ትንቢትን ፍጻመን(ቀዳማይ ክፋል)


በዚ መሠረት ከኣ ፳፬ ግንቦት ናብ ግብጺ ዝኣተዉላን፡ ስደቶም ድማ ኣብቒዑ ክምለሱ ከለዉ መወዳእታ ዘዕረፉላ ደብረ ቍስቋም ፮ ኅዳር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዝከር።
ስደትን ዘመኑን

ኣብ ስደት ዝጸንሕሉ እዋን ሠለስተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን (፵፪ ኣዋርሕ) ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ብዙኅ መከራን ጸበባን ይርከቦም ደኣ እምበር፡ ኣብ ዝኸድዎ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት ፈጺሞምን፡ ዓቢ በረኸት ዘለዎም ቃል ኪዳናት ሂቦምን እዮም። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ናይ ስደት ዘመንን እዋንን ፈልያ እተኽብረሉ ኣገባብ ድማ ኣለዋ። ነዚ እትዝክረሉ ዘመን ዘመነ ጽጌ፤ ነቲ ወርሓት ድማ ወርሓ ጽጌ፤ ነቲ ሽዑ ዝቐርብ ማኅሌት ድማ ማኅሌተ ጽጌ፤ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝጽወም ጾም ድማ ጾመ ጽጌ ብምባል ኣዝዩ ብዝምስጥን ብዝጥዕምን ማኅሌት ስደት ኣዴናን ወዳን ከተኽብሮን ክትዝክሮን ትነብር ኣላ። እቲ ስደት ዝዝከረሉ መዓልትታት ድማ ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፮ ሕዳር ምዃኑ ይፍለጥ።
ደብረ ምጥማቅን ቃል ኪዳናን
ጐይታ ምስ ኣዲኡ ኣብ ዝተሰደዱሉ እዋን፡ ጸምጸም በረኻታት ቖሪጾም ግብጺ ካብ ዝኣተዉሉ እዋን ኣትሒዞም ዝበጽሕዎን ዝተዓቝቡሉን ዝባረኽዎምን ቦታታት ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ኣብዚ ናይ ስደት እዋን፡ ኣብ ግብጺ ጥራይ ካብ ዝበጽሕዎምን ዝተቐመጡለን ቦታታትን ክሳብ ሕጂ ምስ ታሪኾም ብንጹር ተፈልዮም ዝፍለጡ ኣስታት ፳፪ ዝኾኑ ቦታታት ድማ ኣለዉ። ሓደ ካብኣታቶም ድማ ፭ መዓልቲ ዝተቐመጡላ ደብረ ምጥማቅ እያ። እቲ እዋን ድማ ካብ ፳፩ - ፳፭ ግንቦት ኮይኑ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ታሕታይ ግብጺ ትርከብ። እቲ ብጽሑፍ ይኹን ብሕያው ታሪኽ ክንርድኦ እንኽእል ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ህጻንነቱ ምስ ክብርቲ ኣዲኡ ኣብ ዝተሰደደሉ እዋን ንብዙኃት መካናት ፈልዩ ከምዝባረኾምን ቃል ኪዳን ከምዝኣተወሎምን ዝተኣምነ ነገር እዩ። በዚ መሠረት ድማ እቲ ቃል ክውን ኮይኑ እንረኽቦ፡ ኵሎም ቃል ኪዳን ዝተኣትወሎም መካናት፡ መናንያንን ባሕታውያንን ዝሰፈርወንን ኣብ ምድሪ ከም መላእኽቲ ኮይኖም ዝነብሩሎምን ገዳማት ምምስራቶም እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነሲ ዝበዘኃ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሃንጻን ታቦት ዝተቐርጸለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብዘን ገዳማት ምቛመን እዩ። ኣብ ሃገርናን ከባቢና’ውን እዚ ኪዳን ክውን ኮይኑ ንረኽቦ ኢና።