Monday, October 3, 2011

ዘአፍቀረ ብእሲቶ ርእሶ አፍቀረ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

       ዘአፍቀረ ብእሲቶ ርእሶ አፍቀረ

እስከ ክንጅምር ናይ ኪዳን ምሥጢሩ (ኤፌ ፭)
ዘየስተውዕል ኣሎ ብዙኅ ቁም ነገሩ
ከም ሕጉ ዘይከይድ ዘይክተል ኣሰሩ
ሕጊ መጻሕፍቲ ቅድሚ ምጅማሩ
ሥላሴ ብምስሎም ንኣዳም ክፈጥሩ
ረዳኢት ብጸይት’ውን ንሔዋን ክገብሩ
ሕጊ ልቢ ሃቦም ብኡ ክዛወሩ
ነገር ግን ክፍኣት ምስ በዝኀ ምስ ተኸለ ሡሩ
ሕጊ መጽሓፍ ሃቦም ነቢሩ ነቢሩ
                          ፲ቱ ትእዛዛት ሓልዮም ክነብሩ
ሳድሰይቲ ሕጊ ንምስማዕ ጠንክሩ
ነዚኣ ዝሓሎ ክብ ዝበለ’ዩ ክብሩ
ኣይብተኽን’ዩ ውሽጣዊ ፍቕሩ
ብኺዳን ሓድነት ተጠመሩ
ጠባይ ዘይምኃዝ እዩ ንኺዳን ዝዘሩ
ጒድለት ናይ ሓድሕድኩም ተጻወሩ
ናይ ንብረት ፈተና ብዙኅ እዩ ጾሩ
ቅድሚ ጽንብሎትኩም ጽሑፋት መርምሩ
ድኅሪት ምምላስ የለን ምዱብ’ዩ ሓጹሩ
ርሑሳት መርዓውቲ ዕድልኩም ሠሚሩ
ኣብ “መዝገበ ሕግ” ስምኩም ተደብቲሩ
ወለቕ ዘለቕ የለን ደጊም ንሓዋሩ
ምስ ቅዱስ ኪዳንኩም ንጽሕና ጨምሩ
ንብረት ዓለም ሓፂር እዩ ዕምሩ
ኣይክተርፎን እዩ ኵሉ ከከም ግብሩ
ንዝመጽእ ክብሩ ብኅልፊ ጸዓሩ።
               ክቡራት መንእሰይ ኣብ ዓለም ትነብሩ
               ካብ ፲ቱ ቃላት ክንጠቅስ ጨንፈሩ
ስዩማን ካህናት’ውን ሕዝብኹም መሃሩ
ብዙኃት ኣለዉ ማሕላ ዝሠዓሩ
ብናይ ዝሙት ጋህሚ ኣዒንቶም ዝዖሩ
ደሞም ካባኹም እዩ ዝደልዮ መምህሩ (ጐይታ)
መዝነትኩም ብወንጌል ንገሩ
መታን ከተምልጡ ካብ ዳኅረዋይ ጻዕሩ
ምእመንኩም ከይጠልቕ ኣብዘይ ቀላይ ባሕሩ
ባህልታት በዚኁ ፈቐዶ ሃገሩ
ወልታ ሃይማኖትኩም ጠንኪርኩም ገትሩ
ሳዕቤንኩም ክምዕርግ ኣብ ቅድሚ መንበሩ
በኣኹም ምኽንያት ብእሳት ከይሓሩ
               ኣስትይዎም ጸባ ወንጌል ምስ መዓሩ።

       ኣባኹም ክምለስ ኪዳን እትኣስሩ      
      ጽን ኢልኩም ስምዕዎም ንክርስቶስ ገብሩ
      መንፈስ ቅዱስ እንድኅሪ በሪሩ
      ብመሳልል ዘይርከብ ኣሠሩ
      ኣካልኩም ኣፍቅሩ ክትኮኑ ማኅደሩ 
      ንመጻምርትኹም ጓና ኣይትቍጸሩ
      ሰብዶ ይጸልእ ኣካሉ ኢደ እግሩ
     እምበኣር ኃደራ ንፍቕሪ ክትጽዕሩ።

አሐዱ እምካህናት (ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን)

No comments:

Post a Comment