Sunday, May 1, 2011

ዳግም ህንጸት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዓዲ ቐይሕ


ጽባሕ ዕለት ፳፫ ሚያዚያ ፪ሺሕ፫ ዓ.ም. ብነፍርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ዓንያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዓዲ ቐይሕ ዳግም ብሓድሽ መልክዕ ተሃኒጻ ከምእትምረቕ ካብቲ ከባቢ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። 

እዚኣ ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን ብዕለት ፯ ሚያዚያ ፲፱፻፺፩ ዓ.ም. (15 ሚያዚያ 1999) ብነፈርቲ ኢትዮጵያ ቡንባ ዘኒቡላ ፈጺማ ፈሪሳ ከምዝነበረት ዝዝከር እዩ። በቲ ጊዜ እቲ መንግሥቲ ኢትዮጵያ “ወተሃደራዊ ዕላማታት ኢና ወቒዕና” ዝብል ምስምስን ምኽንያትን እኳ ኣቕሪቡ እንተነበረ፡ ብግህዶ ግና ነዛ ምእመናን ብኽብሪ ዝጥቀሙላ ቤተ ክርስቲያን ወቒዑ ከምዘፍረሰ ዝዝከር እዩ። በቲ ጊዜ እቲ’ውን ሊቀ ካህናት ደቡባዊ ሃገረ ስብከት ዝነበሩ መምህር ጽጌ (ሕጂ ኣቡነ ሉቃስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ) ድኅሪ ደብዳብን ዕንወትን ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም መሪር ብኽያት እናበኸዩ “ተመስገን” ዝብል ቃል የውስኡ ምንባሮም ንብዙኃት ዘገረመ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ተመስገን ምባሎም፡ ከምቲ ንሶም በቲ ጊዜ እቲ ዝገለጽዎ፡ ነቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓዊ (ቡምባ) ንሱ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብተኣምራቱ ንሕዝቡ ኣድኂኑ፡ ነቲ መዓት ባዕሉ ስለዝተሸከሞን፡ ስለዝተበጀወን ምዃኑ ገሊጾም ነይሮም። ሽዑ’ውን ነዚ ዝፈረሰ ህንጻ፡ ዳግማይ ሰብ ክሰርሖ እዩ፤ እቲ ዘይትካእ ሰብ ግና ብምድኃኑ ከም ተኣምራት ዝቑጸር እዩ ይብሉ ነይሮም። ብሓቂ ድማ እቲ ሓደ ቡምባ ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ብምውዳቑ ብዙኃት ሰባት ክድኅኑ ከምዝኸኣሉ ዝእሙን ነገር እዩ። 

ድኅሪ ፲፪ ዓመታት ዝወሰደ ትጽቢትን ጻዕርን ድማ እዚኣ ቤተ ክርስቲያን ዕንወታ መጸበቒኣ ኮይኑላ፡ ብዝሓሸ ኣገባብን ተወሰኽቲ ኣገልግሎት ከም ትህብ ኮይና ዳግም ተሃኒጻ ኣላ። ብፍላይ ድማ ጥንታዊን ታሪኻዊን ቦታትትን ኣሰራትን ሃገርና ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ምስቲ ደረጃ ሃገረ ስብከት ዝምጥንን ሰፊሕ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ቤተ ክርስቲያን ምህናጽ ኣገዳስነቱ ንኵሉ ብሩህ እዩ። እዚ ድማ ብደረጃ ሃገር ዝረኣይን ንምእመናን ድማ ብፍላይ ባህ ዘብል ፍጻመ እዩ። ኣብዚ ዕዮ ብኵሉ ዝተሳተፉ ድማ ኣምላኽ ክብሪ ይሃቦምን፡ ስሞም ኣብ ዓምደ ወርቂ ይጽሓፈሎምን ንብል። ኣተሃናንጻን ቅዲ ስነ ህንጻ ብዝምልከት ብዙኅ ሓበሬታ እኳ እንተዘይበልና’ውን ግሩም ብዝኾነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትርጉምን ምሳሌን ብዘለዎ ዘደንቕ ጥበብ ከምዝተሃንጸ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ። 

ዕንወትን ዳግም ምህናጽን ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ (ዓዲ ቐይሕ) ኣብ ነስትንትነሉ እዋን ቀልጢፉ ብዓቢይ ሥዕሊ ኣብ ኣእምሮና ነመላልሶ ነገር እንተሎ፤ ብሕማቕን ግዕዙይን መንፈሳዊ ምሕደራ፡ ጕስነት ምእመናን ኣጥፊኣን ብኵሉ መለክዒታት እትዓኑ ንዘላ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ከምኡ ትንሣኤኣን ዳግም ህንጸታን ከርእየና ንኣምላከ ቅዱስ ጊዮርጊስ ክንምኅጸን ከምዝግባእና እዩ። ንቅዱስ ዕላማ ምትኅብባርን ምሥማርን እግዚአብሔር ዝፈትዎ እዩ። ካብ ኮነ ድማ ኵልና ስለ ቤተ ክርስቲያን ዕብየትን ትንሣኤን እንተንተኃባበርን እንተንሠምርን ምስ ጥበበኛ ሰሎሞንን ዘሩባቤልን ዝነበረን ዝተራደአን እግዚአብሔር ንዓና’ውን ከምዝራድእና ዘጠራጥር የብሉን። 

ስለዚ ንአምላከ ቅዱሳን እንልምኖ ነገር እንተደኣ ሃልዩ፡ “ኢታርእየነ ሙስናሃ ለኢየሩሳሌም” ኢሎም ከም ኣቤሜሌክን ባሮክን ዝኣመሰሉ ኣቦታት ንእግዚአብሔር ከምዝለመኑዎን ከምዝሰምዖምን፤ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣትዩ ዘማስነናን ዝበታትነናን ዘሎን፤ ንመናፍቓን’ውን ዕድል ዝኸፍተሎም ዘሎ ሕማም ተኣልዩ፡ ብሓባር ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎና ምእመናንን ኣገልገልትን ከም ሓደ ልቢ መኸርቲ ከም ሓደ ቃል ተዛረብቲ ኮይንና ስለ ቤተ ክርስቲያንና ንጽዕተሉ ዘመን ምእንቲ ከምጽኣልናን ከርእየናን እዩ። 

ብሓቂ ድማ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና’ውን ከርእየና፡ ንዝመጽእ ወለዶታትውን ካብ ኣቦታትና ዝተረከብናያ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖትና ከምቲ ዝግባእ ዓቂብና ከነርክባ እግዚአብሔር ኃይሉን ጥበቡን ይሃበና ንብል። 




No comments:

Post a Comment