Sunday, May 15, 2011

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብፁዕ አምላክን ገዳሞምን

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብፁዕ አምላክን ገዳሞምን (ካልኣይ ክፋል)
ምግላጽ ሥላሴ
ኣቦና ብኸምዚ ኣገባብ ብኣዝዩ መንፈሳዊ ጥብዓት ተጋድሎኦም እናፈጸሙን፤ በቲ ጥዑመ ልሳኖም ርቱዕ ትምህርትን ሃይማኖትን ቅኑዕ ሥነ ምግባርን ንሕዝቢ እናመሃሩ ኣብ ገዳም ደብረ ኮዳዱ ጸንሑ። ሕዝቢ’ውን ኣዝዩ የፍቅሮምን የኽብሮምን ነበረ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ብሕትው ጸሎቶም ከለዉ፡ ኣዝዩ ዘደንቕ ትርኢት ሰማያውያን መላእኽቲ ክርእዩ ጀመሩ። እቲ ዝርእይዎ ዝነበረ ተኣምር’ውን ኣዝዩ ዘፍርህን፡ ደፊርካ ክጥምትዎን ዘይከኣል ነበረ። እቲ ትርኢት መላእኽቲ ከኣ ብኣዝዩ ዘናውጽ ነጐድጓድን ማሕታ በርቅን ዝተሰነየ ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ድማ በዚ ፍሉይ ተኣምር ወዲቖም ንዝነበሩ ኣቦና ኣተንሥኦምን ኣበርትዖምን። ሥላሴ ከም አበ ብዙኃን ኣብርሃም ኣብ ኣድባር መምሬ ዝተገልጹሉ ብኣምሳል ሠለስተ ሰባት ተገሊጾም ሰላምታ ኣቕረቡሎም። ኣቦና ግና ግርምኦም ርእዮም መኳንንቲ ሃገር መሲሎሞም ነበሩ። ሥላሴ ግና ብመጠን ሕያውነቶም ዝተገልጹሎም ምዃኑ ነጊሮም፡ መንነቶም ንኣቦና ነገርዎም። ከምዚ ድማ ኢሎም ኣዘዝዎም። “ኦ ብፁዓ አምላክ አገልጋሊና ነዚ እመን፡ ከምዚ ኢልካ ከኣ ስበኽ፡ ቃልካ ዓው ኣቢልካ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ልቢ ዘለዎ የስተውዕል፤ ንዝኽሪ ሥላሴ ብዕለት ፳፮ በዓል ኮይኑ ክብዕል አዝዝን መሃርን። እዛ ዕለት እዚአ ዓባይን ክብርትን እያ፡ በዛ ዕለት እዚአ ሓደ ካባና ሥጋ ለቢሱ ፍሥሐ ኦሪት በሊዑ፡ ሥርዓተ ቁርባን ዘርኣየላ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ዝሐጸበላ እያ።” ኢሎም ነገርዎም። ደቂ ሰባት ከብዕልዎ ድማ ንኵሎም ሕዝቢ ኣዝዞም በልዎ። በዚ መሠረት ድማ አብ ከባቢ ገዳም ኮዳዱ ዝርከቡ ዓድታት ክሳብ ሎሚ ብትምህርቲ አቡነ ብፁዓ አምላክ ተማእዚዞም ፳፮ አብ ወወርሑ የብዕሉዎ አለዉ።
ጉዕዞ ካብ ደብረ ኮዳዱ ናብ ደብረ ምዕዋን
ኣቦና ብዙኅ ዓመታት ብተባሕትዎን ኣስተምህሮን ኣብ ገዳሞም ደብረ ኮዶዱ ድኅሪ ምቕማጦም፤ ዕረፍቶም ኣብዚ ገዳም ከምዘይከውን ተገልጸሎም። እቲ ምግላጽ’ውን ኣብ ሰማይ ዝተፈጸመ ነበረ። እቶም መላእኽቲ ናብ ፳፬ ካህናተ ሰማይ ከምዝወሰድዎምን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ዓለማት ከምዘቖምዎምን፡ ነቲ ብመጠኖም ዝተገልጸ ዘፍርህ ግርማ ሥላሴ ክሰግዱ ፍግም ኢሎም ከምዝወደቑ ገድሎም ይገልጽ። ዳኅራይ ካብ ዝወደቕዎ ኣተንሢዕዎም፤ እታ ዝፈትውዋ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ መጺኣ ባሪኻቶም።

