በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ዮም ፍስሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም (ቀዳማይ ክፋል)
ምሳሌን ትንቢትን

ኣዳም ብምኽሪ ዲያብሎስ ተታሊሉ፡ ሕገ እግዚአብሔር ተመሓላሊፉ ጸግኡ ምስ ተገፈን ሞት ምስ ተፈርዶን፡ ብዙኅ ተጣዕሰን ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ተነሰሐን ኣብዚኁ ከኣ ምሕረት ለመነን። ምምላስ ወዲ ሰብ ዝፈቱ ኣምላኽ ድማ ተስፋ ድኅነት ሃቦ። (ዘፍ ፫) ብተወሳኺ’ውን “ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ” ብምባል ቃል ኣተወሉ። (መጽ ቀሌም ፤ ገላ ፬፥፭) ነዚ ናይ ተስፋ ቃል ሒዙ እዩ ድማ ኣዳም ካብ ገነት ዝወጸ። በዚ መሠረት ድማ እዩ ኣቦታት ብዛዕባ እዚ ተስፋ ብብዙኅ ምስላን ትንቢትን እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም ኣስፊሖምን ኣምሊኦምን ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝገልጹ ዝነበሩ። ሓዋርያት’ውን እዚ ተስፋ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝተወልደ ክርስቶስ ኣምላኽና ከምዝተፈጸመ ኣርጊጾም ሰቢኾም ኣለዉ። (ቀዳማይ ዮሓ ፩፥፩-፫) ካብቶም እግዚአብሔር ዝገለጸሎም አበው ሊቃውንትውን ሓደ ዝኾነ ኣባ ሕርያቆስ ነዚ ከዘኻኽር ከሎ ኣብ ናይ ቅዳሴ ማርያም መጽሓፉ “አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እም ገነት” ክብል ገለጺዎ ነበረ።
ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ኅልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና መጠን ገና ከይተወልደት ከላ ትንቢት ተነጊሩላ እዩ። ምስ ተወልደትውን ኣደ ኣምላኽ እናተባህለት ከም እትነብር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምስክሩላ እዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ዝተነግረ ትንቢት ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ ወይዓርግ ጽጌ እምጕንዱ”( ካብቲ ክሩት ጕንዲ እሴይ ኸኣ ሓደ ጠጥዒ ክጭብጭብ እዩ። ሓደ ጨንፈር ከኣ ካብ ሱሩ ፍረ ክፈሪ እዩ)። (ኢሳ ፲፩፥፩) ኢሉ ተነቢዩ ነይሩ። እዚ ማለት በትሪ ወይ ጠጥዒ ዝተባህለት ወይ ብጠጥዒ ዝትመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ፡ ዕንባባ ወይ ፍረ ዝተባህለ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ’ውን ኣምላኽ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ’ውን ነፍሲ ነሢዑ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት እዩ። ቅዱስ ያሬድ ነዚ ትንቢት ኣብ መዝሙሩ ክትርጉሞ ከሎ “ይእቲ በትር አምሳለ ማርያም ቅድስት ይእቲ ወጽጌ ዘወጽአ እምኔሃ አምሳሉ ለወልድ” (እዚኣ በትሪ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ እያ። ካብኣ ዝወጸ እምበባ’ውን ናይ ወልድ ምሳሌ ) ኢሉ ኣሎ።
“እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ዘርኢ እንተዘይሓድገልናስ ከም ሰዶም ምኾንና ንጎሞራ’ውን ምመሰልና” (ኢሳ ፩፥፱) “እግዚአብሔር ንጽዮን ኃረያ፤ መኅደሪኡ ኽትከውን ከኣ በሃገ። እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ። ብሂገያ እየ እሞ ኣብ’ዚኣ ክነብር እየ” ይብል (መዝ. ፻፴፪፥፲፫-፲፬) ዝብሉን ካልኦት ብቀጥታ ይኹን ብምስላ ዝተነግሩ ኣዝዮም ብዙኃት ትንቢታት ነዚ ዘመልክቱ እዮም። ስለዚ ድማ ኵሎም አበው ነቢያት ብሓፈሻ ደቂ ኣዳም ነዚ ተስፋ ክፍጸም ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ከምዝነበሩ ዘመልክት እዩ። ብቀንዱ ኣቦ ኵላትና ዝኾነ ኣዳም፡ ድንግል ማርያም ካብ ኣብራኹ ከም እትኽፈልን ካብ ማኅፀን ሔዋን ከም እትውለድ ብምፍላጡ ድማ ንሔዋን “ሕይወተይ” ይብላ ነበረ። (ዘፍጥ ፫፥፳)። ካብ ኣዳም ዝጀመረ ትንቢትን ምሳሌን ከኣ ክሳብ ኣብርሃም ከምኡ እናበለ ናብ ሙሴን ዳዊትን ክሳብ ወለዳ ከምዝበጸሐ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቡዙኅ ምሥጢር የረድኡና እዮም።
ወትረ ድንግልን ንጽሕትን
ካብ ዘርኢ ኣዳም ካብ ወገን እሴይ ክትመጽእ ዝጽበይዋ ዝነበሩ ኣደ ኣምላኽ፤ ምልክታ እንታይ ምዃኑ ባዕሉ እግዚአብሔር ብነቢያት ሓዲሩ ነጊርዎም ነበረ። እዚ ኸኣ ወትረ ድንግል ምዃናን፡ ንኣምላኽ’ውን ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ከምእተወልዶ ዘረድእ እዩ ዝነበረ። ስለዚ ተስፋ ኣበው ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምጽናሳ፡ ኣብ ዝጸነሰትሉ እዋን፡ ድኅሪ ምጽናሳ፤ ቅድሚ ምውላዳ፡ ጊዜ ወሊድ፡ ድኅሪ ወሊድ ኵል ጊዜን ንዘለዓለምን ድንግል እያ። ብዛዕባ እዚ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብግሁድን ብምሳሌን ዝገለጽዎ እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሥጋኣ ድንግል ብኅልናኣውን ድንግል እያ። ነቢይ ኢሳይያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ፮፻ ዓመታት ኣቐዲሙ “እግዚአብሔር ኣምላኽ ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፡ እንሆ ድንግል ክትጸንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፤ ስሙውን አማኑኤል ክትሰምዮ እያ” ኢሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብድንግልና ንመሲሕ ክርስቶስ ከምእትወልዶ ብግልጺ ኣቐሚጥዎ ነበረ። (ኢሳ ፯፥፲፬ ማቴ ፩፥፳፪-፳፫)
ነቢይ እግዚአብሔር ሕዝቅኤል ኣብ ትንቢቱ ከምዝገለጾ “ድኅሪ’ዚ ናብ መንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ መስኮት ደገ መቕደስ መለሰኒ፤ ዕጽውቲ ኸኣ እያ። እግዚአብሔር ድማ በለኒ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን ኣይትከፈት። ሰብ’ውን ኣይእተዋ። እግዚአብሔር አምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር” ኢሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዓለማዊት ድንግል ምዃና ብትንቢትን ምሳሌን ጽሒፉ ንረኽቦ። ወልደ ዳዊት ሰሎሞን’ውን “ኣቲ ኃብተይ መርዓተይ እተሸጎረ ገነት ዕጽዊ ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ” ክብል ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ድንግልና ኣዴና ጽሒፉ ንረኽቦ” (መኃ ፬፥፲፪)
