Friday, December 28, 2012

ተወሳኺ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሠመረአብ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ብሰይፈ ውግዘት ኣቦታት ደብረ ቢዘን ዝተመትረ ሠመረአብ ቀሺ ወልደገብርኤል፤ ነቲ መንም ክድፍሮ ዘይከኣል መንፈሳዊን ሰማያዊን ሥልጣን ገዳማውያን ኣቦታት ኣቃሊሉን ረጊጹን ትምህርቱን ስብከቱን ኣብቶም ዓውድታቶም ዝፈቐደሉ ውሑዳት ኣብያተ ክርስቲያናት ተሓጺሩ ክቕጽል ከምዝጸንሐ ክጥቐስ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኸኣ ኣሳሰዪኡ ካብ ዝኾነ “ኣመሓዳሪ”ን ውሽጣዊ ደገፍቱ ካብ ዝኾኑ ሓደ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝረኸቦ ደገፍ ተተባቢዑን፤ ብዓቢኡ ድማ ለኣኽቱ ዝኾኑ “ዓባይ ኦም” ብዝውዳቤኦም ተረፍ መረፍ ናይ ዝቐደሙ መናፍቓን ብዝሃብዎ መምርህን ምኽርን ምዃኑ ምንጪታትና ከረጋግጹልና ጸኒሖም ኣለዉ። ኮይኑ ግና እቲ ዝሓሰቦን ዝወጠኖን ኵሉ ፈሺልዎ፤ ምድሪ ኣንጻሩ ተላዒላ ዘላ ሠመረኣብ እቲ ዝንዓቖ መንፈሳዊ ውግዘት ድሮ ካልእ መዘዝ የስዕበሉ ከምዘሎን በቲ ዝረድእዎን ጸገዐይ ብዝበሎም ኣካላት ይመጾ ከምዘሎ ይስዕቦ ከምዘሎ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ብገለ ውሑዳት ደገፍቱ ኣቢሉ ተቓውሞ ናይ ምልዕዓልን፤ ኣለዉኒ ብዝብሎም “ሰብ ሥልጣን” ኣቢሉ “ኣንጻረይ ዓጢቖም እዮም” ኣብ ዝብሎም መነኮሳትን ካህናትን መሪጌታታትን ዲያቆናትን ጀሚርዎ ዝነበረ ናይ ምጽላምን፤ ካልእ ፓለቲካዊ ዕላማ ከምዘለዎም ኣምሲልካ ብምቕራብ ግዳይ ምፍርራህን ማእሰርትን ንምግባርን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣቦታት ክዘርኦ ዝጸንሐ ናይ ምክፍፋል ውዲቱ ከምዝፈሸለ ካብ ናይ ቀረባ ምንጪታቱ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። እኳ ደኣ ንሱ ነቲ ክብርን ሥልጣንን ገዳማውያን ኣቦታት ንዒቑ፤ ነቲ ዝተወግዘሉ ጕዳይ ብዕሊ ክቕጽሎ እኳ እንተጸንሐ፤ ብዘይሓሰቦ መገዲ ደጋፊኡ ብዝኾነ “ኣመሓዳሪ” ኣብ ዝተጸወዐን ንረብሕኡ ኣብ ዝተወደበን ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተሪር ተቓውሞ ከም ዝገጠሞ እዩ በብወገኑ ዝግለጽ ዘሎ።

Thursday, December 27, 2012

እንቋዕ ናብ ካልኣይ ዓመት ምጅማር ጦማረ ማዕዶት ኣብጸሓና።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ክቡራትን ክቡራንን ተኸታተልቲ ጦማረ ማዕዶት፦

መልእኽትና ‘ማዕዶት’ ኢልና ብዝሰመናያ ጦማርና ኣቢልና ምምሕልላፍ ካብ እንጅምር ድሮ ክልተ ዓመት ኣቝጺርና ኣሎና። ቅድምን ልዕልን ኵሉ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ኅሊናና ኣንቑሑ ንዘጀመረና፤ ኣብ ድኻምና ኃይሊ ኣብ ስንፍናና ጥበብ ንዝሃበና፤ ብዛዕባ ቃሉን ቤቱን ክንዛረብ ልሳነ ኢድና ንዝኸፈተልና እግዚአብሔር ኣምላኽ ስብሐት ይኹኖ ንብል። አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሳና እንተዘይከውን ነይሩ፤ ጸሎት ቅዱሳን እንተዘይድግፈና ነይሩ፤ ዋላ ይውሓድ ብርግጽ ኣብዚ ዘሎናዮ ክንበጽሕ ይትረፍ፤ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ክነሳጉም’ውን ንኽእል ከምዘይነበርና እምነትና እዩ። ሕጂ’ውን ተስፋና ንሱ ሓደ እግዚአብሔር እዩ።