ሽዑ እግዚአብሔር ኣምላኽ “ኣቡነ ብፁዓ ኣምላኽ፤ ልኡኽና ንስኻ ኣብ ዘለኻሉ ምስጋናና ኣይጐድልን እዩ። እሞ ንደቕኻ ከኣ መሃሮም። ጊዜ ሞትካ ቀሪቡ እዩ እሞ ቤተ ክርስቲያን ስራሕ፡ ድኅሪኡ ናብቲ እትዓርፈሉ ቦታ ክወስደካ” በሎም። ነዚ ምስ በሎም ድማ ብመልኣኹ ኣቢሉ ባሕረ እሳት ሲኦል ኣርኣዮም። ኣብቲ ሲኦል ኸኣ ነቶም ነፍሳት ዝቐጽዕዎም ዘይደኽሙ፤ እቲ እሳት’ውን ዘይጠፍእ፤ እቶም ባልዓት’ውን ዘይዕርፉ ምዃኖም ረኣዩ። ብዝሓተትዎ መሠረት ድማ ብናይ ሓዊ ኣፍራስ ናብቲ ሲኦል ኣተዉ እሞ፡ ቍጽሮም ክፍቀድ ዘይከኣል ኣብኡ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ኣዝዮም ብዙኃን ኃጥኣን ረኣዩ፤ ስለዝደንገጽሎም ድማ ንገሊኦም ካብ ሲኦል ከምዝዝመትዎም ገድሎም የረድእ። ንኵሉ እቲ ዘስክሕ ነገር ምስ ረኣዩ ኣቦና ንምንታይ ናብዚ መጻእኩ ኢሎም። እቲ መልኣኽ ግና ኣጸናንዖም። ዝኽሮም ዝገበረ ነዚ ከምዘይርእይን ኣብዚ ከምዘይኣት'ውን ድማ ቃል ኪዳን ከምዘለዎም ገለጸሎም። ድሕሪኡ ካብኡ ወጺኦም ንደቀ መዛሙርቶም ቦታ ዕረፍቶም ካልእ ከምዝኾነ ነገርዎም። እቲ ሕዝቢን እቶም ደቀ መዛሙርቶም’ውን ኣዝዮም እኳ እንተጓሃዩ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን እሞ፡ ብጸሎቶምን ብመንፈስን ከም ዘይፍለይዎም ቃል ኣትዮም መገዶም ናብ ደብረ ምዕዋን ኣቕንዑ።
ቅድሚ ደብረ ምዕዋን (ጐደይቲ) ምብጽሖም ድማ ኣብ መገዲ ኣብ ዝርከቡ ዓድታት ብዙኅ ትምህርት እናሃቡን፡ ተኣምራትን እናፈጸሙ ምስ ደቀ መዛሙርቶም ይኸዱ ነበሩ። ኣብታ ዓቐብ ናይ ደብረ ምዕዋን ምስ በጽሑ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቶም ከዕርፉ ነገርዎም። ደቀ መዛሙርቶም ግና እቲ ቦታ ንኣኣቶም ዝኸውን ከምዘይኮነን፤ እቲ ምድሪውን ሽፍታ ዝበዝኆን፡ ተጻብኦ ኣራዊትን ኣጋንንት ዝረኣየሉ ስለዝነበረ ንኣቦና ካልእ ቦታ ክኃርዩ ተላበውዎም። ኣቦና ግና ንምንታይ ከምዚ ትብሉ ኢሎም ገሰጽዎም። ወገን ምብራቕ ገጾም መሊሶም ድማ መዝሙረ ዳዊት ብምድጋም፤ ብመስቀሎም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ባረኽዎ። እቲ ቦታ’ውን ተቐደሰ። ኣብቲ ቦታ ብኣምሳለ ኣርዌ ዝነበረ ዘመደ ሌጌዎን (ሰይጣን) ከኣ ጠፍአ። ቍመት እቲ ገበል ካብቲ ገዳም ክሳብ ሓሊቦ ይበጽሕ ኸኣ ነበረ፤ እዚ ማለት ከኣ ጭርኡ ኣብታ ዓባይ ኣውሊዕ ገዳም ተጠምጢሙ፡ ዓዲ ሓሊቦ ይሰቲ ነበረ። ኣብኡ ድማ ማኅበሮም ኣቝሞም ንቝሩብ ዓመታት ተቐመጡ።

