Saturday, May 14, 2011

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብፁዕ አምላክን ገዳሞምን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ብፁዕ አምላክን ገዳሞምን (ቀዳማይ ክፋል)
ቅዱስ ኣቦና ብፅዕ አምላክ ብሕይወቱ ከለዉ ዝመሥረትዎም ክልተ ገዳማት ኣብ ዞባ ደቡብ ይርከቡ። ነዚኦም ገዳማት ዝመሥረትዎ ኣቦና ምንኵስንኦም ደብረ ቢዘን እዩ። እዚኣቶም ከኣ ደብረ ኮዶዱን ደብረ ምዕዋንን እዮም። እግዚአብሔር ፈቒድዎ ኣስፊሕና ብዛዕባ እዘን ገዳማት ክሳብ እንጽሕፍ ንሎሚ ኣዝዩ ውሑድ መላለዩ ጥራይ ክንገብር።

ገዳም ደብረ ምዕዋን አቡነ ብፁዕ አምላክ
እዚ ገዳም እዚ አብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣብ ከባቢ ጐደይቲ (እገላ ምድሪ ሮብራ) ይርከብ። መንገዱ’ውን ካብ ከተማ ደቀ መሓረ ንደቡባዊ ምዕራብ ገጽ ፳ ኪሎሜትር ጎልጐል ማይ ዕዳጋ ሰንጢቕካ ምስ ከድካ ኣብቲ ብርኽ ዝበለ ጎቦ ምስ በጻሕካን ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ፲፱፻፸ ሜትሮ ብራኸ ተገዲሙ ኣሎ።

እዚ ገዳም’ዚ ኣቦና ባዕሎም ብ፲፬፻፷፯ ዓ.ም. እዮም ኣገዲሞሞ። ብዘይካ ናይቶም መነኮሳት፡ ኣብዚ ገዳም በይነን ዝቕመጣሉ ናይ መነኮሳይያትን ደናግላን ቦታ ኣሎ። ኣብዚ ገዳም መሰታ ዕድመ ገዳም ዝኾኑ ጥንታውያን ብራናታትን ንዋየት ቅዱሳትን ኣለዉ።

በብዘመኑ ዝተፈላለየ ሽግርን መከራን የሕልፍ ደኣ እምበር ብኃይሊ እግዚአብሔርን፡ ቃል ኪዳን ቅዱስ ኣቦናን፡ ጸሎት መናንያን ፈላስያንን ፈለስትን ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎቱ ዘበርክት ዘሎ ሓደ ካብቶም ድንቂ ገዳማት ሃገርና እዩ።


ገዳም ደብረ ኮዳዱ ኣቡነ ብፁዕ አምላክ
ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣብ ከባቢ እምኒ ጸሊም ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ኣቦና ንነዊሕ ዓመታት ብመንፈሳዊ ተጋድሎ ዝጸንሑሉን ዝባረኽዎን ገዳም እዩ። ብፍሉይ ነዚ ገዳም ከጽውዕ ዝኽእል ተኣምር ድማ ሥላሴ ብዘደንቕ ግርማ ብኣምሳለ መኳንንቲ ዝወረዱሉን ንኣቦና ዘዘራቡሉን መካን ምዃና እዩ።

ብዙኅ ተጻብኦ ብብዘመኑ የጓንፎ ደኣ እምበር እዚ ገዳም እናተቓለሰ ኣብዚ ዘመን በጺሑ ኣሎ። ውሑዳት መነንትን መኮሳይያት ፈለስትን ድማ ይቕመጥዎ ኣለዉ። ምሕደሮኦምን ካልእ ነገራቶምን ድማ ምስ ገዳም ኣቡነ ብፅዕ አምላክ ጐደይቲ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ብፅዕ አምላክ

ትውልድን ኣተዓባብያን
ብምኽንያት ስደት ወለዶም ኣብ ንጣጥያ ዝተባህለ ቦታ ይውለዱዎም እምበር መበቆል ዓዶም ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ከባቢ ጽልማ - እምኒ ጸሊም እዩ። ዓዲ ትውልዶምን ሓደ ካብቲ ገዳሞምን ዝኾነ ደብረ ኮዳዱ ድማ ጥቓ ጥቓን እዩ ዝርከብ። ነዚኦም ቅዱስ ኣቦ ዝወለዱ ወለዶም ድማ ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ይብሃሉ። ስድርኦም ድማ ብሕጊ እግዚአብሔር ዝምርሑን በዓላትን አጽዋማትን ተጠንቂቖም ዝሕልውን ቅዱሳን እዮም ነይሮም። ይኹን ደኣ እምበር ውላድ ከይረኸቡ ንነዊሕ ዘመን ብቃል ኪዳንን፡ ብጽኑዕ ኣምልኾተ እግዚአብሔርን ጸኒዖም ይነብሩ ነይሮም። ምቁር ወይኒ፡ ጥዑም ወይኒ ከምዝፈሪ ኣቦና’ውን ከምዚኦም ካብ ዝኣመሰሉ ስድራ እዮም ተረኺቦም።