ኣብዘን ዝኃለፋ ክልተ ዓመታት ኣገደስቲ ዝበልናዮምን ቀዳምነት ክወሃቦም ንዘለዎም ጕዳያት ቤተ ክርስቲያን ትንክፍክፍ ከነብል ጸኒሕና ኢና። ምስቲ ዘሎና ብዙኅ መዳያዊ ሕጽረታት፤ ዓቕምና ውሱን፤ ዝርገሐና ድሩት ብምዃኑ ከምቲ ክንኮኖ እንደልዪን፤ ክንኮኖ ዝግባእን ንኸውንን ንገብርን ከምዘየለና እቲ ዝዓበየ ስክፍታና እዩ። ምስቲ ዝውጥጠና ካልእ ብዙኅ ነገራት፤ ካብ ትም ምባል ነቲ ዘሎና ውሑድ ምብርካት ይሓይሽ እናበልና ብኃይሊ ኣምላኽ ንቕጽል ኣሎና። ስለዚ እዩ ድማ ናታትኩም ሱታፌ ብቀጻሊ ክንሓትት ዝጸናሕና።

Thursday, November 29, 2012

“ተዋስኦ ይሁዳ” ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ኣቡነ ሼኑዳ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

Click Here To Read in PDF
ቀድም ኣቦታትና: “ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባ ጉምባሕ ዛግራ ይብልዋ” ብምባል ነቲ ዝደለኻዮ ወይውን ክትጥቐመሉ እትደሊ ዝኾነ ነገር: ኮሓሒሊካን ኣጸቢቕካን ዘይምልክዑ ብምምሳል: ወይውን ስሙን ግብሩን ብምቕያር ወይውን ዘይስሙን ዘይግብሩን ብምሃብ ናብ ረብሓኻ ንምቕያርን ድሌታትካ ንምፍጻምን ንዝቐርብ ናይ ምምስማስ ወይውን ናይ ምጽብባቕ ኣገባብ በዚ ምሳሌ እዚ ክገልጽዎ ይስምዑ ነይሮም። ሎሚ ድማ ዘመን ምስ ግብሩን ኣካይድኡን ተቐይሩ: እቲ ናይ ኣቦታት ምሳሌ ብኣንጻሩ “ክበልዕዋ ዝደለዩ ዛግራ ኣባ ጉምባሕ ይብልዋ” ብዝብል ተተኪኡ ንረኽቦ። ነዚ ዳኅራዋይ ግምጣል ምሳሌ ዝመስል ነገር ከኣ ማለት ከተጠፍኦ ዝደለኻዮ ሰናይ ነገር ብምጽላምን ብምስይጣንን ዘይመልክዑን ዘይስሙን ብምሃብ ዝግበር ኣገባብ ኢና እምበኣር ኣብ ደምበ ሓራጥቃውያን እነስተውዕል ዘሎና። ሓደ ካብቲ ነዚ መበሊና ምኽንያት ዝኾነና ድማ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ አቦና አቡነ ሼኑዳ ዝግበር ዘሎ ናይ ምጽላምን: ናይ ምኽፋእን ከምኡውን ብድሕሪኦም ምእንቲ ክኽሰበሉ ተጠጂኡ ዘሎ ፍሕሶ መናፍቓንን ኣሳሳይቶምን እዩ። እቲ ግዳይ ክኸውንን ክጥባሕ ካራሩ ዝቀራረበሉን ዝሰሓለሉን ዘሎ ድማ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ እዩ። 