ዕረፍትን ቃል ኪዳንን
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣቦና ኣብ ደብረ ኮዳዱ ንብዙኅ ዓመታት ብገድልን ተባሕትዎን ይቐመጡ ደኣ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ዕረፍቶም ኣብዚ ገዳም ከምዘይኮነ ተረዲኦም፡ ካብዚ ዓለም ቅድሚ ብሥጋ ምፍላዮም ንሕዝቢ ጽልማ ተሰናቢቶምን በዓለ ሥላሴ ካብ ምኽባር ከየብኵሩ ተላብዮምን ናብ ደብረ ምዕዋን እዮም መጺኦም። ዳግማይ’ውን ፲፫ መጋቢት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ “ሞትካ ቀሪቡ እዩ እሞ ንደቅኻ ተላበዎም መዓዶም” በሎም።
ነቲ ሓድሽ ገዳሞምን ማኅበሮምን ድማ ብዝግባእ ኣደላዲሎምን ሕግን ሥርዓትን ሠሪዖም ድማ ብዙኅ ከይጸንሑ ኣብ መበል ፸፭ ዓመት ዕድሚኦም ብ፱ ግንቦት ፲፭፻ ዓ.ም. ዓሪፎም አብ ገዳሞም ደብረ ምዕዋን ተቐብሩ። ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም ድማ መላእኽቲ ብዝማሬን ማኅሌትን ከምኡውን ዳዊት ወዲ እሴይ ብመዝሙሩ “ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚአብሔር” እናበሉ ተጋብኡን ዘመሩን። ጐይታ ድማ ንነፍሶም ካብ ሥጋኦም ፈልዩ ብኽብሪ ተቐበላ። ሓቝፉን ስዒሙን ድማ ናብ ክብሪ ቦታኣ ክትኣቱ ንቅዱስ ሚካኤል ሃቦ።ብመሠረት ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን ድማ ክሳብ ሎሚ ኣብ መቓብሮም ተኣምራት ይፍጸምን፤ ማየ ጸሎት እናተሓጽቡን ዝተፈወሱን ዝፍወሱን ናይ ሥጋ ይኹን ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ቍጽሮም ክንዲ’ዚ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ።

ስለዚ ኣብቲ ዕለተ ዕረፍቶም ድማ (፱ ግንቦት) ዓመት መጸ ኣብዘን ገዳማትን ከባቢ ዓድታትን፡ ድምቕ ብዝበለ ኣገባብ ዝኽረ በዓሎም ክኽበር ይነብር ኣሎ።

ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ገድሎም ዝጸሓፍሎም ድማ ወዲ መዝሙሮም ዝነበሩ በኵረ ድንግል እዮም። ኣብዚ ገዳም’ውን ብስም ወዲ መዝሙሮም በኵረ ድንግል ዝተሃንጸ ቤተ ክርስቲያን ኣሎ።

ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵላትና ሕዝቢ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን። 

2 comments:

  1. ነዛ ገዳም ኣጸቢቐ እየ ዝፈልጣ። ዓዲ ከሎኹ ክልተ ግዜ ነጊደያ እያ። ስእላ ምስረኣኹ ፍቕሪ ናይቲ ገዳምን ኣቡኡ ዘለዉ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡውን በረኸት እቶም ጻድቕ ተዘኪሩኒ። ብሓፈሻ ዝፍኖ ዘሎ ኦርቶዶክሳዊ ዝኾነ መደብ ትምህርትኩም ብፍላይ ድማ ገዳማት ንምልላይ ትገብርዎ ዘሎኹም ስራሕ ኣዝዩ ሰናይ እዩ እሞ ኣምላክ ኣቦታትና ሓይሊ ይሃብኩም። ጸላኢ የዐግስልኩም።

    ReplyDelete
  2. በብእዋኑ ብትህቡና ትምህርቲ ሕጉሳት ኢና። ቃለ ሕይወት የስምዓልና። ብዙሕ ሰብ ግና ብፍላይ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ስለዘይፈለጥዋ ክከታተልዋ ኣይከኣሉን እሞ። ኵልና በብዘለናዮ ነላልያ፤ ነቶም ኣዳለውታ ድማ ስሌኦም ጸሎት ብምግባርን ሓሳብ ብምሃብን ንደግፎም።

    ReplyDelete