Wednesday, May 4, 2011

ክብረ በዓል መድኅን ዓለም ክርስቶስ፡ ስለምንታይ ፳፯ ሚያዚያ ይኽበር፧


ካብ ሓደ ግዱስ ሓታታይ ዝረኸብናዮ ኣገዳሲ ሕቶ ስለዝበጽሓና፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዘሎኩም ኣፍልጦን ትዕዝብትን ከተካፍሉና ናባኹም መሊስና ንፍንዎ ኣሎና። ጽማቕ ትሕዝቶ ሓታቲና ከምዚ ይብል። 

ከምዝፍለጥ ፳፯ (27) መጋቢት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና ክብል ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝተሰቕለሉን ንዓለም ዘድኃነሉን ዕለት እዩ። ነዚ ዓቢይ በዓል መድኅን ዓለም ክርስቶስ ድማ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ከተኽብሮን ክትዝክሮን ትነብር ኣላ። እዚ ዕለት ብዝበዘኀ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዝውዕል እኳ እንተኾነ፤ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብስሙ ኣብ ዝተሰየሙ ኣብያተ ክርስቲያናት ታቦታት ካብ መንበሮም ተላዒሎም ዑደት ብምክያድ ብዓቢ ድምቀት ከተኽብሮን ንምእመናን ድማ በረኸቱ ከተሳተፍን ትነብር ኣላ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም (ኣሥመራ) ካብዚ ሥርዓት ብዝተፈልየ ኣብ ክንዲ ወርኃ መጋቢት፡ ፳፯ ሚያዚያ ክኽበር ኢና ንርኢ፤ ስለምንታይ፧ ወርኃዊ በዚ ዕለት መድኃኔ ዓለም ዝዝከር እኳ እንተኾነ ዓመታዊ በዓሉ ግና መጋቢት ክኸውን ከምዘለዎ እዮም ዝሓተትክዎም ኣቦታት ዝነገሩኒ። ንምንታይ ከምኡ ይግበር ከምዘሎ ክርድኣኒ ኣይከኣለን እሞ ትርጉም እንተለዎ ምላሽ ክትህቡኒ እሓትት ኣሎኹ። 

ገለ ሰባት ግና እቲ ቤተ ክርስቲያን ንብረ እድ ቀሺ ዲሜጥሮስ ይመርሕዎ ብዝነበሩ ማኅበረ ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት ዝተሃንጸ ብምዃኑ ሓንሳብ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ” ከምዝበሃል ምስቲ ታሪኽ ሃገርና ብዘይዛመድ ኣገባብ ዝኽበር ዘሎ ምዃኑ ብምጥቓስ ክእረም ከምዘለዎ ኣትሪሮም ይዛረቡ። ንቡረ እድ ቀሺ ድሜጥሮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮም ታራና ኣበርኽቶን ብብዙኃት ወገናት ንኡድ ይኹን ደኣ እምበር (ዝወቕስዎምን ኣይተሰኣኑን) ኣብ ታሪኽ ናጻ ኤርትራ ግና ኣብ ፓለቲካ ፈጺሞም ዝጠሓሉን ጸሊም ታሪኽ ዝገደፉን ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ናብ ታሪኽ ክብረ በዓል ገዛ ባንዳ መድኃኔ ዓለም ክንምለስ እሞ እቲ ዘቕርብዎ ታሪኽ ከምዚ ይመስል። 

ኣብ ጊዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም (1935) ብሙሶሎኒ እትምራሕ ኢጣሊያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉን ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝመሓደረትሉን እዋን፡ ናይ ኢትዮጵያ ንጉሥ ሃጸይ ኃይለሥላሴ ናብ እንግሊዝ ከም ዝተሰደዱን፡ ብሓገዝ መቃናቕንቲ ኢጣልያ ዝነበረት እንግሊዝን ውግእ ድብያ ሓርበኛታትን ናብ ሃገሩ ብ1941 ዓ.ም. ዝተመልሱሉን ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉሉን ዕለት ፳፯ ሚያዚያ ስለዝነበረ (ከም ናይ ዓወት ወይውን ናጽነት በዓል) ነዚ ንምዝካር እዩ ይብሉ። ነዚ ድማ ከም መረዳእታ ዘቕርብዎ እቲ ማኅበርን ብፍላይ ድማ መራሒኡ ንቡረ ዕድ ቀሺ ዲሜጥሮስ ምስ ንጉሥ ኃይለሥላሴ ምስ ዝነበሮም ርክብን ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓገዝን የተኣሳስርዎ እዮም። “ካልእ ቤተ ክርስቲያናዊ ሥርዓት ዝተኸተለ ትርጉም እንተዘይብሉ ድማ ክእረም ዘለዎ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን እሞ ነቲ ሓቀኛ ትርጉም ሓቲትኩም ክትነግሩኒ ሓደራ እብል” ይብል ሓታቲና። 

ስለዚ ጕዳይ እትፈልጡ ኣቦታት ይኹን ዓበይቲ ኣብርህ ኣቢልኩም ንሓታቲናን ንተኸታተልትናን ክትመልሱልናን ናባኹም ነብሎ ኣሎና። ነዚ ሕቶ ሎሚ ምፍናውና ድማ ጽባሕ እዚ ክብረ በዓል ኣብ ገዛ ባንዳ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ዝኽበረሉ ስለዝኾነ ምስኡ ኣተሓሒዝና ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ።

1 comment:

  1. ጽቡቕ ነጥቢ ኢኹም ኣልዒልኩም ዘሎኹም። ኣነውን ምስ ኣንበብክዋ ሓቲተ ነይረ። ከምቲ ዝበልኩሞ ምስ ታሪኽና ዘይከይድ ክስተኻኸል ዘለዎ እዩ ኢሎሙኒ። ግና ዝሰምዕ የልቦን። እቶም ነዚ ክውስኑ ዝኽእሉ እዚ ናትኩም ጽሑፍ እንተዘርእይዎ ጽቡቕ መስለኒ።

    ReplyDelete