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ንኃሙሽተ መዓልቲ ዘዕረፈላ ቦታ ኮይኑ ድማ ነዲኡ ከምዚ በላ። “ኦ ኣደይ ድኅሪ ዘመናት ኣብዚኣ ቦታ ብስመይን ብስምኪን ቤተ ክርስቲያን ክስራሕ እዩ። ድንቂ ተኣምራት’ውን ክሳብ ፍጻመ ዓለም ክፍጽመላ እየ። ዝኽራ ድማ ኣነ ዓለም ንምድኃን ብሥጋ ከምዝተገለጽኩ ምልክት ክትከውን እያ። ስማ ድማ ደብረ ምጥማቅ ትበሃል ኢሉዋ” እዚ ብጐይታ ንኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነገረ ትንቢት ከይተፈጸመ ዝተርፍ ስለዘይኮነ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ድማ ኵሉ ከምቲ ዝበሎ ኮነ። ደብረ ምጥማቅ ድማ መናንያን ዝነብሩላ፡ ምእመናን ዝሕጐሱላ፡ ተኣምራት ኣብ ልዕሊ ተኣምራት ዝፍልፍለላ ኮነት።
ደብረ ምጥማቅን ተኣምራታዊ ታሪኻን
እቲ ጐይታ ዝበሎ ዘመን ምስ ኣኸለ ድማ እቶም ፍቱዋት መናንያን ኣበው መነኮሳት ብስም ቅድስት ድንግል ቤተ ክርስቲያን ኣኅኒፆም ገደምዋ። ስማ ድማ ደብረ ምጥማቅ ሰመይዋ። ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዝነበሩ ዓድታት ድማ ኣብ ክብረ በዓላ ንምስታፍ ናብዛ ቦታ እዚኣ ይውሕዙ ኸኣ ነበሩ። መጽለሊ ሓይመት (ቴንዳ) ዘርጊሖም ድማ ኣብኡ ይቕንዩ ነበሩ። እቲ በዓል ድማ ንኃሙሽተ መዓልቲ ዝቕጽል ኮይኑ ካብ ፳፩-፳፭ ግንቦት ብዓቢ ድምቐትን መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓትን ይበዓል ነበረ።
ይኹን ደኣ እምበር ደብረ ምጥማቅ ኣብ ኣጻምእ በረኻ ዝርከብ ብምዃኑ ማይ ብቐሊሉ ክርከቦ ዝከኣል ኣይነበረን። እቶም መነኮሳት’ውን ንዝስተ ይኹን ንዝኾነ ስራሓት ዘድልዮም ማይ ንክረኽቡ ርሑቕ መገዲ ክጓዓዙ ይግደዱ ነበሩ። እቲ በዓል ምስ ቀረበ ድማ ነቲ ነጋዲ ሕዝቢ ክዕንግሉ ብዝኽፈሉ ሸቓሎ ኣቢሎም ብኣግማል ማይ ካብ ርሑቕ ቦታ እናጓረቱ ኣብ መኸዘኒ ማይ የዋህልልዎ ነበሩ። እቲ በዓል ምስ ኣተወ ድማ እቲ ነጋዳይ ነቲ ዝተቐረበሉ ዝተባረኸ ሲሳይን ማይን እናተቋደሰ፡ ብመንፈሳዊ ሓሴት ነቲ በዓል ንምሕላፍ ኣብቲ ገዳም ይጸንሕ ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ነቲ በዓል ዓመት መጸ የኽብርዎ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብታ ፍልይቲ ዓመት ግና ዘድንቕ ተኣምራት ተፈጸመ።
