Friday, July 1, 2011

ጸዓተ ጽድያ

እዘን ዝሓለፈ ሠለስተ ኣዋርሕ (ሚያዚያ - ሰነ) መጸውዒአን ‘ጽድያ’ ወይውን ‘ጸደይ’ ክፍለ ዓመት (ወቕታትት) ኮይኑ ኣብ ሕብረተሰብና ናቱ ዝኾነ ባህላዊ መግለጽታትትን ማኅበራዊ ምንቅስቓሳትን ኣለዎ። 

ጽድያ ኣባጽሕ ዝምርዓዉሉ፤ ቅድሚኡ ዝተመርዓዉ ኸኣ ኣብ ዓዲ እንዳሕማኦም ዝቅንይሉ (እትዋት)፤ ምስ ደቂ ዓዲ በበይንኑ ጸወታታት ዝወዳደሩሉ፤ ዓበይቲ ኣብ ትዝሕቶ መሬት ብዘተ ዝነባበርሉን ምድላዋት ዝገብሩሉን፤ ኣኸዛ (ኣዝመራ) ምስ ፈሰሰ፡ ኣየት (ተወን) ምስ ለገሰ ኸኣ፤ እንስሳታት ካብ ዝጠጠዐ ሳዕሪ ዝጨብጨበ ቈጽሊ ዓጊበን ሓሬት ጸጊበን ዝሓድራሉ፤ ጸባ ጸገብ ኣብታይ መሓስእን ዕያውትን ዝዕንድራሉ ወርሓተ ፍስሓ እዩ። 

ሓረስታይ መሳርዑ ኣዋዲዱ ኣብዑሩ ጸሚዱ ኣብ ጽድያ ዝዝርኡ ዘራእቲ ዘፍስሰሉን ንክራማት ዝዝራእ መሬት ዘላሳልሰሉን ወቕቲ ብምዃኑ ድማ “እዋን ትኸል ንቐል” ይበሃል። ‘ንቐል’ ዝብል ቃል ኣብ መስርሕ ሕርሻ ክዝረብ ከሎ መሬት ንምልስላስ ቃዲሩ ንዝጸንሐ ወይ ቀሪሙ ንዝተወደአ ግራት ምንቃል ማለት ነቕሊ ምሕራስ ማለት እዩ። (ሰነ ዝሕረስ ባይታ ኣታ ዝበሃል ጐይታ ይሃበና) 
ብኻልእ መዳይ ተነቒሉ ዝበሃል ኣዘራርባ ተመንቊሱ ተማሕዩ ካብ ሱሩ ተበርቊቑ ካብ ቦትኡ ለቒቑ… ወዘተ ማለት ብምዃኑ፡ ኣብ ጽድያ ዘይጸዓረ ከይረኸበ ፍረ ካብ ዓዲ ከምዝተባረረ ኮይኑ ይተርፍ ነበረያ ነበረ። (ሓደ ሰነ ዝተነቕለ ሾብዓተ ሰነ ነይተተኽለ) 

እወ እዚ ብኃይሊ እቲ ክፍላተ ዓመት (ወቕትታት) ሓጋይን ክረምትን ቀውዕን ኣየትን በበይኑ ጠባያተ ኣየር እናቐያየረ፤ ብዝናም ኣብቊሉ ብፀሓይ ኣብሲሉ ንሰብን ንእንሰሳን ዝምግብ ኣምላኽ ዚዕድሎ ናይ ተፈጥሮ ውህበት ምዃኑ ተፈሊጡ እግዚአብሔር ክምስገንን ክዝክሮን ከሎ ምሉእ ራህዋ ይኸውን። (ዘፍ ፰፥፳፪) 

ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብዅሉ ነፍስኹም ብዅሉ ሕልናኹም ኣገልግልዎ፤ ከምዚ እንተደኣ ጌርኩም ሥርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን ምእንቲ ክትረኽቡ፡ ዝናም ምድርኹም በብጊዚኡ ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ክህበኩም ኣብ ግርሁኹም ንማልኩም ሳዕሪ ክህበን እየ ክትበልዑን ክትጸግቡን ኢኹም” ይብለና። (ዘዳ ፲፩፥፲፬ ኢዩ ፪፥፳፫) 

ካልእ ምስ ወቕቱ ዚዛመድ ኣስተምህሮ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ስንክሳር 

መተልወ ሐጋይ ክረምተ ዘረሰይከ እግዚእነ 

ወረሰይከ ጸደየ ለመጸው ወሰነ 

በዘክረምት ዘመዋዕሊነ 

ዘእንበለ ፍሬ እንዘ በቈጽል ሃሎነ 

ናስተበቍዓከ በክረምት ኢይኩን ጕያነ 

(ደድኅሪ ሓጋይ ክረምቲ ዝፈጠርካ ጐይታና፤ ንመጸው (ጽብሓት) ኸኣ ዝገበርካ ጽድያ ወሰና፤ ብዘይ ፍረ ኣብ ቈጽሊ ከሎና፤ ንልምነካ ኣብ ክረምቲ ከይኸውን ህድማና።) 

ዝበሎ ብጣዕሚ ዓለም ጥራሕ እናቝጸልጸልና፤ ኣብ ምግባረ ሠናይ ፍረ ጽድቂ ከየበጻሕና ከይንሓልፍ ካብዛ ዓለም ሓንሳብ ምስተነቐልካ ዳግማይ ስለዘይትትከል ብእዋንና ንጽድቂ ዝበቅዕ ፍረ ንምግባር ከነስተንትን የድሊ (ማቴ ፫፥፰)። 

እታ ግራት ዓለም እቲ ምሩጽ ዘርኢ ዝዝርእ ገባር ጽቡቕ ናይ ኣምላኽ ሰብ፤ እቲ ክርዳድ ዝዘርእ ግና ገባር ክፉእ ናይ ዲያብሎስ ሰብ እዩ እሞ ሃየ ሠናይ ሥርናይ ንዝራእ። (ማቴ ፲፫፥፳፬-፵፫) ፍሪኡ በብእዋኑ ክንሓፍሶ ኢና። 

(ምንጪ፦ ብሥራተ ግእዛን ቍ20 ሰነ ፲፱፻፺፫ ዓ.ም.)

No comments:

Post a Comment