ኣዴና ብኸመይን ካብ መንን ተወልደት፧
ወለዲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያቄምን ሃናን ይበሃሉ። ኣቡኣ ኢያቄም ካብ ነገደ ይሁዳ ክኸውን ከሎ ኣዴኣ ሃና ድማ ካብ ነገደ ኣሮን እያ። ክልቲኦም ድማ ኣኽበርቲ ሕገ እግዚአብሔርን ርኅሩኃትን ለጋሳትን ነበሩ። ካብቲ ጽቡቕ ግብሮም ድማ ንዝጠመየ ዝጸመዐን ምብላዕን ምስታይን ንዝዓረቐ ድማ ምኽዳን ይፈትዉ ነበሩ።

ስለዚ ድማ ንግሆን ምሸትን ተስፋ ብዘይ ምቍራጽ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብምኻድ ኵሉ ጊዜ ይጽልዩ ከምዝነበሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ይነግረና። ብኸምዚ ብዙኅ ዓመታት ምስ ኣኅለፉ፡ ኣሚኖም ንዝቐርብዎ እግዚአብሔር ቐረባኦም እዩ እሞ፡ ጸሎቶም ሰሚዑ ልመናኦም ተቐቢሉ ሓሳብ ልቦም ከምዘሥምረሎም ብምእማን ኣብ መወዳእታ ተመባጽዑ። ኢያቄምን ሃናን ክመበጻዑ ከለዉ ውላድ ክህቦም ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቲ ዝተዋህቦም ውላድ ኣብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነብር ክኸውን፡ ሰብ ዘየቐይም ንፈጣሪኡ እውን ዘየሐዝን ክኾነሎም ለመኑ። እንተወሊድና ሓሪስና ወሪድካን ደይብካን ሓግዘና ኣይንብሎን፡ እንታይ ደኣ ቤተ እግዚአብሔር ከምዘገልግል ክንገብር ኢና። ከምኡ እውን ጓል እንተደኣ ወሊድና ድማ ማይ ወሪድኪ ኣስትይና፡ ዕንጨይቲ ኣሪኺ ሓግዝና ኣይንብላን፡ እንታይ ደኣ ንቤተ እግዚአብሔር ዘድልዩ ነገራት እናሰርሐት ክትነብር ንቤተ እግዚአብሔር ክንህባ ኢና ኢሎም ተመባጽዑ። ኣብ መንገዲ እናተመልሱ ከለዉ’ውን ረጋቢት ምስ ጨቓዊቶም ክጻወቱ ርእዮም፡ ኦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነዚኦም ረጋቢት ክባዝኁን ክፋረዩን ዝፈቐድካ ንስኻ ኢኻ። ንዓና ንባሮትካ ካብዚኦም ረጋቢት ስለምንታይ ኣትሓትካና ኢሎም ኣምሪሮም ለመንዎ። እዞም ክልተ ናይ እግዚአብሔር ሰባት ከምቲ መብጽዕኦም ድማ ተሰማሚዖም ናብ ገዝኦም ምስ ከዱ ሓደ ዘገርም ራእይ ረኣዩ። ንሱ ድማ ሃና ዝረኣየቶ ራእይ ክትነግሮ ከላ “ምዕሩግ ግምጃ ክትዕጠቕ፡ መቖምያኻ ድማ ለምሊማን ዓምቢባን ፈርያን፤ ንፍሪኣ ድማ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጡር ክበልዖ ከሎ ረአኹ” በለቶ። ኢያቄም ነዚ ምስ ሰመዐ ብወገኑ ንሃና ከምዚ ክብል ነገራ። “ሓንቲ ጻዕዳ ርግቢት ሸውዓተ ሰማያት ሰንጢቓ ወሪዳ ኣብ ርእስኺ ኮፍ ክትብል ርእየ” በላ። እግዚአብሔር ብረድኤቱ ስለዝረኣዮም ድማ ብ፯ ነሓሰ ኣዴና ቅድስት ማርያም ተጸንሰት። ኣብ ማኅፀን ኣዴኣ ከላ ዘደንቕ ተኣምራት ብምግባር ብዙኃት ድውያት ኣንጺሃን ኣድኂናን ተወልደት።
ይቕጽል..
No comments:
Post a Comment