እዚ ኸኣ እቲ በዓል ኣብ ዝቐረበሉ ነቲ ማይ ዘጓርቱሎም ሰብ ኣግማል ኵሎም ክርከቡ ኣይተኻእሉን። ካልእ ኣማራጺ ድማ ክርከብ ኣይተኻእለን። ብኸምዚ ስእነት ድማ አበው መነኮሳት ዓቕሎም ጸቢብዎም “እንታይ ንግበር” ኢሎም ይሓስቡን፡ ላዕልን ታሕትን ይብሉን ነበሩ። እቲ በዓል’ውን ሠለስተ መዓልቲ ምስተረፎ ሓደ ካብቶም መነኮሳት ኣዝዩ ተጨኒቑ “ኣቱም ኣኅዋተይ መነኮሳት እንታይ ንግበር፤ እዚ ዝነግድ ሕዝቢ ኣብዚ በረኻ ብጽምኢ ማይ ክውድኣና እዩ፤ እንታይ ይሕሸና” ክብል ናብ ማኅበር ሓሳብ ኣቕረበ። ንሳቶም’ውን እቲ ሓሳብ ኣብ ልቦም ስለዝጸንሐ ከም ሓደ ልቢ መኸርቲ ከም ሓደ ቃል ተዛረብቲ ኮይኖም ናብ ርኅርኅተ ኅሊና ቅድስት ድንግል ማርያም ልማናኦም ኣቕረቡ። ለይቲ ምሉእ ድማ ብዛዕብኡ ክምህለሉን ክጽልዩን ሓደሩ። ሽዑ ሃንደበት ህቦብላ ነፋስ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ማይ ነቲ ከባቢ የናውጾ ጀመረ። ጨናፍር ኣግራብ ክሰላልዑን ካብ ሱሮም ድማ ክማሓዉን ጀሚሮም። መሬት ድማ ብዶሮናን ከምሲንን ተዓብለኸት። ብጽባሒቱ ኣበው መነኮሳት ምድሪ ከመይ ሓዲሩ ይኸውን ኢሎም ጸሎቶም ኣብጺሖም ነቲ መኸዘኒ ማይ እንተረኣይዎ፡ ማይ መሊኡ ጸንሖም። ከምቲ ኣዴና ኣብ ቃና ዘገሊላ ንወዳ ለሚና ሕፍረት ቤት ዶኪማስ ዝቐንጠጠት፤ ኣበው መነኮሳት'ውን እዚ ሕዝቢ እንታይ ከነስትዮ ኢሎም ዝጭነቕዎ ዝነበረ ስክፍታ ፈጺሙ ተቐንጠጠ። ብጸሎት ኣዴና ቅድስት ድንግል፡ ብተኣምራት እግዚአብሔር ንዝተፈጸመሎም ነገር እናስተንከሩ ድማ ምስጋንኦም ኣቕረቡ። ነቲ በዓል ድማ በቲ ዝተፈጸመሎም ተኣምራት እናተደነቑን ንሕዝቢ’ውን እናነገሩ ብሓጐስ ኣኅለፍዎ።

ኣብዚ በዓል፡ ኣዴና ኣብ እትግለጸሉ እዋን እቶም ምእመናን ሓሳብ ልቦም ገሊጾም ድሌቶም ይልምንዋ ነበሩ፤ ንሳ ድማ ትፍጽመሎምን ተኣምራት ትገብረሎምን ነበረት። በዚ ድማ እዚ ዘይበሃል ሓጐስ ይሕጐሱ ነበሩ። ኣዴና ድማ ብብርሃናዊ መስቀል ትባርኾምን ነበረት። ንግደቶም ወዲኦም ኣብ ዝፋነዉሉ ድማ ወዲቖም ይሰግዱላ ነይሮም። እዚ ድማ ነቶም ምእምናን ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ኣብቲ በዓል ዝሳተፍ ንዝነበረ ካልእ ሕዝቢ’ውን ትግለጽ ከምዝነበረት መዛግብ ታሪኽ ዝምስክርዎን ክሳብ ሕጂ’ውን ኣብ ካልእ ቦታታት ዝግበር ተኣምራት ኣዴና ተደጋጊሙ ዝተራእየ እዩ። ከም ኣብነት’ውን ኣብ ዘይቱን፡ ኣስዩጥ፡ ካይሮ ኣብዚ ዘሎናዮ መዋዕል ዝተፈጸሙ ተኣምራት ክጥቀሱ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ሕጂ ዘሎ ገፊሕን ዘመናዊን ቤተ ክርስቲያን ዘይቱን ቅድሚ ኵሉ ኣዴና ኣብ ዘይቱን ክትግለጽ ከላ (1968) ተኣምራታ ብዝረኣየ እቲ ቀዳማይ ሙስሊም ዝተወፈየ መሬት ምዃኑ ክንሰምዕ ከሎና እቲ ጥንታዊ ታሪኽ ምድጋሙ ዘረድእ እዩ።
ስለዚ ኣብዚ ክብረ በዓል ደብረ ምጥማቅ ብሓፈሻ እቲ ነጋዳይ ሕዝቢ ነቲ ናይ ፭ መዓልቲ በዓል ብኣዝዩ መንፈሳዊ ሓጐስን ሥነ ሥርዓትን የኽብሮን የብዕሎን ከምዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።
ይቕጽል...
ይቕጽል...
No comments:
Post a Comment