ጉጅለ ገብረሚካኤል ዘኣትላንታ ንርእሱ ብወግዒ ካብ ሡርን ጕንድን ቤተ ክርስቲያን ምፍንጫሉ ካብ ዘፍለጠሉን: ዕላማታቱ ከምዝጐናደቦ ብምስትውዓል: ደጊም ከም ድሌቱ’ውን ከም ዘይከውን ብምርዳእ ኣብ ክንዲ ዘሐጕሶ: ከፊእዎ ካብ ዘንጸርጸሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ዕብየት መሪሕነት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብደረጃ መንበረ ጵጵስና ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። እምበኣር ብምምጻእ ብፁዕ አቦና ናብ ሃገረ ስብከትና ብጊሓቱ ዘይተሓጐሰ ጕጅለ መናፍቓን: ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ንነዊሕ ክፍሕሶን ክሰርሓሉን ዝጸንሐን: ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብዝኃየለ መገዲ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ መደብ: ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ኣቦናን መምህርናን አቡነ ሼኑዳ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ኣንጻሮም ቀኒዑ ዘሎ ጐስጓስ እዩ። ኣይሰለጦን እምበር ብእኦም ንዝምእከል ሃገረ ስብከትን: ሕዝበ ክርስቲያንን ንምኽፍፋልን: ንምድኻምን ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። እቲ ሎሚ ብዝያዳ ዘጐሳጕሶ ዘሎ ትንኩል ሓሳብ ድማ ሓድሽ ነገር ዘይኮነስ: ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝነቅል ፍሉጥ ዕላማ ዘለዎ እዩ። እቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያት ናይዚ ተዋስኦ ድማ እቶም ኣዕሩኽት ቀደምን (ናይ ገብረሚካኤል): ኣብ ኣሥመራ ኣብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ተኾይጡ ዘሎ ኣካልን እዮም። ኣላዪ ናይዚ ተዋስኦ ድማ ባዕሉ ገብረሚካኤል እዩ። 

Monday, November 26, 2012

ውግዘት ሠመረአብ ምስ ህልዊ ኩነታቱን መጻኢ ኣመታቱን (ቀዳማይ ክፋል)

Click hear to read in PDF
ሠመረኣብ ቀሺ ወልደ ገብርኤል ሕጂ ምቕማጡ ኣብ ኣሥመራ ኮይኑ፣ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ መበቈል ዓዱን ኣብ ዓዲ ከፈለት (ኣቋቋም)ን ማይ ለሓም (ቅኔ)ን ዝተማህረ እዩ። ቅድሚ ናብ ኣሥመራ ምምጻኡ ኣብ ምጽዋዕ ንንውኅ ዝበለ እዋን ዝተቐመጠን ናብ ግብጺ ንትምህርቲ ከይዱ ዝነበረን እዩ። ሕጂ ድማ ኣብ ደብረ ፀሓይ አቡነ ተክለሃይማኖት ከም ሰባኬ ወንጌል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ሓላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኮይኑ ዝሠርሕ ዘሎ ሓለቓ ተሐድሶኣውያን ውሽጢ ሃገር እዩ። 


መእተዊ
ኣብዚ ቀረባ እዋን፤ እቶም ብጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን ዝፍለጡ ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ልዕሊ እቲ ንነዊኅ እዋን እናተለዋወየን ኣዝዩ መንፈሳዊ ብምምሳልን መናፍቃዊ ትምህርቱ ኣብ ፍሉጥን ዘይፍሉጥን ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን፤ ብሓፈሻ ኣብ ደቂቀ ተዋሕዶ ክዝርግሕ ዝጸንሐ ሠመረኣብ ቀሺ ወልደ ገብርኤል ሰይፊ ውግዘቶም ከምዝመልሑ ክቃላሕ ጸኒሑ እዩ። ንሕና’ውን ንዝረኸብናዮ ሓበሬታ ናባኹም ከምዘለዎ ኣኅሊፍናዮ ምንባርና ይዝከር። እምበኣር ብዙኃት ካባኹም ብዝሓተቱናን ድኅረ ውግዘት ሠመረኣብ ንዘሎ ፍጻሜታት ብዝምልከት ንዝበጻሕና ሓበሬታ ኣወሃሂድና ከነቕርበልኩም ምዃንና ብዝኣተናዮ ቃል፤ እነሆ በብኽፋሉ ነቕርበልኩም ኣሎና። 

