሱን፤ ንምዕንቃፉ ድማ መጻወድያታት የዋድዱ ከምዘለዉ ግዱሳት ምንጪታትና ይሕብሩና ኣለዉ።
ገዳማውያን
ኣቦታት ዘበጋገስዎ ሕቶታትን ዝወሰድዎ ስጉምታትን ነቲ ሃንደበት ዝኾኖ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን፤ ምሒር ኣሰንቢድዎ ከምዘሎን፤
ከም ኃያል ውሑጅ ንዝርእዮ ዘሎ ጽንዓትን ምረትን ኣቦታት ከይለከሞ ከሎ ብኣጋ ንምእላዩን ንምዝሓሉን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ
ኣብ ዓንኬል “ምምሕዳር” ምስ ዝጥርነፉ እሙናት ዝብሎም ወገናቱ ብቀጻሊ ብዝገብሮ ምኽርን ሸበድበድን ንርእሱ የቃልዕ ከምዘሎ ክፍለጥ
ተኻኢሎ ኣሎ። ኣብዚ ምኽሪ’ዚውን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝኾኑ እሞ ንነዊሕ እዋን ምስቲ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ኢድን
ጓንትን ኮይኖም ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣሉታዊ ተራ ዝጸንሖም ካልኦት ኣካላት’ውን ይዋስኡ ከምዘለዉ ምንጪታትና ሓቢሮምና ኣለዉ።