ሓደ መዓልቲ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ መንፈሰ እግዚአብሔር ብሕልሚ ንያፍቅረነ እግዚእ ተራእዮ። ንብዙኃት ሰባት ኣቦ ዝኸውን ብትምህርቱን ግብሩን ብፁዕ ዝኾነን ንብዙኃት’ውን ሕይወት ዝህብ ውላድ ከምዝወልዱ ኣበሰሮም። ካብ ማኅፀን ኣዲኡ ጀሚሩ ድማ ከም ኤርሚያስን ዮሓንስን ኅሩይ ምዃኑ ነገሮም። ዘመደ ማርያም ድማ ኣዝያ መንፈሳዊት ብምንባራ ንእግዚአብሔር ዝሰአኖ ነገር የልቦን እሞ እዚ ሕልሚ’ዚ መታን ክፍጽመልና ምህልላን ጸሎትን ንግበር በለቶም። ከምቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ድማ ኣቦና ባሕቲ ታሕሳስ ፲፬፻፳፬ ዓ.ም. ተጸንሱን፤ መስከረም ፲፬፻፳፭ ዓ.ም. ድማ ተወልዱ። ክውለዱ ከለዉ ግና ካብ ሰቦም ተፈልዮም ኣብ ስደት ስለዝነበሩ፤ ንኣዲኦም ዘታሕርሳኣን ዝሕግዝኣን ኣይረኸበትን፤ እንታይ ደኣ ባዕላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ ተራዲኣተን። ከም ዝኾነ ህጻን ድማ ብሥርዓት ኣብ ቤት ወለዶም ዓበዩ።

ጉዕዞ ካብ እምኒ ጸሊም ናብ ደብረ ቢዘን
እቲ ኣቐዲሙ እዚ ህጻን ከምዝውለድ ዘበሰረ እግዚአብሔር ሕጂ’ውን ንያፍቅረነ እግዚእ ተገሊጹ ነቲ ህጻን ካብቶም ካልኦት ኣኅዋቱ ክፈልይዎ ነገሮም። ብ፲፬፻፴፫ ዓ.ም. ኣቦና ዕድሚኦም ሸሞንተ ምስ መልአ፡ ኣቦኦም ያፍቅረነ እግዚእ ምስ ፬ ኣሕዋቶም ንገዳም ደብረ ቢዘን ሒዞምም ተበገሱ። ንእግረ መገዶም ግና ፋሉቄ አብ ዝብሃል መነኮሳይያት ደቂ አቡነ ፊልጶስ ዝቐመጥሉ ገዳም ተኣልዮም ነበሩ እሞ ኵላተን መነኮሳይያት ብግርማ እዚ ህጻን ተደነቓ። ብሕልፊ እተን እመምኔት ብቕዓት ስለዝነበረን ንያፍቅረነ እግዚእ ምስደቁ ርእይ አቢለን “እዚ ቆልዓ’ዚ ጸጋ እግዚአብሔር ዝሓደሮ እዩ፡ ግርማኡን ውቃቤኡን ፍሉይ እዩ’ሞ ከም ማንም ሰብ ከይትርእዮ” በለቶም። ናይ ቅድም ሽሙ ብፁዕ እዩ ነይሩ ሕጂ ግና ብፁዕ ዘመሀሮ ኢለን ሰመየኦ።

ድኅሪ እዚ መገዶም ቀጺሎም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን አትዮም፡ መቓብር ኣቡነ ፊልጶስን ኣቡነ ዮሓንስን ተሳሊሞም። ብምቕጻል ከአ ምስ ኣበምኔት አባ ሠረቀ ብርሃን ተራኺቦም ሰላምታ ተዋሃሃቡ። ዘምጽኦም ጕዳያት ብሰፊሑ ተመያየጡ። በዚ መሠረት ድማ ያፍቅረነ እግዚእ ምስ ደቆም ክምንኵሱ ናብ ደብረ ቢዘን ከምዝደየቡን ድሌቶም እንታይ ምዃኑን ኣግሂዶም ገለጹሎም። ይኹን ደኣ እምበር ኣበምኔት ደብረ ቢዘን ዝነበሩ አባ ሠረቀ ብርሃን፡ ግብረ ምንኩስና ድሌት ጥራይ ዘይኮነስ ፅኑዕን ኃያልን ምዃኑን፡ ፅምእን ዕርቃንን ተጻብኦ ዘለዎ ስለዝኾነ ድማ ብዙኅ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘድልዮ ምዃኑ ገሊጾም ኣረዲኦምም። ነቶም ደቆም’ውን ንኣሽቱ እዮም እሞ ዝከኣል ኣይኮነን ኢሎም መዓድዎም።