Wednesday, November 21, 2012

ተሐድሶ (እኩይን መደናገርን ዕላማ መናፍቓን)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣
ተሐድሶ
(እኩይን መደናገርን ዕላማ መናፍቓን)
. ትርጕምን ዓይነትን ተሐድሶ
ተሐድሶ ማለት ምሕዳስ፣ ምልዋጥ፣ ሓድሽ ምግባር፣ ምብርታዕ፣ ምጽናዕ፣ ምሥራሕ፣ ምጽጋን ማለት እዩ። ኣብ ዓለም ብምኽያት ምንዋኅ ጊዜን ብዝኂ ኣገልግሎትን ግቡእ ኣገልግሎቱ ኪህብ ንዘይከኣለ ወይ ንዝተበላሸወ ኣሐዲስካ ናብ ንቡር ኣገልግሎቱን ሥራሑን ምምላስ ኣሎ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ድማ ምስ ሃይማኖት፣ ሥርዓትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ዘይዛመድ መንፈሳዊ ተሐድሶ ኪግበር ይከኣል እዩ። ብቀንዱ ድማ ተሓድሶ ዝብል ቃል፣ ነቲ ብሓጢኣት ዝበለየን ዝተበላሸውን ሕይወት፣ ብንስሓ ምሕዳስ፣ ምልዋጥ ዝምልከት እዩ። “ብምሕዳስ ልብኹም ደኣ ተለወጡ እምበር፣ ነዚ ዓለም እዚ ኣይትምሰልዎ” (ሮሜ ፲፪፥፪/12፥2)) ከምዝብል ማለት እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ምኅደራ፣ መገድታት ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ንእኡ ዝመስልን ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብዝተኸተለን ብዝሳነን መገዲ ነቲ ህልዊ ዘመን ብምዕዳግ ምምሕያሽ፣ ምሕዳስ ዝከኣል ነገራት ክህሉን ኣገዳሲን ኮይኑውን ዝርከበሉ እዋን ኣሎ። 


ኮይኑ ግና እዚ ክበሃል ከሎ፣ ተሓድሶ ዝብል ቃል ብመሠረቱ ከም ኣገባቡ ዝተፈላለየ ትርጉም ይሃልዎን፣ ንዝዓበየን ንዝጸፈፈን ኣገባብን መደባትን ኣብ ኣሠራርሓን ሜላን ምሕደራን ቤተ ክርስቲያን፣ ብቀንዱ ድማ ንመንፈሳዊ ሕይወት ዝምልከት ይኹን እምበር ካብ ሓራጥቃውያን ምቕዳሕ ዝፍትዉ መከልአን ዘይትርጉሙ ብምሃብ ነታ ዘይተበልይን ወትሩ ሕያው ንዝኾነትን ቅድስት ዝኾነት መንፈሳዊት ቤተ እግዚአብሔር ኣብ ትምህርተ ሃይማኖታ፣ ሥርዓታ፣ ወቦ ዘተርፈ ከምዝምልከት ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ግና ዓቢይ ጌጋ እዩ። ብዓንዲ ነገሩ ነዚ ቃል’ዚ ኣብ ምንታይ ንጥቐመሉ ኣብ ምንታይ ከኣ ንጥንቀቐሉ ብዝግባእ ምርዳእ የድሊ። ሓደ ሰብ ነታ ወትሩ ተሓድሶ ዝግብኣ ሕይወቱ ገዲፉ፣ ነታ ብደም ክርስቶስ ንዝተመሥረተት እሞ መሠረተ ሕይወት ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ‘ተሓድሶ’ ክገብረላ የድልያ ኣሎ ኢሉ ክብገስ ከሎ፣ ረቂቕን ዓሚቕን ንዝኾነ ምሥጢርን ትርጉምን ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይፈልጥ ባዕሉ ኣብ ርእሱ ይምስክር ከም ዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ብዛዕባ ተሓድሶ ዝብል ቃል ኣፍልጦና ብመጠኑ ከነስፍሕ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ከነቕልበሉ ሰናይ እዩ።

Monday, November 19, 2012

ክንጽበዮ ዝጸናሕና ብዓል “መድኃኒት”

Click hear to read in PFD
ፖፕ ቴዎድሮስ (ታዋድሮስ) - ክንጽበዮ ዝጸናሕና ብዓል “መድኃኒት”
ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ነዊሕ ጊዜ ድኅሪ ዝወሰደን፤ ሰፊሕ ምጽራይ ዝተገብረሉን፤ ዝተቀላቐሉ ጌጋታት ብጥበብን መንፈሳውነትን ድኅሪ ምስጋር መተካእታ ኣቡነ ሼኑዳ ሣልሳይ ንዝኾኑ ኣቡነ ቴዎድሮስ (ታዋድሮስ) መበል ፻፲፰ ፓትርያርክ ወፖፕ ገይራ ኣብ መንበረ ማርቆስ ኣብ ዕለት ፳፭ ጥቅምቲ ፳፻ወ፭ ዓ.ም. መሪጻቶም ኣላ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብዚ ኣብጺሑና እዩ እሞ ምስጋናን ውዳሴን እናቕረብና፤ ንዝተሰምዓና መንፈሳዊ ሓጐስ ንገልጽ። ሎሚ ዕለት ፱ ሕዳር ፳፻ወ፭ ዓ.ም. (18/11/2012) ኣብ ዝክብከብ በዓለ ሲመቶም ንዘሎና ኣኽብሮትን ፍቕርን ንገልጽ።

