Saturday, May 7, 2011

ልደታ ለማርያም

ዮም ፍስሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም (ካልኣይ ክፋል) 
መኣስን ኣበይን ተወልደት ስለምንታይ ከ ኣብኡ
ኣዴና ቅድስት ድንግል ቅድሚ ምውላዳ፤ ገና ኣብ ማኅጸን ኣዴኣ ከላ ብዙኅ ተኣምራት ከምዝገበረት ዝተፈልጠ እዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቓስ ግና ቅድስቲ ሃና ድኅሪ ነዊሕ ናይ ምኻንነት ዓመታትን፡ ትጽቢት ውላድን ብምጽናሳ ተሓጕሳ፡ ሓንቲ ዕውርቲ ዝነበረት ሓትንኣ ነቲ ጽንሲ ብኢዳ ዳህሲሳ ዓይና ስለዝተንከፈት ብርሃን ዓለም ረኣየት። ሳሚናስ ዝበሃል ጓል ኣኮኣ (ሃና) ሞይቱ ተገኒዙ ኣብ ዓራት እንከሎ፡ ሃና ኣዝያ ትፈትዎ ስለዝነበረት ነቲ ዓራቱ እናበኸየት ክትበኪ ከላ ጽላሎታ ነቲ ሬሳ ምስ ዓረፎ እቲ ምውት ዝነበረ ተንሥአ። ተንሢኡ ድማ “ሰላም ለኪ ኦ እምሔውቱ ለዘገብረ ሰማየ ወምድረ” (ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ ዓባዩ ንዓኺ ሰላምታ ይግባእ) ኢሉ ሽዑ ንሽዑ ተመሊሱ ዓሪፉ። ነዚ ዝረኣዩን ዝሰምዑን ብዙኃን ሕሙማት ከኣ ይመጹ’ሞ ይፍወሱ ነበሩ። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ንቅንኢ ከም ኽዳን ዝለበስዋ ኣይሁድ ነዚ ተኣምራት ምስ ረኣዩን ሰምዑን “ካብ ማኅፀን ኣዲኡ ከይወጸ ከምዚ ዝገበረ፡ ምስ ተወልደ ደኣ እንታይ ክገብር እዩ፧” ብምባል ንቅድስቲ ሃና ከጥፍኡ ተበገሱ። ሰይጣን ዝሓደሮም ክፉኣት ነበሩ እሞ ብዳርባ እምኒ ቐጥቂጦም ብሓዊ ኣንዲዶም ክቕትልዋ ምኽሪ ገበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን “እምሊባኖስ ትወጽእ መርዓት” (ካብ ሊባኖስ መርዓት ክትወጽእ እያ) ብምባል ዝዝመረላ እቲ ትንቢት ክፍጸም ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብራእይ ተገሊጹ ናብ ኣኽራናት ሊባኖስ ወሰዶም። (መኃ ፬፥፰) 
ኣብዚ ጊዜ እዚ ድማ እያ ኣብ እምባታት ሊባኖስ ቅድስቲ ሃና ኣብ ስደት ከላ ተስፋ ናይ ኵላ ዓለም ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ባሕቲ ግንቦት ፭ሽሕ፬፻፹፭ ዓ.ዓ. ተወልደት። ምስ ተወልደት ድማ እቲ ከባቢ ንሸሞንተ መዓልቲ ብርሃን ዓሰሎ። እዚ ኸኣ ንሳ ከምቲ ትንቢት ዝተነግረላን ሱባኤ ዝተቖጽረላን ኣደ ብርሃን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ብኅልና ኣምላኽ ዝተሓስበት ብምንባራ እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ኣቦታት ሊቃውንቲ ኣብ ዕለት ልደታ “ዮም ፍስሓ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም” ሎሚ ማርያም ስለዝተወልደት ሓጐስ ኮነ እናበሉ እዮም ዘመስግንዋን፤ ዕለት ልደታ ዘብዕልዎን። ንሕና ድማ ከምኡ “አማን በአማን ተወልደት እሙ ለብርሃን” ብሓቂ ብሓቂ ኣደ ብርሃን ተወሊዳ እናበልና ብሓጐስና ብኽብርን ከነብዕሎ ይግብኣና። 

ፍሉይ ትውፊታዊ ሥርዓተ በዓል ልደታ ኣብ ሕዝብና 
ቤተ ክርስቲያን እውን ነዛ ዕለት እዚኣ ወትሩ ብዝተፈላለየ ውዳሴን ቅዳሴን ማኅሌትን ክትዝክራን ከተኽብራን ትነብር ኣላ። ይኹን እምበር ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ሥርዓተ ጸሎትን ማኅሌትን ብዝተፈለየ ኣብ ኅብረተሰብና ባህ ዘብል ትውፊት ድማ ከምዘሎ ካብ ኵልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። 

ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ተወልደት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባትን ኣዝማድ ሃናን ንቅድስት ሃና ከም መብጽሒ ሓራስ ቅጫን ጥጥቖን ቖሎን ገዓትን ሒዞም ይመጽዋ ወይ ይበጽሕዋ ነይሮም። ሎሚ’ውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ቤት ስድራኣ ወጻኢ ኣብ ስደት ከምዝተወልደትን፡ ናይቲ ከባቢ ሰባት ዘምጽኡላ መብጽሒ ብምዝካርን ኣብ ሃገርና ምእመናን ብፍላይ ድማ ኣዴታትና ኣብ ደገ ብምትእኽኻብ ጥጥቖ ን ካልእን ገይረን ከብዕልዎን ንርኢ ኢና። ነቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገር ዝጸንሐ ቅዱስን ክቡርን ባህልና፡ ኣዴታታና ኣብዚ ዕለት ከምቲ ሥርዓት በብከባቢአን ተኣኪበን ምስ ኵሉ ብሓጐስን ብፍቕርን ብፍላይ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ንኽብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝገልጽ ዜማ ክውድሳን ከመስግናን ንዝስኣኑ ድማ ከብልዓን ከስትያን ይውዕላ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕቑቛፍን ሓድነታዊ ትውፊትና እምበኣር ክንዕቅቦ ይግብኣና። 

ልደት ድንግል ማርያም - ሓጐስ ኵልና 
 ንሕና’ውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብፅዕትን መትሕተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡራን ስለዝኾነት ነዛ ዝተወልደትላ መዓልቲ ባሕቲ ግንቦት ብዝበለጸ ኢና እነኽብራ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምውላዳ ሽሕ እኳ ንጊዜኡ ነቦኣን ነዴኣን ሓጐስ ትኹን እምበር እቲ ሓጐስ ኣብኦም ጥራሕ ከይተሓጽረ ንምሉእ ሕዝበ ክርስቲያን እዩ። 

ብርግጽ ልደት ድንግል ማርያም ብዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ፍቱውን ነቶም ኣብ ድነ ሞት ዝነበሩ ሕዝቢ ድማ ከም ወጋሕታ ዝረአ ዓቢ ተስፋ እዩ። ከመይሲ ቅድሚ እቲ ፀሐየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም ምብራቑን ምብርሁን እቲ ናይ ወጋሕታ ብርሃን ብኣኣ እዩ ፈሊሙ እሞ ኵሉ ብልደታ ይሕጐስ። እዚ ክንብል ከሎና ግና ነቶም ልበ ኣምላኽ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “እቶም ንጽዮን ዝጸልእዋ ከይመሓኻዮ ከምዝነቐጸ ከም ናይ ህድሞ ሳዕሪ ይኹኑ” (፻፳፱፥፭-፯) ኢሉ ንዝትነበየሎም ዝምልከት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብኣማላድነታ ንዝኣምንን መትሕተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡራን ምዃና ንእንኣምንን እምበር።

ካብተን ፴፫ በዓላት ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ዝዓበየትን ዝኸበረትን ልደታ ምዃና ባዕላ መስኪራ እያ። “ኣነ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ጸቢብ ናብ ገፊሕ ዝወጻእኩሉ ኣቦይን ኣደይን እውን ካብ ሓዘኖም ዝተጸናንዑሉ ስለዝኾነ ልደተይ እየ ዝፈቱ” ኢላ መስከረት (ነገረ ማርያም)። ንሕና’ውን ነዚ ተሞርኵስና ከነኽብሮ ንነብር። እመ ብዙኃን፡ ወላዲተ አምላክ፡ እመ አልፋን ኦሜጋን ጐይታና ንዓና ኣደ ክትኾነና ዝሃበና እዩ። (ዮሓ ፲፱፥፳፯) ስለዝኾነ ድማ ኣደ ንውላዳ ከም ትሓዝን ናይ ኵላትና ኣደ ርኅርኅተ ኅሊና ድንግል ማርያም ነቲ ዘለዋ ክብሪ ብምንጽባራቕን ብኽብርን ውዳሴን ብኣማላድነታን ምኅጽንትኣን ብምእማን ነቲ ዘለዋ ዘለዓለማዊ ድንግልናን ንጽሕንኣን ንመስክር። 

ንሕና’ውን ነዚ ክቡር በዓል ከምቲ ወለዲ ኣዴና ዝፍጽምዎ ዝነበረ ሰናይ ግብሪ ማለት ንዝጠመየ ብምብላዕ፡ ንዝጽምኡ ብምስታይ፡ ንዝዓረቑ ብምኽዳን ብሓፈሻ ቃላተ ወንጌል ብምፍጻም ድኻ ሃብታም ከይበልና ባእስን ቂምታን ኣወጊድና ብሓባር ኮይንና ነብዕሎ። 

ንኣባ ሕርያቆስ ብቅዳሴኡ፡ ንቅዱስ ኤፍሬም ብውዳሴኡ፡ ንቅዱስ ያሬድ ብማኅሌቱ፡ ንኣባ ጊዮርጊስ ብሰዓታቱ ዘይተፈለየቶም ንዓናውን ኣይትፈለየና። ኣሜን።

1 comment:

  1. ENQA ABEXEHANA BETAMI XEBUQ XEHUF AMLAK YEHAGEZKUM AMEN!

    ReplyDelete