ድኅሪ’ዚ ግና ንአበምኔት አባ ሠረቀ ብርሃን በይኖም ረኺቦም ኵሉ እቲ ብሕልሚ ዝረአይዎን ብድኅሪኡ ዘጋጠሞም ነገራትን ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ንገዳም ደብረ ቢዘን ተቐላጢፉም ክድይቡ ከምዝሓበሮም ገለጹሎም። ሽዑ አባ ሠረቀ ብርሃን ንኹሎም ደቂ ያፍቅረነ እግዚእ ኣጸዊዖም ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበልዎም፤ ጥምት አቢሎም ኣቐድሞም ሌላ ከምዝጸንሖምን ከምዝፈልጥዎን ናብ ብፁዕ ብአጻብዕቶም እናመልከቱ “እዚ ዲዩ ብዛዕብኡ እተዛረብካኒ” በልዎ። ብምግራም “እወ” ምስ በልዎም፡ ከይተደናጐዩ ኸኣ መምህራን ጸዊዖም ነቲ ህጻን ብፁዕ ኵሉ መጻሕፍቲ ክምህርዎም ነገርዎምን ሃብዎምን። ኣባት ሠረቀ ብርሃን ድማ ነቲ ህጻን ብሕጂ ስምካ “ብፁዕ አምላክ” እዩ ኢሎም ዳግማይ ሰመይዎም።
 
ትምህርትን ርድእናን ምንኵስናን
ኣቦና ብፁዕ ኣምላክ ገና ካብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ እግዚአብሔር ዝኃረዮም ብምንባሮም ኵሉ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኵሉ ዘደንቕ ነበረ። ግርማ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ፈጺሙ ኣይፍለዮም ነበረ። እግዚአብሔር ምሥጢረ መጻሕፍቲ ስለዝገለጸሎም ድማ ኣብ ውሽጢ ቑሩብ ዓመታት ትምህርቶም ፈጸሙ። ጐድኒ ጐድኒ ድማ ነቲ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ሰናይ ተግባር ብምቕጻል ኣብ ርድእናን አገልግሎት አረጋውያንን ተጸምዱ። ብሓፈሻ ኣቦና ፈታዊ ብሕትውና ስለዝነበሩ ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ዝጸንሑሉን ዓመታት እተን ፲፪ ዓመታት ኣብ ጎቦ ለሚን ኣብ ዝተባህለ መሬት ደብረቢዘን ባሕቲቶም ከምዘሕለፍዎ ታሪኽ ክልቲኡ ገዳማት ዝምስክሮ እዩ።

ኣቦታት ገዳም ቢዘን’ውን፡ ብፁዕ አምላክ በቲ ኵሉ ዝገብርዎ ዝነበረ ሰናይ ተግባርን፡ መንፈሳዊ ሥርዓትን ከምኡ ድማ ብኢዶም ንዝፍጸም ተኣምራት እናስተንከሩ “አስኬማ ዘመላእክት” (ቆብዕ) ክገብሩ ሓሳቦም ኮነ። ኅሩየ እግዚአብሔር ብምንባሮም ድማ ኣብ መበል ፲፭ ዓመቶም ብ፲፬፻፵ ዓ.ም ብኢድ ኣቡነ ጴጥሮስ (ድኅሪ ኣቡነ ፊሊጶስ ራብዓይ ኣበምኔት ደብረ ቢዘን ዝነበሩ) መዓርገ ምንኩስና ተቐበሉ፡ ቀጺሎም’ውን ካብ አቡነ ጴጥሮስ ፍቓድ ሓቲቶም መዓርገ ክህነት ክቕበሉ ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ተበጊሶም ናብ ዳምባ ምጭ (ዞባ ደቡብ) ከዱ። ኣብቲ ዘመን እቲ ድማ ዳምባ ምጭ ካብቶም ናይ ግብጺ ጳጳሳት እቶም ሓደ ዝቕመጡላ መንበር ስለዝነበራ፡ ካብ አቡነ ይስሓቅ እተባህሉ ጳጳስ ኣብ መበል ፳፭ ዓመት ዕድሚኦም ብ፲፬፻፶ ዓ.ም. መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። ድኅሪ ቝሩብ እዋን ኣብቲ ዓመት’ቲ ከኣ እቶም ጳጳስ ንርሑቕ ከምዝገሹ ስለዝፈለጡ፤ ንሶም ከይተፈለይዎም ከለዉ፤ መዓርገ ክህነት ካብዞም ዝተጠቕሱ ጳጳስ ተቐበሉ። ብታሪኽ ከምዝፍለጥ፡ ከምዚ ሎሚ መንበረ ጵጵስናን ፓትርያርክን ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ከይተተኽለ ከሎ፤ ጳጳሳት ካብ ግብጺ እናተላእኹ ነዚ ሕዝቢ ን፲፮ ክፍለ ዘመን ዝኣክል ይጓስዩ ከምዝነበሩ፡ ኵልሳዕ’ውን ብቀሊሉ ዘይርከቡ ብምንባሮም ብጽንዓቶም ዝልለዩ ኣቦታትና ብእግሮም ኣሽሓት ኪሎሜትራት በረኻ ቖሪጾምን ክንደይ ተጻብኦ ሰጊሮምን፡ ናብ ግብጺ ብምኻድ ማዕርገ ዲቁናን ክህነትን ይቕበሉ ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኸኣ ኣቦታትና ኣብ መንፈሳዊ ማዕርጋትን ክብረ ሥልጣኑን ዝነበሮም መዘና ዘይርከቦ ኣተሓሕዛን ኣኽብሮትን የመልክት።