ኣብዚ ጽንኩርን፤ ኣብ ታሪኽ ሥጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ ምዕራፍ፤ ፖፕ አቡነ ታዋድሮስ ብፍቓድ እግዚአብሔር ናብዚ መንበር ምምጽኦም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ብዙኅ ነገር ካብኦም ክንጽበ ዝድርኽ እዩ። ብፍላይ ንቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ደቃን እምብዛ ከገድሶም እዩ። ካብኡ ናብኡ ድማ ፖፕ አቡነ ሼኑዳ ዝኣኽሉ ዓቢይ መምህር ተኪኦም ይመጹ ብምህላዎም፤ ብዙኅ ነገራት ንምንጽጻርን፤ ነዚ ጽንኩር ዘመን ብዝግባእ መንፈሳዊ ተጋድሎ ንምስጋርን ዓቢይ ዕዮ ይጽበዮም ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ። አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኃይሉን ጥበቡን ሂቡ፤ ንቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ይኹን ንተዋሕዶ ሃይማኖቶም ተጠቓሲ ሥራሕን ታሪኽን ክገድፉ ጸሎትናን ትምኒትናን እዩ።

Friday, November 16, 2012

ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን አቡነ ፊልጶስን፤ ነዚ ዘመን ዝኸውን ገድላዊ ትምህርቶም(፬ይን መወዳእታን ክፋል)

Click hear to read in PDF
6.0 መዕረፊ ጋዕዝ 

አቡነ ፊልጶስ ንህያባት ንጉሥ ዳዊት ድኅሪ ምንጻጎም፤ ንርስቲ አቡነ ማዕቀበ እግዚእ (ካብ ደቂ ኤዎስጣቴዎስ) ከም ቀደሞም ክምለሰሎምን፤ ንክልቲኡ ሰናብቲ ከኣ ከምቲ ሕጊ ሓዋርያትን ሲኖዶስን ክኽበር ኣዘዘ። ናይ ንጉሥ ዳዊት ቅልጡፍ ለውጢ ኣብ መትከሉ፤ ኃያል ጽልዋ አቡነ ፊልጶስ ዘመልክት እዩ። እታ ዝተጠበቑላ ሰንበት ክትኽበር ድማ ኣወጀ። ብሕጂ ከኣ ኣንጻር ደቂ ኤዎስጣቴዎስ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ማለት ዝኾነ መከራ ከይወርዶም ኣዘዘ። ብፍሉይ ኣዋጅ ድማ ርስቶምን ክብሮም ክዕቀብን፤ ኣብ ዘደልይዎ ገዳማቶም ከስፍሑን ተፈቕደሎም። ብኣንጻሩ ድማ ቤተ ተክለ ሃይማኖትን ግብጻውያንን ተሣዒርና ኢሎም ከይኵርዩ ጎቦ ፍርዲ ሃበ። ከምቲ ዝሓሰብዎን ከም “ትምህርቲ እስክንድርያን” ሰንበት ክትኽበርን (ሰንበተ ክርስቲያን ጥራይ)፤ መሪሕነት ግብጺ ድማ ብጥብቒ ክኽበርን ኣብ መጋባእያን ቤተ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ዘይኮና ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣወጀ። ክልተ ገጽ ዘለዎ እዚ ተገራጫዊ ውሳኒኡ ድማ ነቲ ሽግር መሠረታዊ መፍትሒ ኣየምጽኣሉን። ክልቲኦም ኣባይቲ ድማ ብውሳኒኡ ዕግበት ኣይተሰምዖምን። 

እዚ ጋእዝ’ዚ ኣብ ጥርዙ ካብ ዝበጽሓሉ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣባይቲ (ደቂ ኤዎስጣቴዎስን ደቂ ተክለሃይማኖትን) ፍጹም ፍልልይ ፈጢሩ፤ ደቂ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ርእሶም ኣግሊሎም፤ ዳርጋ ን120 ዓመት ዝኣክል ካብ ጽልዋን ምምሕዳርን ቅብጣዊትን ኢትዮጵያዊትን ቤተ ክርስቲያን ሓራ ኮይኖም ኣብ ኤርትራ ተወሲኖም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። ናቶም ምምሕዳር ከኣ ኣቝሞም ነበሩ። ኣብዚ ጊዜ ድማ ከም ትንሣኤ ገዳማት ክረአ ዝኽእል ብዙኅ መንፈሳዊ ስርሓት ኣብ ምሉእ ኤርትራ ተሳሊጦም እዮም።