ድኅር’ዚ ኣቦና ናብ ደብረ ቢዘን ተመሊሶም ቝሩብ ዓመታት ምስ ተቐመጡ፡ ዝበጻሕክዎ መዓርግን ዝተማህርክዎ ትምህርቲ ይኣኽለኒ ከይበሉ ናብ ገዳም ደብረ ዳሞ (ትግራይ) ብምኻድ መቓብር ኣቡነ ኣረጋዊ ከምዝተሳለሙን ከምዝተባረኹን፡ ድኅሪኡ ድማ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ትምህርትን ትርጓሜ ቅድሳት መጻሕፍትን፡ ጸዋተወ ዜማ ያሬድን ኣብቲ ገዳም ከምዝተማህሩን ን፭ ዓመት ኣብኡ ከምዝጸንሑ ገድሎም ይገልጽ። ነዚ ምስ ፈጸሙ ድማ ናብ ካልእ ቦታታት ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም ኣብ መበል ፵፩ ዓመት ዕድሚኦም ብ፲፬፻፷፮ ዓ.ም. ንዓዶም ደብረ ኮዳዱ ተመሊሶም መንፈሳዊ ገድሎም ቀጸልዎ። ኣብዚ መካን እዚ ድማ ን፴ ዓመት ከምዝባሕተዉን ከምዘገልገሉን መዝገብ ታሪኾም የረድእ።

ኣቦና ጸሎቶም ውኩፍ፡ ኣገልግሎቶምን ሥሙር ከምዝነበረ ዘረጋግጽ ሓደ ምስክር፤ ኣቦና አገልግሎት ክህነት አብ ዝፍጽሙሉ እዋን ‘ፈኑ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ’ አብ ዝብሉሉ ክበጽሑ ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ብአምሳል ፃዕዳ ርግቢ ኣብቲ መሰውዒ የጽልልን ነበረ። እዚ ኸኣ ብግልጺ ይረአ ከምዝነበረ ገድሎም ዝገልጾ እዩ። ብጽኑዕ ጾምን ጸሎትን ስግደትን ትሩፋትን ድማ ንሰብ ጽልማ ቃል ወንጌል ኣናመሓሩ፤ ሕሙማት እናፈወሱ ይነብሩ ነይሮም። ሓደ ኣብነት ካብ ዝገበርዎ ተኣምራት ንምጥቓስ ዝኣክል፤ ሓደ መዓልቲ ዝናም ኣብ ዝተሰኣነሉ እዋን እቶም ሕዝቢ ጸልዩልና ኢሎም ክጽልዩሎም ንኣቦና ለመንዎም። ንሶም ድማ ምስ ጸለዩ ከምዚ ናይ ኤልያስ ንእሽቶ ደመና መጺኣ ዝናም ገበረት። ነዚ ተኣምር ብዝርኣዩ ድማ ብስድርኦም መንኮሱ። ካብ ኵሉ እቲ ዝገበርዎ ተኣምራትን ካልእን ቅድስንኦም ልዕልንኦም ዝገልጽ ግና ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ኣብዚ ቦታ እዚ ተገሊጾሙሎም ምንባሮም እዮም። ብተወሳኺውን ባሕረ እሳት ሲኦል ከምዝረኣዩን ንነፍሳት’ውን ከምዝዘመትወን ዝነግር ታሪኾም’ውን ድንቂ ተኣምራት እዩ።

                                                                                                       ይቕጽል..

No comments:

Post a Comment